ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 127

ከመይ ዝበልኩ እየ ክኸውን ዚግብኣኒ!

ከመይ ዝበልኩ እየ ክኸውን ዚግብኣኒ!

(2 ጴጥሮስ 3:11)

  1. 1. እንታይ ክመልሰሉ፡ እንታይ ውሬታ፧

    ስለዛ ህይወተይ ነቲ ልዑል ጐይታ፣

    ብቓልካ ገይረ መርሚረ ውሽጢ ልበይ፣

    ክፈልጥ ከመይ ዝበልኩ ሰብ ምዃነይ።

    (መሰጋገሪ)

    ህይወተይ ወፍየዮ ነገልግሎትካ፣

    ብምሉእ ፍታው’የ ጕልበተይ ሂበካ።

    አገልግለካ’የ ብምሉእ ልበይ፣

    ብኣይ ባህ ኪብለካ’ዩ ትምኒተይ።

    ውሽጠይ መርምረኒ፡ ተዓዘበኒ፣

    ከመይ ክዀነልካ ኢኻ ’ትደልየኒ፧

    ንእሙናትካ፡ እሙን ኴንካ ትፈትዎም፣

    ሃንቀውታይ እዩ ኽጽብጸብ ምሳታቶም።