እያሱ 15:1-63

  • ርስቲ ይሁዳ (1-12)

  • ጓል ካሌብ ምድሪ ተዋህባ (13-19)

  • ከተማታት ይሁዳ (20-63)

15  ንነገድ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ዝበጽሖም ዕጫ፡+ ክሳብ ዶብ ኤዶም፡+ በረኻ ጺን፡ ክሳብ ደቡባዊ ወሰን ነጌብ እዩ። 2  ደቡባዊ ዶቦም ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው፡*+ ካብቲ ናብ ደቡብ ዜብል ልሳን ባሕሪ እዩ። 3  ናብ ደቡብ ናብ ዓቐበት ዓቅራቢም+ ወጺኡ፡ ንጺን ሓሊፉ፡ ካብ ደቡብ ናብ ቃዴስ-ባርኔዓ+ ደዪቡ፡ ንሔጽሮን ሓሊፉ፡ ናብ ኣዳር ደዪቡ፡ ናብ ቃርቃዓ ኣቢሉ ዞረ። 4  ንዓጽሞን+ ሓሊፉ ድማ ናብ ርባ* ግብጺ+ ወጸ፣ እቲ ዶብ ከኣ ኣብ ባሕሪ* ኣብቅዐ። ደቡባዊ ዶቦም እዚ እዩ። 5  እቲ ምብራቓዊ ዶብ ድማ ባሕሪ ጨው* ክሳብ ጫፍ ዮርዳኖስ እዩ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ መኣዝን ዚርከብ ዶብ ከኣ፡ ኣብ ልሳን ባሕሪ፡ ኣብ ጫፍ ዮርዳኖስ እዩ።+ 6  እቲ ዶብ ድማ ናብ ቤት-ሖግላ+ ደዪቡ፡ ብሰሜን ቤት-ዓራባ+ ሓለፈ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ እምኒ ቦሃን+ ወዲ ሮቤል ደየበ። 7  እቲ ዶብ ድማ ናብታ ኣብ ስንጭሮ* ዓኮር+ ዘላ ደቢር ደዪቡ፡ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ናብታ ኣብ መንጽር እቲ ብደቡብ ርባ ዚርከብ ዓቐበት ኣዱሚም ዘላ ጊልጋል+ ዞረ፣ እቲ ዶብ ከኣ ንዔን-ሸመሽ+ ሓሊፉ፡ ኣብ ዔን-ሮጌል+ ኣብቅዐ። 8  እቲ ዶብ ከኣ ናብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም፡+ ናብቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ዓቐበት ይቡሳውያን፡+ ንሳ ድማ የሩሳሌም፡+ ደየበ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ስንጭሮ ሂኖም ብምዕራብ፡ ኣብ ወሰን ስንጭሮ* ረፋይም ድማ ብሰሜን ዘሎ ኸረን ደየበ። 9  እቲ ዶብ ከኣ ካብ ርእሲ እቲ ኸረን ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ+ ተሓንጸጸ፡ ናብ ከተማታት ከረን ዔፍሮን ድማ ወጸ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ በዓላ፡ ንሳ ድማ ቂርያት-የዓሪም፡+ ተሓንጸጸ። 10  እቲ ዶብ ከኣ ካብ በዓላ ናብ ምዕራብ ናብ ከረን ሰዒር ዞይሩ፡ ናብ ሰሜናዊ ዓቐበት ከረን የዓሪም፡ ንሱ ድማ ክሳሎን፡ ሓለፈ፣ ናብ ቤት-ሸመሽ+ ወሪዱ ኸኣ፡ ናብ ቲምና+ ሓለፈ። 