እያሱ 15:1-63
15 ንነገድ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ዝበጽሖም ዕጫ፡+ ክሳብ ዶብ ኤዶም፡+ በረኻ ጺን፡ ክሳብ ደቡባዊ ወሰን ነጌብ እዩ።
2 ደቡባዊ ዶቦም ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው፡*+ ካብቲ ናብ ደቡብ ዜብል ልሳን ባሕሪ እዩ።
3 ናብ ደቡብ ናብ ዓቐበት ዓቅራቢም+ ወጺኡ፡ ንጺን ሓሊፉ፡ ካብ ደቡብ ናብ ቃዴስ-ባርኔዓ+ ደዪቡ፡ ንሔጽሮን ሓሊፉ፡ ናብ ኣዳር ደዪቡ፡ ናብ ቃርቃዓ ኣቢሉ ዞረ።
4 ንዓጽሞን+ ሓሊፉ ድማ ናብ ርባ* ግብጺ+ ወጸ፣ እቲ ዶብ ከኣ ኣብ ባሕሪ* ኣብቅዐ። ደቡባዊ ዶቦም እዚ እዩ።
5 እቲ ምብራቓዊ ዶብ ድማ ባሕሪ ጨው* ክሳብ ጫፍ ዮርዳኖስ እዩ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ መኣዝን ዚርከብ ዶብ ከኣ፡ ኣብ ልሳን ባሕሪ፡ ኣብ ጫፍ ዮርዳኖስ እዩ።+
6 እቲ ዶብ ድማ ናብ ቤት-ሖግላ+ ደዪቡ፡ ብሰሜን ቤት-ዓራባ+ ሓለፈ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ እምኒ ቦሃን+ ወዲ ሮቤል ደየበ።
7 እቲ ዶብ ድማ ናብታ ኣብ ስንጭሮ* ዓኮር+ ዘላ ደቢር ደዪቡ፡ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ናብታ ኣብ መንጽር እቲ ብደቡብ ርባ ዚርከብ ዓቐበት ኣዱሚም ዘላ ጊልጋል+ ዞረ፣ እቲ ዶብ ከኣ ንዔን-ሸመሽ+ ሓሊፉ፡ ኣብ ዔን-ሮጌል+ ኣብቅዐ።
8 እቲ ዶብ ከኣ ናብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም፡+ ናብቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ዓቐበት ይቡሳውያን፡+ ንሳ ድማ የሩሳሌም፡+ ደየበ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ስንጭሮ ሂኖም ብምዕራብ፡ ኣብ ወሰን ስንጭሮ* ረፋይም ድማ ብሰሜን ዘሎ ኸረን ደየበ።
9 እቲ ዶብ ከኣ ካብ ርእሲ እቲ ኸረን ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ+ ተሓንጸጸ፡ ናብ ከተማታት ከረን ዔፍሮን ድማ ወጸ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ በዓላ፡ ንሳ ድማ ቂርያት-የዓሪም፡+ ተሓንጸጸ።
10 እቲ ዶብ ከኣ ካብ በዓላ ናብ ምዕራብ ናብ ከረን ሰዒር ዞይሩ፡ ናብ ሰሜናዊ ዓቐበት ከረን የዓሪም፡ ንሱ ድማ ክሳሎን፡ ሓለፈ፣ ናብ ቤት-ሸመሽ+ ወሪዱ ኸኣ፡ ናብ ቲምና+ ሓለፈ።
11 እቲ ዶብ ድማ ናብ ዓቐበት ዔቅሮን+ ናብ ሰሜን ወጸ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ሺክሮን ተሓንጸጸ፡ ናብ ከረን በዓላ ሓለፈ፡ ናብ ያብንኤል ድማ ወጸ፣ እቲ ዶብ ከኣ ኣብ ባሕሪ ኣብቅዐ።
