ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽን ካልኦትን ንዘሎ ፍልልይ ኣስተብህለሉ

ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽን ካልኦትን ንዘሎ ፍልልይ ኣስተብህለሉ

“ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን እኩይን . . . ዘሎ ፍልልይ ክትርእዩ ኢኹም።”—ሚል. 3:18

መዝሙር፦ 127, 101

1, 2. ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ጸገም እዩ ዜጋጥሞም፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ተመሓላላፊ ሕማማት ዝሓዞም ሰባት ኣብ ዚሕከሙሉ ቦታ እዮም ዚሰርሑ። ነቶም ዚሕክምዎም ሕሙማት ኪሕግዝዎም ስለ ዚደልዩ፡ ይሓልዩሎም እዮም። ይኹን እምበር፡ በቲ ተመሓላላፊ ሕማማት ምእንቲ ኸይትሓዙ ንርእሶም ኪከላኸሉላ ኣለዎም። ንሕና እውን፡ ምስ ኣምላኻዊ ባህርያት ብዘይቃዶ ኣረኣእያን ባህርያትን ምስ እተበከሉ ሰባት ንነብርን ንሰርሕን ኢና። እዚ ድማ ኣጸጋሚ ኪዀነና ይኽእል እዩ።

2 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ሰባት፡ ነቲ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዚገልጽ ስርዓታት ኣምላኽ ኣይስዕቡን እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፋ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ሰባት ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ብዝያዳ ዜንጸባርቕዎ ባህርያት ገሊጹ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 13 ኣንብብ።) እዚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ባህርያት ኬሰምብደና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ በቶም ነዚ ዜንጸባርቑ ሰባት ዘለዎም ባህርያትን ኣተሓሳስባን ግና ክንጽሎ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 13:20) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ባህርያት እቶም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ሰባት ካብ ባህርያት ህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚፍለ ኽንርኢ ኢና። ብዘይካዚ፡ ንሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ክንሕግዞም ከለና፡ በዚ ኣሉታዊ ባህርያት እዚ ምእንቲ ኸይንጽሎ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንምሃር ኢና።

3. እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:2-5 ተዘርዚሩ ዘሎ ባህርያት ንመን እዩ ዜመልክት፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ” ጽሒፉ እዩ። ቀጺሉ ድማ፡ ሰባት ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚአን ዜንጸባርቕዎ 19 ባህርይ ዘርዚሩ እዩ። ኣብ ሮሜ 1:29-31 እውን ተመሳሳሊ ዝርዝር ይርከብ እዩ። እቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ግና፡ ኣብ ካልእ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዘየሎ ቓላት የጠቓልል እዩ። ጳውሎስ ነቲ ዝርዝር ባህርያት፡ “ሰባትሲ . . .” ኢሉ እዩ ጀሚርዎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ባህርያት፡ ኵሎም ሰባት ዜንጸባርቕዎ ባህርያት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ክርስትያናት ካብኡ ኣዝዩ እተፈልየ ባህርያት እዮም ዜንጸባርቑ።ሚልክያስ 3:18 ኣንብብ።

ብዛዕባ ርእስና ዘሎና ኣረኣእያ

4. ‘ብትዕቢት እተነፍሑ’ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

4 ጳውሎስ፡ ብዙሓት ሰባት ፈተውቲ ርእሶምን ፈተውቲ ገንዘብን ከም ዝዀኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ምኩሓትን ዕቡያትን ብትዕቢት እተነፍሑን ከም ዝዀኑ እውን ጽሒፉ እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ዜንጸባርቑ ሰባት፡ ብኽእለቶም፡ ብትርኢቶም፡ ብሃብቶም፡ ወይ ብደረጃ መነባብሮኦም ካብ ካልኦት ዝሓሹ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ናእዳ ኺረኽቡን ተፈተውቲ ኪዀኑን ሃረር እዮም ዚብሉ። ሓደ ምሁር ብዛዕባ ብትዕቢት ዚንፋሕ ሰብ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ልቡ፡ ንገዛእ ርእሱ ዚሰግደላ መሰውኢ ኣላቶ” በለ። ትዕቢት ኣዝዩ ሕማቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ዕቡያት ሰባት እኳ ኻልኦት ኪዕበዩ ኸለዉ ምስ ዚርእዩ ባህ ኣይብሎምን እዩ።

5. እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከይተረፉ ብትዕቢት ተነፊሖም ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

5 የሆዋ ንትዕቢት ይጽየፎ እዩ። “ዕብይቲ ዓይኒ” ይጸልእ እዩ። (ምሳ. 6:16, 17) ትዕቢት ናብ ኣምላኽ ከም ዘይንቐርብ እዩ ዚገብረና። (መዝ. 10:4) ድያብሎስ ዜንጸባርቖ ባህርይ ድማ እዩ። (1 ጢሞ. 3:6) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዝነበሩ እውን ከይተረፉ ብትዕቢት ተነፊሖም እዮም። እቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ዑዝያ ንሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት የገልግል ነበረ። “ምስ በርትዐ ግና፡ ልቡ ንጥፍኣቱ ተዓበየ፣ ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ኪዓጥን ኢሉ ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ብምእታው ድማ ንየሆዋ ኣምላኹ ጠለሞ።” ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ንጉስ ህዝቅያስ ንሓጺር እዋን እውን እንተ ዀነ ተዓብዩ ነይሩ እዩ።—2 ዜና 26:16፣ 32:25, 26

6. ንዳዊት ከም ዚዕበ ኺገብሮ ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ ነይሩ፧ ዘይተዓበየ ግና ስለምንታይ እዩ፧

6 ገሊኦም ሰባት ብመልክዖም፡ ብዝናኦም፡ ብናይ ሙዚቃ ኽእለቶም፡ ብኣካላዊ ብቕዓቶም ወይ በቲ ዘለዎም ልዑል ቦታ ይዕበዩ እዮም። ዳዊት ሓደ ኻብዚ ነገራት እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ እዩ ነይርዎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ትሑት እዩ ነይሩ። ንጐልያድ ምስ ቀተሎ እሞ፡ ንጓል ንጉስ ሳኦል ሰበይቱ ኽትከውን ኪወስዳ ዕድመ ምስ ቀረበሉ፡ “ሰብኣይ ጓል ንጉስ ዝኸውንሲ ኣነ መን እየ፧ ቤተ ሰበይን ዓሌት ኣቦይንከ ኣብ እስራኤል መን እዮም፧” በለ። (1 ሳሙ. 18:18) ንዳዊት ትሑት ኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ኵሉ እቲ ዝነበሮ ባህርያትን ክእለትን ፍሉይ መሰላትን ኬጥሪ ዝኸኣለ፡ ኣምላኽ ብትሕትና ‘ድንን ኢሉ’ ስለ ዝረኣዮ ኸም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መዝ. 113:5-8) እወ፡ ካብ የሆዋ ዘይተቐበሎ ምንም ነገር ከም ዘይነበሮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ምስ 1 ቈረንቶስ 4:7 ኣረኣኢ።

7. ትሕትና ኸነርኢ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

7 ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ እውን ከም ዳዊት ትሑታት ኪዀኑ እዮም ዚጽዕሩ። እቲ ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ኣዝዩ ልዑል ዝዀነ የሆዋ፡ ትሑት ከም ዝዀነ ምፍላጥና ንልብና ይትንክዮ እዩ። (መዝ. 18:35) ንሕና እውን ነቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ “ልባዊ ርሕራሐ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ ልበሱ” ዚብል ምኽሪ ንስዕቦ ኢና። (ቈሎ. 3:12) ብዘይካዚ፡ ፍቕሪ “ኣይትቐንእን፡ ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን” እያ። (1 ቈረ. 13:4) ትሕትና ምስ እነርኢ፡ ሰባት ንየሆዋ ኪቐርብዎ ይኽእሉ እዮም። ከምቲ ሰብኡት ብዘይ ቃል ብኣካይዳ ኣንስቶም ኪማረኹ ዚኽእሉ፡ ካልኦት ሰባት እውን በቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዜርእይዎ ትሕትና ናብ የሆዋ ኺስሓቡ ይኽእሉ እዮም።—1 ጴጥ. 3:1

