ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዚ ዅሉ ሰብኣዊ ስቓይስ ኣብ ምንቲ ምንታይ፧

እዚ ዅሉ ሰብኣዊ ስቓይስ ኣብ ምንቲ ምንታይ፧

እዚ ዅሉ ሰብኣዊ ስቓይስ ኣብ ምንቲ ምንታይ፧

 “ኣታ ኣምላኽ እንታይ ኢና በዲልና፧” እዚ ቓላት እዚ ኣብ ንእሽቶ እስያ ከቢድ ዕንወት ዘውረደ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ ሓንቲ ፍልጥቲ ጋዜጣ ብጕሉሕ ፊደላት ዝወጸ ኣርእስቲ ኢዩ። ኣብታ ዓምዲ ብሰንኪ ዓቕሊ ጽበት ዝገብሮ ዝጠፍኦ ሰብኣይ ንሓንቲ እተሃስየት ጓሉ ኻብቲ ዝዓነወ ቤቱ ሒዝዋ እናወጸ ዘርኢ ስእሊ ነበረ።

ውግእ: ጥሜት: ለበዳ ሕማም: ከምኡውን ባህርያዊ ዕንወት ዘምጽኦ ስቓይን ዘፍሰሶ ንብዓትን ቀሊል ኣይኰነን: ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ኣደዳ ምግሳስ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ: ማህሰይቲ ዝወረዶም ቈልዑ: ከምኡውን ኣደዳ ካልእ ገበናት ዝዀኑ ሰባት ኣለዉ። ብሰንኪ ሓደጋታት ዝመጽእ ጕድኣትን ሞትን እውን ኣሎ። ብተወሳኺውን ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብሰንኪ ሕማም: እርጋን: ከምኡውን ብሞት ዘፍቅርዎም ሰባት መሪር ስቓይ የሕልፉ ኢዮም።

ኣብ መበል 20 ዘመን ካብ ዝሓለፉ ዘመናት ዝገደደ ስቓይ ኢዩ ኣጋጢሙ። ካብ 1914 ክሳዕ 1918 ኣብ እተገብረ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ዳርጋ ዓሰርተ ሚልዮን ዝዀኑ ወተሃደራት ተቐትሉ። ገሊኣቶም ጸሓፍቲ ታሪኽ ክንድኡ ዝዀኑ ሲቪል እውን ከም ዝሞቱ ይሕብሩ ኢዮም። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም 50 ሚልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ ወተሃደራትን ሲቪልን ተቐቲሎም ኢዮም፣ ካብዚኣቶም ድማ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መሳኪን ኣንስትን ሕጻናትን ኣረገውትን ይርከብዎም። ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ብምሉኡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ግዳይ ጃምላዊ ቕትለት: ሰውራ: ዓሌታዊ ናዕቢ: ጥሜት: ከምኡውን ግዳይ ድኽነት ኰይኖም ኢዮም። ሂስቶሪካል ኣትላስ ኦቭ ዘ ትዌንቲዝ ሰንችሪ (እንግሊዝኛ) ልዕሊ 180 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ “እተፈላለየ ዘሕዝን ፍጻመታት” ከም ዝሞቱ ገሊጻ ኣላ።

ብ1918/19 ብሰንኪ ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ 20 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ሞቱ። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዝኸውን ዓመታት 19 ሚልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ ሰባት ብሰንኪ ሕማም አይድስ ሞይቶም ኢዮም: ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ 35 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ተሰከምቲ ናይቲ አይድስ ዘምጽእ ቫይረስ ኰይኖም ኣለዉ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቘልዑ: ወለዶም ብአይድስ ስለ ዝሞቱዎም ዘኽቲሞም ኢዮም። ኣብ ማህጸን ኣዴታቶም ከለዉ እቲ ሕማም ስለ ዝሓለፎም ማእለያ ዘይብሎም ሕጻናት ይሞቱ ኣለዉ።

ቈልዑ ብኻልእ መገድታት እውን ስቓይ ይወርዶም ኢዩ። እታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትሕተም ማንቸስተር ጋርድያን ዊክሊ እትበሃል ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ነቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሕጻናት (ዩኒሴፍ) ኣብ መወዳእታ 1995 ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሳ ከምዚ በለት:- “ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብእተገብረ ውግእ 2 ሚልዮን ሕጻናት ተቐቲሎም: 4-5 ሚልዮን ሰንኪሎም: 12 ሚልዮን ብዘይ​መዕቈቢ ተሪፎም: ልዕሊ 1 ሚልዮን ዘኽቲሞም ወይ ካብ ወለዶም ተፈልዮም: 10 ሚልዮን ከኣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስቓይ ወሪድዎም።” ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዓመት ካብ 40 ክሳዕ 50 ሚልዮን ዝኸውን ጥንሲ ይንጸል።

ኣብ መጻኢ እንታይ ክኸውን ኢዩ፧

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ሕማቕ ትጽቢት ኢዩ ዘለዎም። ሓደ ጕጅለ ሊቃውንቲ “ደቅሰብ ዝገብርዎ ንጥፈታት . . . ነዛ ዓለምና ኸምዚ ሕጂ እንርእያ ዘሎና ዘይኰነትስ ህይወት ዘይነብረላ ኽሳዕ እትኸውን ክቕይራ ይኽእል ኢዩ” በሉ። ወሲኾም ድማ “ሕጂ እውን ከይተረፈ ሓደ ሕምሲት ወድሰብ እኹል ዝብላዕ ስለ ዘይረክብ ኣብ ክቱር ድኽነት ኢዩ ዘሎ: ሓደ ዕስሪት እውን ብጕድለት ኣመጋግባ ይሳቐ ኣሎ” ብምባል ገለጹ። እቶም ሊቃውንቲ በቲ ኣጋ​ጣሚ ተጠቒሞም “ንዅሎም ደቅሰብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝመጽእ ዘጋጥሞም ነገራት መጠንቀቕታ” ንምሃብ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ኢዮም:- “እዚ ንደቅ​ሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ዓቢ ጸበባ ምእንቲ ኽውገድን ዓለም እንደገና ኽትሕደስ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ምእንቲ ኸይትበጽሕን: ንምድርን ኣብኣ ንዘሎ ህይወትን ኣብ እንገብሮ ኽንክን ዓቢ ለውጢ ኽንገብር ኣሎና።”

ኣምላኽ ስቓይን እከይን ክሳዕ ክንድዚ ኸስፋሕፍሕ ዝፈቐደ ስለምንታይ ኢዩ፧ ነዚ ዅነታት ፍታሕ ንኸምጽኣሉ ዝገበሮ እንታይ ዕላማ ኣሎ፧ መዓስከ ኢዩ ነዚ ኽገብሮ፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Top, wheelchair: UN/DPI Photo 186410C by P.S. Sudhakaran; middle, starving children: WHO/OXFAM; bottom, emaciated man: FAO photo/B. Imevbore