ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ውጥረት ንምቍጽጻር ዚሕግዝ መገድታት

ውጥረት ንምቍጽጻር ዚሕግዝ መገድታት

“ልክዕ ከምዛ ኣብ ዕንክሊል ሸንኰለል እትብል፡ ኣብ እትበጽሖ ግና ዘይብላ ኣንጭዋ ኸም ዝዀንኩ እዩ ተሰሚዑኒ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ መዓልቲ 16 ሰዓት እየ ዝሰርሕ ነይረ፡ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ድማ ኣብ ቀዳመ ሰንበት እውን ኣዕሪፈ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ጓለይ ምስ ደቀሰት ጥራይ ስለ ዚርእያ፡ እሓርቕ ነይረ። ብሰንኪ ውጥረት እሓምም ነይረ እየ።”ካሪ፡ ፊንላንድ።

እቲ ንናካሪ ዘጋጠሞ ተመክሮ፡ ካብ ናይ ካልኦት ብዙሕ እተፈልየ ኣይኰነን። ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ዚርከብ ትካል ግብረ ሰናይ ጥዕና ኣእምሮ ኸም ዝገለጾ፡ ብሰንኪ ውጥረት፡ ካብ 5 እንግሊዛውያን ሰራሕተኛታት 1፡ ኣብ እዋን ስራሕ፡ ኣካላዊ ሕማም ይሓምም፣ ብሰንኪ እቲ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ጸቕጢ ድማ ካብ 4 ሰራሕተኛታት 1፡ ኣብ እዋን ስራሕ ይበኪ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ እተራእየ ቝጠባዊ ምንቍልቋል፡ ቍጽሪ እቲ ንፈውሲ ጭንቀት እተኣዘዘ መድሃኒት ብዘይ መጠን ወሲኹ እዩ።

እንታይ እዩ ውጥረት ኣምጺኡልካ፧

  • ስግኣት—ብዛዕባ ገንዘብ ወይ ብዛዕባ ኻልእ

  • ሓይልኻ ዚጽንቅቕ ተደጋጋሚ ንጥፈታት

  • ግርጭት

  • ዜሰቅቕ ፍጻመታት

ውጥረት እንታይ ኣስዒቡልካ፧

  • ሕማም

  • ስምዒታዊ ድኻም

  • ጸገም ድቃስ

  • ጭንቀት

  • ዘይምስምማዕ

ውጥረት ነቲ ኣብ ኣካላትካ ዘሎ ዜደንቕ መስርሕ የንቀሳቕሶ እዩ። እዚ መስርሕ እዚ ምስቲ ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ምላሽ ዚህብ ጕጅለ ሕክምና ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ውጥረት ንእስትንፋስካን ንትርግታ ልብኻን ንጸቕጢ ደምካን ከም ዚውስኽ ዚገብር ሆርሞናት የመንጩ። ብዘይካዚ፡ እተሓዝአ ዋህዮታት ደምን ግሉኮዝን ናብ ደምካ ኸም ዚውሕዝ ይገብር። እዚ መልሰ ግብሪ እዚ፡ ነቲ ጠንቂ ውጥረት ዝዀነ ነገራት ንኽትቈጻጸሮ እዩ ዜዳልወካ። እቲ ጠንቂ ውጥረት ምስ ሓለፈ ኸኣ፡ ኣካላትካ ናብ ንቡር ኪምለስ ይኽእል እዩ። እቲ ጠንቂ ውጥረት እንተ ዘይተኣልዩ ግና፡ ሕዱር ጭንቀት ወይ ውጥረት ይሕዘካ። ስለዚ፡ ንውጥረት ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ ምፍላጥካ ንኣካላዊ ዀነ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ኣገዳሲ እዩ።