ንኻልኦት እንሕዘሉ መገዲ

8. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ሰባት ንወለድኻ እዙዝ ብዛዕባ ዘይምዃን እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧ (ለ) ቅዱሳት ጽሑፋት ንውሉዳት እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚምዕዶም፧

8 ጳውሎስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ብዛዕባ ዚህልዎም ርክብ ገሊጹ እዩ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ውሉዳት ንወለዶም ዘይእዘዙ ኸም ዚዀኑ ጽሒፉ እዩ። ሎሚ ዘሎ ሓያሎ መጻሕፍትን ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን፡ ንወለድኻ እዙዝ ዘይምዃን ከም ንቡርን ቅቡልን ገይሩ እዩ ዜቕርቦ። ከም ሓቂ ግና፡ ዘይተኣዛዝነት ነታ ቐንዲ መሰረት ማሕበረሰብ ዝዀነት ስድራ ቤት ዜዳኽማ እዩ። ሰባት ከኣ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ነዚ ይፈልጥዎ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ፡ ሓደ ሰብ ንወለዱ እንተ ደኣ ወቒዑ፡ ኵሉ ሲቪላዊ መሰላቱ ይስእን ነበረ። ኣብ ሕጊ ሮሜ ኸኣ፡ ንወለድኻ ምውቃዕ፡ ሰብ ከም ምቕታል ኣዝዩ ኸቢድ ገበን ጌርካ ይቝጸር ነበረ። ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛን ድማ፡ ውሉዳት ንወለዶም ኬኽብርዎም ይምዕድ እዩ።—ዘጸ. 20:12፣ ኤፌ. 6:1-3

9. መንእሰያት ንወለዶም ኪእዘዙ ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧

9 ውሉዳት በቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ መንፈስ ዘይተኣዛዝነት ምእንቲ ኸይጽለዉ፡ ወለዶም ብዛዕባ ዝገበሩሎም ነገራት ኪሓስቡ ኣለዎም። እቲ ኣቦ ዅላትና ዝዀነ ኣምላኽ፡ እዙዛት ኪዀኑ ኸም ዚደልዮም እውን ኪዝክሩ ኣለዎም። ብዘይካዚ፡ ምስ ካልኦት መንእሰያት ኬዕልሉ ኸለዉ ብዛዕባ ወለዶም ጽቡቕ ነገር ምስ ዚዛረቡ፡ እቶም መንእሰያት እውን ንወለዶም ኬኽብሩ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ብርግጽ፡ እቶም ውሉዳት ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም ወለዲ ዘለዎም እንተ ዀይኖም፡ ካብ ልቦም ንወለዶም ኪእዘዙ ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መንእሰያት፡ ወለዶም ከም ዜፍቅርዎም እንተ ተገንዚቦም፡ ተኣዛዝነት ዚኸብዶም እንተ ዀነ እውን ንወለዶም ኬሐጕሱ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ኦስቲን ዝስሙ መንእሰይ ሓው ከምዚ በለ፦ “መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ ዝገበርክዎ ነገር ከምልጥ እፍትን እኳ እንተ ዀንኩ፡ ወለደይ ግና ሚዛናዊ ዝዀነ መምርሒ ኣውጺኦም፡ እቲ ሕግታት ዜድልየሉ ምኽንያት ገሊጾምለይ፡ ምሳታቶም ከይተሰከፍኩ ኽዛረብ ድማ ኣጋጣሚ ኸፊቶምለይ እዮም። እዚ ድማ እዙዝ ኪኸውን ሓጊዙኒ እዩ። ከም ዚሓልዩለይ ምፍላጠይ፡ ንዓታቶም ንምሕጓስ ጻዕሪ ኽገብር ሓጊዙኒ እዩ።”