11  እቲ ዶብ ድማ ናብ ዓቐበት ዔቅሮን+ ናብ ሰሜን ወጸ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ሺክሮን ተሓንጸጸ፡ ናብ ከረን በዓላ ሓለፈ፡ ናብ ያብንኤል ድማ ወጸ፣ እቲ ዶብ ከኣ ኣብ ባሕሪ ኣብቅዐ። 12  እቲ ምዕራባዊ ዶብ ድማ እቲ ዓብዪ ባሕርን*+ ገምገሙን እዩ። ዶብ ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም ብዙርያኡ እዚ እዩ። 13  ንካሌብ+ ወዲ የፉነ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንእያሱ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳ ግደ፡ ማለት ቂርያት-ኣርባዕ (ኣርባዕ ኣቦ ዓናቅ እዩ)፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡+ ሃቦ። 14  ካሌብ ከኣ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ፡+ ማለት ሸሻይን ኣሒማንን ታልማይን+ ንዚብሃሉ ዘርኢ ዓናቅ፡ ካብኣ ሰጐጎም። 15  ካብኣ ድማ ንነበርቲ ደቢር+ ኪጻረር ደየበ። (ቅድሚኡ ስም ደቢር፡ ቂርያት-ሰፈር ነበረ።) 16  ካሌብ ከኣ፡ “ንቂርያት-ሰፈር ዚወቕዓን ዚሕዛን፡ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ” በለ። 17  ዖትኒኤል+ ወዲ ቄናዝ፡+ ሓው ካሌብ ድማ ሓዛ። ስለዚ፡ ዓክሳ+ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 18  ንሳ ናብ ቤት ክትከይድ ከላ፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ኪልምን ደፋፍኣቶ። ካብ ኣድጋ ድማ ወረደት።* ካሌብ ከኣ፡ “እንታይ ደሊኺ፧” ኢሉ ሓተታ።+ 19  ንሳ ድማ፡ “በረኸት ግዳ ሃበኒ፣ ኣብ ደቡብሲ* ምድሪ ሂብካኒ ኢኻ፣ ጉሎት-ማይም* እውን ሃበኒ” በለቶ። ንሱ ድማ ላዕለዋይ ጉሎትን ታሕተዋይ ጉሎትን ሃባ። 20  ርስቲ ነገድ ይሁዳ በብዓሌቶም እዚ እዩ። 21  እተን ኣብ ወሰን ነገድ ይሁዳ፡ ብሸነኽ ዶብ ኤዶም+ ኣብ ደቡብ ዝነበራ ኸተማታት እዚኣተን እየን፦ ቃብጽኤል፡ ዔደር፡ ያጉር፡ 22  ቂና፡ ዲሞና፡ ዓድዓዳ፡ 23  ቀደሽ፡ ሓጾር፡ ዪትና፡ 24  ዚፍ፡ ጤሌም፡ በዓሎት፡ 25  ሓጾር-ሓዳታ፡ ቄሪዮት-ሔጽሮን፡ ንሳ ድማ ሓጾር፡ 26  ኣማም፡ ሸማዕ፡ ሞላዳን፡+ 27  ሓጻር-ጋዳ፡ ሔሽሞን፡ ቤት-ጰለጥ፡+ 28  ሓጻር-ሹዓል፡ ብኤር-ሸባዕ፡+ ቢዝዮትያ፡ 29  በዓላ፡ ዒዪም፡ ዔጸም፡ 30  ኤልቶላድ፡ ኬሲል፡ ሖርማ፡+ 31  ጺቅላግ፡+ ማድማና፡ ሳንሳና፡ 32  ለባኦት፡ ሺልሂም፡ ዓዪን፡ ሪሞን+—ብድምር 29 ከተማ ምስ ሰፈራተን። 33  ኣብ ሼፈላ+ እዚኣተን እየን፦ ኤሽታኦል፡ ጾርዓ፡+ ኣሽና፡ 34  ዛኖኣ፡ ዔን-ጋኒም፡ ታጱኣ፡ ዔናም፡ 35  ያርሙት፡ ዓዱላም፡+ ሶኮ፡ ዓዜቃ፡+ 36  ሻዓራይም፡+ ዓዲታይም፡ ገደራን ገደሮታይምን* —14 ኸተማን ሰፈራተንን። 