ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ጐይታይ: ምጽላይ ምሃረና’

‘ጐይታይ: ምጽላይ ምሃረና’

‘ጐይታይ: ምጽላይ ምሃረና’

“ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፤ ጐይታይ: . . . ምጽላይ ምሀረና: በሎ።”—ሉቃስ 11:1

1. የሱስ ምጽላይ ንኽምህሮም ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧

 ብ32 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ክጽሊ ኸሎ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ረኣዮ። ብልቡ ይጽሊ ስለ ዝነበረ እዩ ክኸውን ዝኽእል: እቲ ወደ መዝሙር ነቲ የሱስ ንኣቦኡ ዝብሎ ዝነበረ ነገራት ክሰምዖ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ምስ ወድአ: እቲ ወደ መዝሙር “ጐይታይ: . . . ምጽላይ ምሀረና” በሎ። (ሉቃስ 11:1) ንምንታይ እዩ ኸምዚ ዝበሎ፧ ጸሎት ሓደ ኽፍሊ ህይወትን ኣምልኾን ኣይሁድ እዩ ነይሩ። ናይ እብራይስጢ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ መጽሓፍ መዝሙርን ኣብ ካልእ መጻሕፍትን ሓያሎ ጸሎት ሒዙ ኣሎ። ስለዚ: እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ ፈጺሙ ዘይፈልጦ ነገር ወይ ብዛዕባ ገይርዎ ዘይፈልጥ ነገር ኣይኰነን ዝሓትት ነይሩ። ነቲ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ብልማድ ዝገብርዎ ጸሎት ይፈልጦ ምንባሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ንየሱስ ክጽሊ ኸሎ ረኣዮ: ኣብ መንጎ እቲ እቶም መምህራን ንኽረኣየሎም ዝገብርዎ ጸሎትን ኣብ መንጎ እቲ የሱስ ዝጸለየሉ መገድን ዓብዪ ፍልልይ ከም ዘሎ ኸኣ ተሰሚዕዎ ክኸውን ኣለዎ።—ማቴዎስ 6:5-8

2. (ሀ) የሱስ ኣብታ ኣብነት እትኸውን ጸሎት ተጠቒሱ ዘሎ ቓላት ከምቲ ዘለዎ ጌርና ኽንደግሞ ማለቱ ኸም ዘይነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዘሎና ኽንፈልጥ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

2 ዓመትን መንፈቕን ዝኸውን ኣቐዲሙ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ንደቀ መዛሙርቱ ንጸሎቶም መሰረት ዝዀኖም ኣብነት ሂብዎም ነይሩ። (ማቴዎስ 6:9-13) እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ወደ መዝሙር ግን ኣብቲ ቦታ እቲ ዘይነበረ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ የሱስ ብሕያውነት ነቲ ቐንዲ ነጥብታት እታ ኣብነት እትኸውን ጸሎት ጠቐሰሉ። ነታ ጸሎት ደጊሙ ኽጠቕሰሎም ከሎ ሓደ ዓይነት ቃላት ዘይምድጋሙ ኸነስተብህለሉ ዘሎና ጕዳይ እዩ። እዚ ድማ ከይሓሰብና ነቲ ጸሎት ክንደጋግሞ ኸም ዘይብልና ይሕብር። (ሉቃስ 11:1-4) ንሕናውን ከምቲ እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ወደ መዝሙር: ጸሎትና ንየሆዋ ብዝያዳ ንኽንቀርቦ ምእንቲ ከኽእለና ምጽላይ ክንመሃር ንደሊ ኢና። እምበኣር ነታ ሃዋርያ ማቴዎስ መዝጊብዋ ዘሎ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ብምልእታ እስከ ንመርምራ። እታ ጸሎት ሸውዓተ ለመና ዝሓዘት ኰይና: እተን ሰለስተ ምስ ዕላማታት ኣምላኽ ክተሓሓዛ ኸለዋ: እተን ኣርባዕተ ኸኣ ብስጋን ብመንፈስን ብዛዕባ ዘድልየና ነገራት ዝምልከታ እየን። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ለመና ኸነተኵር ኢና።

