ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓዳር ብጻይ ንምምራጽ ዝጠቅም መለኮታዊ መምርሒ

ናይ ሓዳር ብጻይ ንምምራጽ ዝጠቅም መለኮታዊ መምርሒ

ናይ ሓዳር ብጻይ ንምምራጽ ዝጠቅም መለኮታዊ መምርሒ

“ኣነ ኽምህረካ: ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ: ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።”​—⁠መዝሙር 32:⁠8

1. ጽቡቕ ሓዳር ንምምስራት እንታይ ረቛሒታት ኢዩ ዘድሊ፧

 ሓደ ኣክሮባት ዘርኢ ሰብ ኣብቲ ብኽልተ ጫፉ ብሰንሰለት ተኣሲሩ ጠልጠል ዝበለ ሓጺን ተንጠልጢሉ ውሕሉል ብዝዀነ መገዲ ኣብ ኣየር ይገለባበጥ። ካብኡ እናተገለባበጠ ብምዝላል: ምስቲ በቲ ሓደ ወገን ብቑልቁል ኣፉ ጠልጠል ዝበለ ብጻዩ ኢድ ንኢድ ይተሓሓዝ። ኣብ በረድ ሸታሕታሕ ዝብሉ ጽምዲ: ውሕሉል ብዝዀነ መገዲ ይንቀሳቐሱ። ሃንደበት እቲ ሰብኣይ ነታ ብጸይቱ ሓፍ ኣቢሉ ኣብ ኣየር የንጠልጥላ። ኣብ ላዕሊ ዀይና ትሽክርከር: ብዘደንቕ መገዲ ብሓንቲ እግራ መሬት ትረግጽ እሞ ምስኡ ኣብቲ በረድ ሸታሕታሕ ምባል ትቕጽል። ኽልቲኡ እዚ ተግባራት እዚ ጻዕሪ ዘድልዮ ኣይመስልን ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: መን ኢዩ እሞ ከይተለማመደ: ወይ ምኩር ብጻይ ከይረኸበ: ብፍላይ ድማ ቅኑዕ መምርሒ ወይ ትምህርቲ ኸይቀሰመ ክፍትኖ ዝሓስብ፧ ብተመሳሳሊ: ጽቡቕ ሓዳር እውን ስቕ ኢሉ ብቐሊሉ ዝመጽእ ይመስል ይኸውን። እንተ​ዀነ ግን: እዚ እውን ንፉዕ ብጻይ ወይ ብጸይቲ ኣብ ምህላው: ውህደት ዘለዎ ጻዕሪ ኣብ ምግባር: ብፍላይ ከኣ ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ኣብ ምርካብ እተመርኰሰ ኢዩ። እወ: ቅኑዕ መምርሒ ብርግጽ ኣድላዪ ኢዩ።

2. (ሀ) ስርዓት መርዓ ዝሰርዐ መን ኢዩ: ንምንታይ ዕላማኸ፧ (ለ) ገለ ናይ መርዓ ስርዓታት ብኸመይ ኢዩ ዝግበር፧

2 ሓደ ዘይተመርዓወ ወይ ዘይተመርዓወት መንእሰይ ብዛዕባ ናይ ሓዳር ብጻይ​—⁠ናይ ናብራ ብጻይ​—⁠ክሓስብ ባህርያዊ ኢዩ። ካብቲ የሆዋ ኣምላኽ መርዓ ዝሰርዓሉ ግዜ ኣትሒዙ: ወድን ጓልን ክምርዓዉ ልሙድ ተግባር ህይወት ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ኣዳም ሰበይቲ እትዀኖ ባዕሉ ኣይመረጸን። የሆዋ ኢዩ ብፍቕሪ ሂብዎ። (ዘፍጥረት 2:⁠18-24) ዕላምኡ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ክፋረዩ እሞ ንምድሪ ድማ ብሰባት ኽመልእዋ ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር: ዝበዝሕ ግዜ ሓዳር ብስድራ​ቤት ናይቲ ወድን ጓልን ኢዩ ክዳሎ ጸኒሑ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ: እቶም ዝምርዓዉ ተሓቲቶም ፍቓደኛታት ምስ ዝዀኑ ኢዩ ዝግበር ነይሩ። (ዘፍጥረት 21:⁠21፣ 24:⁠2-4, 58፣ 38:⁠6፣ እያሱ 15:⁠16, 17) ከምዚ ዝኣመሰለ ስድራኻ ብዘማጽኡልካ ሓዳር ምግባር ኣብ ገለ ሃገራትን ባህልታትን ገና ዝሰርሕ እኳ እንተ​ዀነ: ሎሚ ዝበዝሑ ናይ ሓዳር ብጻይ ዝዀኖም ባዕላቶም ኢዮም ዝመርጹ።

