ንስድራ ቤት | ሓዳር

ስእለ ጽዩፍ፡ ሓዳር ኪብትን ይኽእል እዩ

ስእለ ጽዩፍ፡ ሓዳር ኪብትን ይኽእል እዩ

 ሰበይቱ ንምስጢሩ ረኺባቶ። ንሱ ድማ ኣብ እግራ ወዲቑ ይቕረ ኽትብሎ ለሚንዋ። ነቲ ግብሩ ኸም ዚሓድጎ ቓል ኣትዩላ፣ ንእተወሰነ ግዜ ኸኣ ቃሉ ሓልዩ። ድሕሪኡ ግና፡ ወልፉ ደጊስዎ፣ ከም ብሓድሽ ድማ ናብቲ ዕንክሊል ተመሊሶም።

 ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ዲኻ ዘለኻ፧ እንተ ዄንካ፡ ስእለ ጽዩፍ ንመጻምድትኻ ብኸመይ ይጸልዋ ኸም ዘሎ፡ ነዚ ተግባር እዚ ድማ ሓንሳእን ንሓዋሩን ብኸመይ ክትሓድጎ ኸም እትኽእል ክትፈልጥ ኣሎካ። a

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ክትፈልጦ ዘሎካ

 ስእለ ጽዩፍ፡ ሓዳር ኪብትን ይኽእል እዩ። ሰብኣይ ስእለ ጽዩፍ እንተ ርእዩ፡ እታ ንጽህቲ ሰበይቱ በዚ ኽትጕዳእ፡ ኣብኡ ዝነበራ እምነት እውን ከተጥፍእ ትኽእል እያ። b

 ሓደ ሰብኣይ ስእለ ጽዩፍ ምስ ዚርኢ፡ እቲ ተግባሩ ንሰበይቱ ኸምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ ስምዒታት ኪፈጥረላ ይኽእል እዩ፦

  •   ጥልመት። ሴራ ዝስማ ሰበይቲ፡ “ሰብኣየይ ብተደጋጋሚ ዝዘመወ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” ትብል።

  •   ዋጋ ኣልቦነት። ሓንቲ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ልማድ ስለ ዘለዎ፡ ክፍእቲ ዝዀነት ኰይኑ ኸም ዚስምዓን ከም እትሓፍርን ገሊጻ ኣላ።

  •   ጥርጣረ። ሄለን ዝስማ ሰበይቲ፡ “ንዅሉ እቲ ሰብኣየይ ዚገብሮ ነገራት ብዓይኒ ጥርጣረ እየ ዝርእዮ” ትብል።

  •   ጭንቀት። ካተሪን ዝስማ ሰበይቲ፡ “ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባ ኣመል ሰብኣየይ እየ ዝጭነቕ” ትብል።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብኡት ንኣንስቶም ኬፍቅሩ ኸም ዚግባእ ይምህር እዩ። (ኤፌሶን 5:25) እሞ ደኣ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዚርከብ ሳዕቤናት እንተ ኣቃሊዕዋ፡ የፍቅራ ኺብሃል ይከኣል ድዩ፧

 ክትገብሮ እትኽእል

 ስእለ ጽዩፍ ምሕዳግ ቀሊል ኣይኰነን። ስቴሲ ዝስማ ሰበይቲ፡ “ሰብኣየይ ሽጋራን ማሪዋናን ኣልኮላዊ መስተን ሓዲጉ እዩ፣ ምስ ስእለ ጽዩፍ ግና ክሳዕ ሕጂ ይቃለስ ኣሎ” ትብል።

 እዚ ጸገም እዚ እንተ ኣልዩካ፡ እዚ ዚስዕብ ሓሳባት ነቲ ልማድ እቲ ሓንሳእን ንሓዋሩን ምእንቲ ኽትሓድጎ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

  •   ስእለ ጽዩፍ ክፉእ ዝዀነሉ ምኽንያት ተረዳእ። ስእለ ጽዩፍ ፈታው ርእስኻ ኸም እትኸውን ስለ ዚገብር፡ ነቲ ሓጐስ ኣብ ዝሰፈኖ ሓዳር ኪህሉ ዚግባእ ፍቕርን እምነትን ከም ዚቕህም ይገብር እዩ። ነቲ ፈጣሪ መውስቦ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዜኽብር እውን ኣይኰነን።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር . . . ይኹን።”—እብራውያን 13:4