ፈቃር ኣቦ

3, 4. ንየሆዋ “ኣቦና” ኢልና ምጽዋዕና እንታይ የመልክት፧

3 ኣብ መእተዊ ኸም እተገልጸ: ጸሎትና ንየሆዋ ኣጸቢቕና ኸም እንቐርቦን ከም እነኽብሮን ዘንጸባርቕ ክኸውን ከም ዘለዎ የሱስ ኣርእዩ እዩ። ብቐዳምነት ናብቶም ኣብቲ ኸረን ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ብምትኳር: ንየሆዋ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና” ኢሎም ንኽጽውዕዎ ነገሮም። (ማቴዎስ 6:9) ሓደ ምሁር ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ: የሱስ በቲ ልሙድ እብራይስጢ ዀነ ብኣረማይስጢ ይዛረብ ብዘየገድስ: እታ “ኣቦ” ንእትብል ቃል እተጠቕመላ ስያመ ምስታ ሓደ ሕጻን ንኣቦኡ ንምጽዋዕ ዝጥቀመላ ሕደ እያ በለ። ንየሆዋ “ኣቦና” ኢልና ምጽዋዕ ምስኡ ኣብ ፍቕርን ምትእምማንን እተመስረተ ርክብ ከም ዘሎና የርኢ።

4 “ኣቦ” ኢልና ጥራይ ዘይኰነስ “ኣቦና” ኢልና ምጽዋዕና ኸኣ ኣባላት እታ ንየሆዋ ኸም ወሃብ ህይወት መጠን ኣፍልጦ ዝህቡሉ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ዝርከብዋ ዓባይ ስድራቤት ምዃንና እዩ ዘመልክት። (ኢሳይያስ 64:8፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 28) እቶም መንፈስ ውልድነት እተቐበሉ “ውሉድ ኣምላኽ” ከኣ ንዕኡ “ኣባ: ኣቦ” ኢሎም ክጽውዕዎ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 8:14, 15) ነዚኣቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እሙናት ብጾት ኣለዉዎም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ከኣ ህይወቶም ንየሆዋ ድሕሪ ምውፋይ: ወፈያኦም ኣብ ማይ ብምጥማቕ ዘርኣዩ እዮም። እዞም “ኻልኦት ኣባጊዕ” ተባሂሎም ዝጽውዑ ንየሆዋ ብስም የሱስ ይቐርብዎ: “ኣቦና” ኢሎም ከኣ ይጽውዕዎ። (ዮሃንስ 10:16፣ 14:6) ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ንኽንውድሶ: ስለቲ ዅሉ ዝገበረልና ሰናይ ንኸነመስግኖ: ከምኡውን ከም ዝሓልየልና ብምትእምማን ጾርና ኣብኡ ንኽንድርብዮ ኢልና ወትሩ ናብኡ ንጽሊ ኢና።—ፊልጲ 4:6, 7፣ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7

ንስም የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ

5. እታ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት እተጠቕሰት ናይ መጀመርታ ለመና እንታይ እያ እትብል: እዚ ግቡእ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት እተጠቕሰት ናይ መጀመርታ ለመና ኣብቲ ቐዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ነገር ዘተኰረት እያ። “ስምካ ይቀደስ” ድማ ትብል። (ማቴዎስ 6:9) እወ: ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮን ነቲ ኣብ ስሙ ተዀሚሩ ዘሎ ጸርፊ ስለ እንጸልኦን: ምቕዳስ ስሙ ብቐዳምነት ዘተሓሳስበና ጕዳይ እዩ። ሰይጣን ምዕላዉ ከምኡውን ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ንየሆዋ ኣምላኽ ንኸይእዘዙ ብምድፍፋእ ከም ዝስዕብዎ ምግባሩ: ነቲ ኣምላኽ ንኣድማሳዊ ሉዓላውነቱ ዝጥቀመሉ መገዲ ኣብ ሕቶ ብምእታው ንስሙ ኣጸሊምዎ እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-6) ብዘይካዚ: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ በቶም ንዕኡ ንውክል ኢና ዝብሉ ሰባት ዝፍጽምዎ ዘሕፍር ተግባርን ትምህርትታትን ተጸሪፉ እዩ።

