ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 14

ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧

ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧

“ነቲ ብስራት ብቐጻሊ ስበኽ፡ ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ፈጽም።”—2 ጢሞ. 4:5፡ እ.ጽ.።

መዝሙር 57 ንዅሉ ዓይነት ሰብ ንስበኽ

መላለዪ *

የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ይራኸብ እሞ፡ “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢሉ ይእዝዞም (ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ)

1. ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚደልዩ፧ ስለምንታይከ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

ክርስቶስ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢሉ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴ. 28:19) ኵሎም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነዚ ኺዓይይዎ እተዋህቦም ኣገልግሎት ከመይ ገይሮም ‘ምሉእ ብምሉእ ከም ዚፍጽምዎ’ ኺፈልጡ ይደልዩ እዮም። (2 ጢሞ. 4:5) ከመይሲ፡ እዚ ዕዮ እዚ ኻብ ዝዀነ ኻልእ ዕዮ ብዝያዳ ኣገዳስን ብዝያዳ ዚኽሕስን ብዝያዳ ህጹጽን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣገልግሎት ክንዲ እቲ እንደልዮ ግዜ ምውፋይ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

2. ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ክንፍጽም ከለና፡ እንታይ ብድሆታት የጋጥመና፧

2 ግዜናን ጕልበትናን ዚወስድ ካልእ ኣገዳሲ ንጥፈታት ኣሎና። ንዓናን ንስድራ ቤትናን ዜድሊ ንምምእራር ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ሰዓታት ዓለማዊ ስራሕ ክንሰርሕ የድልየና ይኸውን። ምስ ካልእ ሓላፍነታት ስድራ ቤት፡ ምስ ሕማም፡ ምስ ሕዱር ጭንቀት፡ ወይ እርጋን ምስ ዜምጽኦ ቓንዛ ንቃለስ ንህሉ ንኸውን። ነዚ በዳሂ ዅነታት እናተጻወርና፡ ከመይ ጌርና ኢና ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ክንፍጽም እንኽእል፧

3. ካብቲ ኣብ ማቴዎስ 13:23 ዚርከብ ቃላት የሱስ፡ እንታይ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል፧

3 ኵነታትና ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እነሕልፎ ግዜ ዚድርቶ እንተ ዀይኑ፡ በዚ ሕማቕ ኪስምዓና የብሉን። ኵላትና ሕደ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ክንፈሪ ኸም ዘይንኽእል፡ የሱስ ይፈልጥ እዩ። (ማቴዎስ 13:23 ኣንብብ።) ዚከኣለና ዅሉ ኽሳዕ ዝገበርና፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ እንገብሮ ዘበለ ዅሉ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። (እብ. 6:10-12) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ዝያዳ ኽንገብር ኵነታትና ኸም ዜፍቅደልና ይስምዓና ይኸውን። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንኣገልግሎት ኣብ ህይወትና ኸመይ ጌርና ቐዳምነት ከም እንህቦ፡ ከመይ ጌርና ህይወትና ቐሊል ከም እንገብር፡ ከምኡ ድማ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ክእለትና ኸመይ ጌርና ኸም እነመሓይሽ ክንምርምር ኢና። ፈለማ ግና ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ምፍጻም ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

4. ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ምፍጻም ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

4 ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ምፍጻም ኪብሃል ከሎ፡ ብሓጺሩ ኣብ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ብእተኻእለ መጠን ምሉእ ብምሉእ ምስታፍ ማለት እዩ። እዚ ግና ንንውሓት እቲ ግዜ ጥራይ ኣይኰነን ዜጠቓልል። የሆዋ ኣብ ውሽጣዊ ድራኸና እዩ ዜተኵር። ንየሆዋን ንሰባትን ስለ እነፍቅሮም፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ብምሉእ ነፍስና ንዓዪ ኢና። * (ማር. 12:30, 31፣ ቈሎ. 3:23) ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍስና ምግልጋል ኪብሃል ከሎ፡ ገዛእ ርእስና ምውፋይ፡ ሓይልናን ጕልበትናን ብእተኻእለና ዘበለ ኣብ ኣገልግሎቱ ምጥቃም ማለት እዩ። ኣብ ዕዮ ስብከት ምስታፍ ዓብዪ ኽብሪ ምዃኑ ምስ ተገንዘብና፡ ነቲ ብስራት ንብዙሓት ሰባት ከነካፍሎም ንጽዕር ኢና።

