ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብስም የሱስ እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧

ብስም የሱስ እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧

ብስም የሱስ እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧

የሱስ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ጸሎት ምሂሩ እዩ። ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ: ‘ኣብ ቀራናታት መገዲ’ ይጽልዩ ነበሩ። ስለምንታይ፧ “ብሰብ ምእንቲ ኺርአዩ።” ሃይማኖታውያን ምዃኖም ብኻልኦት ኪንኣዱ ይደልዩ ኸም ዝነበሩ ንጹር እዩ። ብዙሓት ሰባት: ጸሎት ንኺስማዕ ነዊሕን እተሸምደደን ጸሎት ብምቕራብ ከምኡውን ‘ብምብዛሕ ዘረባ’ ምጽላይ ከም ዜድሊ ይዛረቡ ነበሩ። (ማቴዎስ 6:5-8) እምበኣርከስ: የሱስ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ከንቱ ኸም ዝዀነ ምግላጹ: ቅኑዓት ውልቀ-ሰባት ኪጽልዩ ኸለዉ ኼወግድዎ ዘለዎም ነገራት ንኺፈልጡ ይሕግዞም እዩ። ይኹን እምበር: ከነወግዶ ዚግባእ ኣጸላልያ ጥራይ ኣይኰነን ምሂሩ።

የሱስ: ጸሎትና ስም ኣምላኽ ንኪቕደስ: መንግስቱ ንኽትመጽእ: ፍቓዱ ንኪኸውን ከም እንደሊ ዜርኢ ኪኸውን ከም ዚግባእ መሃረ። ኣብ ብሕታዊ ጕዳይና ኣምላኽ ንኪሕግዘና ምሕታት እውን ቅኑዕ ምዃኑ መሃረ። (ማቴዎስ 6:9-13፣ ሉቃስ 11:2-4) ጸሎትና ንኺስማዕ ዘይምሕላልን እምነትን ትሕትናን ከም ዜድልየና ብምሳሌታት ኣቢሉ ገሊጹ እዩ። (ሉቃስ 11:5-13፣ 18:1-14) ብናይ ገዛእ ርእሱ ኣብነት ገይሩ ኸኣ ንትምህርቱ ኣራጐዶ።—ማቴዎስ 14:23፣ ማርቆስ 1:35

እዚ መምርሒ እዚ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ጸሎቶም ንኼመሓይሹ ኸም ዝሓገዞም ዜጠራጥር ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: የሱስ ክሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ምሸት እቲ ምድራዊ ህይወቱ: ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ጸሎት ሓደ ኣዝዪ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኣይሃቦምን ነይሩ።

“ኣብ ታሪኽ ጸሎት: ነጥበ-መቐይሮ”

የሱስ ነታ ናይ መወዳእታ ምሸት: ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ኣብ ምትብባዕ ኣሕለፋ። ሓድሽ ነገር ንምግላጽ ዚምሽእ እዋን እዩ ነይሩ። የሱስ: “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በሎም። ጸኒሑ ኸኣ “ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ: ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም: ክገብረልኩም እየ” ብምባል ዜጸናንዕ መብጽዓ ሃቦም። ኣብ መወዳእታ ዘረባኡ ኸኣ: “ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን: ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም” በለ።—ዮሃንስ 14:6, 13, 14፣ 16:24

እዘን ቃላት ዜደንቓ እየን። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ እዘን ቃላት “ኣብ ታሪኽ ጸሎት: ነጥበ-መቐይሮ” ከም ዝዀና ገይሩ ገሊጽወን ኣሎ። የሱስ: ናብ ኣምላኽ ዘይኰነስ: ናብኡ ጸሎት ኪጽለ ይግባእ ማለቱ ኣይኰነን። የግዳስ: ናብ የሆዋ ኣምላኽ እንቐርበሉ ሓድሽ መገዲ እዩ ኸፊቱ።

