ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

“ክብርቲ ሉል” ረኺብና

“ክብርቲ ሉል” ረኺብና

ዊንስተን ፐይንን ፓመላ (ፓም) ፐይንን ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣውስትራሌዥያ እዮም ዜገልግሉ። ኣብቲ ብሓባር ዘሕለፍዎ ዜሐጕስ ህይወቶም፡ ብድሆታት ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ፣ ገለ ኻብኡ ምልማድ ሓድሽ ባህልን ምኻድ ጥንሲ ዜምጽኦ ሓዘንን ኪጥቀስ ይከኣል። እዚ ዅሉ ኣሕሊፎም ክነሶም ግና፡ ንየሆዋን ንህዝቡን ዘለዎም ፍቕርን ካብ ኣገልግሎት ዚረኽብዎ ሓጐስን ዓቂቦም እዮም። ኣብዚ ቓለ መጠይቕ እዚ፡ ገለ ኻብ ተመክሮታቶም ኬካፍሉና ዓዲምናዮም ኣለና።

ዊንስተን፡ ንኣምላኽ ንምርካብ ብዛዕባ ዝገብርካዮ ጻዕሪዶ ኽትነግረና፧

ኣብ ኲንስላንድ፡ ኣውስትራልያ፡ ሃይማኖተኛታት ኣብ ዘይኰኑ ስድራ ቤት እየ ዓበየ። ካብ ሰባት ርሒቕና ንነብር ስለ ዝነበርና፡ ካብ ስድራ ቤተይ ወጻኢ ምስ ካልእ ዳርጋ ኣይራኸብን እየ ነይረ። ወዲ 12 ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ፡ ንኣምላኽ ክደልዮ ጀሚረ። ብጸሎት ድማ ብዛዕባኡ ሓቂ ኼፍልጠኒ ለሚነዮ። ድሕርዚ፡ ካብቲ ሕርሻና ወጺአ ኣብ ኣደሌድ፡ ሳውዝ ኣውስትራልያ ስራሕ ረኺበ። ወዲ 21 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ንዕረፍቲ ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ምስ ፓም ተራኺብና፣ ንሳ ኸኣ ብሪጣንያውያን ካብቶም ዝጠፍኡ ነገዳት እስራኤል ተወሊዶም ብዛዕባ ዚብል ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ብሪጣንያዊ-እስራኤል ነጊራትኒ። ብመሰረት እቲ ምንቅስቓስ እቲ፡ እቶም ነገዳት እቲኦም ኣብ መበል ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ናብ ምርኮ ዝኸዱ ዓሰርተ ነገዳት እታ ሰሜናዊት መንግስቲ እዮም። ስለዚ፡ ናብ ኣደሌድ ምስ ተመለስኩ፡ ነቲ ጕዳይ ንሓደ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚሩ ዝነበረ መሳርሕተይ ኣልዒለሉ። ንሒደት ሰዓታት ጥራይ ምስኡ ምስ ተዛራረብኩ፡—ብቐንዱ እኳ ብዛዕባ እምነታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና ተዛራሪብና፡—ናይ ቍልዕነተይ ጸሎት ከም እተመለሰለይ ክፈልጥ ክኢለ። ብዛዕባ ፈጣርየይን ብዛዕባ መንግስቱን ሓቂ ኽምሃር ክኢለ። ነታ “ኽብርቲ ሉል” ድማ ረኺበያ።—ማቴ. 13:45, 46