3. ናይ ሓዳር ብጻይ ብኸመይ ኢዩ ክምረጽ ዘለዎ፧

3 ናይ ሓዳር ብጻይ ብኸመይ ኢዩ ክምረጽ ዘለዎ፧ ገሊኦም በቲ ንዓይኒ ባህ ዘብልን ተባሃግን ዝዀነ ትርኢት ኢዮም ዝጽለዉ። ካልኦት ድማ ስጋዊ ጥቕሚ ማለት ዝከናኸኖም: ድሌቶምን ባህጎምን ዘማልኣሎም ርእዮም ይመርጹ። እንተ​ዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ጥራይ ምሓዝ ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ርክብ ክፈጥር ይኽእልዶ፧ ምሳሌ 31:⁠30 “ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ: ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ” ድሕሪ ምባል ቀጺላ “ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንአድ” ትብል። እቲ ቐንዲ ነጥቢ እምበኣር እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ናይ ሓዳር ብጻይ ኽትመርጹ ኸለኹም ምኽሪ የሆዋ ስዓቡ።

ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ፍቕራዊ መምርሒ

4. ናይ ሓዳር ብጻይ ብዛዕባ ምምራጽ ዝመጸ ኣምላኽ እንታይ ሓገዝ ኢዩ ዝህብ፧

4 እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ነገራት መምርሒ ክዀነና ዝኽእል ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቃሉ ሂቡና ኣሎ። ከምዚ በለ:- “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።” (ኢሳይያስ 48:⁠17) ስለዚ እምበኣር: ናይ ሓዳር ብጻይ ኣብ ምምራጽ ክሕግዘና ዝኽእል ፍቱን መምርሒታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምህላው ዘገርም ኣይኰነን። የሆዋ ሓዳርና ነባርን ሓጐስ ዘለዎን ክኸውን ኢዩ ዝደሊ። ስለዚ ኸኣ ነቲ መምርሒታት ንኽንርድኦን ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎን ሓገዝ ይህበና ኢዩ። ካብቲ ፈቃር ዝዀነ ፈጣሪና ከምዚዶ ኸይኰንና እንጽበ፧​—⁠መዝሙር 19:⁠8