10, 11. (ሀ) ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ኸም ዘይብሎም ዜርኢ ኣሉታዊ ባህርያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንብጻዮም ክሳዕ ክንደይ እዮም ዜፍቅሩ፧

10 ጳውሎስ፡ ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ኸም ዘይብሎም ዜርኢ ኻልእ ኣሉታዊ ባህርያት እውን ዘርዚሩ እዩ። ደድሕሪ እተን “ንወለዶም ዘይእዘዙ” ዚብላ ቓላት፡ ዘየመስግኑ ዚብል ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ምጥቃሱ ድማ ግቡእ እዩ፣ ከመይሲ፡ ዘየመስግኑ ሰባት ነቲ ኻልኦት ዚገብሩሎም ጽቡቕ ነገራት ኣየማስዉሉን እዮም። ጳውሎስ፡ ሰባት ዘይእሙናት ከም ዝዀኑ እውን ገሊጹ እዩ። ንስምምዕ ፍቓደኛታት ከም ዘይኰኑ፡ ማለት ምስ ካልኦት ዕርቂ ኺፈጥሩ ኸም ዘይደልዩ እውን ጠቒሱ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሓመይትን ጠላማትን፡ ማለት ብዛዕባ ሰባትን ብዛዕባ ኣምላኽን ሕማቕን ሃሳዪን ዘረባ ዚዛረቡ እዮም። ስም ካልኦት ኬጸልሙ ኢሎም ሕማቕ ወረ ዚነዝሑ ተጻረፍቲ ኸም ዚህልዉ እውን ገሊጹ እዩ። *

11 ኣገልገልቲ የሆዋ ንብጻዮም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ስለ ዜርእዩ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ኣዝዮም እተፈልዩ እዮም። ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ድማ ከምኡ እዮም። ኣብ ሕጊ ሙሴ ኻብ እተጠቕሰ ሕግታት፡ ካብቲ ንኣምላኽ ከተፍቅር እተዋህበ ሕጊ ቐጺሉ ብኣገዳስነቱ ኻልኣይ ደረጃ ዘለዎ፡ እቲ ንብጻይካ ኸተፍቅር (ኣጋፐ ዚብሃል ዓይነት ፍቕሪ) እተዋህበ ሕጊ ኸም ዝዀነ የሱስ ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 22:38, 39) የሱስ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት በታ ኣብ ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ ኸም ዚልለዩ እውን ሓቢሩ እዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35 ኣንብብ።) ከምዚኣ ዝዓይነታ ክርስትያናዊት ፍቕሪ፡ ንጸላትና እውን ከይተረፈ ኸነፍቅር ትሕግዘና እያ።—ማቴ. 5:43, 44

12. የሱስ ንኻልኦት ፍቕሪ ኸም ዘለዎ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

12 የሱስ ንኻልኦት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናኸደ፡ ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይነግሮም ነበረ። ንዕዉራትን ንሓንካሳትን ንድዉያትን ንጸማማትን ኣሕውዩ እዩ። ንምዉታት እውን ኣተንሲኡ እዩ። (ሉቃ. 7:22) ብዘይካዚ፡ ብዙሓት እኳ እንተ ጸልእዎ፡ ምእንቲ ደቂ ሰብ ህይወቱ ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ። እታ የሱስ ዘርኣያ ፍቕሪ ነታ ኣቦኡ ዘላቶ ፍቕሪ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ እተንጸባርቕ እያ ነይራ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ንኻልኦት ከም ናይ ኣምላኽ ዝዓይነታ ፍቕሪ የርእይዎም እዮም።