ፓም፡ ንስኺ እውን ነታ ሉል ካብ ንእስነትኪ ኢኺ ኽትደልይያ ጀሚርኪ። እሞኸ ኸመይ ጌርኪ ረኺብክያ፧

ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ እትርከብ ኮፍስ ሃርበር እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ፡ ሃይማኖተኛታት ኣብ ዝዀኑ ስድራ ቤት እየ ዓበየ። ወለደይን ኣቦሓጎይን እኖሓጎይን ንትምህርትታት ምንቅስቓስ ብሪጣንያዊ-እስራኤል ተቐቢሎምዎ ነይሮም እዮም። ኣነን ምንኣሰይ ሓወይን ምዕባየይ ሓብተይን ብዙሓት ኣዝማድናን ከኣ፡ ኣምላኽ ንዘርኢ ብሪጣንያ ሓለፋ ኸም ዚገብረሎም ዚገልጽ እምነት እናተምሃርና ኢና ዓቢና። ይኹን እምበር፡ ኣነ ኣይኣመንኩሉን ነይረ፣ ብመንፈሳዊ መዳይ እውን ኣይዓገብኩን ነይረ። ጓል 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ከባቢና ናብ ዚርከባ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን፡ እንተላይ ናብ ኣንግሊካንን ባፕቲስትን ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣድቨንቲስትን ከይደ ነይረ። መንፈሳዊ ጥሜተይ ግና ኣይዓገበን።

ደሓር፡ ብስድራ ቤት ናብ ሲድኒ ግዒዝና፣ ኣብኡ ኸኣ ምስቲ ንዕረፍቲ ዝመጸ ዊንስተን ተራኺብና። ኣቐዲሙ ኸም ዝጠቐሶ፡ እቲ ሃይማኖታዊ ምይይጥና፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ ናብ ምግባር መሪሕዎ እዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ ደብዳበታቱ ብጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመልአ እዩ ነይሩ። ሓቂ ይሓይሽ፡ ኣብ ፈለማ ተጨኒቐ ነይረ፡ ሕርቃን እውን ተሰሚዑኒ ነይሩ። በብቝሩብ ግና፡ እቲ ዚጽሕፎ ነገራት ሓቂ ምዃኑ ኸስተውዕል ክኢለ።

ብ1962፡ ንዊንስተን ምእንቲ ክቐርቦ ኢለ ናብ ኣደሌድ ግዒዘ። ንሱ ድማ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ሚስዮናውያን ኰይኖም ምስ ዘገልገሉ ቶማስ ስሎማንን ጃኒስ ስሎማንን ዚብሃሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብ ሓዳር ክነብር ኣዳልዩለይ ነይሩ። ንሳቶም ከኣ ፍልይ ዝበለ ለውሃት ኣርእዮምኒ እዮም፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ገና ጓል 18 ዓመት እየ ነይረ፣ ብመንፈሳዊ መዳይ ድማ ብዙሕ ሓጊዞምኒ እዮም። ስለዚ፡ ኣነ እውን ቃል ኣምላኽ ከጽንዕ ጀሚረ፣ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ኣሚነ። ኣነን ዊንስተንን ምስ ተመርዓና፡ ብኡብኡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዜሐጕስ ህይወት ኢና ጀሚርና። እቲ ዘጋጠመና ፈተናታት ከኣ፡ ነታ ዝረኸብናያ ጽብቕቲ ሉል ዝነበረና ኣድንቖት ብዝያዳ እዩ ኣዕዚዝዎ።

ዊንስተን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብንእስነትካ ዘሕለፍካዮ ግዜዶ ኽትነግረና፧