ውጥረት ምቍጽጻር

ውጥረት ንባዕሉ ጐዳኢ እዩ ማለት ኣይኰነን። ማሕበር ሳይኮሎጂ ኣመሪካ ኸምዚ በለ፦ “ንሰብ ዜጋጥሞ ውጥረት፡ ምስቲ እተወጠረ ገመድ ቫዮሊን ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። እቲ ገመድ ብዙሕ እንተ ዘይተወጢሩ፡ ዜሰልክን ባህ ዘይብልን ሙዚቃ እዩ ዚስማዕ። ኣመና እንተ ተወጢሩ ድማ፡ ዚውጭጭ ሙዚቃ ይስማዕ። ኣብ ህይወትና እውን ውጥረት እንተ በዚሑ ሞት ኬስዕበልና፡ ብመጠኑ እንተ ዀይኑ ግና ንህይወት ከም እነስተማቕራ ኺገብረና ይኽእል እዩ። እቲ ጕዳይ፡ ንውጥረት ኣብ ምቍጽጻር ዜተኵር እዩ።”

ካልእ ኪሕሰበሉ ዜድሊ ኸኣ፡ ሰባት እተፈላለየ ባህርይ እዩ ዘለዎም፡ ደረጃ ጥዕናኦም እውን ይፈላለ እዩ። ስለዚ፡ ንሓደ ሰብ፡ ውጥረት ዜስዕበሉ ነገር፡ ንኻልእ ሰብ ግና ኣየስዕበሉን ይኸውን። ምስናይዚ ግና፡ ብሰንኪ እቲ ተደጋጋሚ ዝዀነ ንጥፈታትካ፡ ክትዘናጋዕ እንተ ዘይክኢልካ ወይ ዘይተሓስበ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ ኽትፈትሖ እንተ ዘይክኢልካ ውጥረት ኣጋጢሙካ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ገሊኦም ሰባት ካብ ሕዱር ውጥረት ምእንቲ “ኺገላገሉ” ኢሎም፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ሓሽሽ፡ ወይ ትንባኾ የዘውትሩ። ካልኦት ከኣ ዘይንቡር ኣመጋግባ ይኽተሉ፡ ወይ ከኣ ንግዜኦም ኮፍ ኢሎም ተለቪዥን ወይ ኮምፕዩተር ኣብ ምርኣይ የሕልፍዎ። እዚ ልማድ እዚ፡ ነቲ ቐንዲ ሽግር የጋድዶ ደኣ እምበር፡ ኣይፈትሖን እዩ። ንውጥረት ብዕዉት መገዲ ኽንቈጻጸሮ እንኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና፧

ሓያሎ ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ምኽሪ ብምትግባር ንውጥረት ኪቈጻጸርዎ ኽኢሎም እዮም። እሞኸ እዚ ፍቱን ዝዀነ ጥበባዊ ምኽሪ ኺሕግዘካ ይኽእል ድዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ቐሪቡ ዘሎ ልሙድ ዝዀነ ኣርባዕተ ጠንቂ ውጥረት ጌርካ መርምራ።

1 ስግኣት

ምሉእ ብምሉእ ብዘይስግኣት ኪነብር ዚኽእል ሰብ የለን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” እዩ ዚብል። (መክብብ 9:11) ንዚስምዓካ ስግኣት ብኸመይ ኢኻ ኽትቈጻጸሮ እትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ርእይቶታት ፈትኖ።

  • ንሓደ እሙን ኣባል ስድራ ቤትካ ወይ ፈታዊኻ ምስጢርካ ኣካፍሎ። መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ፈተውቲ ዚህብዎ ደገፍ፡ ወትሩ ኻብቲ ብሰንኪ ውጥረት ዚመጽእ ሕማም ይከላኸል እዩ። እወ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ዚብሎ፡ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” እዩ።—ምሳሌ 17:17

  • ኬጋጥም ኣብ ዚኽእል ኣሉታዊ ነገራት ጥራይ ኣይተተኵር። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ንሓይልኻ ኻብ ምጽንቃቕ ሓሊፉ ኻልእ ፋይዳ የብሉን። ደሓር ድማ፡ ከምቲ ዝፈራህካዮ ኸየጋጥም ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ” ዚብል ጥበባዊ ምኽሪ ይህበና።—ማቴዎስ 6:34

