ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ 2003 ዝግበር ኣህጉራዊ ኣኼባታት

ኣብ 2003 ዝግበር ኣህጉራዊ ኣኼባታት

ኣብ 2003 ዝግበር ኣህጉራዊ ኣኼባታት

 ቀዳም 6 ጥቅምቲ 2001 ዓመታዊ ኣኼባ ኣባላት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፔንሲልቫንያ ኣብ ጀርሲ ሲቲ: ኒው ጀርሲ: ሕ.መ.ኣ.: ተገብረ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ: እቶም ኣባላትን ካልኦት ኣጋይሽን ፍሉይ ኣኼባ ገይሮም ኢዮም። ንጽብሒቱ ኣብ ኣርባዕተ ኸተማታት ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ እተገብረ ተወሳኺ ኣኼባ: ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድሕሪ እቲ መዕጸዊ ዝርርቦም እዚ ዝስዕብ ምልክታ ገበሩ:-

“ኣብ መጻኢውን ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ኣኼባታቶም ክገድፉ የብሎምን። ሃዋርያ ጳውሎስ እታ እተፍርህ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት ክትከይድ ከላ ኣኼባታትና ከይንሓድግን ንሓድሕድና ብዝያዳ ኽንመዓዓድን ተማሕጺኑና ኢዩ። (እብራውያን 10:⁠24, 25) ምስዚ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ እዚ ብምስምማዕ: ንዓመታ [2002] ኣብ መላእ ዓለም ኣውራጃዊ ኣኼባታት ክንገብር መዲብና ኣሎና። ኣብ 2003 ድማ ፍቓድ የሆዋ እንተ ዀይኑ: ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም ፍሉይ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ንገብር ንኸውን። ሕጂ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍጻመታት እናተዓዘብና እንነቕሓሉ እዋን ኢዩ።”

እዚ ኣገባብ እዚ ናብ መወዳእታኡ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን ከቢድ ምጥርጣርን ውጥረትን ይፍጠር እኳ እንተሎ: ህዝቢ ኣምላኽ ዝፍጽምዎ ንጥፈታት ግን ንቕድሚት ክስጕም ኣለዎ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ክእወጅ ኣለዎ፣ ‘እታ ኣምላኽ ዝፈርደላ ግዜ ስለ ዝበጽሐት: ንኣምላኽ ክፈርህዎ ኽብሪውን ክህብዎ’ ጻውዒት ክቐርበሎም ኣለዎ። (ራእይ 14:⁠6, 7) ስለዚ: ፍቓድ ሰማያዊ ኣቦና እንተ ዀይኑን ንልቡ ባህ እንተ ኣቢልዎን: ኣብ 2003 ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ኣህጉራዊ ኣኼባታት ንምግባር መደብ ወጺኡ ኣሎ።

ፈለማ ኣብ ሒደት ከተማታት ሰሜን ኣመሪካ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣብ ኣውሮጳ ኣኼባታት ንምግባር መደብ ወጺኡ ኣሎ። ድሕርዚ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ጕጅለታት ተወከልቲ ናብ ገለ ኸተማታት እስያ ንኽጐዓዙ ምድላዋት ክግበር ኢዩ። ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት እውን ካልኦት ጕጅለታት ተወከልቲ ናብ ኣፍሪቃ: ደቡብ ኣመሪካ: ከምኡውን ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ናብ ዝርከባ ሃገራት ክጐዓዙ ኢዮም። ገሊኣተን ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ኣብቲ ኣኼባ ክቕበልኦም ዝኽእላ እተወሰነ ቝጽሪ ተወከልቲ ኽገልጻ ስለ ዝሕተታ: ንዅሉ ሰብ ኣብዚ ኣህጉራዊ ኣኼባ ንኽካፈል ዕድመ ከነቕርበሉ ኣጸጋሚ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ኵሉ እዚ ቦታታት እዚ ኻብ እተፈላለያ ሃገራት ዝኸዱ እተወሰኑ ተወከልቲ ምስ ዝህልዉ ዘተባብዕ ኢዩ።

ድሕሪ ሓጺር እዋን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እዚ ኣኼባታት እዚ ሓበሬታ ኽበጽሐን ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኣኼባታት ዝግበረሉ ዕለታትን እቶም ተወከልቲ ዝኸዱለን ከተማታትን በብጨንፈር ቤት⁠-​ጽሕፈትኩም ክግለጽ ኢዩ። ስለዚ: ደብዳበ ኽትጽሕፉ ወይ ብኻልእ መዳይ ክትሓቱ ኣየድልን ኢዩ።

እቶም ተወከልቲ ክዀኑ ዝምረጹ እተጠምቁ ኣሕዋት ኰይኖም ሰናይ ኣብነት ዝዀኑን ኣብቲ ዝኸድዎ ዓዲ ንዝነበሩ ኣሕዋት ፍቕሮም ዘርእዩን ክዀኑ ኣለዎም። እቶም ደቂ እቲ ዓዲ እውን ነቶም በጻሕቶም መርሓባ ኢሎም ብምቕባል ናይ ሓቂ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ምዃኖም ናይ ምርኣይ ኣጋጣሚ ኣለዎም። (እብራውያን 13:⁠1, 2) እዚ ኸኣ ንሓድሕድካ ‘ንምጽንናዕ’ ኣጋጣሚ ኽፈጥር ኢዩ። (ሮሜ 1:⁠11, 12) ብዛዕባ እዚ ምድላዋት እዚ በተን ተወከልቲ ኽልእካ ዝሕተታ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ኣቢሉ ተወሳኺ ሓበሬታ ኽግለጽ ኢዩ።

ኣብ 2003 ከምቲ እተለምደ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ክግበር ኢዩ። ኵላትና ኣብ ዓበይቲ ኣኼባ ብምክፋል ‘ንኽንሰምዕን ንኽንመሃርን ንኽንመዓድን’ ኣጋጣሚ ኽህልወና ኢዩ። (ዘዳግም 31:⁠12፣ 1 ቈረንቶስ 14:⁠31) እዚ ኸኣ ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ‘እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ክጥዕሙን ክርእዩን’ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኢዩ። (መዝሙር 34:⁠8) ኣብ ኵሉ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ኰነ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ሚስዮናውያን ክህልዉ ኢዮም: ገሊኣቶም እውን ኣብቲ ፕሮግራም ክፍሊ ኽህልዎም ኢዩ።

ኣብዚ ዓመት እዚ ዝያዳ ምስክርነት ንኽንህብ ዘነቓቕሓና “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኽህልወና ኢዩ። ነዚ ኣኼባ እዚ ኽንገብር ከሎና የሆዋ ንዓመታ እንታይ ኣዳልዩልና ኸም ዘሎ ንምፍላጥ ሃንቀው ከም እንብል ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ኸኣ ነዚ ወሳንን ኣገዳስን እዋን ኣብ ግምት ብምእታው ‘ንኽንነቅሕን እተዳሎና ንኽንከውንን’ ክሕግዘና ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠42-44