12 እቲ ምዕራባዊ ዶብ ድማ እቲ ዓብዪ ባሕርን*+ ገምገሙን እዩ። ዶብ ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም ብዙርያኡ እዚ እዩ።
13 ንካሌብ+ ወዲ የፉነ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንእያሱ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳ ግደ፡ ማለት ቂርያት-ኣርባዕ (ኣርባዕ ኣቦ ዓናቅ እዩ)፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡+ ሃቦ።
14 ካሌብ ከኣ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ፡+ ማለት ሸሻይን ኣሒማንን ታልማይን+ ንዚብሃሉ ዘርኢ ዓናቅ፡ ካብኣ ሰጐጎም።
15 ካብኣ ድማ ንነበርቲ ደቢር+ ኪጻረር ደየበ። (ቅድሚኡ ስም ደቢር፡ ቂርያት-ሰፈር ነበረ።)
16 ካሌብ ከኣ፡ “ንቂርያት-ሰፈር ዚወቕዓን ዚሕዛን፡ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ” በለ።
17 ዖትኒኤል+ ወዲ ቄናዝ፡+ ሓው ካሌብ ድማ ሓዛ። ስለዚ፡ ዓክሳ+ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ።
18 ንሳ ናብ ቤት ክትከይድ ከላ፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ኪልምን ደፋፍኣቶ። ካብ ኣድጋ ድማ ወረደት።* ካሌብ ከኣ፡ “እንታይ ደሊኺ፧” ኢሉ ሓተታ።+
19 ንሳ ድማ፡ “በረኸት ግዳ ሃበኒ፣ ኣብ ደቡብሲ* ምድሪ ሂብካኒ ኢኻ፣ ጉሎት-ማይም* እውን ሃበኒ” በለቶ። ንሱ ድማ ላዕለዋይ ጉሎትን ታሕተዋይ ጉሎትን ሃባ።
20 ርስቲ ነገድ ይሁዳ በብዓሌቶም እዚ እዩ።
21 እተን ኣብ ወሰን ነገድ ይሁዳ፡ ብሸነኽ ዶብ ኤዶም+ ኣብ ደቡብ ዝነበራ ኸተማታት እዚኣተን እየን፦ ቃብጽኤል፡ ዔደር፡ ያጉር፡
22 ቂና፡ ዲሞና፡ ዓድዓዳ፡
23 ቀደሽ፡ ሓጾር፡ ዪትና፡
24 ዚፍ፡ ጤሌም፡ በዓሎት፡
25 ሓጾር-ሓዳታ፡ ቄሪዮት-ሔጽሮን፡ ንሳ ድማ ሓጾር፡
26 ኣማም፡ ሸማዕ፡ ሞላዳን፡+
27 ሓጻር-ጋዳ፡ ሔሽሞን፡ ቤት-ጰለጥ፡+
28 ሓጻር-ሹዓል፡ ብኤር-ሸባዕ፡+ ቢዝዮትያ፡
29 በዓላ፡ ዒዪም፡ ዔጸም፡
30 ኤልቶላድ፡ ኬሲል፡ ሖርማ፡+
31 ጺቅላግ፡+ ማድማና፡ ሳንሳና፡
32 ለባኦት፡ ሺልሂም፡ ዓዪን፡ ሪሞን+—ብድምር 29 ከተማ ምስ ሰፈራተን።
33 ኣብ ሼፈላ+ እዚኣተን እየን፦ ኤሽታኦል፡ ጾርዓ፡+ ኣሽና፡
34 ዛኖኣ፡ ዔን-ጋኒም፡ ታጱኣ፡ ዔናም፡
35 ያርሙት፡ ዓዱላም፡+ ሶኮ፡ ዓዜቃ፡+
36 ሻዓራይም፡+ ዓዲታይም፡ ገደራን ገደሮታይምን* —14 ኸተማን ሰፈራተንን።
