ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣራዊትን ነቲ ማሕተሙን ምፍላጡ

ነቲ ኣራዊትን ነቲ ማሕተሙን ምፍላጡ

ነቲ ኣራዊትን ነቲ ማሕተሙን ምፍላጡ

ግድል ምፍታሕ የሐጕሰካዶ፧ ሓደ ግድል ንምፍታሕ: ፈለማ ኣመት ዚዀነካ ነገራት ኢኻ እትደሊ። ኣምላኽ ኣብቲ መንፈሱ ዝነፈሶ ቓሉ ነታ ስም ወይ ማሕተም እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13 ተገሊጹ ዘሎ ኣራዊት ተባሂላ ዘላ 666 ንምፍላጥ ዜኽእለና ኣመት ሂቡና ኣሎ።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ማሕተም እቲ ኣራዊት እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ንምፍላጥ ዜኽእለና ኣርባዕተ መዳያት ወይ ኣመት ዚዀነና ነገራት ክንርኢ ኢና። እዚ ኸኣ (1) ሓድሓደ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣስማት ብኸመይ ከም ዚምረጽ: (2) መንነት እቲ ኣራዊት: (3) 666 “ቍጽሪ ሰብ እዩ” ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ: (4) ቍጽሪ 6 እንታይ ትርጕም ከም ዘለዋ ከምኡውን 600 ተደመሮ 60 ተደመሮ 6 ብምግባር ነታ 6 ሰለስተ ሳዕ ብምድግጋም 666 ዝዀነትሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኽንርኢ ኢና።—ራእይ 13:18

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣስማት ትርጕም ኣለዎ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣስማት: ምናዳ ኸኣ ብኣምላኽ እተዋህበ ምስ ዚኸውን መብዛሕትኡ ግዜ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ንኣብነት: ኣብራም ኣቦ ብዙሓት ምእንቲ ኪኸውን: ኣምላኽ ንስሙ ናብ ኣብርሃም ቀየረሉ፣ እዚ ኸኣ “ኣቦ ብዙሓት” ማለት እዩ። (ዘፍጥረት 17:5) ኣምላኽ ንዮሴፍን ንማርያምን ነቲ ዚውለድ ሕጻን የሱስ ኢሎም ኪሰምይዎ ኣዘዞም: እዚ ድማ “የሆዋ ምድሓን እዩ” ዚብል ትርጕም እዩ ዘለዎ። (ማቴዎስ 1:21፣ ሉቃስ 1:31) የሆዋ ምስዚ ትርጕም ዘለዎ ስም ብምስምማዕ: በቲ የሱስ ዝፈጸሞ ኣገልግሎትን በቲ መስዋእታዊ ሞቱን ኣቢሉ ድሕነት ንኽንረክብ መገዲ ኸፈተልና።—ዮሃንስ 3:16

በዚ መሰረት እዚ: እቲ ኣምላኽ 666 ብምባል ዝሃቦ ስም: ነቲ ኣምላኽ ኣብቲ ኣራዊት ዚርእዮ መለለዪ ባህሪ እዩ ዜመልክት። እምበኣር: እዚ ባህርያት እዚ ምእንቲ ኺርድኣና: መንነትን ንጥፈታትን እቲ ኣራዊት ክንፈልጥ ኣሎና።

እቲ ኣራዊት መን ምዃኑ ተፈልጠ

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዳንኤል ንመንነት እቲ ኣራዊት ተነጽረልና እያ። ኣብ ምዕራፍ 7 ብዛዕባ “ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት” ንጹር መግለጺ ኣሎ። እዞም ኣርባዕተ ኣራዊት እዚኣቶም ኣንበሳ: ድቢ: ነብሪ: ከምኡውን ዓበይቲ ኣስናን ሓጺን ዝነበሮ መፍርሂ ኣራዊት እዮም። (ዳንኤል 7:2-7) እዞም ኣራዊት እዚኣቶም ነቶም በብተራ ዓበይቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝሓዙ “ነገስታት” ወይ ፖለቲካውያን መንግስትታት ከም ዚውክሉ ዳንኤል ገሊጹልና ኣሎ።—ዳንኤል 7:17, 23

