ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ ጥንቲ፡ ሓደ ተጓዓዛይ ከመይ ገይሩ እዩ ብባሕሪ ዚገይሽ ነይሩ፧

ብሓፈሻኡ፡ ብግዜ ጳውሎስ ንገየሽቲ ሰባት ጥራይ ዚሕዛ መራኽብ ኣይነበራን። ገየሽቲ ናብ ዚደልይዎ ኣንፈት እትኸይድን ንገየሽቲ እትማላእን መርከብ ነጋዳይ (ጽዕነት) ዚፈልጥ እንተ ኣልዩ የጣይቑ ነይሮም እዮም። (ግብ. 21:2, 3) ዋላ እውን እታ መርከብ ናብቲ እቲ ገያሻይ ዝደለዮ ዘይትኸይድ እንተ ነበረት፡ ኣብ መገዲ ኣብ ዚርከብ ወደባት፡ ናብ ጥቓ እቲ ዝደለዮ ቦታ ኽትወስዶ እትኽእል ካልእ መርከብ ኬናዲ ይኽእል ነይሩ እዩ።—ግብ. 27:1-6

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ጕዕዞ ባሕሪ ኣብ እተወሰነ ወቕቲ እዩ ዚግበር ነይሩ፣ መራኽብ ከኣ ንጹር መደብ ኣይነበረንን። ኣብ ርእሲ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ከኣ፡ ማሪታዊ እምነት ዝነበሮም ባሕረኛታት ሕማቕ ፋል እንተ ርእዮም፡ ንኣብነት ኣብቲ መዋደዲ ጋንጽላ ዚንቁ ኳዅ እንተ ርእዮም ወይ ኣብ ገማግም ስባር መርከብ እንተ ርእዮም፡ ነቲ ጕዕዞኦም የደናጕይዎ ነይሮም እዮም። ጽቡቕ ንፋስ ኣብ ዚነፍሰሉ እዋን ከኣ፡ ጋንጽላኦም ገቲሮም ብምስፋፍ፡ ነቲ ዅነታት ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። ሓደ ገያሺ፡ እትማልኦ መርከብ ምስ ረኸበ፡ ሮዖኡ ጠቒሊሉ ኣብ ጥቓ እቲ ወደብ ይጸንሕ፣ ኣብኡ ዀይኑ ኸኣ ንቕሎ እታ መርከብ ከም ዝኣኸለ ጻውዒት ክሳዕ ዚቐርብ ይጽበ።

ምስዚ ብዚተሓሓዝ ላዮነል ካሰን ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ሮሜ ንሰባት ካብ ከርተት ዚሰትር ምሹእ ኣገልግሎት ዝነበሮ ገማግም ነይርዋ። ወደባ ኣብ ኣፍ ፈለግ ታይበር እዩ ነይሩ። ኣብታ ኣብ ጥቓኡ እትርከብ ከተማ ኦስትያ፡ ብኣብያተ ጽሕፈት እተኸብበ ፒያሳ ነይሩ። ሓያሎ ኻብዚ ኣብያተ ጽሕፈት ድማ ናብ እተፈላለየ ወደባት ናይ ዚልእኩ ለኣኽቲ እዩ ነይሩ፦ ለኣኽቲ ነኣርቦነ [ዘመናዊ ፈረንሳ] ሓደ ነይርዎም፡ ለኣኽቲ ካርቴጅ [ዘመናዊ ቱኒዝያ] ሓደ ነይርዎም፡ . . . ወዘተ። ብመርከብ ኪጐዓዝ ዚደሊ ዘበለ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት እተን ኣብ መገዱ ዚርከባ ኸተማታት ጥራይ እዩ ኸይዱ ኺሓትት ዝነበሮ።”

ጕዕዞ መርከብ ንገየሽቲ ግዜ ይቝጥበሎም እኳ እንተ ነበረ፡ ሓደጋታት ግና ነይርዎ እዩ። ጳውሎስ ኣብ ሚስዮናዊ ጕዕዞታቱ ብተደጋጋሚ እታ ዝነበራ መርከብ ተሰይራ እያ።—2 ቈረ. 11:25