13. እታ ንኻልኦት እነርእያ ፍቕሪ፡ ሰባት ንየሆዋ ኪቐርብዎ እትሕግዞም ብኸመይ እያ፧

13 እታ ንኻልኦት እነርእዮም ፍቕሪ፡ ሰባት ናብቲ ሰማያዊ ኣቦና ኺስሓቡ ትድርኾም እያ። ንኣብነት፡ ኣብ ታይላንድ ዚነብር ሓደ ሰብኣይ፡ በቲ ኣሕዋት ኣብ ኣኼባ ዞባ ዘርኣይዎ ፍቕሪ ተተንክዩ እዩ። ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረሉ ሓተተ። ንዅሎም ኣዝማዱ ሰበኸሎም። ድሕርቲ ኣኼባ ዞባ ሽዱሽተ ወርሒ ጸኒሑ ድማ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ናይ መጀመርታ ኽፍሉ ኣቕረበ። ንሕናኸ ንኻልኦት ፍቕሪ ነርእዮምዶ ኣለና፧ እምበኣር፡ ንርእስና ኸምዚ ኢልና ንሕተታ፦ ‘ንስድራ ቤተይን ንኣባላት ጉባኤይን ኣብ ኣገልግሎት ንዝረኽቦም ሰባትን ንምሕጋዝ ዝከኣለኒ እገብርዶ ኣለኹ፧ ብዛዕባ ኻልኦት ከም ናይ የሆዋ ኣረኣእያ ኺህልወኒ እጽዕር ድየ፧’

ተዃሉን ገንሸላትን

14, 15. ብዙሓት ሰባት እንታይ ዓይነት ኣራዊታዊ ባህርያት እዮም ዜርእዩ፧ ገሊኣቶም እተለወጡ ብኸመይ እዮም፧

14 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ሰባት፡ ካልእ ከነወግዶ ዘሎና ሕማቕ ባህርያት እውን የንጸባርቑ እዮም። ንኣብነት፡ ብዙሓት ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ወይ እውን ከምቲ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ “ሰናይ ዚጸልኡ” ወይ “ንዅሉ ሰናይ ዚጻረሩ” እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ርእሶም ዘይገትኡን ጨካናትን እዮም። ገሊኦም ከኣ፡ ነቓጻት እዮም። ዚገብርዎ ነገራት ኣብ ካልኦት እንታይ ዓይነት ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ኣይሓስቡን ወይ ኣይግደሱን እዮም።

15 ከምዚ ዓይነት ኣራዊታዊ ባህርያት ዝነበሮም ብዙሓት ሰባት ተለዊጦም እዮም። እዚ ዜደንቕ ለውጢ እዚ ኸም ዚህሉ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ይንበ እዩ። (ኢሳይያስ 11:6, 7 ኣንብብ።) ኣብዛ ጥቕሲ፡ ከም ተዅላን ኣንበሳን ዝኣመሰሉ ኣራዊት ከም ገንሸልን ምራኽን ምስ ዝኣመሰሉ እንስሳ ዘቤት ብሰላም ከም ዚነብሩ ነንብብ ኢና። ከምዚ ዓይነት ሰላማዊ ዅነታት ኪህሉ ዝኸኣለ ኸመይ ኢሉ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ” ይብለና። (ኢሳ. 11:9) ኰይኑ ግና፡ እንስሳታት ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ፡ እዚ ትንቢት እዚ ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ ሰባት ዚገብርዎ ናይ ባህርይ ለውጢ እዩ ዜመልክት።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ህይወት ሰባት ይቕይር እዩ! (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ባህርያቶም ኪልውጡ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