ሀ. ኣብ ዕዮ ወረዳ ዝገበርናዮ ጕዕዞታት ዜርኢ ካርታ

ለ. ናይ ገሊኡ ደሴታት ቴምብር። ኪሪባቲን ቱቫሉን ቀደም ደሴታት ጊልበርትን ኤሊስን ተባሂለን እየን ዚፍለጣ ነይረን

ሐ. ኣብ ቱቫሉ እትርከብ ጽብቕቲ ደሴት ፉናፉቲ። ሓንቲ ኻብተን ሚስዮናውያን ቅድሚ ምምዳቦም ዝበጻሕናየን ሓያሎ ደሴታት

ኣነን ፓምን ካብ እንምርዖ ነዊሕ ከይጸናሕና፡ የሆዋ ኻብቲ ብዙሕ ‘ዓበይቲ ኣፍ ደገታት’ ነቲ ቐዳማይ ኪኸፍተልና ጀሚሩ። (1 ቈረ. 16:9) ነቲ ቐዳማይ ኣፍ ደገ ድማ፡ እቲ ነታ ንእሽቶ ጉባኤና ሓላዊ ወረዳ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሓውና ጃክ ፖርተር እዩ ሓቢሩና። (ሕጂ ንሱ ኸማይ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ኣውስትራሌዥያ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።) ጃክን ሰበይቱ ሮስሊንን ስሩዓት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ኣተባቢዖምና እዮም፣ ኣብዚ ፍሉይ መሰል እዚ ሓሙሽተ ዓመት ኣገልጊልና ኢና። ወዲ 29 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣነን ፓምን ኣብ ዕዮ ወረዳ ኽንኣቱ እሞ ነተን ሽዑ ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ፊጂ ዝኣተዋ ደሴታት ደቡብ ፓሲፊክ ከነገልግል ሕቶ ቐሪቡልና። እተን ደሴታት ከኣ፡ ሳሞዋ፡ ቱቫሉ፡ ቶንጋ፡ ቶከላው፡ ኒዩ፡ ናውሩ፡ ኣመሪካዊት ሳሞዋ፡ ቫኑዋቱ እየን ነይረን።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብተን ግሉላት ደሴታት ዝነበሩ ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዓይኒ ጥርጣረ ይርእይዎም ስለ ዝነበሩ፡ ጥንቁቓትን መስተውዓልትን ክንከውን ነይሩና። (ማቴ. 10:16) እተን ጉባኤታት ንኣሽቱ እየን ነይረን፣ ገሊኦም ከኣ መሕደሪ ኼዳልዉልና ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ምስቶም ኣብቲ ኣቝሻት ዚነብሩ ኻልኦት ሰባት ክንሓድር ንሓትት ኔርና፣ ንሳቶም ከኣ ብዙሕ ይልውሁልና ነይሮም እዮም።

ዊንስተን፡ ብዛዕባ ዕዮ ትርጉም ብዙሕ ተገዳስነት ኣሎካ። እዚ ተገዳስነት እዚ ብኸመይ እዩ ተለዓዒሉ፧

ኣብ ሳሞዋ፡ ዊንስተን ቤት ትምህርቲ ሽማግለታት እናመርሐ

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ኣብ ደሴታት ሃገረ ቶንጋ ዝነበሩ ኣሕዋት በቲ ቶንጋን ዚብሃል ቋንቋ ፖሊነዥያ ሒደት ትራክትታትን ጽሑፋትን እዩ ነይርዎም። ኣብ ኣገልግሎት፡ ነታ ናይ እንግሊዝኛ ሕታም እታ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ ዘርእስታ ንመጽናዕቲ እትሕግዝ መጽሓፍ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም። ስለዚ፡ ኣርባዕተ ሰሙን ኣብ ዝወሰደ ቤት ትምህርቲ ሽማግለታት፡ ብዙሕ እንግሊዝኛ ዘይፈልጡ ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ሰለስተ ሽማግለታት ንመጽሓፍ ሐቂ ናብ ቋንቋ ቶንጋን ኪትርጕምዋ ፍቓደኛታት ኰይኖም። ፓም ከኣ ነቲ እተተርጐመ ጽሑፍ ታይፕ ገይራቶ፣ ድሕሪኡ፡ ንሕትመት ናብ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሰዲድናዮ። ብምሉኡ እቲ ዕዮ ኣስታት ሸሞንተ ሰሙን እዩ ወዲኡ። እቲ ትርጉም ክሳዕ ክንድቲ ጽቡቕ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ እታ መጽሓፍ ግና ቋንቋ ቶንጋን ንዚዛረቡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሓቂ ኺምሃሩ ሓጊዛቶም እያ። ኣነን ፓምን ተርጐምቲ ኣይኰንናን፣ እቲ ተመክሮ እቲ ግና ነዚ ዕዮ እዚ ተገዳስነት ከም እነሕድር ገይሩና እዩ።