5-6. ድሩት ግዜ ዘለዎም ሰባት ንኣገልግሎት ከመይ ገይሮም ቐዳምነት ከም ዚህብዎ ብምሳሌ ኣረድአ።

5 ጊታር ምውቃዕ ዚፈቱ መንእሰይ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ኣዘውቲሩ ሙዚቃ ምጽዋት የሐጕሶ እዩ። ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ኸኣ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዚርከብ ካፈ ጊታር እናወቕዐ ኺሰርሕ ይጅምር። እቲ ኣታዊኡ ግና ነቲ ወጻኢኡ ዚሽፍን ኣይኰነን። ስለዚ፡ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ኣብ ሓደ ዓብዪ ድኳን ተሓዝ ገንዘብ ኰይኑ ይሰርሕ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜኡ ኣብቲ ድኳን ዜሕልፎ እኳ እንተ ዀነ፡ ልቡ ግና ኣብቲ ሙዚቃኡ እዩ። ክእለቱ ኼመሓይሽን ብምሉእ ግዜኡ ሙዚቀኛ ኪኸውንን እዩ ዚደሊ። ይኹን እምበር፡ ዋላ እውን ሓጻር ኣጋጣሚ መምስ ረኸበ፡ ሙዚቃ ይጻወት እዩ።

6 ብተመሳሳሊ፡ ንዕዮ ስብከት ክትውፍዮ እትኽእል ግዜ ድሩት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ነቲ ዕዮ እቲ ኢኻ እትፈትዎ። ኣልባብ ሰባት በቲ ብስራት ንምትንካይ ዘሎካ ኽእለት ከተመሓይሽ ትጽዕር ኢኻ። ንግዜኻ ዚቃጸጽ ብዙሕ ነገራት ስለ ዘሎ፡ ንዕዮ ስብከት ከመይ ጌርካ ቐዳምነት ከም እትህቦ ትሓስብ ትኸውን።

ንኣገልግሎትካ ኸመይ ጌርካ ቐዳምነት ከም እትህቦ

7-8. ነቲ የሱስ ንኣገልግሎቱ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸመይ ጌርና ኽንቀድሖ ንኽእል፧

7 የሱስ ኣብቲ ንኣገልግሎት ዘለዎ ኣረኣእያ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምዝራብ፡ ቀንዲ ኣትኵሮ ህይወቱ እዩ ገይርዎ። (ዮሃ. 4:34, 35) ብእተኻእሎ መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምስባኽ፡ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ብእግሩ ተጓዒዙ እዩ። ንሰባት ብጋህድን ኣብ ቤቶምን ንምስባኽ፡ ዝረኸቦ ዅሉ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ እዩ። ምሉእ ህይወት የሱስ ኣብቲ ኣገልግሎት ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

8 ንሕና ድማ ብዛዕባ እቲ ብስራት ክንዛረብ ኣብ እንኽእለሉ ዘበለ ግዜን ቦታን ኣጋጣሚ ብምፍጣር ንክርስቶስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ንምስታፍ፡ ብሕታዊ ምሾትና ኽንስውእ ፍቓደኛታት ኢና። (ማር. 6:31-34፣ 1 ጴጥ. 2:21) ገሊኦም ክርስትያናት፡ ፍሉያት፡ ስሩዓት፡ ወይ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ድማ ካልእ ቋንቋ ተማሂሮም ወይ ዝያዳ ሰበኽቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታ ግዒዞም እዮም። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ዕዮ ወንጌላውነት በቶም ዚከኣሎም ዘበለ ዚገብሩ ስሩዓት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዚዕየ። ዝዀነ ዀይኑ፡ የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንህብ ኣይጽበየናን እዩ። ነቲ “ኽቡር ብስራት እቲ ሕጉስ ኣምላኽ” ክንሰብኽ ከለና፡ ኵላትና በቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ክንሕጐስ ይደልየና እዩ።—1 ጢሞ. 1:11፣ ዘዳ. 30:11

9. (ሀ) ጳውሎስ ዓለማዊ ስራሕ እናሰርሐ እኳ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ንዕዮ ስብከት ቀዳምነት ሂቡ፧ (ለ) ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 28:16, 30, 31 ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ንኣገልግሎቱ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ተገሊጹ ኣሎ፧