ብርግጽ: ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ንጸሎት እሙናት ባሮቱ ይሰምዕ እዩ። (1 ሳሙኤል 1:9-19፣ መዝሙር 65:2) ይኹን እምበር: እስራኤላውያን ካብቲ ኣምላኽ ኪዳን ዝኣተወሎም ህዝቢ ዝዀኑሉ እዋን ጀሚሩ: እቶም ጸሎቶም ኪስምዓሎም ዚደልዩ ሰባት: እስራኤላውያን ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ምዃኖም ኣፍልጦ ኺህቡ ነበሮም። ካብ ግዜ ሰሎሞን ጀሚሩ ኸኣ: እታ ቤተ መቕደስ: ኣምላኽ ንመስዋእቲ ዝሓረያ ቦታ ኸም ዝዀነት ኣፍልጦ ኺህቡ ነበሮም። (ዘዳግም 9:29፣ 2 ዜና መዋእል 6:32, 33) እንተዀነ ግን: እዚ ናይ ኣምልኾ ስርዓት ንግዜኡ እዩ ነይሩ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ: እቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕግን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትን ‘ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር እምበር: መልክዕ እቲ ቑም ነገሩ ኣይኰነን’ ነይሩ። (እብራውያን 10:1, 2) እቲ ጽላሎት በቲ ናይ ሓቂ ኺትካእ ነበሮ። (ቈሎሴ 2:17) ካብ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ: ሰባት ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚምርኰስ ምዃኑ ተረፈ። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብቲ እቲ ሕጊ ጽላሎት ኰይኑሉ ንዝነበረ ክርስቶስ የሱስ ዚርአ ተኣዛዝነት እተመስረተ ዀነ።—ዮሃንስ 15:14-16፣ ገላትያ 3:24, 25

“ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ” ስም

የሱስ ናብ የሆዋ እንቐርበሉ ብሉጽ ዝዀነ ሰረት ኣፋለጠ። ጸሎትና ብኣምላኽ ንኺስማዕን መልሲ ንኺረክብን ዜኽእል መገዲ ዚኸፍት ሓያል ዓርኪ ኸም ዝዀነ ገይሩ ንርእሱ ገለጸ። የሱስ ኣብ ክንዳና ኸምዚ ኺገብር ዜኽእሎ እንታይ እዩ፧

ኵላትና ብሓጢኣት ስለ እተወለድና: ዝገበርና እንተ ገበርና ወይ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ እንተ ኣቕረብና: ካብዚ ሓጢኣት ኬንጽሃና ኣይክእልን እዩ፣ ምስቲ ቕዱስ ኣምላኽና ዝዀነ የሆዋ ርክብ ከም እንምስርት ኪገብር መሰል ዘለዎ እውን የለን። (ሮሜ 3:20, 24፣ እብራውያን 1:3, 4) ይኹን እምበር: የሱስ ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ መስዋእቲ ብምሃብ ንሓጢኣት እቶም ድሕነት ኪረኽቡ ዚኽእሉ ሰባት መስዋእቲ ኸፈለ። (ሮሜ 5:12, 18, 19) ካብ ሓጢኣቶም ኪነጽሁ ዚደልዩ ዅሎም ኣብ መስዋእቲ የሱስ እምነት እንተ ደኣ ኣርእዮምን ብስሙ ጸሎት እንተ ደኣ ኣቕሪቦምን: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹሃት ጌርካ ኺረኣዩን ብደገፍ ኣምላኽ “ትብዓት” ብምርካብ ኪሕጐሱን ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም ኣሎ።—ኤፌሶን 3:11, 12

ብስም የሱስ ክንጽሊ ኸለና: ኣብቲ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ: እንተ ወሓደ ኣብ ሰለስተ መዳያት እምነት ከም ዘሎና ነርኢ:- (1) ነቲ መስዋእቱ መሰረት ሕድገት ሓጢኣት ገይሩ ዘቕረበ “ገንሸል ኣምላኽ” እዩ። (2) ብየሆዋ ትንሳኤ ዝረኸበ ኸምኡውን ሕጂ በቲ በጃ ንእተረኽበ ጥቕሚ ኣብ ግብሪ ንኺውዕል ከም “ሊቀ ኻህናት” ኰይኑ ዚዓዪ እዩ። (3) ንሱ ናብ የሆዋ ብጸሎት ክንቐርበሉ እንኽእል እንኮ “መገዲ” እዩ።—ዮሃንስ 1:29፣ 14:6፣ እብራውያን 4:14, 15