5. ኣብ ሓዳር ነባሪ ዝዀነ ሓጐስ ንምርካብ ኣገዳሲ ነገር እንታይ ኢዩ፧

5 የሆዋ መርዓ ክጅምር ከሎ ነባሪ ክኸውን ኢዩ መዲብዎ። (ማርቆስ 10:⁠6-​12፣ 1 ቈረንቶስ 7:⁠10, 11) ስለዚ ድማ ኢዩ ብምኽንያት “ዝሙት” እንተ ዘይኰይኑ ብኻልእ ‘ፍትሕ ዝጸልእ’ ምዃኑ ዝገለጸ። (ማቴዎስ 19:9፣ ሚልክያስ 2:​13-​16) ስለዚ እምበኣር: ንሓዳር ዝዀነካ ብጻይ ምምራጽ ሓደ ካብቲ ኣብ ህይወትና እንወስዶ ረዚን ስጕምቲ ኢዩ: ኣቕሊልካ ዝርአ ድማ ኣይኰነን። እንተ ንሓጐስ እንተ ንጓሂ ማዕረ እዚ ውሳነ እዚ ኽመጽእ ዝኽእል ካልእ ውሳነ የልቦን። ጽቡቕ ምርጫ ምስ እንገብር ንህይወትና ዝያዳ ከም ዝብልጽግን ዘሐጕስ ከም ዝኸውንን ክገብሮ ኸሎ: ሕማቕ ምርጫ ምስ እንገብር ግን እዚ ዘይበሃል ግድላት ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 21:⁠19፣ 26:⁠21) ሓጐስና ቀጻሊ ንኽኸውን ክንመርጽ ከሎና ጥንቁቓት ክንከውን ከምኡውን ነቲ እንኣትዎ ቓል ነባሪ ንምግባሩ ፍቓደኛታት ክንከውን የድሊ: ከመይሲ ኣምላኽ ሓዳር ብስምምዕን ምትሕብባርን ዝስስን ገይሩ ኢዩ መስሪትዎ።​—⁠ማቴዎስ 19:⁠6

6. ብፍላይ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ናይ ሓዳር ብጻይ ኣብ ምምራጽ ጥንቁቓት ክዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ: ዝበለጸ ውሳነ ኽገብሩ ዝኽእሉኸ ብኸመይ ኢዮም፧

6 ብፍላይ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ናይ ሓዳር ብጻይ ክመርጹ ኸለዉ: ኣካላዊ ትርኢትን ሓያል ስምዒትን ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ከይሽፍኖ ክጥንቀቑ ኣለዎም። ኣብ ደጋዊ ትርኢት ጥራይ እተመርኰሰ ርክብ ቀልጢፉ ናብ ምምናው ወይ ናብ ጽልኢ እውን ከይተረፈ ኢዩ ዝቕየር። (2 ሳሙኤል 13:⁠15) በቲ ኻልእ ሸነኽ ክርአ ኸሎ ግን: ብዛዕባ እቲ ናይ ሓዳር ብጻይ ዝዀነካ ሰብን ገዛእ ርእስኻን ዕሙቝ ዝበለ ፍልጠት ምስ ዝህልወካ ነባሪ ፍቕሪ ኸተማዕብል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ፈለማ ልብና ዝብህጎ እቲ ዝበለጸ ዝጠቕመና ኸይከውን ከም ዝኽእል ክንግንዘብ ኣሎና። (ኤርምያስ 17:⁠9) ስለዚ ድማ ኢዩ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ መለኮታዊ መምርሒ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን። ኣብ ህይወትና ጥበብ እተሓወሶ ውሳነ ብኸመይ ክንገብር ከም እንኽእል ከነስተውዕል ይሕግዘና ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: የሆዋ “ኣነ ኽምህረካ: ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ: ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ይብሎ ኸም ዘሎ ገይሩ ኣቕረቦ። (መዝሙር 32:⁠8፣ እብራውያን 4:⁠12) ሓዳር ነቲ ፍቕርን ብጻይነትን ናይ ምርካብ ባህርያዊ ድሌትና ዘዕግቦ እኳ እንተ​ዀነ: ንምፍትሑ ብስለትን ምስትውዓልን ዝሓትት ብድሆታት እውን ኣለዎ።

7. ገሊኦም ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ናይ ሓዳር ብጻይ ንምምራጽ ዝሕግዝ ምኽሪ ዘይቅበሉ ስለምንታይ ኢዮም: እዚ ግን ናብ እንታይ ኢዩ ክመርሕ ዝኽእል፧