16 ብዙሓት ሰባት ቀደም ከም ናይ ተዅላ ዝዓይነቱ ባህርያት የንጸባርቑ እኳ እንተ ነበሩ፡ ሕጂ ግና ሰላማውያን ኰይኖም እዮም። ብዛዕባ እዚኣቶም ዚገልጽ ተመክሮ፡ ኣብቲ ኣብ jw.org (ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ሰላምን ሓጎስን) ዚወጽእ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስቱ ዓምዲ ኸተንብቦ ትኽእል ኢኻ። እቶም ንኣምላኽ ዚፈልጥዎን ዜገልግልዎን ሰባት፡ ከምቶም መልክዕ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘለዎም፡ ንሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ ሰባት ኣይኰኑን። ከመይሲ፡ እቶም መልክዕ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘለዎም ሰባት፡ ንኣምላኽ ዜምልኽዎ ዚመስሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ተግባራቶም ግና ሓሰውቲ ምዃኖም እዩ ዜርኢ። ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ግና፡ ብዙሓት ጨካናት ዝነበሩ ሰባት፡ “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ተኣማንነትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ስብእና” ለቢሶም እዮም። (ኤፌ. 4:23, 24) ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ምስ ተማህሩ፡ ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዖም ኪመላለሱ ኸም ዘለዎም ይምሃሩ እዮም። ስለዚ፡ እምነቶምን ኣተሓሳስባኦምን ኣካይዳኦምን ይቕይሩ እዮም። ከምዚ ዓይነት ለውጢ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ናይ ሓቂ ድሌት ዘለዎም ሰባት ይሕግዞም እዩ።

‘ካብዚኣቶም ርሓቕ’

17. በቶም ኣምላኽ ዘይፈትዎ ባህርያት ዜንጸባርቑ ሰባት ምእንቲ ኸይንጽሎ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

17 ኣብ መንጎ እቶም ንኣምላኽ ዜገልግልዎን ዘየገልግልዎን ዘሎ ፍልልይ ብዝያዳ እናነጸረ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። እምበኣር፡ በቲ ንኣምላኽ ዘየገልግልዎ ሰባት ዜንጸባርቕዎ ሕማቕ ባህርያት ከይንጽሎ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ነቲ የሆዋ ኻብቶም ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:2-5 ተጠቒሶም ዘለዉ ዓይነት ሰባት ክንርሕቕ ዝሃበና ማዕዳ ኽንሰምዖ ኣሎና። ሓቂ እዩ፡ ካብቶም ኣምላኽ ዘይፈትዎ ባህርያት ዜንጸባርቑ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ክንርሕቕ ኣይንኽእልን ኢና። መሳርሕትና መማህርትና ወይ ምሳና ዚነብሩ ሰባት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ከይንቐድሖ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ምስቶም ንየሆዋ ኼገልግልዎ ዝወሰኑ ሰባት ናይ ቀረባ ዕርክነት ብምምስራትን መንፈሳውነትና ኸነደልድል ኣሎና።

18. ዘረባናን ኣካይዳናን ንኻልኦት ብመንፈሳዊ መዳይ ኪጠቕሞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

18 ንኻልኦት እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ክንሕግዞም ኣሎና። ክትምስክር እትኽእለሉ ኣጋጣሚ ኣናዲ፣ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ቕኑዕ ቃላት ክትዛረብ የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘካ ድማ ጸሊ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ንሰባት ከነፍልጦም ኣሎና። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ሰናይ ኣካይዳና ንዓና ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽና ኽብሪ ኼምጽኣሉ እዩ። “ረሲእነትን ዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ብልብምናን ብጽድቅን ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነትን ክንነብር” ሰልጢንና ኢና። (ቲቶ. 2:11-14) ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ሰባት ንኣካይዳና ኼስተብህሉሉ እዮም። ገሊኦም እሞ ኸኣ፡ “ኣምላኽ ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ንደሊ ኢና” ኺብሉ እዮም።—ዘካ. 8:23

^ ሕ.ጽ. 10 እታ ዲያቦሎስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ሓማዪ” ወይ “መካፍኢ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። እዛ ቓል እዚኣ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንኣምላኽ ዚሓሚ ሰይጣን እተዋህበቶ ስም እያ።