6. ስም የሆዋ ንክቕደስ እንጽሊ እንተደኣ ዄንና: እንታይ ኢና ዘይንገብር፧

6 ስም የሆዋ ንክቕደስ እንገብሮ ጸሎት ኣብቲ ንኣድማሳዊ ሉዓላውነት ብዝምልከት እተላዕለ ጕዳይ: የሆዋ ንኣድማስ ንኸመሓድር መሰል ከም ዘለዎ ብምግላጽ ኣብ ጐድኑ ኸም ዝቘምና እዩ ብንጹር ዘርኢ። የሆዋ ንኣድማስ በቶም ንጽድቃዊ ሉዓላውነቱ ዝግዝኡ መስተውዓልቲ ፍጥረታት ክመልኦ እዩ ዝደሊ። እዚኣቶም ከኣ ንዕኡን ንስሙን ካብ ዘለዎም ፍቕሪ እተላዕለ ብፍታውን ብታሕጓስን እዮም ዝግዝእዎ። (1 ዜና መዋእል 29:10-13፣ መዝሙር 8:1፣ 148:13) ንስም የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኣብቲ ቕዱስ ስሙ ጸርፊ ዘምጽእ ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ ምግባር ንኽንቍጠብ ይሕግዘና። (ህዝቅኤል 36:20, 21፣ ሮሜ 2:21-24) ኣድማስን እቶም ኣብኡ ዝነብሩን ሰላም ንኽረኽቡ: ኣብ ምቕዳስ ስም የሆዋን ካብ ፍቕሪ ተለዓዒልካ ንሉዓላውነቱ እትግዛእ ኣብ ምዃንን ስለ ዝምርኰስ: “ስምካ ይቀደስ” ብምባል እንጽልያ ጸሎት: ዕላማ የሆዋ ንዕኡ ብዘወድስ ኣገባብ ከም ዝፍጸም ዘሎና ምትእምማን እዩ ዘንጸባርቕ።—ህዝቅኤል 38:23

እታ እንጽልየላ መንግስቲ

7, 8. (ሀ) እታ የሱስ ክንጽልየላ ዝመሃረና መንግስቲ ኣየነይቲ እያ፧ (ለ) ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ መጽሓፍ ዳንኤልን ራእይን እንታይ ይብላ፧

7 እታ ኣብቲ ኣብነት እትዀነና ጸሎት እተጠቕሰት ካልአይቲ ለመና “መንግስትኻ ትምጻእ” ትብል። (ማቴዎስ 6:10) እዛ ለመና እዚኣ ምስታ ኣቐዲምና ዝረኣናያ ኣጸቢቓ እትተኣሳሰር እያ። የሆዋ ስሙ ንምቕዳስ ዝጥቀመላ ቐንዲ መሳርሒት: እታ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ ኣብ ሰማይ እትርከብ መሲሓዊት መንግስቲ እያ። (መዝሙር 2:1-9) ትንቢት ዳንኤል ንመሲሓዊት መንግስቲ ኻብ ሓደ “ኸረን” ተፈንቂላ ኸም እትመጽእ “እምኒ” ገይሩ እዩ ገሊጹዋ። (ዳንኤል 2:34, 35, 44, 45) እቲ ኸረን ንኣድማሳዊ ሉዓላውነት የሆዋ ዘመልክት ክኸውን ከሎ: እታ ብእምኒ ተመሲላ ዘላ መንግስቲ ኸኣ የሆዋ ንኣድማስ ከም ዝገዝእ ንምሕባር ዝጥቀመላ ሓዳስ መግለጺት እያ። ኣብቲ ትንቢት እታ እምኒ ‘ዓብዪ ኸረን ብምዃን ንብዘላ ምድሪ ትመልኣ።’ እዚ ኸኣ እታ ንሉዓላውነት ኣምላኽ እተመልክት መሲሓዊት መንግስቲ ንምድሪ ኸም እተመሓድራ እዩ ዘመልክት።

8 ኣብዛ መንግስቲ እዚኣ እቶም ነገስታትን ካህናትን ክዀኑ “ካብ ምድሪ እተዐደጉ” 144,000 ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ይገዝኡ እዮም። (ራእይ 5:9, 10፣ 14:1-4፣ 20:6) ዳንኤል ነዚኣቶም ምስቲ ርእሶም ዝዀነ ክርስቶስ ኰይኖም “ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን” ዝቕበሉ “ናይ ልዑል ቅዱሳን” ኢልዎም ኣሎ። ቀጺሉ ኸም ዝገለጾ እውን ‘መንግስቶም ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ: ብዘለዉ ግዝኣታት ድማ ከገልግልዎምን ክእዘዝዎምን እዮም።’ (ዳንኤል 7:13, 14, 18, 27) እዚ መግለጺ እዚ ነታ የሱስ ንሰዓብቱ ኽጽልዩላ ዝነገሮም መንግስቲ ዝበቅዕ እዩ።