37 ጽናን፡ ሓዳሻ፡ ሚግዳል-ጋድ፡
38 ዲልዓን፡ ሚጽጰ፡ ዮቅትኤል፡
39 ላኪሽ፡+ ቦጽቃት፡ ዔግሎን፡
40 ካቦን፡ ላሕማስ፡ ኪትሊሽ፡
41 ገደሮት፡ ቤት-ዳጎን፡ ናዓማ፡ ማቄዳ+—16 ኸተማን ሰፈራተንን።
42 ሊብና፡+ ዔተር፡ ዓሻን፡+
43 ዪፍታሕ፡ ኣሽና፡ ንጺብ፡
44 ቅዒላ፡ ኣክዚብ፡ ማረሻ—ትሽዓተ ኸተማን ሰፈራተንን።
45 ዔቅሮንን ዓድታታን ሰፈራታን፣
46 ካብ ዔቅሮን ናብ ምዕራብ፡ ኵለን እተን ኣብ ጥቓ ኣሽዶድ ዘለዋን ሰፈራተንን።
47 ኣሽዶድን+ ዓድታታን ሰፈራታን፣ ጋዛን+ ዓድታታን ሰፈራታን ክሳብ ርባ ግብጽን እቲ ዓብዪ ባሕርን* ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዞባን።+
48 ኣብ ኣኽራን ድማ ሻሚር፡ ያቲር፡+ ሶኮ፡
49 ዳና፡ ቂርያት-ሳና፡ ንሳ ድማ ደቢር፡
50 ዓናብ፡ ኤሽትሞ፡+ ዓኒም፡
51 ጎሼን፡+ ሖሎን፡ ጊሎ+—11 ኸተማን ሰፈራተንን።
52 ኣራብ፡ ዱማ፡ ኤሼዓን፡
53 ያኑም፡ ቤት-ታጱኣ፡ ኣፌቃ፡
54 ሑምታ፡ ቂርያት-ኣርባዕ፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡+ ጺዖር—ትሽዓተ ኸተማን ሰፈራተንን።
55 ማዖን፡+ ቀርሜሎስ፡ ዚፍ፡+ ዩጣ፡
56 ይዝርኤል፡ ዮቅድዓም፡ ዛኖኣ፡
57 ቃዪን፡ ጊብዓ፡ ቲምና+—ዓሰርተ ኸተማን ሰፈራተንን።
58 ሓልሑል፡ ቤት-ጹር፡ ገዶር፡
59 ማዓራት፡ ቤት-ዓኖት፡ ኤልትቆን—ሽዱሽተ ኸተማን ሰፈራተንን።
60 ቂርያት-በዓል፡ ንሳ ድማ ቂርያት-የዓሪም፡+ ራባ—ክልተ ኸተማን ሰፈራተንን።
61 ኣብ በረኻ፡ ቤት-ዓራባ፡+ ሚዲን፡ ስካካ፡
62 ኒብሻን፡ ከተማ ጨው፡ ዔን-ገዲ+—ሽዱሽተ ኸተማን ሰፈራተንን።
63 ሰብ ይሁዳ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩ ይቡሳውያን+ ኪሰጕግዎም ኣይከኣሉን፣+ ስለዚ፡ ይቡሳውያን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምስ ሰብ ይሁዳ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ኣለዉ።
እግረ ጽሑፍ
^ ማለት፡ ምዉት ባሕሪ።
^ ማለት፡ እቲ ዓብዪ ባሕሪ፡ ባሕሪ መዲተራነያን።
^ ማለት፡ ምዉት ባሕሪ።
^ ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
^ ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
^ ማለት፡ ባሕሪ መዲተራነያን።
^ ወይ፡ “ኣብ ኣድጊ ኸላ ብኣእዳዋ ኣጣቕዐት” ኪኸውን ይኽእል። ማለት፡ ቈላሕታ ንምርካብ።
^ ወይ፡ “ነጌብ።”
^ ትርጉሙ፡ “ለሰታት (ጭሔሎታት) ማይ።”
^ ወይ፡ “ገደራን ደምበታቱን” ኪኸውን ይኽእል።
^ ማለት፡ ባሕሪ መዲተራነያን።