ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

666 ሰፊሕ ትርጕም ዘለዎ ቝጽሪ

666 ሰፊሕ ትርጕም ዘለዎ ቝጽሪ

666 ሰፊሕ ትርጕም ዘለዎ ቝጽሪ

“ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ እንተ ዜብሉ: ኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር። ጥበብ ኣብዚ ኢያ ዘላ። ቍጽሪ እቲ ኣራዊት ብቝጽሪ ሰብ እዩ እሞ: ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቝጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።”—ራእይ 13:17, 18

እቲ ብዛዕባ 666 ዚበሃል ማሕተም ወይ ስም እቲ “ኣራዊት” ዚገልጽ ትንቢት ሓደ ኻብቲ ብዙሕ ተገዳስነትን ሻቕሎትን ዘምጽአ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መግለጺታት እዩ። ነዚ ማሕተም እቲ ኣራዊት ኣብ ተለቪዥን: ኣብ መርበብ ሓበሬታ: ኣብ ፊልምታት: ኣብ መጻሕፍቲ: ከምኡውን ኣብ መጽሔታት ማእለያ ዘይብሉ ግምታዊ ሓሳባት እዩ ዚወሃበሉ።

ገሊኣቶም 666 ምልክት ወይ ማሕተም እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጸረ-ክርስቶስ ተባሂሉ ዘሎ ምዃኑ ይኣምኑ። ገሊኣቶም ከኣ እቲ ኣራዊት ንሰባት ኣገልገልቱ ምዃኖም ንመለለዪ ብግዲ ዚገብረሎም ከም ውቃጦ ወይ ኣብ ውሽጢ ቘርበት ዚኣቱ ቝጽሪ ዘለዎ ኤለክትሮኒካዊ ኣቕሓ ኸም ዜመልክት ይዛረቡ። ገሊኣቶም ድማ 666 ምልክት ጵጵስና ካቶሊክ ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ነቲ ቪካርዩስ ፊሊ ደይ (ወኪል ወዲ ኣምላኽ) ዚብል ወግዓዊ መዓርግ እቲ ጳጳስ ብናይ ሮማውያን ቍጽሪ ብምትካእን እተወሰነ ሕሳብ ብምቕማርን 666 የምጽኡ። ካብቲ ብላቲን እተጻሕፈ ስም እቲ ናይ ሮማ ሃጸይ ዳዮክሊሽያን ከምኡውን ካብቲ ብእብራይስጢ እተጻሕፈ ስም ቄሳር ኔሮ ነዛ ቝጽሪ እዚኣ ኸተምጽኣ ኸም እትኽእል እውን ይዝረብ እዩ። a

ይኹን እምበር: እዚ ሰባት ዚምህዝዎ ትርጕማት: ከምቲ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንርእዮ: ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማሕተም እቲ ኣራዊት ዚህቦ መግለጺ ኣጸቢቑ እተፈልየ እዩ። ኣምላኽ ነዚ ኣገባብ እዚ ኼጥፍኦ ኸሎ እቶም ነቲ ማሕተም እተቐበሉ ቝጥዓ ኣምላኽ ከም ዚወርዶም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና። (ራእይ 14:9-11፣ 19:20) እምበኣር: 666 እንታይ ማለት ምዃኑ ምርዳእና: ነቲ ናይ ሕሳብ ግድል ካብ ምፍታሕ ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። እቲ ዜሐጕስ ከኣ እቲ ፍቕሪ እዩ እተባህለሉን ምንጪ መንፈሳዊ ብርሃን ዝዀነን የሆዋ ኣምላኽ: ነዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ነገልገልቱ ኣይሰወረሎምን።—2 ጢሞቴዎስ 3:16፣ 1 ዮሃንስ 1:5፣ 4:8

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ብቝጽርታት ጌርካ ዚግበር ግምታት ብዚምልከት: ናይ 8 መስከረም 2002 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ተወከስ።