ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ብዙሕ ዓስቢ ኣለዎ

ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ብዙሕ ዓስቢ ኣለዎ

ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ብዙሕ ዓስቢ ኣለዎ

ናብ ኣኽራን ደዪብካዶ ትፈልጥ፧ ኣብ ኣኽራን ምስ እትድይብ ዓለም ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓካ። ጽሩይ ኣየር ከተስተንፍስ: ኣማዕዲኻ ኽትርኢ: ከምኡውን ነቲ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ኽትርእስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ! ምናልባት ብድሕሬኻ ዝገደፍካዮ ናይ ናብራ ዋጢጥ ትርስዖ ትኸውን።

ብዙሓት ሰባት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዙረት ዝኸዱ ሳሕቲ እኳ እንተዀነ: ህይወትካ ዝወፈኻ ክርስትያን እንተደኣ ዄንካ ግን ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ኣብ ኣኽራን ትጐዓዝ ትህሉ ትኸውን። ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ” ኢልካ ጸሊኻ ኸም እትፈልጥ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (መዝሙር 25:4) ንፈለማ ግዜ ናብ ከረን ናይ ቤት የሆዋ ኽትድይብን ኣብቲ ዅድዅዶታቱ ኽትመላለስን ከሎኻ እተሰማዓካ ስምዒት ትዝክሮዶ፧ (ሚክያስ 4:⁠2፣ ኣንባቆም 3:⁠19) በቲ ኽብ ዝበለ መገዲ ናይቲ ጽሩይ ኣምልኾ ምምልላስካ ዕቝባን ሓጐስን ከም ዘምጽኣልካ ነዊሕ ከይጸናሕካ ኸም እተገንዘብካዮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር እተሰምዖ ኢዩ ተሰሚዑካ:- “እቲ እልልታ ዚፈልጥ ህዝቢ ብጹእ እዩ: ዎ እግዚኣብሄር: ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ።”​—⁠መዝሙር 89:15

ሓድሓደ ግዜ ግን ናብ ኣኽራን ዝድይቡ ሰባት እቲ ነዊሕን ተሪርን ዓቐብ የድክሞም ኢዩ። ኣእጋሮም ረሸሽ ይብሎም: ወላእላእ ከኣ ይብሉ። ንሕናውን ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎትና ጸገማት ከጋጥመና ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ጕዕዞና ኣድኪሙና ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እሞኸ ደኣ ብኸመይ ኢና ብርታዐን ሓጐስን ክንረክብ እንኽእል፧ ብቐዳምነት መገድታት የሆዋ ልዕል ዝበለ ምዃኑ ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኣሎና።

ልዕል ዝበለ ሕግታት የሆዋ

መገድታት የሆዋ ‘ካብ መገድታት ሰብ ልዕል ዝበለ ኢዩ:’ ኣምልኾኡ ኸኣ ‘ኣብ ርእሲ ኣኽራን ዝጸንዐን ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ልዕል ዝበለን ኢዩ።’ (ኢሳይያስ 55:⁠9፣ ሚክያስ 4:⁠1) ጥበብ የሆዋ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኢያ። (ያእቆብ 3:⁠17) ሕግታቱ ኸኣ ካብ ካልእ ሕግታት ዝበለጸ ኢዩ። ንኣብነት: ከነኣናውያን እቲ ዘስካሕክሕ ናይ ቘልዑ መስዋእቲ ኣብ ዝገብሩሉ ዝነበሩ እዋን: የሆዋ ንእስራኤላውያን ድንጋጽ ዘንጸባርቕ ብስነ⁠-​ምግባራዊ መገዲ ልዕል ዝበለ ሕግታት ሂብዎም ነይሩ። “ንድኻ ገጹ ርኢኻ ኣይተዳልዎ: ነቲ ስልጡን ድማ ገጹ ርኢኻ ኣይተኽብሮ: . . . እቲ . . . ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን: ከም ነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ” በሎም።​—⁠ዘሌዋውያን 19:15, 34