ዘ ኢንተርፕሪተርስ ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ባይብል ብዛዕባ እቲ ኣብ ራእይ 13:1, 2 ዚርከብ ኣራዊት: “ነቲ ዳንኤል ኣብ ዝረኣዮ ራእይ ዚርከቡ ኣርባዕተ ኣራዊት ዘለዎም ባህርያት ዘጣመረ እዩ። . . . በዚ መሰረት እዚ: እዚ [ኣብ ራእይ ዚርከብ] ናይ መጀመርታ ኣራዊት ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ንኣምላኽ ዚጻረር ፖለቲካዊ ግዝኣት ብሓባር ዘጣመረ እዩ” ትብል። ራእይ 13:7 “ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ” ስለ እትብል: ነዚ መግለጺ እዚ እተረጋግጽ እያ። a

መጽሓፍ ቅዱስ ንመግዛእቲ ደቅሰብ ብኣራዊት ገይሩ ዝመሰሎ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚ ብውሑዱ ኽልተ ምኽንያት ኪህሉ ይኽእል። ቀዳማይ: መንግስትታት ንዘመናት ዚኣክል ከም ኣራዊት ብዙሕ ደም ኬፍስሳ ስለ ዝጸንሓ እዩ። ዊል ዱራንትን ኣርየል ዱራንትን ዚበሃሉ ጸሓፍቲ ታሪኽ “ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ውግእ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ: ስልጣነ ወይ ዲሞክራሲ እውን ንውግእ ኣይነከዮን” በሉ። ብሓቂ እምበኣር “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ” መጺኡ እዩ! (መክብብ 8:9) እቲ ኻልኣይ ምኽንያት ከኣ ‘እቲ ገበል [ሰይጣን] ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ነቲ ኣራዊት ስለ ዝሃቦ’ እዩ። (ራእይ 12:9፣ 13:2) እምበኣር: መግዛእቲ ደቅሰብ ካብ ሰይጣን ዝመነጨ ብምዃኑ: ልክዕ ከም ገበል ናይ ኣራዊት ባህሪ እዩ ዜንጸባርቕ።—ዮሃንስ 8:44፣ ኤፌሶን 6:12

ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ገዛኢ ቐጥታዊ መሳርሒ ሰይጣን እዩ ማለት ኣይኰነን። አረ: ሰብኣውያን መንግስትታትሲ ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ሕንፍሽፍሽ ምእንቲ ኸይፍጠር ስርዓት ዜትሕዛ ብምዃነን በዚ መዳይ እዚ ‘ኣገልገልቲ ኣምላኽ’ ኪበሃላ ይኽእላ እየን። ገሊኣቶም መራሕቲ እውን ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምስታፍ ዘሎና መሰል ኰነ ንኻልእ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ሓልዮም እዮም። እዚ ድማ ሰይጣን ዚደልዮ ነገር ኣይኰነን። (ሮሜ 13:3, 4፣ እዝራ 7:11-27፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:7) ይኹን እምበር: ብሰንኪ እቲ ድያብሎስ ዚገብሮ ጽልዋ: ዋላ ሓደ ሰብ ኰነ ብሰብ ዝቘመ ትካል ንሰባት ነባሪ ሰላምን ደሓንን ኬምጽኣሎም ኣይከኣለን። bዮሃንስ 12:31

“ቍጽሪ ሰብ”

ትርጕም እታ 666 ንምፍላጥ ዚሕግዘና ሳልሳይ ኣመት: እዛ ቝጽሪ እዚኣ “ቝጽሪ ሰብ” ምዃና ስለ እተገልጸ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣራዊት ስልጣን ዘለዎ ሰብ ዘይኰነስ ሰይጣን ብምዃኑ: እዚ መግለጺ እዚ ንውልቀ-ሰብ ዜመልክት ኣይኰነን። (ሉቃስ 4:5, 6፣ 1 ዮሃንስ 5:19፣ ራእይ 13:2, 18) ኣብ ክንድኡስ: እቲ ኣራዊት “ቍጽሪ ሰብ” ወይ ምልክት ሰብ ዘለዎም ምዃኑ: ብመናፍስቲ ወይ በጋንንቲ ዘይኰነስ ብሰባት ዝቘመ ብምዃኑ እተወሰነ ባህርያት ሰባት ከም ዜንጸባርቕ እዩ ዚሕብር። እዚ ባህርያት እዚ እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሎም [ሰባት] ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ብምባል ይምልሰልና። (ሮሜ 3:23) እምበኣር: እቲ ኣራዊት “ቍጽሪ ሰብ” ዘለዎ ምዃኑ: መንግስትታት ንሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ደቅሰብ ዜንጸባርቓ ምዃነን እዩ ዚሕብር።