ፓም፡ ኣብ ደሴታት ዝነበረ ህይወት ምስቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበረ ህይወት ከተነጻጽሪ ኸለኺ እንታይ ትብሊ፧

ሓንቲ ኻብተን ኣብ ዕዮ ወረዳ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ዝሓደርናላ ኣውቶቡስ

ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ! ኣብ ገሊኡ ብዙሓት ጣንጡ፡ ኣብ ገሊኡ ብርቱዕ ሃሩርን ራህድን፡ ኣብ ገሊኡ ኣናጹ፡ ኣብ ገሊኡ ሕማም፡ ኣብ ገሊኡ ኸኣ ዋሕዲ ምግቢ የጋጥመና ነይሩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ መዓልቲ ምስ መሰየ እሞ ኣብ ናትና ፋለ ኴንና ነቲ ውቅያኖስ ኸነማዕዱ ኸለና ዕረፍቲ እዩ ዚስምዓና ነይሩ። (ፋለ እቲ ኣብ ፖሊነዥያ ዚርከብ ብሓሰር እተሸፈነ ናሕሲ ዘለዎ፡ መናድቕ ግና ዘይብሉ ኣባይቲ ብሳሞዋኛ ዚጽውዓሉ ስም እዩ)። ድምቕቲ ወርሒ ኣብ እትህልወሉ ግዜ ነቲ ኣእዋም ስየ ብማዕዶ ንርእዮ ኔርና፣ እታ ወርሒ እውን ኣብቲ ውቅያኖስ ተንጸባርቕ ነይራ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ህሞት፡ ከነስተንትንን ክንጽልን ይድርኸና ነይሩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ኣሉታዊ ዘይኰነስ፡ ኣወንታዊ ሓሳባት ንሓስብ ኔርና።

ነቶም ጸዓዱ ወጻእተኛታት ኪርእዩ ኸለዉ ዚስሕቁን ሃንቀውታ ዚሓድሮምን ቈልዑ ንፈትዎም ኔርና ኢና። ሓደ ግዜ፡ ናብ ኒዩ ምስ ከድና፡ ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ነቲ ኣብ ኣእዳው ዊንስተን ዘሎ ብዙሕ ጸጕሪ እናደረዘ፡ “ክንቲትካ ፈትየዮ” ኢልዎ። ቅድሚኡ ኽንድዚ ጸጕሪ ኣብ ኢድ ሰባት ኣይረኣየን ነይሩ፣ ነዚ ብኸመይ ከም ዚገልጾ እውን ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ።

ብዙሓት ሰባት ብድኽነት ዚነብሩ ምንባሮም ንልበይ የጕህዮ ነይሩ እዩ። ኣብ ጽቡቕ ከባቢ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ እኹል ክንክን ጥዕናን ዚስተ ማይን ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር፡ ኣሕዋትና በዚ ኣይጭነቑን እዮም ነይሮም። ንዓታቶም ንቡር ናብራ እዩ ነይሩ። ምስ ስድራ ቤቶም ሓቢሮም ምንባሮምን ቦታ ኣምልኾ ምርካቦምን ንየሆዋ ኺውድሱ ምኽኣሎምን የሐጕሶም እዩ ነይሩ። እቲ ኣብነቶም ከኣ፡ ኣብቲ ብዝያዳ ዜገድስ ነገራት ከነተኵርን ናብራና ኸነቕልልን ሓጊዙና እዩ።

ፓም፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ዘይለመድክዮ ዅነታት ማይ ክትወርድን ምግቢ ኸተዳልውን ነይሩኪ። ከመይ ጌርኪ ኽኢልክዮ፧