ዓሰርተው ሓሙሽተ ዘመናት ዝኸውን ጸኒሑ የሱስ ተወሰኽቲ ኣብነታት ናይቲ ‘ዓብዪ ሕጊ’ የሆዋ ሃበ። (ኢሳይያስ 42:⁠21) ኣብቲ ኣብ ከረን ዝገበሮ ስብከቱ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ: ጸላእትኹም ፍተዉ: ንዚረግሙኹም መርቑ’ በሎም። (ማቴዎስ 5:44, 45) ኣብ ርእሲ እዚውን “እምብኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ: ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” በሎም።​—⁠ማቴዎስ 7:12

እዚ ልዕል ዝበለ ሕግታት እዚ ነቲ ዘምልኽዎ ኣምላኽ ንኽመስልዎ ብምድራኽ ንኣልባብ እቶም ዝቕበልዎ ሰባት ጽልዋ ይገብረሉ ኢዩ። (ኤፌሶን 5:⁠1፣ 1 ተሰሎንቄ 2:⁠13) ጳውሎስ ዝገበሮ ለውጢ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣብ መጀመርታ ‘ንምቕታል እስጢፋኖስ ሰሚሩ: ነታ ማሕበርውን የጥፍኣ’ ነበረ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ግን ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት “ከምታ ውሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት” ብጽቡቕ ሒዝዎም ነበረ። ጳውሎስ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ትምህርቲ ኻብ ሰጓጒ ናብ ሓላዪ ክርስትያን ከም ዝቕየር ገበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠1, 3፣ 1 ተሰሎንቄ 2:⁠7) ባህሪኡ በቲ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ክቕየር ምኽኣሉ ኸም ዘማሰወሉ ዘጠራጥር ኣይኰነን። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠12, 13) ምስዚ ዝመሳሰል ሞሳ ምርኣይና ኣብቲ ልዕል ዝበለ መገድታት ኣምላኽ ንኽንመላለስ ዝሕግዝና ብኸመይ ኢዩ፧

ብሞሳ ምምልላስ

ኣኽራን ዝሓዅሩ ሰባት እቲ ኣብ ኣኽራን ዝርእይዎ ባህ ዘብል ትርኢት የሐጕሶም ኢዩ። እቲ ንእግረ⁠-​መገዶም ዝረኽብዎ ንኣሽቱ ነገራት ማለት ከም ኣብ ደረት እቲ መገዲ ዘሎ ፍልይ ዝበለ ዓይነት ከውሒ: ባህ እተብል ዕምባባ: ወይ ኣብ መገዶም ዘጓንፎም እንስሳ ዘገዳም ህድእ ኢሎም ኢዮም ዝዕዘብዎ። ብመንፈሳዊ መዳይ እውን ብመገዲ ኣምላኽ ብምምልላስ ዝርከብ ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ዓስቢ ኸነስተብህለሉ ኣሎና። ከምዚ ምግባርና ኸኣ ሓይሊ ስለ ዝህበና ነቲ ኣድካሚ ጕዕዞና ባህ ዘብል ክገብሮ ይኽእል። ነተን ዳዊት “ብኣኻ እውከል አሎኹ እሞ: ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ: ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ እሞ: እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ” ብምባል እተዛረበን ቃላት ድማ ኸነቃልሕ ኢና።​—⁠መዝሙር 143:8

ብመገድታት የሆዋ ንብዙሕ ዓመታት እተመላለሰት ሜሪ ኸምዚ በለት:- “ፍጥረት የሆዋ ኽርኢ ኸለኹ: ነቲ እተሓላለኸ ንድፊ ጥራይ ዘይኰነስ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸባረቕ ከሎ ኢየ ዝርኢ። እንስሳ ዀነ ዑፍ ወይ ሓሸራ: ነፍሲ ወከፎም እተፈልየ ዘስደምም ባህርያት ኣለዎም። እቲ ኻብ ዓመት ናብ ዓመት እናነጸረ ዝመጽእ መንፈሳዊ ሓቂ እውን ተመሳሳሊ ሓጐስ የምጽኣልና ኢዩ።”

