ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኤውሮጳ እተገብረ ሃድን ጠንቈልቲ

ኣብ ኤውሮጳ እተገብረ ሃድን ጠንቈልቲ

ቅድሚ ሒደት ዘመናት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ሰፊኑ ዝነበረ ፍርሂ ጠንቈልቲ፡ ጠንቈልቲ ይህደኑን ይቕተሉን ነበሩ። እዚ ኸኣ ኣብ ፈረንሳን ጀርመንን ሰሜን ኢጣልያን ስዊዘርላንድን በልጅዩምን ላክሰምበርግን ነዘርላንድስን ብሰፊሑ እዩ ኣጋጢሙ። ዊች ሃንትስ ኢን ዘን ዌስተርን ዎርልድ (ኣብ ምዕራባዊ ዓለም እተገብረ ሃድን ጠንቈልቲ) ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ግዝኣታት ኤውሮጳን ዚነበሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ሞይቶም እዮም፣” “ሚልዮናት ተቐጥቂጦም፡ ተኣሲሮም፡ ከቢድ ምርመራ ተገይሩሎም፡ ተጸሊኦም፡ ተዋሪዶም፡ ወይ ምጕብዕባዕ ወሪድዎም እዩ።” a እዚ ዅሉ ፍርሂ ጠንቈልቲ ግና ብኸመይ እዩ ኺጅምር ክኢሉ፧ ጠንቁኸ እንታይ እዩ፧

ፍርዲ መናፍቓንን ሞደሻ ጠንቈልቲ ዘርእስታ መጽሓፍን

ብፍላይ ፍርዲ መናፍቓን፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፍጻመ ዓብዪ ግደ ነይርዎ እዩ። ኣብ መበል 13 ዘመን ንፍርዲ መናፍቓን ዝጀመረቶ፡ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን እያ ነይራ፣ ከምቲ ደ ሀክሰንቫን (ልኽፈተ ጠንቈልቲ) ዘርእስታ መጽሓፍ ዝገለጸቶ፡ ዕላማ ፍርዲ መናፍቓን፡ “ንኸሓድቲ ኣረኣእያኦም ንምቕያርን ካልኦት ሰባት መገዶም ከይስሕቱ ንምዕቋብን” እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ፍርዲ መናፍቓን፡ ልክዕ ከም ሓይሊ ፖሊስ እታ ቤተ ክርስትያን ኰይኑ እዩ ዚዓዪ ነይሩ።

ብ5 ታሕሳስ 1484 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢኖሰንት ሻምናይ፡ ንጥንቈላ ዚዅንን ጳጳሳዊ ሰነድ ኣውጽአ። ንኽልተ ሰባት፡ ማለት ንያኮፕ ሽፕሪንገን ንሂንሪኽ ክራመን (ብላቲን ‘ሂንሪኩስ ኢንስቲቶሪስ’ ዚብሃል)፡ ንጥንቈላ ምእንቲ ኺቃለስዎ፡ ኣብ ፍርዲ መናፍቓን ሸሞም። እዞም ሰብኡት እዚኦም፡ ማልዩስ ማለፊካሩም፡ ማለት ሞደሻ ጠንቈልቲ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣዳለዉ። ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ከኣ ነቲ መጽሓፍ፡ ኣብ ልዕሊ ጠንቈልቲ ንዚውሰድ ስጕምቲ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሮም ተቐበልዎ። እቲ መጽሓፍ፡ ኣብ ያታ እተመርኰሰ ብዛዕባ ጠንቈልቲ ዚገልጽ ጽውጽዋይ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ንጥንቈላ ዚነቅፍ ስነ ሃይማኖታውን ሕጋውን መጐተ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ፣ ንጠንቈልቲ ብኸመይ ከም እተለልዮምን እተጥፍኦምን ዚገልጽ መምርሒ እውን ነበሮ። ዘ ሃመር ኦቭ ዊችስ፡ “ጭካነ ዝመልኦ፡ . . . ካብ ብምሉኡ ስነ ጽሑፍ ዓለም ድማ ኣመና ጐዳኢ መጽሓፍ” ተባሂሉ ኣሎ።