7 ናይ ሓዳር ብጻይ ኣብ ምምራጽ ናብቲ መስራቲ ሓዳር ዝብሎ ነገራት ምቕላብ ጥበብ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ወለዲ ወይ ክርስትያን ሽማግለታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ኽህቡና ኸለዉ ንነጽጎ ንኸውን። ምሉእ ብምሉእ ዘይተረድኡና ዀይኑ ይስምዓና: እቲ ብርቱዕ ስምዒታዊ ባህግና ድማ ንልብና ኽንሰምዕ ይደፋፍኣና ይኸውን። ሓቅነት ናይቲ ጕዳይ ምስ ረኣናዮ ግን: ነቲ ንጥቕምና ተባሂሉ እተዋህበ ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ስለ ዘየቕለብናሉ ንጠዓስ ንኸውን። (ምሳሌ 23:⁠19፣ 28:⁠26) ፍቕሪ ኣብ ዘይብሉ ሓዳር: ክንኣልዮም ምስ ዘይንኽእል ውሉዳት: ምናልባት እውን ምስ ዘይኣማኒ ናይ ሓዳር ብጻይ ክንነብር ንግደድ ንኸውን። እቲ ብዙሕ ሓጐስ ከምጽእ ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ሓዳር ምድላው ምንጪ ጓሂ ክዀነናስ ኣየ ኽንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ!

ኣምላኻዊ ተወፋይነት እቲ ቐንዲ ረቛሒ ኢዩ

8. ኣምላኻዊ ተወፋይነት ምህላው ንሓዳር ከደልድሎን ምንጪ ሓጐስ ከም ዝኸውንን ክገብሮ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

8 ሓደ ነቲ ሓደ ብኣካላዊ ትርኢቱ ምስ ዝማርኾ ንሓዳር ዘደልድሎ ምዃኑ ርግጽ እኳ እንተ​ዀነ እቲ ሓዳር ክጸንዕን ሓጐስ ከምጽእን እንተ​ድኣ ዀይኑ ግን ብሓባር እትኣምነሉ ስርዓት ክህልወካ ዝያዳ ኣድላዪ ኢዩ። ክልቴኻ ንየሆዋ ተወፋይነት ክህልወካ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ረቛሒ ንላዕሊ ነቲ ማእሰር ነባርን ሕብረት ዘለዎን ከም ዝኸውን ዝገብሮ ኢዩ። (መክብብ 4:⁠12) ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ናብራኦም ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ዘተኰረ ከም ዝኸውን ምስ ዝገብሩ ብመንፈስ: ብኣተሓሳስባ: ከምኡውን ብስነ⁠-​ምግባር ሕቡራት ኢዮም ዝዀኑ። ሓቢሮም ቃል ኣምላኽ የጽንዑ። ሓቢሮም ይጽልዩ: እዚ ድማ ንልቦም ሓደ ከም ዝኸውን ይገብሮ። ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሓቢሮም ይኸዱ: ከምኡውን ሓቢሮም ግራት ኣገልግሎት ይወፍሩ። እዚ ዅሉ ነቲ ናብ ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ከም ዝቀራረቡ ዝገብር መንፈሳዊ ማእሰር ከም ዝድልድል ይገብሮ። ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ድማ በረኸት የሆዋ ዘምጽእ ኢዩ።

9. ኣብርሃም ንይስሃቅ እትኸውን ሰበይቲ ንምርካብ እንታይ ኢዩ ዝገበረ: ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧

9 እቲ ሓደ ካብቶም ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ እሙን ኣብርሃም: ኣምላኻዊ ተወፋይነት ስለ ዝነበሮ ንይስሃቅ ወዱ ሰበይቲ ዝመርጸሉ ግዜ ምስ በጽሐ ንኣምላኽ ዘሐጕስ ነገር ክገብር ደለየ። ኣብርሃም ነቲ እሙን ዝነበረ ኣገልጋሊኡ ኸምዚ በሎ:- “ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ማእከሎም ዝነብር ዘሎኹ ከነኣናውያን: ንወደይ ሰበይቲ ኸይተታኣታትዎ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን ኣምላኽ ምድርን ኤምሕለካ አሎኹ። ናብ ሃገረይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሃቅ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ: . . . [የሆዋ] መልኣኹ ቀቅድሜኻ ኺልእኽ እዩ እሞ ካብኡ ንወደይ ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ።” ርብቃ ድማ ይስሃቅ ኣዝዩ ዝፈትዋ ብልጽቲ ሰበይቲ ዀነት።​—⁠ዘፍጥረት 24:⁠3, 4, 7, 14-21, 67