ሞሳና ግን ብኸመይ ከነዕምቖ ንኽእል፧ ሓደ መገዲ: ነቲ የሆዋ ዝገብረልና ነገራት ኣቕሊልና ብዘይ​ምርኣይ ኢዩ። ጳውሎስ “ከየባተኽኩም ጸልዩ። . . . ብዅሉ ኣመስግኑ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:⁠17, 18፣ መዝሙር 119:⁠62

ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እውን ሞሳ ንኽህልወና ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት “[ምስ ክርስቶስ የሱስ] ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። . . . ብምስጋና መሊእኩም: . . . ብእምነት ጽንዑ” ብምባል ተማሕጸኖም። (ቈሎሴ 2:6, 7) መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ምስትንታንን እምነትና የደልድለልና: ናብቲ ደራሲኡ ኸኣ የቕርበና። ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብምስጋና ኽንመልእ’ ዘለዓዕለና ኽቡር መዝገብ ኣሎ።

ንየሆዋ ምስ ኣሕዋትና ዄንና እነገልግሎ ምዃንና እውን ነቲ ጕዕዞና ቐሊል ይገብሮ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ “ኣነ ብጻይ እቶም ዚፈርሁኻ . . . እየ” በለ። (መዝሙር 119:63) ገለ ኻብቲ ኣብ ህይወትና ዘሕለፍናዮ ዘሐጕስ እዋናት እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ወይ ምስ ኣሕዋትና ዘሕለፍናዮ ግዜ ኢዩ። እቲ ባህ ዘብል ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ስድራ​ቤትና ክቕጽል ዝኸኣለ ሳላ የሆዋን ሳላቲ ኽብ ዝበለ መገድታቱን ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።​—⁠መዝሙር 144:⁠15ለ

ኣብ ርእሲ እቲ እነርእዮ ሞሳ: ሓላፍነት ዝስምዓና እንተ ዀይኑ እውን ኣብቲ ልዕል ዝበለ መገድታት የሆዋ ንኽንጐዓዝ ብርታዐ ይውስኸልና ኢዩ።

ሓላፍነት እናተሰምዓና ምምልላስ

ናብ ኣኽራን ዝድይቡ ሰባት መገዶም ስሒቶም ምእንቲ ኸይጠፍኡ ወይ ናብ ጸድፊ ገጾም ምእንቲ ኸይከዱ ብጥንቃቐ ኢዮም ዝጐዓዙ። ባህ ዝበለና ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዘሎና: የሆዋ እተወሰነ ሓርነትን ናይ ምብልሓት ክእለትን ንኽህልወና ፈቒዱልና ኢዩ። እንተዀነ ግን: በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናጽነት ተጠቒምና ክርስትያናዊ ግዴታታትና ኣብ እንፍጽመሉ እዋን ሓላፍነት ክስምዓና ኣለዎ።

ንኣብነት: የሆዋ ኣገልገልቱ ሓላፍነታቶም ከም ዝፍጽሙ ይኣምን ኢዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት እንውፍዮ ጕልበት: ግዜ: ገንዘብ: ወይ ካልእ ነገራት ክንደይ ዝኣክል ክኸውን ከም ዘለዎ ኣይጠቕሰልናን ኢዩ። እተን ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ “ነፍሲ ወከፍ . . . ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” ብምባል እተዛረበን ቃላት ኣብ ኵላትና ዝውዕላ ኢየን።​—⁠2 ቈረንቶስ 9:⁠7፣ እብራውያን 13:⁠15, 16

ክርስትያናት ንኽፍጽምዎ ሓላፍነት ካብ ዝስምዖም ነገራት ሓደ ነቲ ብስራት ምንጋር ኢዩ። ንዓለምለኻዊ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ውጽኢት ብምግባር እውን ሓላፍነት ከም ዝስምዓና ነርኢ ኢና። ገርሃርት ዝበሃል ሽማግለ: ንሱን ሰበይቱን ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ተኻፊሎም ምስ ተመልሱ: ወፈያኦም ኣጸቢቖም ከም ዘዛየድዎ ገለጸ። ከምዚ እውን በለ:- “ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋትና ብስጋዊ መዳይ ብዙሕ እኳ እንተ ዘይብሎም: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትና ግን ኣዝዮም ከም ዘማስዉሉ ረኣና። ስለዚ ነቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዉ ኣሕዋትና ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ዓቕምና ዝፈቕደልና ዘበለ ኽንድግፍ ወሰንና።”