  •   ብተግባራትካ ተሓታቲ ኹን። ‘ሰበይተይ ብዝያዳ ፍቕሪ እንተ ተርእየኒ፡ ስእለ ጽዩፍ ኣይምረኣኹን’ ኣይትበል። ንሰበይትኻ ተሓታቲት ምግባር ግቡእ ኣይኰነን። ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ብእኣ ቕር ኣብ ዚብለካ እዋን ስእለ ጽዩፍ ንምርኣይ መመኽነይታ ኢኻ ትፈጥር ዘለኻ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍ . . . ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን።”—ያእቆብ 1:14

  •   ምስ ሰበይትኻ ብቕሉዕን ብግህዶን ተዛራረቡ። ኬቨን ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ንሰበይተይ መዓልታዊ እየ ዝነግራ። ብጾታዊ መዳይ ዜለዓዕል ነገር እንተ ርእየ ወይ እንተ ዘይርእየ እነግራ እየ። እዚ ቐጻሊ ዝርርብ፡ ኣብ መንጎና ምስጢር ከም ዘይህሉ ገይሩ እዩ” ይብል።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር ንደሊ ኢና።’—እብራውያን 13:18

  •   ወትሩ ንቑሕ ኩን። ነቲ ልማድ እቲ ድሕሪ ምስናፍካ ዓመታት ምስ ሓለፈ እኳ ኺደግሰካ ይኽእል እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኬቨን፡ “ንዓሰርተ ዓመት ስእለ ጽዩፍ ከይረኣኹ ምስ ጸናሕኩ፡ ነቲ ጸገም ከም ዘሰነፍክዎ ኣሚነ ነይረ። እቲ ወልፊ ግና ተደጒሉ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ዚጥዕሞ ዅነታት ከኣ ተቐልቂሉ” ይብል።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።”—1 ቈረንቶስ 10:12

  •   እንተ ኣህሪሩካ፡ ስምዒትካ ተቘጻጸር። ንትምኒትካ ኸተወግዶ እኳ እንተ ዘይከኣልካ፡ ገዛእ ርእስኻ ኽትቈጻጸር ግና ትኽእል ኢኻ። ሓሳባትካ ኣብ ካልእ ንጥፈታት ከም ዜተኵር እንተ ጌርካ፡ እቲ ትምኒት ምሕላፉ ኣይተርፎን እዩ፣ ምናልባት እውን ቀልጢፉ ይሓልፍ ይኸውን።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍኩም ንሰብነቱ ብቕድስናን ብኽብርን ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ይፍለጥ፣ . . . ብህርፋን ፋሉል ፍትወተ ስጋ ድማ ኣይትመርሑ።”—1 ተሰሎንቄ 4:4, 5

  •   ከም ዚደግሰካ ኺገብር ካብ ዚኽእል ኵነታት ርሓቕ። ዊልፖወርስ ኖት ኢናፍ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ‘ኣብ ተኣፋፊ ዅነታት እንተ ኣቲኻ፡ ክርቢት ኢኻ ሸርጢጥካ። ድሕሪኡ፡ ሓዊ ንምብራዕ፡ ሒደት ነዳዲ ጥራይ እዩ ዜድሊ’ ትብል።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እከይ . . . ኣይምለኸኒ።”—መዝሙር 119:133

  •   ተስፋ ኣይትቝረጽ። ሰበይትኻ ምእንቲ ኽትኣምነካ፡ ነዊሕ እዋን፡ ምናልባት እውን ዓመታት ኪወስደላ ይኽእል እዩ። ብተመክሮ ኸም እተራእየ ግና፡ ዘይከኣል ኣይኰነን።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ፍቕሪ ዓቃል . . . እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:4

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሰብኡት ትዛረቦም እኳ እንተላ፡ እቲ ስርዓታት ግና ኣንስቲ ስእለ ጽዩፍ ምስ ዚርእያ እውን ኪሕግዝ ይኽእል እዩ።

b ገሊኦም ሰብ ሓዳር፡ ስእለ ጽዩፍ ብሓባር ምርኣይ ንርክቦም ከም ዜመሓይሾ ይዛረቡ እዮም። እዚ ተግባር እዚ ግና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሳነ ኣይኰነን።—ምሳሌ 5:15-20፣ 1 ቈረንቶስ 13:4, 5፣ ገላትያ 5:22, 23