ዘ ሃመር ኦቭ ዊችስ፡ “ጭካነ ዝመልኦ፡ . . . ካብ ብምሉኡ ስነ ጽሑፍ ዓለም ድማ ኣመና ጐዳኢ መጽሓፍ” ተባሂሉ ኣሎ

ሓደ ሰብ ከም ጠንቋሊ ጌርካ ንኪኽሰስ፡ ገበን ከም ዝፈጸመ ዚሕብር መርትዖ ኣየድልን እዩ ነይሩ። ሀክሰን ኡንት ሀክሰንፕሮትሰሰ (ጠንቈልትን ፍርዲ ጠንቈልትን) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ‘ዕላማ እቲ ፍርዲ፡ ንተኸሰስቲ ኣእሚንካ፡ ጸቕጢ ጌርካ፡ ወይ ሓይሊ ተጠቒምካ ኸም ዚንስሑ ምግባር ጥራይ እዩ ነይሩ’ በለት። ነዚ ዕላማ እዚ ኢልካ ንሰባት ምስቓይ ድማ ልሙድ እዩ ነይሩ።

ብሰንኪ እታ ሞደሻ ጠንቈልቲ ዘርእስታ መጽሓፍን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢኖሰንት ሻምናይ ዘውጸኦ ሰነድን፡ ጠንቈልቲ ኣብ ኤውሮጳ ብሰፊሑ ኺህደኑ ጀመሩ። እዚ ሃድን እዚ ድማ፡ በታ ሽዑ ሓዳስ ተክኖሎጂ ዝነበረት ሓታሚት ማሽን እናተሓገዘ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት፡ እንተላይ ኣብተን ስግር ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝነበራ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ በጽሐ።

እቶም ተኸሰስቲ እንታዎት እዮም ነይሮም፧

ካብቶም ተኸሰስቲ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ዝዀና፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብፍላይ ከኣ እተን ዚከላኸለለን ዘይነበረን መበለታት እየን ነይረን። ብዘይካዚ፡ ባህላዊ ሕክምና ዚህባ፡ ብፍላይ ግና በቲ ሕክምና ዘይተዓወታ ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምኡ እውን ድኻታትን ኣረጋውያንን ግዳያት ኰይኖም ነይሮም እዮም። ሃብታምን ድኻን፡ ወድን ጓልን፡ ፍሉጥ ሰብን ተራ ሰብን፡ ኰታስ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ዚትንክፍ ሃድን እዩ ነይሩ።

እቶም ከም ጠንቈልቲ ጌርካ እተቘጽሩ ሰባት፡ ብዅሉ ዓይነት እከይ እዮም ዚኽሰሱ ነይሮም። ዳማልስ ዘርእስታ መጽሔት ጀርመን ከም ዝሓበረቶ፡ እቶም ጠንቈልቲ፡ “ኣስሓይታ ዀነ ንፍርያት ምድሪ ዜጥፍእ ብኣረነን ብኣባ ጨጐራን ዚመጽእ ለበዳ ኸም ዜምጽኡ” ጌርካ ተኸስሱ። ዝናም ንእኽሊ እንተ ኣባላሽይዎ፡ ላም ጸባ ምሃብ እንተ ኣብያ፡ ሰብኣይ እንተ ሰኒፉ ወይ ሰበይቲ እንተ መኺና፡ ተሓተትቲ ዚዀኑ፡ እቶም ጠንቈልቲ እዮም ነይሮም።

ጠንቈልቲ ብዙሕ ክብደት ከም ዘይብሎም ጌርካ ይሕሰብ ስለ ዝነበረ፡ ገሊኣቶም ኣብ ሚዛን ይምዘኑ ነበሩ

ጠንቈልቲ ብኸመይ እዮም ዚልለዩ ነይሮም፧ ገሊኣቶም ተኣሲሮም ኣብ ዝሑል ጸበል ይእለኹ ነበሩ። እንተ ጥሒሎም፡ ንጹሃት ጌርካ ስለ ዚቝጸሩ፡ ካብቲ ጸበል ይወጹ። ጸምበለል እንተ ኢሎም ግና፡ ከም ጠንቈልቲ ጌርካ ስለ ዚርኣዩ፡ ሽዑ ንሽዑ ይቕተሉ ወይ ናብ ፍርዲ ይለኣኹ ነበሩ። ጠንቈልቲ ብዙሕ ክብደት ከም ዘይብሎም ጌርካ ይሕሰብ ስለ ዝነበረ፡ ገሊኣቶም ኣብ ሚዛን ይምዘኑ ነበሩ።