10. ሰብኡትን ኣንስትን እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ኢዩ ዘለዎም፧

10 ዘይምርዑዋት ክርስትያናት እንተ​ድኣ ዄንና: ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ሓዳር ዝሓቶ ነገራት ከነማልእ ዘኽእለና ባህርያት ንምዅስኳስ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ይሕግዘና ኢዩ። ገለ ኻብቲ ሰብኡትን ኣንስትን ሰብ ሓዳር ክፍጽምዎ ዘለዎም ሓላፍነት እዚ ዝስዕብ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ኢዩ:- ‘ኣትን ኣንስቲ: ከም ንጐይታ ገይርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ: ርእሱ እውን በጃኣ ዝሃበ: ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ነተን ኣንስትኹም ከም ስጋኹም ገይርኩም ኣፍቅርወን። ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ: እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ።’ (ኤፌሶን 5:⁠22-33) ካብዚ ኽንርድኦ ከም እንኽእል እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃላት ጳውሎስ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከም ዘድሊ ዘጕልሕ ኢዩ። ምስዚ ምኽሪ እዚ ምስምማዕ ንየሆዋ ኣኽብሮት እተሓወሶ ፍርሂ ምርኣይ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብ ግዜ ራህዋ ይኹን ሽግር ልባዊ ምትሕልላይ ኣድላዪ ኢዩ። እቶም ሓዳር ክምስርቱ ዝሓስቡ ክርስትያናት ነዚ ሓላፍነት እዚ ኽስከምዎ ዝኽእሉ እንተ​ድኣ ዀይኖም ክሓስብሉ ኣለዎም።

መዓስ ከም እትምርዖ ምውሳን

11. (ሀ) ብዛዕባ ሓደ ሰብ ዝምርዓወሉ ዕድመ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ምኽሪ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧ (ለ) ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:⁠36 ተመዝጊቡ ዘሎ ምኽሪ ምስዓብ ጥበብ ምዃኑ ዘርኢ እንታይ ኣብነት ኣሎ፧

11 ንመርዓ ቕሩባት እንኸውን መዓስ ምዃንና ምውሳን ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ኻብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ስለ ዝኽእል: ቅዱሳት ጽሑፋት ዕድመ ኣይፈልን ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ጾታዊ ስምዒት ንኣተሓሳስባ ክሽፍነሉ ዝኽእል ዕድመ ክሳዕ ዝሓልፍ ማለት ክሳዕ ግዜ ‘ብጽሕና’ ምጽባይ ዝሓሸ ምዃኑ ይሕብር ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠36) ሓንቲ ሚሸል እተባህለት ጓል “መብዛሕትአን መሓዙተይ ገና ኰተቴ ኸለዋ ምስ ኣወዳት ክቋጸራን ክምርዓዋን ክርኢ ኸለኹ: ሓድሓደ ግዜ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ከቢድ ኢዩ” ትብል እሞ ቐጺላ ድማ ከምዚ በለት:- “እንተ​ዀነ ግን: እቲ ምኽሪ ካብ የሆዋ ምዃኑ ተገንዘብኩ: ንሱ ኸኣ ንረብሓና ዝዀነ ነገራት ጥራይ ኢዩ ዝነግረና። ንኽምርዖ እናተጸበኹ ኸለኹ: ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብን ተመክሮ ኣብ ምጥራይን ከተኵር ከኣልኩ: እዚ ድማ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ከሎኻ እተጥርዮ ነገር ኣይኰነን። ገለ ዓመታት ጸኒሐ ግን ነቲ ናይ ሓዳር ሓላፍነት ይኹን ክለዓል ዝኽእል ግድላት ንምስካም ድልውቲ ዀንኩ።”