ኣብ ቶንጋ፡ ፓም ክዳውንቲ እናሓጸበት

ንኣቦይ ምስጋና ይግብኦ እዩ። ብዙሕ ጠቓሚ ነገራት ምሂሩኒ እዩ፣ ገለ ኻብኡ፡ ከመይ ገይረ ሓዊ ኸም ዝኣጕድ፡ ከመይ ገይረ ኸም ዝኽሽን፡ ብስጋዊ ነገራት በቲ ዘሎካ ኸመይ ጌርካ ኸም እትነብር ምሂሩኒ እዩ። ሓደ እዋን ናብ ኪሪባቲ ምስ ከድና፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቤት ቀኒና። እታ ቤት፡ ናሕሳ ሓሰር፡ ባይታኣ መርጀን፡ መናድቓ ኸኣ ኣርቃይ እዩ ነይሩ። ምግቢ ንምኽሻን፡ ኣብቲ ባይታ ድሕሪ ምዅዓት ብቕላጥ ኮኮናት ሓዊ ኣጒደ። ማይ ንምውራድ ድማ፡ ምስተን ኣንስቲ እቲ ዓዲ ኣብ ዒላ ሪጋ ገይረ። ማይ ንምግላል ከኣ፡ ኣብ ጫፉ ቀጢን ገመድ እተኣስሮ ኽልተ ሜተር ዚኸውን በትሪ ይጥቀማ ነይረን፣ ምስ መትሓዝ ዓሳ ዚመሳሰል እዩ ነይሩ። ኣብ ጫፍ እቲ ገመድ ግና ዓንቃሪቦ ዘይኰነስ፡ ታኒካ እዩ ተኣሲሩሉ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ድማ በብተራ ነታ ታኒካ ናብ ማይ ድሕሪ ምድርባያ፡ ኣብ ልክዕ ህሞት ንኢዳ ነቕ ተብሎ ነይራ። እታ ታኒካ ኸኣ ናብ ጐድኒ ትወድቕ እሞ ማይ ትመልእ ነይራ። ተራይ ክሳዕ ዚበጽሕ፡ እዚ ቐሊል መሲሉኒ ነይሩ። ተራይ ምስ በጽሐ ግና፡ ነታ ታኒካ ደጋጊመ እኳ እንተ ደርበኽዋ፡ ኣብቲ ማይ ጸምበለል ጥራይ እያ እትብል ነይራ። በዚ ድማ እተን ኣንስቲ ብዙሕ እየን ስሒቐን፣ ድሕሪኡ ግና፡ ሓንቲ ኻብተን ኣንስቲ ሓጊዛትኒ። ወትሩ ንሰብ ዚሕግዛን ለዋሃትን እየን ነይረን።

ክልቴኹም ነቲ ኣብ ደሴታት ዝነበረኩም ዕዮ ትፈትውዎ ኔርኩም ኢኹም። ገለ ኻብቲ ፍሉይ ተዘክሮታትኩምዶ ኸተካፍሉና፧

ዊንስተን፦ ገሊኡ ባህሊ ኽንርድኦ ግዜ ወሲዱልና እዩ። ንኣብነት፡ ኣሕዋት ኵሉ እቲ ዘለዎም ምግቢ እዮም ዜቕርቡልና ነይሮም። ኣብ ፈለማ፡ ገለ ኻብቲ ዘቕረቡልና ምግቢ ኸነትርፈሎም ከም ዘሎና ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። ስለዚ፡ ኣብ ቅድሜና ዘቕረቡልና ብምሉኡ በሊዕና ንውድኦ ኔርና። እቲ ዅነታት ብሓቂ እንታይ ምዃኑ ምስ ፈለጥና ግና፡ ምግቢ ኸነትርፈሎም ጀሚርና። ደርበስበስ ንብል እኳ እንተ ነበርና፡ ኣሕዋትና ግና ይርድኡልና ነይሮም እዮም። ኣብ ሸሽዱሽተ ወርሒ ወይ ንዕዮ ወረዳ ኽንበጽሖም ከለና፡ ኪረኽቡና ብምኽኣሎም ሕጉሳት እዮም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ምስቶም ኣብቲ ዓዲ ዚነብሩ ኣሕዋትን ምሳናን እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይራኸቡን እዮም ነይሮም።