እታ መንግስቲ ንኽትመጽእ ክሳዕ ሕጂ እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧

9. መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ክንጽሊ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

9 ክርስቶስ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎቱ: መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ክንጽሊ ምሂሩና እዩ። ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝሕብሮ: እታ መሲሓዊት መንግስቲ ብ1914 ኣብ ሰማይ እያ ቘይማ። a ከምዚ ኻብ ኰነ: ነታ መንግስቲ እቲኣ “ትምጻእ” ኢልና ኽንጽሊ ግቡእ ድዩ፧ እወ: ግቡእ እዩ። ኣብ ትንቢት ዳንኤል እታ ብእምኒ እተመሰለት መሲሓዊት መንግስቲ ነተን ብዓብዪ ምስሊ እተመሰላ ብሰብ ዝቘማ ፖለቲካውያን መንግስታት ንኽትወቕዐን ትመጽእ እያ ዘላ። እታ እምኒ እቲኣ ነቲ ምስሊ ንኽትወቕዖን ንኽትድዕምኾን ብሕጂ እያ ኽትመጽእ። ትንቢት ዳንኤል “ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብ” ብምባል ክገልጻ ኸሎ: “ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ” ድማ ይብል።—ዳንኤል 2:44

10. መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ሃረር እንብል ስለምንታይ ኢና፧

10 መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ከተጥፍኦ ኸላ: ስም የሆዋ ስለ ዝቕደስን ኵሎም እቶም ንሉዓላውነት ኣምላኽ ዝጻረሩ ስለ ዝጠፍኡን እቲ ግዜ እቲ ኽመጽእ ብሃረርታ ኢና እንጽበዮ። ስለዚ: ኻብ ልብና “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢልና ንጽሊ: ምስ ሃዋርያ ዮሃንስ ሓቢርና ኸኣ “ኣሜን: ጐይታና የሱስ: ንዓ” ንብል ኢና። (ራእይ 22:20) እወ: እቲ “ንስኻ: ጐይታ [“የሆዋ:” NW] ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ” ዝብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ፍጻሜኡ ምእንቲ ኽረክብ: የሱስ ስም የሆዋ ንምቕዳስን ሉዓላውነቱ ንምርግጋጽን ክመጽእ ትምኒትና እዩ።—መዝሙር 83:18

‘ፍቓድካ ይኹን’

11, 12. (ሀ) ፍቓድ ኣምላኽ “ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ” ክኸውን ክንጽሊ ኸለና: እንታይ ክግበር ኢና እንልምን ዘለና፧ (ለ) ፍቓድ የሆዋ ንኽፍጸም ምጽላይና ንምንታይ ካልእ እውን እዩ ዘመልክት፧

11 የሱስ ቀጺሉ ንደቀ መዛሙርቱ “ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ንኽጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:10) ኣድማስ ክፍጠር እተኻእለ: የሆዋ ስለ ዝፈቐደ እዩ። ሓያላት ሰማያውያን ፍጥረታት እኳ “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ኢሎም ይጭድሩ እዮም። (ራእይ 4:11) የሆዋ ነቲ “ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን” ነገራት ዕላማ ኣለዎ። (ኤፌሶን 1:8-10) ፍቓድ ኣምላኽ ንክኸውን ክንጽሊ ኸለና: ንየሆዋ ዕላማኡ ንኽፍጽሞ ኢና እንልምኖ ዘለና። ኣብ ርእሲ እዚ: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ መላእ ኣድማስ ተፈጺሙ ንኽንርኢ ሃረርታ ኸም ዘሎና ኢና እነርኢ።

12 ብተወሳኺውን በዛ ጸሎት እዚኣ ኣቢልና ህይወትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣሰማሚዕና ንኽንመላለስ ድሌት ከም ዘሎና ኢና እነርኢ። የሱስ “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” በለ። (ዮሃንስ 4:34) ንሕናውን ህይወትና ዝወፈና ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ልክዕ ከም የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ንሕጐስ ኢና። እታ ንየሆዋን ንወዱን ዘላትና ፍቕሪ “ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር: ንፍትወት ሰብ” ከይንነብር ትድርኸና። (1 ጴጥሮስ 4:1, 2፣ 2 ቈረንቶስ 5:14, 15) ካብቲ ምስ ፍቓድ የሆዋ ዝጻረር ነገራት ክንርሕቕ ንጽዕር ኢና። (1 ተሰሎንቄ 4:3-5) መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ንምጽናዕን ግዜ ብምዕዳግ: ‘ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ነስተውዕል:’ እዚ ድማ “ወንጌል መንግስቲ” ኣብ ምስባኽ ብንጥፈት ምስታፍ ዘጠቓልል እዩ።—ኤፌሶን 5:15-17፣ ማቴዎስ 24:14