12. ገና ንእሽቶ ኸሎኻ ናብ ሓዳር ምጕያይ ጥበብ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 እቶም ገና ንኣሽቱ ኸለዉ ተሃዊኾም ዝምርዓዉ: ዝበዝሕ ግዜ እናበሰሉ ክኸዱ ኸለዉ ድሌቶምን ባህጎምን ዝቕየር ኰይኑ ኢዮም ረኺቦምዎ። እቲ ኣብ መጀመርታ ኣዝዮም ዝፈትውዎ ዝነበሩ ነገራት ዳሕራይ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ኰይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ። ሓንቲ ክርስትያን መንእሰይ ጓል 16 ዓመት ምስ ኰነት ክትምርዖ ብልባ ወሰነት። ዓባያን ኣዲኣን ደቂ 16 ዓመት ከለዋ ኢየን ተመርዕየን። እቲ ትፈትዎ ዝነበረት መንእሰይ ከም ዘይምርዓዋ ምስ ነገራ: ካልእ መንእሰይ ተመርዓወት። ዳሕራይ ጸኒሓ ግን: ናይ ሃወኽ ስጕምቲ ብምውሳዳ ኣዝያ ተጣዕሰት።

13. እቶም ገና ብናእሽትኦም ዝምርዓዉ ዝበዝሕ ግዜ እንታይ ኢዩ ዝጐድሎም፧

13 ሓዳር ንምግባር ክትሓስብ ከሎኻ ብዛዕባ እቲ ሓዳር ዝሓቶ ነገራት ብሱል ምርዳእ ክህልወካ ኣገዳሲ ኢዩ። ገና ንእሽቶ ኸሎኻ ምምርዓው: እቶም መንእሰያት ክፈትሕዎ ዘይክእሉ ብዙሕ ግድላት ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ሓዳርን ቈልዑ ምዕባይን ዘምጽኦ ወጥሪ ብዓወት ክዋጽእሉ ዘኽእሎም ተመክሮን ብስለትን ከይህልዎም ይኽእል ኢዩ። ነባሪ ዝዀነ ርክብ ንምምስራት ብኣካል: ብኣእምሮ: ከምኡውን ብመንፈስ ቅሩብ ምስ ኰንካ ጥራይ ኢኻ ብዛዕባ ሓዳር ክትሓስብ ዘሎካ።

14. ነቲ ኣብ ሓዳር ዘጋጥም ዘጨንቕ ግድላት ንኽትዋጽኣሉ እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧

14 ጳውሎስ እቶም እተመርዓዉ “ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠28) ክልተ እተፈላለየ ባህርያት ስለ ዘሎ ግድላት ክለዓል: ኣረኣእያ ድማ ክፈላለ ይኽእል ኢዩ። ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና: ነቲ ሓዳር ዝጠልቦ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ምፍጻሙ ክኸብድ ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:⁠3፣ ቈሎሴ 3:⁠18, 19፣ ቲቶስ 2:⁠4, 5፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠1, 2, 7) ዘጨንቕ ግድላት ብፍቕሪ ንምፍታሕ ዝሕግዝ መለኮታዊ መምርሒ ንምድላይን ንምስዓብን ብስለት ከምኡውን መንፈሳዊ ርዝነት ዝሓትት ኢዩ።

15. ወለዲ ንውሉዳቶም ንሓዳር ከም ዝዳለዉ ኣብ ምግባር እንታይ ኣገዳሲ ግደ ኢዩ ክህልዎም ዝኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