37  ጽናን፡ ሓዳሻ፡ ሚግዳል-ጋድ፡ 38  ዲልዓን፡ ሚጽጰ፡ ዮቅትኤል፡ 39  ላኪሽ፡+ ቦጽቃት፡ ዔግሎን፡ 40  ካቦን፡ ላሕማስ፡ ኪትሊሽ፡ 41  ገደሮት፡ ቤት-ዳጎን፡ ናዓማ፡ ማቄዳ+—16 ኸተማን ሰፈራተንን። 42  ሊብና፡+ ዔተር፡ ዓሻን፡+ 43  ዪፍታሕ፡ ኣሽና፡ ንጺብ፡ 44  ቅዒላ፡ ኣክዚብ፡ ማረሻ—ትሽዓተ ኸተማን ሰፈራተንን። 45  ዔቅሮንን ዓድታታን ሰፈራታን፣ 46  ካብ ዔቅሮን ናብ ምዕራብ፡ ኵለን እተን ኣብ ጥቓ ኣሽዶድ ዘለዋን ሰፈራተንን። 47  ኣሽዶድን+ ዓድታታን ሰፈራታን፣ ጋዛን+ ዓድታታን ሰፈራታን ክሳብ ርባ ግብጽን እቲ ዓብዪ ባሕርን* ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዞባን።+ 48  ኣብ ኣኽራን ድማ ሻሚር፡ ያቲር፡+ ሶኮ፡ 49  ዳና፡ ቂርያት-ሳና፡ ንሳ ድማ ደቢር፡ 50  ዓናብ፡ ኤሽትሞ፡+ ዓኒም፡ 51  ጎሼን፡+ ሖሎን፡ ጊሎ+—11 ኸተማን ሰፈራተንን። 52  ኣራብ፡ ዱማ፡ ኤሼዓን፡ 53   ያኑም፡ ቤት-ታጱኣ፡ ኣፌቃ፡ 54  ሑምታ፡ ቂርያት-ኣርባዕ፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡+ ጺዖር—ትሽዓተ ኸተማን ሰፈራተንን። 55  ማዖን፡+ ቀርሜሎስ፡ ዚፍ፡+ ዩጣ፡ 56  ይዝርኤል፡ ዮቅድዓም፡ ዛኖኣ፡ 57   ቃዪን፡ ጊብዓ፡ ቲምና+—ዓሰርተ ኸተማን ሰፈራተንን። 58  ሓልሑል፡ ቤት-ጹር፡ ገዶር፡ 59  ማዓራት፡ ቤት-ዓኖት፡ ኤልትቆን—ሽዱሽተ ኸተማን ሰፈራተንን። 60  ቂርያት-በዓል፡ ንሳ ድማ ቂርያት-የዓሪም፡+ ራባ—ክልተ ኸተማን ሰፈራተንን። 61  ኣብ በረኻ፡ ቤት-ዓራባ፡+ ሚዲን፡ ስካካ፡ 62  ኒብሻን፡ ከተማ ጨው፡ ዔን-ገዲ+—ሽዱሽተ ኸተማን ሰፈራተንን። 63  ሰብ ይሁዳ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩ ይቡሳውያን+ ኪሰጕግዎም ኣይከኣሉን፣+ ስለዚ፡ ይቡሳውያን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምስ ሰብ ይሁዳ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ኣለዉ።

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ምዉት ባሕሪ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ማለት፡ እቲ ዓብዪ ባሕሪ፡ ባሕሪ መዲተራነያን።
ማለት፡ ምዉት ባሕሪ።
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ማለት፡ ባሕሪ መዲተራነያን።
ወይ፡ “ኣብ ኣድጊ ኸላ ብኣእዳዋ ኣጣቕዐት” ኪኸውን ይኽእል። ማለት፡ ቈላሕታ ንምርካብ።
ወይ፡ “ነጌብ።”
ትርጉሙ፡ “ለሰታት (ጭሔሎታት) ማይ።”
ወይ፡ “ገደራን ደምበታቱን” ኪኸውን ይኽእል።
ማለት፡ ባሕሪ መዲተራነያን።