እታ ዊች ሃንትስ ኢን ዘን ዌስተርን ዎርልድ ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ ጠንቈልቲ ንምርካብ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ዝነበረ ኻልእ መገዲ ድማ፡ “ምልክት ድያብሎስ” ምድላይ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ምልክት፡ “ድያብሎስ ምስቲ ሰብ ከም እተራኸበ ዚሕብር ጭቡጥ መርትዖ እዩ ነይሩ።” ሰበ ስልጣን ነቲ ምልክት ንምርካብ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ “ንዅሉ ጸጕሪ እቲ ተኸሳሲ ይላጽይዎ፣ ንነፍሲ ወከፍ ሸነኽ ሰብነቱ ድማ ይምርምርዎ ነበሩ።” ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ሰብነት እቲ ተኸሳሲ ዚርከብ ከም ብሮትን ጡብ ኣድግን በሰላን ዝኣመሰለ ነገራት ብመርፍእ ይወግእዎ። እቲ ተኸሳሲ ምስ ተወግአ እንተ ዘየሕሚምዎ ወይ እንተ ዘይደምዩ፡ ከም ምልክት ሰይጣን ጌርካ ይርአ ነበረ።

ብካቶሊክን ብፕሮተስታንትን ዚመሓደራ ዝነበራ መንግስትታት፡ ጠንቈልቲ ንኺህደኑ የተባብዓ ነበራ፣ ኣብ ገሊኡ ብፕሮተስታንት ዚመሓደር ከባቢታት ዚግበር ዝነበረ ሃድን እሞ ኸኣ፡ ካብቲ ብካቶሊክ ዚመሓደር ከባቢ ዝኸፍአ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኣረኣእያ ሰባት ኪቕየር ጀመረ። ንኣብነት፡ ብ1631 ከም ጠንቈልቲ ጌርካ ንእተፈርዱ ብዙሓት ሰባት ናብቲ ብህይወቶም ከለዉ ዚነድዱሉ ቦታ ዝወሰዶም፡ ፍረድሪኽ ሽፔ ዝስሙ ኣባል ካቶሊክ ዝዀነ የሱሳዊ ኻህን፡ ብናቱ ኣረኣእያ እቶም ሰባት ገበነኛታት ከም ዘይነበሩ ጸሓፈ። ብዘይካዚ፡ ሃድን ጠንቈልቲ እንተ ዘየቋሪጹ፡ ጀርመን ጥራያ ኸም እትተርፍ ኣጠንቀቐ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ከም ትርግትያ ዝኣመሰለ ዜንፈርፍር ሕማማት፡ ምስ ጥዕና ደኣ እምበር ምስ ኣጋንንቲ ኺተሓሓዝ ከም ዘይክእል፡ ሓካይም ኪገልጹ ጀመሩ። ኣብ መበል 17 ዘመን፡ ቍጽሪ ፍርዲ ጠንቈልቲ ኣዝዩ ነከየ፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ዘመን ድማ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣቋረጸ።

እቲ ሕማቕ ዘመን እንታይ እዩ ዚምህረና፧ ሓደ እንረኽቦ ትምህርቲ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ክርስትያን ኢና በሃልቲ ነቲ ንጹህ ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ብሃይማኖታዊ ሓሶትን ማሪትን ኪትክእዎ ኸለዉ፡ ሳዕቤኑ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ ዚኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓቂ ክርስትና ብሰንኪ ኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ዘይእሙናት ሰባት ከም ዚዋረድ ኪንበ ኸሎ፡ “መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ” በለ።—2 ጴጥሮስ 2:1, 2

a ግዝኣታት ኤውሮጳ፡ ንሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።