15 ወለዲ ንውሉዳቶም መለኮታዊ መምርሒ ምስዓብ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ንኽርድኡ ብምሕጋዝ ንሓዳር ከም ዝዳለዉ ክገብርዎም ይኽእሉ ኢዮም። ወለዲ ንቕዱሳት ጽሑፋትን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ብውሕሉል መገዲ ተጠቒሞም ንውሉዳቶም ንሳቶም ይኹኑ ወይ እቲ ኽምርዓውዎ ቃል ዝኣትውሉ ሰብ ነቲ ናይ መርዓ ቃል ኪዳን ክሕልዉ ድሉዋት ድዮም ኣይኰኑን ንኽውስኑ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም። a ሓንቲ ብሎሳም እተባህለት ጓል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት መንእሰይ: ምስ ሓደ ኣብ ጉባኤኣ ዝነበረ መንእሰይ ፍቕሪ ሓዛ። ንሱ ፓይነር ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ክምርዓዉ ደለዩ። ወለዳ ግን ንእሽቶ ኢኺ ብምባል ሓደ ዓመት ንኽትጸንሕ ነገርዋ። ብሎሳም ጸኒሓ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ነቲ ጥበብ እተሓወሶ ምኽሪ ብምስምዐይ ኣዝየ ኢየ ዘመስግን። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት: ገለ ብስለት ኣጥረኹ እሞ እቲ መንእሰይ ሓደ ንፉዕ ናይ ሓዳር ብጻይ ክህልዎ ዝግባእ ባህርያት ከም ዘይብሉ ተረዳእኩ። ጸኒሑ ካብ ማሕበር የሆዋ ወጸ: ካብቲ ኣብ ህይወተይ ዓቢ ዕንወት ከምጽእ ዝኽእል ነገር ድማ ደሓንኩ። ትውክልቲ ኽግበሮ ዝኽእል ምኽሪ ዝህቡ ጥበበኛታት ወለዲ ክህልዉኻስ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ!”

‘ብእግዚኣብሄር ጥራይ ተመርዓዉ’

16. (ሀ) ክርስትያናት ‘ብእግዚኣብሄር ጥራይ ምምርዓው’ ብዝመጸ ክፍተኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ክርስትያናት ዘይኣመንቲ ንኽምርዓዉ ምስ ዝፍተኑ: ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ክሓስቡ ዘለዎም፧

16 የሆዋ ንክርስትያናት ክስዕብዎ ዘለዎም ግልጺ መምርሒ ሂብዎም ኢዩ። እዚ ድማ ‘ብእግዚኣብሄር ጥራይ ተመርዓዉ’ ዝብል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠39) ክርስትያናት ወለድን ደቆምን በዚ መዳይ እዚ ኽፍተኑ ይኽእሉ ኢዮም። ብኸመይ፧ መንእሰያት ክምርዓዉ ይደልዩ እሞ: ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ግን ንዕኦም ዝኾኖም ይስእኑ ይዀኑ። እዚ ኸኣ ዘጋጥም ዘሎ ነገር ኢዩ ዝመስል። ኣብ ገለ ቦታታት ካብተን ደቂ ኣንስትዮ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣዝዮም ውሑዳት ክዀኑ ይኽእሉ: ወይ ኣብቲ ቦታ ዝሰማምዐን ይስእና ይዀና። ሓደ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘይኰነ መንእሰይ ንሓንቲ ክርስትያን ጓል ክምርዓዋ (ወይ ሓንቲ ዓለማዊት ጓል ንሓደ ክርስትያን ወዲ) ስለ ዝደለየ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ክርስትያናዊ ስርዓት ንምጥሓስ ትደፋፋእ ትኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብዛዕባ እቲ ንኣብርሃም ኣጋጢምዎ ዝነበረ ኵነታት ምስትንታን ጽቡቕ ኢዩ። ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ዝዓቀበሉ ሓደ መገዲ ወዱ ይስሃቅ ንሓንቲ ብሓቂ ንየሆዋ እተምልኽ ጓል ከም ዝምርዖ ብምግባሩ ኢዩ። ይስሃቅ እውን ንወዱ ያእቆብ ተመሳሳሊ ኢዩ ገይርሉ። እዚ ንዅሎም ጻዕሪ ሓቲትዎም ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ንየሆዋ ኣሐጒስዎ: ከም ዝባረኹ ድማ ገይርዎም ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 28:⁠1-4