9 ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣገልግሎቱ ኣብ ህይወቱ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ንጥፈት ብምግባር ሰናይ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ገንዘብ ውሒድዎ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ንእተወሰነ እዋን ድንኳን እናሰፈየ ኺዓዪ ነይርዎ። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ነቲ ምስፋይ ድንኳን ከም ቀንዲ ዕዮኡ ገይሩ ኣይረኣዮን። ነቲ ብስራት ንሰብ ቈረንቶስ “ብናጻ” ምእንቲ ኺሰብከሎም ኢሉ፡ ነዚ ኣብ ኣገልግሎቱ ገዛእ ርእሱ ንምድጋፍ ዜኽእሎ ዕዮ እዚ ይዓዪ ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 11:7) ጳውሎስ እተወሰነ ዓለማዊ ስራሕ ኪሰርሕ እኳ እንተ ነበሮ፡ ንኣገልግሎቱ ቐዳምነት ይህብ፡ ሰንበት ሰንበት እውን ይሰብኽ ነበረ። ኵነታቱ ምስ ተመሓየሸ ኸኣ፡ ንዕዮ ስብከት ዝያዳ ቘላሕታ ኺህብ ከኣለ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ “የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ፡ ኣብ ስብከት እቲ ቓል ኣጸቢቑ ተጸምደ።” (ግብ. 18:3-5፣ 2 ቈረ. 11:9) ጸኒሑ፡ ኣብ ሮሜ ንኽልተ ዓመት ኣብ ቤት ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንበጻሕቱ ይምስክረሎምን ደብዳበታት ይጽሕፍን ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:16, 30, 31 ኣንብብ።) ዋላ ሓደ ነገር ንኣገልግሎቱ ዕንቅፋት ኪኸውን ኣይፈቐደን። ስለዚ፡ “ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኻብ ረኸብና፡ ኣይንሕለልን ኢና” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (2 ቈረ. 4:1) ንሕና እውን ከም ጳውሎስ ዓለማዊ ስራሕ ንምስራሕ ግዜ ነሕልፍ እኳ እንተ ዀንና፡ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ግና ኣብ ህይወትና ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ንጥፈት ክንገብሮ ንኽእል ኢና።

ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ክንፍጽመሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ)

10-11. ጸገማት ጥዕና ንዓቕምና ይድርቶ እንተ ኣልዩ፡ ከመይ ጌርና ኢና ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ክንፍጽም እንኽእል፧

10 ብሰንኪ እርጋን ወይ ከቢድ ጸገም ጥዕና ኣብ በቤት እንገብሮ ንጥፈታት ስብከት ድሩት እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ካልእ ዓይነት ኣገልግሎት ክንሳተፍ ንኽእል ኢና። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ወንጌላውያን፡ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዘበለ እዮም ዚሰብኩ ነይሮም። ንዅሉ እቲ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ፡ ማለት ኣብ በቤት ኰነ፡ ብጋህዲ ዀነ፡ ወይ ብዘይወግዓዊ መገዲ፡ ‘ምስ ዝረኸብዎም’ ዘበሉ ብዛዕባ ሓቂ ንምዝራብ ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። (ግብ. 17:17፣ 20:20) ብእግርና ብዙሕ ክንጐዓዝ ዘይንኽእል እንተ ዄንና፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኮፍ ኢልና ንሓለፍቲ መገዲ ኽንሰብከሎም ንኽእል ኢና። ወይ ድማ ብዘይወግዓዊ መገዲ ኽንምስክር፡ ደብዳበታት ክንጽሕፍ፡ ወይ ብተሌፎን ክንምስክር ንኽእል ኢና። ዓቕሞም ኣመና ድሩት ዝዀነ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብዚ ኻልእ መዳያት ዕዮ ስብከት ብምስታፍ፡ ብዙሕ ሓጐስን ዕግበትን ይረኽቡ ኣለዉ።

11 ጸገማት ጥዕና እናሃለወካ ኽነሱ፡ ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ኽትፍጽም ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ እውን ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። ንሱ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ እዩ። (ፊል. 4:13) ጳውሎስ ኣብ ሓደ ኻብቲ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ምስ ሓመመ፡ እቲ ሓይሊ እቲ ኣድልይዎ እዩ። ንሰብ ገላትያ ኸኣ፡ “ብስጋ ብምሕማመይ እየ ነቲ ብስራት ክነግረኩም ንፈለማ ግዜ ኣጋጣሚ ዝረኸብኩ” ኢሉ ገሊጹሎም እዩ። (ገላ. 4:13) ብተመሳሳሊ፡ ንዓኻ ዘጋጠመካ ጸገማት ጥዕና፡ ንኸም ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ሰብ ሞያ ኽንክን ጥዕናን ዝኣመሰሉ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰብከሎም ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ ይኸውን። መብዛሕትኦም እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ቤቶም ክንከይድ ከለና ኣይርከቡን እዮም።