ኣብ ደሴት ኒዩ፡ ዊንስተን ንጕጅለ ኣስፋሕቲ ናብ ኣገልግሎት እናወሰዶም

እቲ ምብጻሓትና ነቲ ማሕበረ ሰብ ጽቡቕ ምስክርነት እዩ ነይሩ። ብዙሓት ነበርቲ እቲ ቝሸት፡ እቲ ኣሕዋትና ዚስዕብዎ ሃይማኖት ባዕሎም ዝመሃዝዎ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም ነይሩ። ስለዚ፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ሓደ ኣገልጋልን ሰበይቱን ንኣሕዋት ኪበጽሖም ምስ ከደ፡ እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ሓድሽ ግንዛበ ይረኽቡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ይድነቑ እውን ነይሮም እዮም።

ፓም፦ ሓደ ኻብቲ ኣዝየ ዝፈትዎ ተዘክሮታት፡ ኣብ ኪሪባቲ ዘጋጠመኒ እዩ፣ ኣብታ ደሴት ሒደት ኣሕዋትን ኣሓትን ዘለዉዋ ሓንቲ ጉባኤ ጥራይ እያ ነይራ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ስኒካይ ማተራ ዝስሙ ሓደ በይኑ ሽማግለ፡ ንዓና ንምክንኻን ዚከኣሎ እዩ ገይሩ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ዘምቢሉ ሓንቲ እንቋቝሖ ሒዙልና መጺኡ። “ንዓኻትኩም እያ” ድማ ኢሉና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እንቋቝሖ ሳሕቲ ጥራይ እዩ ዚርከብ ነይሩ። እቲ ብልግሲ እተገብረ ንእሽቶ ተግባር፡ ንልብና ተንክይዎ እዩ።

ፓም፡ ድሕሪ እተወሰነ ዓመት ጥንሲ ኸይዱኪ ነይሩ። ነቲ ሓዘን ንምኽኣሉ እንታይ ሓጊዙኪ፧

ብ1973፡ ኣነን ዊንስተንን ኣብ ደቡብ ፓሲፊክ ከለና፡ ጥንሲ ሒዘ ነይረ። ሽዑ፡ ናብ ኣውስትራልያ ኽንምለስ ወሲንና፣ ኣብ ኣውስትራልያ ግና ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ እቲ ጥንሲ ኸይዱ። ዊንስተን እውን ብዙሕ እዩ ሓዚኑ፣ ንዕኡ እውን ውላዱ እዩ ነይሩ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ሓዘን እናነከየ ይኸይድ ነይሩ እዩ፣ ናይ 15 ሚያዝያ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኽሳዕ እትመጸና ግና ምሉእ ብምሉእ ሓዘነይ ኣይወጸለይን ነይሩ። እታ፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ ዓምዲ፡ “ሓደ ዕሸል ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ኸሎ እንተ ሞይቱ፡ ተስፋ ትንሳኤ ኣለዎዶ፧” ዚብል ሕቶ ሒዛ ነይራ። እታ ዓንቀጽ ከኣ፡ እቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ እቲ ዅሉ ግዜ ቕኑዕ ዘበለ ዚገብር የሆዋ ምዃኑ መረጋገጺ ሂባ እያ። ንሱ ድማ “ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ” ኢሉ ንወዱ ብፍቕራዊ መገዲ ብምምራሕ፡ ካብቲ ኣብዚ እኩይ ስርዓት ዝወረደና መቝሰልቲ ኼሕውየና እዩ። (1 ዮሃ. 3:8) እታ ዓንቀጽ እቲኣ፡ ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን ከመይ ዝበለት ክብርቲ “ሉል” ረኺብና ኸም ዘለና ብዝያዳ ኽንግንዘብ ኣኽኢላትና እያ። ብዘይ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽሲ እንታይ ምዀንና ኔርና፧