ታሪኽ ነዚ እዩ ዜረጋግጸልና። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ነበር ሄንሪ ኪሲንጀር: “ኵሉ እቲ ኽሳዕ ሕጂ እተራእየ ስልጣነ ኣብ መወዳእታኡ ወዲቑ እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ታሪኽ ብዛዕባ ዝፈሸለ ጻዕርታት: ብዛዕባ ዘይተፈጸመ ሓያል ትምኒታት ዚገልጽ ጸብጻብ እዩ። . . . ስለዚ: ሓደ ታሪኽ ዜጽንዕ ሰብ ዜሕዝን ነገራት ከም ዘይተርፍ ኪቕበሎ ኣለዎ” በለ። እዚ ኪሲንጀር ብቕንዕና እተዛረቦ ነገር ነቲ ‘መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኣይኰነን: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ የብሉን’ ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ሓቂ ዜራጕድ እዩ።—ኤርምያስ 10:23

ሕጂ መንነት እቲ ኣራዊትን ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚርእዮን ስለ ዝፈለጥና: ነቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል እቲ ግድል: ማለት 600 ተደመሮ 60 ተደመሮ 6 ብምግባር ንሽዱሽተ ሰለስተ ሳዕ ምድጋም ዘድለየ ስለምንታይ ምዃኑ ኽንምርምር ንኽእል ኢና።

ሽዱሽተ ሰለስተ ሳዕ እተደግመት ስለምንታይ እያ፧

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ገሊኡ ቝጽርታት ምሳልያዊ ትርጕም ኣለዎ። ንኣብነት: ቍጽሪ ሸውዓተ ብዓይኒ ኣምላኽ ምሉእ ወይ ፍጹም ምዃን ተመልክት። እታ ኣምላኽ ኣብ ዕዮ ፍጥረት እተጸምደላ ሰሙን: ነቲ ንምድሪ ብዚምልከት ፍጥረቱ ምሉእ ብምሉእ ዚዛዘመሉ ሸውዓተ ‘መዓልትታት:’ ወይ እዋናት ተጠቓልል። (ዘፍጥረት 1:3-2:3) “ቃላት” ኣምላኽ “ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ:” ማለት ምሉእ ብምሉእ ዝጸረየ ብሩር እዩ። (መዝሙር 12:6፣ ምሳሌ 30:5, 6) እቲ ለምጻም ንእማን ኣብ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሳዕ ኪሕጸብ ተነግሮ: ነዚ ምስ ገበረ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ሓወየ።—2 ነገስት 5:10, 14

እምበኣር: ሽዱሽተ ኻብ ሸውዓተ ብሓደ ስለ እትውሕድ: ብዓይኒ ኣምላኽ ዘይፍጹም ወይ ጐደሎ ንዝዀነ ነገር ንምምልካት ብቕዕቲዶ ኣይምበልካያን፧ እወ: ብሓቂ ነዚ እትበቅዕ እያ! (1 ዜና መዋእል 20:6, 7) ብዘይካዚ: ሽዱሽተ ሰለስተ ሳዕ ብምድግጋም 666 ምዃኑ: ንዘይፍጽምና ብዝያዳ እዩ ዜጕልሕ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ 666 “ቍጽሪ ሰብ” ተባሂሉ ምጽዋዑ ነዚ በጺሕናዮ ዘሎና መደምደምታ ቕኑዕ ምዃኑ ዚድግፍ እዩ። እምበኣር: ታሪኽ እቲ ኣራዊት: “ቍጽሪ ሰብ” ዘለዎ ምዃኑ: ከምኡውን እቲ 666 ዚብል ቍጽሪ: ናብ ሓደ ዘየማትእ መደምደምታ እዩ ዚመርሕ። እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እዚ ዘይበሃል ጕድለትን ድኽመትን ዘለዎ ምዃኑ እዩ ዜመልክት።