ንህይወትካ ኸመይ ጌርካ ቐሊል ከም እትገብሮ

12. ዓይንኻ “ትኵርቲ” ምግባር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

12 የሱስ፡ “መብራህቲ ሰብነት፡ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ትኵርቲ [ወይ “ቀላል፡” እ.ጽ.] እንተ ዀይና፡ ብዘሎ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 6:22) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ህይወትና ቐሊል ክንገብር ወይ ኣብ ሓደ ሸቶ ወይ ዕላማ ኸነተኵር እሞ ኻብኡ ኸየነስግል ማለቱ እዩ ነይሩ። የሱስ ንህይወቱ ኣብ ኣገልግሎቱ ኸም ዜተኵር ብምግባር ኣብነት ሓዲጉ እዩ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋን መንግስቱን ኬተኵሩ ምሂርዎም እዩ። ንሕና ድማ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዘተኰረ ህይወት ብምምራሕ፡ ማለት ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብምድላይ፡’ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 6:33

13. ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ንምትኳር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

13 ሓደ ኻብቲ ኣብ ኣገልግሎትና እነተኵረሉ መገዲ፡ ህይወትና ቐሊል ብምግባር እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ንምሕጋዝ ዝያዳ ግዜ ኽንረክብ ንኽእል። * ንኣብነት፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ኸነሕልፍ ምእንቲ ኽንክእል፡ ኣብቲ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ እነሕልፎ ሰዓታት ምትዕርራይ ክንገብር ንኽእልዶ፧ ነቲ ብዙሕ ግዜና ዚበልዕ መዘናግዒ ኽንንክዮ ንኽእልዶ፧

14. ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ንኣገልግሎቶም ዝያዳ ግዜን ቈላሕታን ንምሃብ እንታይ ምትዕርራያት ገይሮም፧

14 ሓደ ኤልያስ ዝስሙ ሽማግለ፡ ነቲ ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ዝገበርዎ ነገር ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ፈለምቲ ኽንከውን ኣይንኽእልን ኢና ኔርና፣ ገለ ነገር ግና ክንገብር ነይሩና። ስለዚ፡ ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎት እነሕልፎ ግዜ ወሰኽ ንምግባር ዜኽእለና ንኣሽቱ ስጕምትታት ክንወስድ ጀሚርና። ንኣብነት፡ ወጻኢታትና ነኪና፡ ብዙሕ ንጥፈታት መዘናግዒ ገዲፍናዮ፡ ሰዓታት ስራሕና ድማ ተዓጻጻፊ ኪኸውን ንኣስራሕትና ሓቲትናዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣብ ናይ ምሸት ምስክርነት ክንሳተፍ፡ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ክኢልና፣ ካብኡ ሓሊፍና እውን ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ ወርሒ ኽልተ ሳዕ ክንካፈል ክኢልና። እዚ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ!”

ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ክእለትካ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ

ነቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ እንምሃሮ ነገራት ንትግብሮ እንተ ዄንና፡ ኣብ ኣገልግሎትና ብቐጻሊ ኽንመሓየሽ ንኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ) *

15-16. ምስቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 4:13, 15 ዘሎ ብምስምማዕ፡ ከም ወንጌላውያን መጠን ዘሎና ኽእለት ከመይ ጌርና ብቐጻሊ ኸነመሓይሽ ንኽእል፧ (“ ኣገልግሎተይ ምሉእ ብምሉእ ኽፍጽም ዚሕግዘኒ ሸቶታት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

15 ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ክንፍጽመሉ እንኽእል ካልእ መገዲ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ዘሎና ኽእለት ብምምሕያሽ እዩ። ኣብ ገሊኡ ሞያ እተዋፈሩ ሰባት ፍልጠቶምን ክእለቶምን ንምምሕያሽ ቀጻሊ ስልጠናን ትምህርትን ኪቐስሙ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ከምኡ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም። ኣብ ኣገልግሎትና ኸመይ ጌርና ዝያዳ ኽእለት ከም እነጥሪ ብቐጻሊ ኽንምሃር ኣሎና።—ምሳ. 1:5፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:13, 15 ኣንብብ።