ፍቓድ የሆዋ ኣብ ሰማይ

13. ሰይጣን ቅድሚ ምዕላዉ ፍቓድ ኣምላኽ ዝፍጸም ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

13 ሓደ ኻብቶም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ዓልዩ ሰይጣን ቅድሚ ምዃኑ: ፍቓድ የሆዋ ኣብ ሰማይ ይፍጸም ነበረ። መጽሓፍ ምሳሌ ነቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ብጥበብ መሲላቶ ኣላ። እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ፍቓድ ኣቦኡ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ እዋን ‘ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድሚኡ ሕጉስ’ ምንባሩ ትገልጸልና። ድሕሪ ግዜ ኸኣ ነቲ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ: ዚርኤን ዘይርኤን” ኣብ ምፍጣር ናይ የሆዋ ወሓለ “ሰራሕተኛ” ዀይኑ የገልግል ነበረ። (ቈሎሴ 1:15-17፣ ምሳሌ 8:22-31) የሆዋ ንየሱስ ከም ቃል ወይ ኣፈኛ ገይሩ ተጠቒሙሉ እዩ።—ዮሃንስ 1:1-3

14. መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ፍቓድ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝፍጽሙ ብዝምልከት ካብ መበል 103 መዝሙር እንታይ ኢና እንመሃር፧

14 እቲ ጸሓፍ መዝሙር: የሆዋ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዝበለ ምዃኑን ጭፍራ መላእኽቲ ድማ ነቲ መምርሒታቱን ትእዛዛቱን ከም ዝሰምዑን ገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባዚ ኸምዚ ዝብል ነንብብ:- “እግዚኣብሄር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመ: መንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ አላ። ኣቱም መላእኽቱ: ንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ: ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን: ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣቱም ሰራዊቱ ዅሉኹም: ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ: ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኵሉ ግብርታቱ ኣብ ኵሉ ስፍራ ግዝኣቱ [ወይ ሉዓላውነቱ]: ንእግዚኣብሄር ባርኹ።”—መዝሙር 103:19-22

15. የሱስ ስልጣን መንግስቱ ምሓዙ ነቲ ኣብ ሰማይ ዝፍጸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጸለዎ ብኸመይ እዩ፧

15 ሰይጣን ምስ ዓለወ እውን ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ተገሊጹ ዘሎ ናብ ሰማይ ክኣቱ ይኽእል ነበረ። (እዮብ 1:6-12፣ 2:1-7) ይኹን እምበር: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ብዛዕባ ዝስጐጉሉ እዋን መጽሓፍ ራእይ ትንበ እያ። እዚ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ስልጣን መንግስቱ ምስ ሓዘ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ተፈጺሙ ክኸውን ዘለዎ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እዞም ዓለወኛታት ኣብ ሰማይ ቦታ ኣይነበሮምን። ኣብ ከባቢ ምድሪ ተሓጺሮም እዮም ዘለዉ። (ራእይ 12:7-12) ድሕሪኡ ኣብ ሰማይ ነቲ ብገንሸል ተመሲሉ ዘሎ ክርስቶስ የሱስ ዝንእድን ንየሆዋ ብትሕትና ዝውድስን ደሃይ ደኣ እምበር: ንሉዓላውነት የሆዋ ዝጻረር ደሃይ ፈጺምካ ኣይተሰምዐን። (ራእይ 4:9-11) ብርግጽ እምበኣር: ፍቓድ የሆዋ ኣብ ሰማይ ይፍጸም እዩ ዘሎ።

ፍቓድ የሆዋ ኣብ ምድሪ

16. እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ነቲ ህዝበ-ክርስትያን ብዛዕባ ተስፋ ደቅሰብ እትምህሮ ትምህርቲ ጌጋ ምዃኑ እተረጋግጸልና ብኸመይ እያ፧