  • ነቲ ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ተጠቐመሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቀዳማይ ጴጥሮስ 5:7፡ “ንሱ [ኣምላኽ] ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” ይብል። ኣምላኽ ውሽጣዊ ሰላም ብምሃብ ከም ዚሓልየልና የርኢ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ኣብ እዋን ሽግር ምጽንናዕን ደገፍን ንኺረኽቡ ብቕንዕና ናብኡ ዚጽልዩ ሰባት ከም ‘ዘይጥንጥኖም’ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ።—እብራውያን 13:5፣ ፊልጲ 4:6, 7

2 ተደጋጋሚ ንጥፈታት

ዕረፍቲ ዘይብሉ ተደጋጋሚ ዝዀነ ንጥፈታት፡ ማለት ጕዕዞ፡ ስራሕ፡ መጽናዕቲ፡ ወይ ከኣ ንቘልዑ ወይ ንኣረጋውያን ወለድኻ እትገብሮ ምክንኻን፡ ውጥረት ከም ዚውስኽ ኪገብር ይኽእል እዩ። ነዚ ንጥፈታት እዚ ኸተቋርጾ ድማ ዘይሕሰብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) እሞኸ፡ ነዚ ዅነታት እዚ ንኽትዋጽኣሉ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ብመጠኑ እውን እንተ ዀነ እትዘናግዓሉ ግዜ መድብ፡ እኹል ዕረፍቲ ድማ ግበር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ ሓንቲ ዕሙዅቲ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ” ይብል።—መክብብ 4:6

  • ቀዳምነት ዜድልዮ ነገራት ስራዕ፡ ቀሊል ናብራ እውን ይሃሉኻ። (ፊልጲ 1:10) ናብራኻ ኸተቕልለሉ እትኽእል መገድታት ሕሰብ፣ ምናልባት፡ ወጻኢታትካ ወይ ኣብ ስራሕ እተሕልፎ ግዜ ኽትንኪ ትኽእል ትኸውን።—ሉቃስ 21:34, 35

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ካሪ፡ ኣብ ህይወቱ ሓድሽ ለውጥታት ገበረ። “ስስዐ ዘለዎ ናብራ ህይወት እመርሕ ከም ዝነበርኩ ተገንዚበ እየ” ኸኣ በለ። ንድንኳኑ ሸይጡ፡ ኣብ ቤት ዝያዳ ግዜ ኼሕልፍ ዜኽእሎ ስራሕ ጀመረ። ኣስዒቡ ኸምዚ በለ፦ “ደረጃ ናብራና ቝሩብ ወሪዱ እኳ እንተ ዀነ፡ ሕጂ ኣነን ሰበይተይን ቀጻሊ ዝዀነ ውጥረት የብልናን፡ ምስ ስድራ ቤትናን ምስ ፈተውትናን ዝያዳ ግዜ ኸነሕልፍ ንኽእል ኢና። ነዚ ሕጂ ረኺበዮ ዘሎኹ ውሽጣዊ ሰላም፡ ምስ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚታት ንግድ ክቕይሮ ኣይደልን እየ።”

3 ግርጭት

ምስ ሰባት ምግርጫው፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስራሕ፡ ከቢድ ውጥረት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ጸገም እንተ ኣጋጢሙካ፡ ኪሕግዘካ ዚኽእል ሓያሎ ኣማራጺታት ኣሎ።

  • ሓደ ሰብ እንተ ኣሕሪቑካ፡ ክትሃድእ ፈትን። ንሓዊ፡ ነዳዲ ኣይትኽዓወሉ። ምሳሌ 15:1፡ “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል” ትብል።