ዕሸልና ምስ ሰኣንና፡ ከም ብሓድሽ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀሚርና። ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ሒደት ኣዋርሕ ድሕሪ ምግልጋልና፡ ናብ ዕዮ ወረዳ ተመሊስና። ኣብ ገጠራት ኒው ሳውዝ ዌልስን ኣብ ሲድኒን ንኣርባዕተ ዓመት ድሕሪ ምግልጋልና፡ ብ1981 ናብቲ ሽዑ ጨንፈር ኣውስትራልያ ዚብሃል ዝነበረ ተጸዊዕና፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ኣብኡ ኣለና።

ዊንስተን፡ ኣብ ደሴታት ደቡብ ፓሲፊክ ዘሕለፍካዮ ተመክሮ ነቲ ኸም ኣባል ጨንፈር ኮሚተ ኣውስትራሌዥያ ዄንካ እትዓይዮ ዕዮ ሓጊዙካዶ፧

እወ፡ ብብዙሕ መገዲ ሓጊዙኒ እዩ። ቀዳማይ፡ ኣውስትራልያ ነቲ ኣብ ሳሞዋን ኣመሪካዊት ሳሞዋን ዚዕየ ዕዮ ብሓላፍነት ክትመርሕ ተሓቲታ እያ። ድሕሪኡ፡ ጨንፈር ኒው ዚላንድ ምስ ኣውስትራልያ ተሓዊሱ። ሕጂ፡ ሳሞዋ፡ ቲሞር-ለስተ፡ ቶከላው፡ ቶንጋ፡ ኒው ዚላንድ፡ ኒዩ፡ ኣውስትራልያ፡ ኣመሪካዊት ሳሞዋ፡ ደሴታት ኩክ ኣብ ትሕቲ ኽሊ ጨንፈር ኣውስትራሌዥያ ኣትዩ እዩ፣ ንመብዛሕትኡ ኻብዚ ቦታታት እዚ ድማ ተወካሊ ጨንፈር ኰይነ ኽበጽሖ ኽኢለ እየ። ምስቶም ኣብ ደሴታት ዚነብሩ እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ከገልግል ምኽኣለይ፡ ሕጂ ኻብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኰይነ ንምግልጋሎም ኣብ ዚገብሮ ዕዮ ዓብዪ ሓገዝ ኰይኑኒ እዩ።

ዊንስተንን ፓምን ኣብ ጨንፈር ኣውስትራሌዥያ

ኣብ መደምደምታ፡ ኣነን ፓምን ብብሕታዊ ተመክሮና ዝረኸብናዮ ሓደ ነገር ክጠቅስ እፈቱ። ንኣምላኽ ዚደልይዎ ዓበይቲ ሰባት ጥራይ ኣይኰኑን። ንኣሽቱ እውን ነታ “ኽብርቲ ሉል” ኪረኽብዋ ይደልዩ እዮም፣ ኣባላት ስድራ ቤት ተገዳስነት ኣብ ዘየርእዩሉ ዅነታት እኳ ኸምኡ ይደልዩ እዮም። (2 ነገ. 5:2, 3፣ 2 ዜና 34:1-3) ብርግጽ እምበኣር፡ የሆዋ ንዅሉ ሰብ፡ ማለት ንንኣሽቱ ዀኑ ንዓበይቲ ህይወት ኪረኽቡ ዚደልዮም ፈቃር ኣምላኽ እዩ።

ኣነን ፓምን ልዕሊ 50 ዓመት ይገብር ንኣምላኽ ክንደልዮ ኣብ ዝጀመርናሉ እዋን፡ ናብዚ ዅሉ ይመርሓና ኢልና ኣይሓሰብናን ኔርና። ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ብርግጽ ብዋጋ ዘይትሽነን ክብርቲ ሉል እያ! ብዅሉ ሓይልና ነታ ኽብርቲ ሉል ኣጽኒዕና ኽንሕዛ ቘሪጽና ኢና ዘለና!