ምጽማምና ንወስኸሉ

ናብ ኣኽራን ዝድይቡ ሰባት ብዙሕ ሓይሊ የድልዮም ኢዩ። ብዝከኣሎም መጠን ልምምድ ይገብሩ: ነቲ ነዊሕ ጕዕዞ ምእንቲ ኽሕግዞም እውን ሓጺር ናይ እግሪ ጕዕዞታት ይገብሩ ኢዮም። ብተመሳሳሊውን ብመንፈስ ብቑዓት ንምዃን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ዕዙዛት ክንከውን ከም ዘሎና ጳውሎስ ምዒዱ ኢዩ። እቶም ‘ንእግዚኣብሄር ብቑዓት ኰይኖም ክመላለሱን ብሓይሊ ኽብርትዑን ዝደልዩ: ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ ኽፈርዩ’ ኸም ዘለዎም እውን ገሊጹ ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 1:⁠10, 11

ሓደ ኣኽራን ዝሓኵር ሰብ ሸቶ እንተ ሃልይዎ ንኽጸንዕ ይሕግዞ ኢዩ። ብኸመይ፧ ኣብቲ ንጹር ዕላማኡ: ንኣብነት ኣብቲ ብማዕዶ ዝርአ ጫፍ እቲ ኸረን: ስለ ዘተኵር ወትሩ ንቑሕ ኢዩ። ኣብ መንጎ ኣብ ዘሎ ኣገዳሲ ቦታታት ምስ በጽሐ ኸኣ ናብቲ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ኽንደይ ከም ዝተረፎ ኽግምት ይኽእል ኢዩ። ነቲ ድሮ እተጓዕዞ ርሕቐት ምልስ ኢሉ ኽርእዮ ኸሎ ሓጐስ ይስምዖ።

ብተመሳሳሊ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋና ንኽንጸንዕ ይሕግዘና ሓይሊ እውን ይውስኸልና ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠2) ብመገድታት የሆዋ እናተጓዓዝና ኸሎና እተወሰነ ክርስትያናዊ ሸቶታት እንተ ኣውጺእናን ነዚ ሸቶታት እንተ በጺሕናዮን ዕግበት ይስምዓና ኢዩ። ነቲ ብተኣማንነት እናገልገልና ዘሕለፍናዮ ዓመታት ወይ ኣብ ባህርያትና ዝገበርናዮ ለውጥታት ምስ እነስተንትነሉ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዝስምዓና!​—⁠መዝሙር 16:⁠11

ብእግሮም ዝጐዓዙ ሰባት ነዊሕ ርሕቐት ምእንቲ ክኸዱን ጕልበቶም ምእንቲ ክቝጥቡን ሓደ ዓይነት ስጕምቲ ኢዮም ዝስጕሙ። ብተመሳሳሊውን ስርዓታዊ ዄንካ ኣብ ኣኼባታት ምምልላስን ግራት ኣገልግሎት ምኻድን ካልእ ጽቡቕ ልማዳትን ናብ ሸቶና ንምብጻሕ ብቐጻሊ ንኽንስጕም ይሕግዘና ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ ነቶም ብጾቱ ክርስትያናት “በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ” ብምባል ዘተባብዖም።​—⁠ፊልጲ 3:16

ርግጽ ኢዩ: ብመገድታት የሆዋ በይንና ኣይኰንናን እንጐዓዝ። ጳውሎስ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 10:24) ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕርክነት ምስ እንምስርት: ምስ ኣመንቲ ብጾትና ሓቢርና ንኽንስጕም ዝቐለለ ይዀነልና ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 13:⁠20

ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ የሆዋ ዝህበና ሓይሊ ኽንርስዖ የብልናን። እቶም ሓይሎም የሆዋ ዝዀነ ሰባት “ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ።” (መዝሙር 84:5, 7) ሓድሓደ ግዜ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ ኣጋጠመና: ብሓገዝ የሆዋ ኽንሰግሮ ንኽእል ኢና።