  • ነቲ ዘጋጠመካ ምስሕሓብ፡ ብብሕትን ብኣኽብሮትን ከተድቅሶ ብምጽዓር፡ ንመባእስትኻ ኽብረቱ ሓልወሉ።—ማቴዎስ 5:23-25

  • ስምዒቱን ርእይቶኡን እንታይ ምዃኑ ንኸተስተውዕል ጽዓር። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምስትውዓል፡ ንርእስኻ ኣብ ቦታ እቲ ሰብ ንኽትገብራ ስለ ዚሕግዘካ፡ ‘ንዅራ ደንጓዪ ይገብረካ።” (ምሳሌ 19:11) ንርእስኻ ብዓይኒ እቲ ሰብ እቲ ጌርካ ንኽትርእያ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

  • ይቕረ ኽትብል ጽዓር። ይቕረ ምባል፡ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ። ብ2001 እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ‘ብሓሳባትካ ይቕረ ዘይትብል እንተ ዄንካ፡ ኣዝዩ ኽብ ዝበለ ትርግታ ልብን ጸቕጢ ደምን’ እዩ ዚፈጥር፡ ይቕረ ምባል ግና ውጥረት ይንኪ እዩ።—ቈሎሴ 3:13

4 ዜሰቅቕ ፍጻመታት

ኣብ ካምቦድያ እትነብር ንያንግ፡ ኣብ ርእሲ ርእሲ እተፈላለየ ኸቢድ ኵነታት ኣጋጠማ። ብ1974 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ፈንጂ ምስ ተፈንጀረ፡ ቈሰለት። ብ1975 ከኣ፡ ክልተ ደቃን ኣዲኣን ሰብኣያን ሞቱ። ኣብ ዓመተ 2000 ቤታን ንብረታን ብሓዊ ነደደ፡ ድሕሪ ሰለሰተ ዓመት፡ እቲ ኻልኣይ ሰብኣያ እውን ሞተ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ርእሰ ቕትለት ክትፍጽም ደለየት።

‘ካብ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ጻዕሪ፡ ሓንቲ ዕሙዅቲ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ’

ይኹን እምበር፡ ንያንግ ነዚ መከራ እዚ ኽትጻወሮ ዜኽእላ መገዲ ረኸበት። ንሳ እውን ከም ካሪ፡ መጽሓፍ ቅዱስ መርመረት፣ ካብቲ ዝቐሰመቶ ትምህርቲ ኣዝያ ስለ እተጠቕመት፡ ካልኦት እውን ምእንቲ ኺጥቀሙ፡ ንሳ እውን ብግዲኣ፡ ግዜኣ ወፍያ ንሰባት ክትሕግዝ ጀመረት። ታሪኻ፡ ነቲ ብ2008 ብብሪጣናውያን ተመራመርቲ እተገብረ መጽናዕቲ እዩ ዜዘኻኽረና። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ‘ሓደ ኻብቲ ኻብ ውጥረት ንኽትገላገል ዚሕግዘካ መገዲ፡ ንኻልኦት ሰባት ገለ ነገር ምሃብ እዩ።’ እቲ ነዊሕ እዋን ኣቐዲሙ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ነዚ ምኽሪ እዚ እዩ ዚህብ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ንያንግ ንመጻኢ ብዚምልከት፡ እተረጋገጸ ብሩህ ተስፋ እውን ረኺባ እያ። እዚ ተስፋ እዚ፡ ኵሉ ጸገማት ደቂ ሰብ ተወጊዱ፡ ኣብ መላእ ምድሪ፡ “ብዝሒ ሰላም ኪህሉ” ምዃኑ ዚገልጽ እዩ።—መዝሙር 72:7, 8

ናይ ሓቂ ተስፋን እታ ኣብ ህይወት ንዜጋጥም ውጥረት ንምቍጽጻር እትሕግዝ ጥበብን ኣዝየን ክቡራት እየን። ክልቲአን ከኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እየን ዚርከባ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ካብዚ ኽቡርን ፍሉይን መጽሓፍ እዚ ይጥቀሙ ኣለዉ። ንስኻ እውን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።