17. ንዘይኣማኒ ምምርዓው ሓደገኛ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: ‘ብእግዚኣብሄር ጥራይ ንኽንምርዖ’ ቀንዲ ምኽንያት ዝዀነና እንታይ ኢዩ፧

17 ኣብ ውሑድ ኣጋጣሚታት ከም እተራእየ: እቲ ዘይኣማኒ ዝነበረ ጸኒሑ ክርስትያን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ንዘይኣማኒ ምምርዓው ዝበዝሕ ግዜ ጐዳኢ ኢዩ። እቶም ምስ ዘይኣማኒ ዝጽመዱ ሓደ ዓይነት እምነት: መለክዒታት: ወይ ሸቶታት የብሎምን። (2 ቈረንቶስ 6:⁠14) እዚ ነቲ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ካብ ሓዳር ዝርከብ ሓጐስን ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ዝሃንጽ ኣኼባ ድሕሪ ምክፋላ ኣብ ገዛ ኸይዳ ብዛዕባ እቲ እተማህረቶ መንፈሳዊ ነገራት ምስቲ ዘይኣማኒ ሰብኣያ ክትመያየጠሉ ስለ ዘይትኽእል ኣዝያ ኢያ እትጕሂ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ‘ብእግዚኣብሄር ጥራይ ምምርዓው’ ንየሆዋ ተኣማንነትካ ምርኣይ ኢዩ። ምስ ቃል ኣምላኽ ምስ እንሰማማዕ ‘ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዘብሎ’ እንገብር ስለ ዝዀንና ልብና ኣይነቕፈናን ኢዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 3:⁠21, 22

18. ብዛዕባ ሓዳር ክትሓስብ ከሎኻ: ንኸመይ ዝበለ ኣገዳሲ ነገራት ኢኻ ከተስተብህለሉ ዘሎካ: ስለምንታይከ፧

18 ብዛዕባ ሓዳር ምሕሳብ ክንጅምር ከሎና: ልዕሊ ዅሉ ከገድሰና ዘለዎ ውርዝናን መንፈሳውነትን ናይቲ ናይ ሓዳር ብጻይ ክዀነና እንሓስቦ ሰብ ኢዩ። ክርስትያናዊ ባህርይ ምስ ንኣምላኽ ምፍቃርን ንዕኡ ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ምዃንን ተደሚሩ ካብ ማራኺ ኣካላዊ ትርኢት ንላዕሊ ዋጋ ኣለዎ። እቶም ብመንፈስ ድልዱላት ናይ ሓዳር መጻምድቲ ክዀኑ ከም ዘለዎም ዝርድኡን ዝትግብርዎን መለኮታዊ ስምረት ኣለዎም። ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ክልቲኦም ንፈጣሪኦም ውፉያት ከምኡውን ንመምርሒታቱ ምሉእ ብምሉእ ዝቕበሉ ምስ ዝዀኑ ካብ ካልእ ክረኽብዎ ዘይክእሉ ሓይሊ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። በዚ መገዲ እዚ የሆዋ ይኸብር: እቲ ሓዳር ድማ ድልዱል መንፈሳዊ መሰረት ይህልዎ: እዚ ድማ ነባሪ ዝዀነ ሕብረት ንኽህሉ ኣበርክቶ ዝገብር ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 15 ለካቲት 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 4-8 ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንፉዕ ናይ ሓዳር ብጻይ ንምምራጽ መለኮታዊ መምርሒ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧

• ኣምላኻዊ ተወፋይነት ነቲ ናይ ሓዳር ማእሰር ንምድልዳል ዝሕግዝ ብኸመይ ኢዩ፧

• ወለዲ ንውሉዳቶም ንሓዳር ከዳልውዎም ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

• ‘ብእግዚኣብሄር ጥራይ ምምርዓው’ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓዳር ብጻይ ዝዀነካ ክትመርጽ ኸሎኻ: ምኽሪ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብዙሕ ሓጐስ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

‘ብእግዚኣብሄር ጥራይ ምምርዓው’ ብዙሕ በረኸት የምጽእ