16 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ኣብ ኣገልግሎትና ምምሕያሽ ክንገብር እንኽእል፧ ናብቲ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ዚውሃበና ትምህርቲ ኣጸቢቕና ብምቕላብ ኢና ኽንመሓይሽ እንኽእል። ኣብዚ ኣኼባ እዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ በብደረጃኡ ኽእለትና ኸነመሓይሽ ዚሕግዝ ጠቓሚ ስልጠና ይቐርብ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ኣቦ መንበር ነቶም ክፍልታት ተምሃሮ ዜቕርቡ ኣስፋሕቲ ምኽሪ ኺህቦም ከሎ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ኸነመሓይሽ ዚሕግዘና ሓሳባት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ነቲ ሓሳባት እቲ ድማ፡ ኣብ ዚቕጽል እዋን ንሓደ ሰብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እነካፍለሉ እዋን ክንትግብሮ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ንሓላው ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍርና ኺሕግዘና ወይ ምስኡ ኸነገልግል ክንሓትቶ ንኽእል ኢና፣ ወይ ድማ ምስ ምኩር ኣስፋሒ፡ ምስ ፈላሚ፡ ወይ ምስ ሓላው ወረዳ ኸነገልግል ሓሳብ ኪህበና እውን ክንሓትቶ ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብቲ ናውቲ ትምህርቲ ዚርከብ ዘበለ ንምጥቃም ዝያዳ ኽእለት እንተ ኣጥሪና፡ ንስብከትናን ንትምህርትናን ብዝያዳ ኽንፈትዎ ኢና።

17. ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽም እንተ ዄንካ፡ እንታይ ኢኻ እትረክብ፧

17 የሆዋ ‘መዓይይቱ’ ኽንከውን ምፍቃዱስ ከመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ! (1 ቈረ. 3:9) ‘ዚሓይሽ እትምርምርን’ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እተተኵርን እንተ ዄንካ፡ ‘ንየሆዋ ብሓጐስ ከተገልግሎ ኢኻ።’ (ፊል. 1:10፣ መዝ. 100:2) ሓደ ኻብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀንካ፡ ዜጋጥመካ ብድሆታት ወይ ጸገማት ብዘየገድስ ኣገልግሎትካ ንምፍጻም ዜኽእል ሓይሊ ኺህበካ እዩ። (2 ቈረ. 4:1, 7፣ 6:4) ኣብ ምምስካር እትሳተፈሉ ግዜ ይንዋሕ ወይ ይሕጸር፡ ኣብ ኣገልግሎትካ ብምሉእ ነፍስኻ ትሳተፍ እንተ ዄንካ፡ ‘ዜሐጕሰካ ነገር’ ክትረክብ ኢኻ። (ገላ. 6:4) ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽም እንተ ዄንካ፡ ንየሆዋን ንሰብን ዘሎካ ፍቕሪ ኸተርኢ ኢኻ። “እዚ እንተ ጌርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።”—1 ጢሞ. 4:16

መዝሙር 58 ንፈተውቲ ሰላም ንድለዮም

^ ሕ.ጽ. 5 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን መዝነት ተዋሂቡና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ትሕቲ በዳሂ ብሕታዊ ዅነታት እውን ከይተረፈ ኸመይ ጌርና ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ከም እንፍጽም ትገልጽ። ካብ ዕዮ ስብከትና ኸመይ ጌርና ዝያዳ ፍረን ዓስብን ከም እንረክብ እውን ክንምሃር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 4 መግለጺ ቓላት፦ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ኺብሃል ከሎ፡ እተፈላለየ መዳያት ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ፡ ህንጸትን ጽገናን ቲኦክራስያዊ ህንጻታት፡ ከምኡ እውን ዕዮ ረድኤት የጠቓልል።—2 ቈረ. 5:18, 19፣ 8:4

^ ሕ.ጽ. 13 ኣብ ናይ ሓምለ 2016 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 10 ዝወጸት፡ “ንናብራኻ ብኸመይ ከም እተቕልሎ” ኣብ ዘርእስታ ሳጹን እተዘርዘረ ሸውዓተ መገዲ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብመርኣያ ተቕርብ። ድሕሪኡ፡ እቲ ኣቦ መንበር ምኽሪ ኺህብ ከሎ፡ ኣብታ ምምሃር እትብሃል ብሮሹር መዘኻኽሪ ትምዝግብ። ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ኸኣ፡ ነቲ ኣብቲ ኣኼባ እተማህረቶ ነገር ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጥቀመሉ።