ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘እንሆ! እቲ ዓቢ ጭፍራ!’

‘እንሆ! እቲ ዓቢ ጭፍራ!’

ምሉኣትን ርዱኣትን ኴንኩም ደው በሉ

‘እንሆ! እቲ ዓቢ ጭፍራ!’

 ንኣገልገልቲ የሆዋ ንዓሰርተታት ዓመታት ምርዳእ ኣብይዎም ዝነበረ ጕዳይ ኢዩ ነይሩ። ብቕዱስ ጽሑፋዊ መገዲ ንምፍትሑ ጻዕሪ ይግበር ነበረ። እዚ ኣርእስቲ እዚ ብዙሕ ምይይጣት ተገይሩሉ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ግን ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ተረኽበሉ: ነቶም ብ1935 ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝነበሩ ተኣከብቲ እውን ብዙሕ ኣሐጒስዎም ኢዩ።

መዛረቢ ሕቶ ናይዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ ዝስዕብ ኢዩ ነይሩ:- ‘እቶም ኣብ ራእይ 7:⁠9 ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ” ወይ “ዓቢ ጭፍራ” (ትርጕም ሓዳስ ዓለም ) መን ኢዮም፧ እዞም ጕጅለ ኣመንቲ እዚኣቶም ኣብ ሰማይ ድዮም ክነብሩ፧’

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሕቶ

ክርስትያናት ካብ ግዜ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣትሒዞም ክሳዕ እዚ ግዜና መንነት ናይቶም “ብዙሓት ሰብ” ንምርዳእ የሸግሮም ነበረ። እቶም ሓደ ግዜ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቶም ዓቢ ጭፍራ ካልኣይ ደረጃ ዝሕዙ ሰማያዊ ኽፍሊ ማለት ፍልጠት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ሃልይዎም ግን ንምስባኽ ብዙሕ ጻዕሪ ዘይገብሩ ጕጅለ ሰባት ገይሮም ይርእይዎም ነበሩ።

እንተ​ዀነ ግን: ኣብ ዕዮ ስብከት ኣዝዮም ንጡፋት ኰይኖም ምስቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝተሓባበሩ ገለ ሰባት ነይሮም ኢዮም። ንሰማይ ናይ ምኻድ ባህጊ ፈጺሙ ኣይነበሮምን። ተስፍኦም ምስቲ ህዝቢ የሆዋ ካብ 1918 ክሳዕ 1922 ዘቕረብዎ “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ህዝባዊ ዝርርብ ዝተሓሓዝ ኢዩ ነይሩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዮም።

ናይ 15 ጥቅምቲ 1923 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ነቲ የሱስ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ኸምዚ ብምባል ገለጸቶ:- “እቶም ብመንፈስ ዘይተቐብኡ ናይ ጽድቂ ዝንባለ ዘለዎም: ብኣተሓሳስባኦም ንየሱስ ክርስቶስ ከም ጐይታ ገይሮም ዝቕበልዎ: ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዝሓሸ እዋን ንኽመጽእ ተስፋ ዝገብሩ ህዝብታት ኵሎም ብኣባጊዕ ኢዮም ዝምሰሉ።”​—⁠ማቴዎስ 25:⁠31-46

ተወሳኺ ጩራ ብርሃን

ብ1931 ቪንዲኬሽን: ቀዳመይቲ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ንህዝቅኤል ምዕራፍ 9 ኸተብርሃ ኸላ እቶም ኣብ ግንባሮም ማሕተም ዝግበረሎም ሰባት እቶም ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ከም ኣባጊዕ ተጠቒሶም ዘለዉ ምዃኖም ገለጸት። ቪንዲኬሽን: ሳልሰይቲ መጽሓፍ (ብ1932 እተሓትመት [እንግሊዝኛ]) ነቲ እስራኤላዊ ንጉስ የሁ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ኸጥፍእ ከሎ ምስኡ ኣብ ሰረገላ እተወጥሐ እስራኤላዊ ዘይነበረ ዮናዳብ ዝነበሮ ቕኑዕ ልቦና ገለጸቶ። (2 ነገስት 10:⁠15-28) እታ መጽሓፍ ከምዚ በለት:- “ዮናዳብ ጽላሎት ናይቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ምስ ማሕበር ሰይጣን ዘይሰማምዑን ጽድቃዊ ኣቕዋም ዘለዎምን ከምኡውን ጐይታ ኣብ እዋን ኣርማጌዶን ካብቲ ጸበባ ኣድሒኑ ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝህቦም ጕጅለ ኢዩ። እዚኣቶም ነቶም ክፍሊ ‘ኣባጊዕ’ ዘቝሙ ኢዮም።”

ብ1934 መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ህይወቶም ንየሆዋ ኽውፍዩን ክጥመቑን ከም ዝግባእ ኣነጸረ። እቲ ብዛዕባ ምድራዊ ኽፍሊ ዝምልከት ብርሃን ብሓቂ እናወሰኸ ኢዩ ዝበርህ ነይሩ!​—⁠ምሳሌ 4:⁠18

እቲ ምርዳእ ደሚቑ በርሀ

እቲ ብዛዕባ ራእይ 7:⁠9-17 ዘሎ ምርዳእ ንጹር ክኸውን ቅሩብ ተሪፍዎ ነበረ። (መዝሙር 97:⁠11) መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ እቲ ኻብ 30 ግንቦት ክሳዕ 3 ሰነ 1935 ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ.: ሕ.መ.ኣ.: ክግበር ተመዲቡ ዝነበረ ዓቢ ኣኼባ ነቶም ብዮናዳብ ዝምሰሉ ሰባት “ናይ ሓቂ ምጽንናዕን ረብሓን” ከምጽኣሎም ተስፋኣ ገሊጻ ነይራ። ብሓቂ ኸምኡ ድማ ኢዩ ዝዀነ!

ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ኣብቲ ብዛዕባ እቶም “ብዙሓት ሰብ” ዘቕረቦ ዘነቓቕሕ ዝርርብ: እቶም ኣብዚ እዋን ዘለዉ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ምስቶም ኣብ ራእይ 7:⁠9 ተጠቒሶም ዘለዉ “ዓቢ ጭፍራ” ሓደ ምዃኖም ነቶም 20,000 ዝዀኑ ኣኼበኛታት ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኣቕረበሎም። (ዮሃንስ 10:⁠16) ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝርርብ እቲ ተዛራባይ “ኵልኹም እቶም ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ንምንባር ተስፋ ዘለኩም በጃኹም ሓንሳእ ደው በሉ” በሎም። መብዛሕትኦም ካብቶም ተኣከብቲ ካብ ኮፍ መበሊኦም ሓፍ በሉ። ድሕርዚ ራዘርፎርድ “እነዉ! እቶም ብዙሓት ሰብ!” በለ። ንእተወሰነ እዋን ጸጥታ ድሕሪ ምስፋኑ ናይ ሓጐስ ጭድርታ ተሰምዐ። ንጽብሒቱ 840 ሓደስቲ መሰኻኽር የሆዋ ተጠምቁ: ካብዚኣቶም ድማ መብዛሕትኦም ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ምዃኖም ገለጹ።

ህላወኦም ኣደኒቑ ኢዩ

ቅድሚ 1935 ካብቶም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መልእኽቲ እተቐበሉን ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ቅንኢ ዘርኣዩን ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ባህጊ ከም ዘለዎም ኣርእዮም ነበሩ። ኣምላኽ ናይ ሰማያዊ ህይወት ተስፋ ስለ ዘይሃቦም ናብ ሰማይ ንምኻድ ባህጊ ኣይነበሮምን። ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ምዃኖም ባዕሎም ብምግላጾም: ብ1935 ጽውዓ ናይቶም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት ዳርጋ ኸም እተወድአ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ።​—⁠ራእይ 7:⁠4

ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተባርዐ: ሰይጣን ድያብሎስ እቶም ዓቢ ጭፍራ ኸይእከቡ ሓያል ጻዕሪ ገበረ። ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተኣገደ። ኣብቲ ሕማቕ እዋን እቲ: ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ብጥሪ 1942 ቀቅድሚ ሙማቱ “እቶም ‘ብዙሓት ሰብ’ እተባህሉ ኽሳዕ ክንድቲ ብዙሓት ኣይክዀኑን ኢዮም ግዲ” ኢሉ ነበረ።

እንተ​ዀነ ግን በረኸት ኣምላኽ ምስ ተሓወሶ እቲ ነገር ብኣንጻሩ ዀነ። እቶም ቅቡኣትን እቶም ብጾቶም ካልኦት ኣባጊዕን ‘ምሉኣትን ርዱኣትን ኰይኖም ደው ብምባል’ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር መዝነት ክፍጽሙ ጸኒሖም ኢዮም። (ቈሎሴ 4:⁠12፣ ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) ብ1946 ቍጽሪ ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝሰብኩ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 176,456 ነበረ: መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ድማ ኻብቶም ዓቢ ጭፍራ ነበሩ። ኣብ ዓመት 2000 ግን ልዕሊ 6,000,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 235 ሃገራት ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊሎምዎ ኢዮም። ኣማን ብኣማን ዓቢ ጭፍራ! ቍጽሮም ድማ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።