16 ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ኵሎም ቅኑዓት ሰባት ናብ ሰማይ ክኸዱ እዮም ኢለን ብምምሃር: ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ንየው እየን ዝብላኦ። የሱስ ግን ንደቀ መዛሙርቱ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ክጽልዩ እዩ ምሂርዎም። (ማቴዎስ 6:10) ኣብዛ ብዓመጻን ምጕዳል ፍትሒን ሕማምን ሞትን መሊኣ ዘላ ዓለም ፍቓድ የሆዋ ይፍጸም ኣሎ ኽበሃል ይከኣልዶ እዩ፧ ፈጺምካ ኣይከኣልን እዩ! ስለዚ እምበኣር ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንክኸውን ብዕቱብ ክንጽሊ ኣሎና። እዚ ድማ “ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን [ክርስቶስ ዝንጉሳ መሲሓዊት መንግስቲ] ሓድሽ ምድርን [ጻድቕ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ] ንጽበ አሎና” ኢሉ ሃዋርያ ጴጥሮስ ምስ ዝጸሓፎ መብጽዓ ዝሰማማዕ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13

17. የሆዋ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

17 የሆዋ ንምድሪ ዝፈጠረሉ ዕላማ ኣለዎ። ንነብዪ ኢሳይያስ እኳ “እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ: ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን: ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር: ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል: ኣነ እግዚኣብሄር እየ: ብጀካይውን ካልእ የልቦን” ኢሉ ንኽጽሕፍ ብመንፈሱ ደሪኽዎ እዩ። (ኢሳይያስ 45:18) ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ገነት ኣንበሮም: “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” ኢሉውን ኣዘዞም። (ዘፍጥረት 1:27, 28፣ 2:15) ምድሪ ንሉዓላውነት የሆዋ ብታሕጓስ ብዝግዝኡን ኣብታ ክርስቶስ እተመባጽዓ ገነት ንዘለኣለም ብዝነብሩን ፍጹማትን ጻድቃንን ደቅሰብ ክትመልእ እዩ ዕላማኡ።—መዝሙር 37:11, 29፣ ሉቃስ 23:43

18, 19. (ሀ) ፍቓድ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምዃኑ እንታይ እዩ ኽግበር ዘለዎ፧ (ለ) ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ካልእ መዳይ ናይታ የሱስ ዝሃበና ኣብነት እትዀነና ጸሎት ኢና ኽንምርምር፧

18 ምድሪ ንሉዓላውነት የሆዋ ብዝቃወሙ ሰባት ክሳዕ ዝመልአት: እቲ ንምድሪ ዘለዎ ፍቓድ ከቶ ኣይፍጸምን እዩ። ኣምላኽ በቶም ብክርስቶስ ዝምርሑ መንፈሳውያን ሓይልታት ገይሩ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኸጥፍኦም’ እዩ። ብምሉኡ እቲ እኩይ ኣገባብ ሰይጣን: ምስ ኵሉ እቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት: ብልሹው ፖለቲካ: ስስዐን ምትላልን ዝመልኦ ንግዲ: ከምኡውን ምስቲ ዕንወት ዘስዕብ ውትህድርና ንሓዋሩ ኽድምሰስ እዩ። (ራእይ 11:18፣ 18:21፣ 19:1, 2, 11-18) ሉዓላውነት የሆዋ ኽረጋገጽ: ስሙ ድማ ክቕደስ እዩ። “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢልና ኽንጽሊ ኸለና ነዚ ዅሉ ኢና እንጽልየሉ።—ማቴዎስ 6:9, 10

19 ይኹን እምበር: የሱስ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎቱ ብዛዕባ ብብሕቲ ዘገድሰና ነገራት ክንጽሊ እውን ጠቒሱ ነይሩ። ነዚ ኸኣ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 6 ተወከስ።

ድግማ

• ንየሆዋ “ኣቦና” ኢልና ኽንጽውዖ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ብቐዳምነት ስም የሆዋ ንክቕደስ ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧

• ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ንክኸውን ምጽላይ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ዝጸለዮ ጸሎት ካብቶም ፈሪሳውያን ንኽረኣየሎም ዝገበርዎ ጸሎት ኣጸቢቑ ዝፍለ ነበረ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ: ስሙ ንኽቅደስ: ከምኡውን ፍቓዱ ንኽፍጸም ይጽልዩ