እቲ ኣራዊት ዘለዎ ጕድለት እተገልጸሉ መገዲ: ነቲ ንቤልሻጽር ንጉስ ጥንታዊት ባቢሎን እተነግሮ ነገር እዩ ዜዘኻኽረና። የሆዋ ብዳንኤል ኣቢሉ ነዚ ገዛኢ እዚ “ብሚዛን ተመዚንካ: ቀሊልካ ተረኸብካ” በሎ። በታ ምሸት እቲኣ ኸኣ ቤልሻጽር ተቐትለ: እታ ሓያል ሃጸያዊት ግዝኣት ዝነበረት ባቢሎን ድማ ወደቐት። (ዳንኤል 5:27, 30) ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ነቲ ፖለቲካዊ ኣራዊትን ነቶም ማሕተሙ እተቐበሉን ዚፈርዶ ፍርዲ: ነቲ ኣራዊትን ንደገፍቱን ናብ ጥፍኣት እዩ ዚመርሖም። ኣብዚ መዳይ እዚ ግን ኣምላኽ ንሓደ ፖለቲካዊ ስርዓት ጥራይ ዘይኰነስ: ንዅሉ ኣሰር ሰብኣዊ መግዛእቲ እዩ ኺድምስሶ። (ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 19:19, 20) እምበኣር: ነቲ ናብ ሞት ዚመርሕ ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘይምቕባል ዓብዪ ኣገዳስነት እዩ ዘለዎ!

እቲ ማሕተም ተፈልጠ

መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ 666 ድሕሪ ምግላጻ: ኣስዕብ ኣቢላ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግንባሮም ስም የሱስን ስም ኣቦኡን እተጻሕፈሎም 144,000 ሰዓብቲ እቲ ገንሸል ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ እያ እትገልጽ። እቶም እዚ ኣስማት እዚ እተጻሕፈሎም ሰባት: ናይ የሆዋን ናይ ወዱን ምዃኖምን ከይሓፈሩ ብዛዕባኦም ከም ዚምስክሩን እዩ ዜመልክት። ብተመሳሳሊ: እቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎም ነቲ ኣራዊት ከም ዜገልግሉ የርእዩ። እምበኣር: እቲ ማሕተም ኣብ የማናይ ኢድ ኰነ ኣብ ግንባር ይገበር ብዘየገድስ: እቲ እተቐበሎ ሰብ ነቲ ብኣራዊት እተመሰለ ፖለቲካዊ ስርዓት እዛ ዓለም እዚኣ ምስቲ ንኣምላኽ ዚወሃቦ ኺመሳሰል ዚኽእል ደገፍ ከም ዝሃቦ እዩ ዜመልክት። እቶም ነቲ ማሕተም እተቐበሉ: እቲ ናይ ኣምላኽ “ንቄሳር” ይህብዎ። (ሉቃስ 20:25፣ ራእይ 13:4, 8፣ 14:1) ብኸመይ፧ ነተን ተስፋን ድሕነትን የምጽኣ እየን ዚብልወን ፖለቲካውያን መንግስትታት: ንኣርማታተን: ከምኡውን ንወተሃደራዊ ሓይለን ምስ ኣምላኽ ኪመሳሰል ዚኽእል ክብሪ ብምሃብ እዩ እዚ ዚግበር። እቲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚህብዎ ዝዀነ ይኹን ኣምልኾ: ኣፍኣዊ ጥራይ እዩ።

ብኣንጻሩ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ። ትንፋሱ ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ብምባል ይምሕጸነና። (መዝሙር 146:3, 4) እቶም ነዚ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ ዚስዕቡ: መንግስትታት ዝኣተዋኦ መብጽዓታት ከይፈጸማ ምስ ዚተርፋ ወይ እቶም ምርኡያት መራሕቲ ዝናኦም በኒኑ ኺተርፍ ከሎ ኣይድንጽዎምን እዩ።—ምሳሌ 1:33

ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኢዶምን እግሮምን ኣጣሚሮም ብዛዕባ እዚ ዜሕዘን ኵነታት ደቅሰብ ዚገብርዎ የብሎምን ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ብዛዕባ እታ በይና ጥራይ ንጸገማት ደቅሰብ እትፈትሕን ንሳቶም ከኣ ተወከልታ ዚዀኑን መንግስቲ ኣምላኽ ብንጥፈት ንሰባት ይነግሩ እዮም።—ማቴዎስ 24:14

መንግስቲ ኣምላኽ—እንኮ ተስፋ ደቅሰብ

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀንዲ ኣርእስቲ ስብከቱ እዩ ገይርዋ ነይሩ። (ሉቃስ 4:43) ኣብታ ኣቡነ-ዘበሰማያት እትበሃል ኣብነት ክትኰነና ዝሃበና ጸሎቱ: ንሰዓብቱ ነታ መንግስቲ እቲኣ ንኽትመጽእን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንኪኸውንን ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) እዛ መንግስቲ እዚኣ ርእሲ ኸተማኣ ኣብ ምድሪ ዘይኰነስ ኣብ ሰማይ ብምግባር ንብምልእታ ምድሪ ኽትገዝእ እያ። ስለዚ ድማ የሱስ “መንግስተ ሰማያት” ኢሉ ጸውዓ።—ማቴዎስ 11:12

እሞ ደኣ ንጉስ እዛ መንግስቲ እዚኣ ንምዃን ካብቲ ምእንቲ እቶም ኣብ መጻኢ ዚግዝእዎ ሰባት ኢሉ ዝሞተ የሱስ ክርስቶስ ዚሓይሽ መን ኣሎ፧ (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ዮሃንስ 3:16) ድሕሪ ሓጺር እዋን እዚ ሕጂ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ዘሎ ፍጹም ገዛኢ: ነቲ ኣራዊትን ንነገስታቱን ንሰራዊቱን ናብቲ ፍጹም ጥፍኣት ዜመልክት “ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ” ኺድርብዮም እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ጕዳይ በዚ ጥራይ ዜብቅዕ ኣይኰነን። የሱስ ንሰይጣን እውን ኬወግዶ እዩ: እዚ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪገብሮ ዘይክእል ነገር እዩ።—ራእይ 11:15፣ 19:16, 19-21፣ 20:2,10

መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም እዙዛት ተገዛእታ ሰላም ከተምጽኣሎም እያ። (መዝሙር 37:11, 29፣ 46:8, 9) ሓዘንን ጻዕርን ሞትን እውን ከይተረፈ ኣይኪህሉን እዩ። እዝስ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘይተቐበሉ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ!—ራእይ 21:3, 4

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ እዚ ጥቕስታት እዚ ዕምቝ ዝበለ መግለጺ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ምዕራፍ 28 ተወከስ።

b ናይ ሓቂ ክርስትያናት: መግዛእቲ ደቅሰብ ኣራዊታዊ ምዃኑ እኳ ዚፈልጡ እንተዀኑ: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣዘዞም ነቶም ናይ መንግስቲ “ስልጣናት” ይግዝእዎም እዮም። (ሮሜ 13:1) እዞም ሰበ-ስልጣን እዚኣቶም ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጻረር ነገር ኪገብሩ ምስ ዚእዝዝዎም ግን: “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዚብል መልሲ እዮም ዚህቡ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]

ትርጕም 666 ንምፍላጥ ኣመት ዚህበና ነገራት

1. መብዛሕትኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣስማት ብዛዕባ ባህርያት እቲ ሰብ ከም ዚገልጽ ናይ ኣብርሃምን የሱስን ሓያሎ ካልእ ኣብነታትን ክንርኢ ንኽእል ኢና። ብተመሳሳሊ: እዚ ብቝጽሪ እተዋህበ ስም እቲ ኣራዊት ንባህርያቱ ይገልጽ።

2. ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጽሓፍ ዳንኤል ተጠቒሶም ዘለዉ እተፈላለዩ ኣራዊት ተኸታቲሎም ንዚመጹ መንግስትታት ወይ ሃጸያዊ ግዝኣታት የመልክቱ። እምበኣር: እቲ ኣብ ራእይ 13:1, 2 ዚርከብ እተፈላለየ መልክዕ ዘጣመረ ኣራዊት: ነቲ ኻብ ሰይጣን ስልጣን እተዋህቦን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ዘሎን ንብዘላ ዓለም ዜጠቓልል ፖለቲካዊ ስርዓት የመልክት።

3. እቲ ኣራዊት “ቍጽሪ ሰብ” ዘለዎ ምዃኑ: በጋንንቲ ዘይኰነስ ብሰባት ዝቘመ ምዃኑ የመልክት። ስለዚ: ነቲ ደቅሰብ ብሰንኪ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ዜርእይዎ ጕድለት የንጸባርቕ።

4. በረኣእያ ኣምላኽ ቍጽሪ ሽዱሽተ ኻብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሉእ ወይ ንፍጹም እተመልክት ሸውዓተ ዝጐደለት ብምዃና ንዘይፍጽምና ተመልክት። ኣብቲ 666 ዚብል ማሕተም: ቍጽሪ ሽዱሽተ ሰለስተ ሳዕ ተደጋጊሙ ምህላዉ ነቲ ጕድለት እዩ ዜጕልሕ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ብቝጽሪ 666 ብዚግባእ እተመሰለ መግዛእቲ ደቅሰብ ዝፈሸለ ምዃኑ ተረጋጊጹ

[ምንጪ ስእሊ]

Starving child: UNITED NATIONS/Photo by F. GRIFFING

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ፍጹም ኣገዛዝኣ ኼምጽእ እዩ