ብስም የሱስ ምጽላይ ንየሱስ ክብሪ የምጽኣሉ። የሆዋ: “ኵሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ: ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን” ኢሉ ነዚ ስለ ዘፍቀደ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽብሪ ዚግብኦ እዩ። (ፊልጲ 2:10, 11) ይኹን እምበር: ብስም የሱስ ምጽላይ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ነቲ ንጥቕምና ኢሉ ወዱ ዝሃበና የሆዋ ዜኽብር እዩ።—ዮሃንስ 3:16

መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ስማትን መዓርጋትን ተጠቒሙ ንየሱስ ስለ ዚገልጾ: ነቲ ዘለዎ ኽብ ዝበለ ቦታ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ብምኽንያት እቲ የሱስ ምእንታና ኢሉ ዝገበሮ: ዚገብሮ ዘሎ: ከምኡውን ኣብ መጻኢ ዚገብሮ ነገራት እንረኽቦ ብዙሕ ጥቕምታት ንኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ። (ነታ ኣብ ” እትርከብ “ የሱስ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ብርግጽ: የሱስ “ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም” ተዋሂብዎ እዩ። a ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ስልጣን ንዕኡ ተዋሂቡ እዩ።—ፊልጲ 2:9፣ ማቴዎስ 28:18

ብልማድ ዚድገም ኪኸውን ኣይግባእን

እወ: የሆዋ ንጸሎትና ኺሰምዖ እንተ ደሊና: ጸሎትና ብስም የሱስ ኪቐርብ ኣለዎ። (ዮሃንስ 14:13, 14) ይኹን እምበር: እታ “ብስም የሱስ” እትብል ሓረግ ልማድ ስለ ዝዀነና ጥራይ ክንደጋግማ ኣይንደልን ኢና። ስለምንታይ፧

ነዚ ዚስዕብ መብርሂ እስከ ሕሰበሉ። ምስ ስራሕ እተተሓሓዘ ደብዳበ ኽትቕበል ከለኻ: ኣብ መደምደምታ እታ ደብዳበ ብልምዲ ዚጸሓፍ “ኣኽባሪኻ” ዚብል ቃል ትረክብ ኢኻ። እዚ ናይ ሓቂ መግለጺ ስምዒት እቲ ጸሓፊ ዀይኑዶ ይስምዓካ ወይስ ከም ኣብ ናይ ስራሕ ደብዳበ ዚጸሓፍ ቅቡል ቃል ጌርካ ኢኻ እትርእዮ፧ እምበኣር: ኣብ ጸሎትና ስም የሱስ ክንጥቀም ከለና: ካብቲ ኣብ መዕጸዊ ናይ ስራሕ ደብዳበ ዚጸሓፍ ናይ ናእዳ ቓላት ንላዕሊ ትርጕም ዘለዎ ኽንገብሮ ኣሎና። ዋላ እኳ ‘ኸየባተኽና እንጽሊ’ እንተ ዀንና: ብልምዲ ዘይኰነስ ‘ብምሉእ ልብና’ ኽንገብሮ ኣሎና።—1 ተሰሎንቄ 5:17፣ መዝሙር 119:145

ብልማድ ጥራይ “ብስም የሱስ” ዚብል ሓረግ ምጥቃም ከተወግዶ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ብዛዕባ እቲ ልቢ ዚትንክፍ ባህርያት የሱስ ንምንታይ ዘይተስተንትን፧ ብዛዕባ እቲ ንሱ ኽሳዕ ሕጂ ዝገበረልካን ኪገብረልካ ዚደልዮን ነገራት ሕሰብ። ንየሆዋ ነቲ ንወዱ እተጠቕመሉ ዜደንቕ መገዲ ኣብ ጸሎት ብምጥቃስ ኣመስግኖን ወድሶን። ከምዚ እንተ ደኣ ጌርካ: ኣብቲ የሱስ: “ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኸም ዚህበኩም: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ኢሉ ዝኣተዎ መብጽዓ ዝያዳ ምትእምማን ኪህልወካ እዩ።—ዮሃንስ 16:23

a ብመሰረት እቲ ብቫይን እተዳለወ ኤክስፖዚተሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት: እታ “ስም” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: “ንዅሉ እቲ ሓደ ስም ዝሓዞ ትርጕም: ስልጣን: ባህርይ: መዓርግ: ዕቤት: ሓይሊ: ግርማ” እተጠቓልል እያ።

ብልማድ ዘይኰነስ: ‘ብምሉእ ልብና’ ኽንጽሊ ይግባእ