ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንትብዓትን ንምስትውዓልን የሱስ ቅድሓዮ

ንትብዓትን ንምስትውዓልን የሱስ ቅድሓዮ

“ንዕኡ ኸቶ እኳ እንተ ዘይረኣኹምዎ፡ ተፍቅርዎ ኢኹም። ሕጂ ትርእይዎ እኳ እንተ ዘየለኹም፡ ብእኡ ትኣምኑ ኢኹም።”—1 ጴጥ. 1:8

1, 2. (ሀ) ድሕነት ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ካብቲ ናብ ድሕነት እንገብሮ ጕዕዞ ምእንቲ ኸይንወጽእ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

 ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኣብ ዝዀንናሉ እዋን፡ ጕዕዞ ኢና ጀሚርና። እዚ ጕዕዞ እዚ ኸኣ፡ ናብቲ ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪመርሓና ይኽእል እዩ። የሱስ፡ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ [ማለት ክሳዕ መወዳእታ ህይወቱ ወይ ክሳዕ መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት ዓለም እዚ] ዚጻወር ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ” በለ። (ማቴ. 24:13) እወ፡ ኣብ ህይወትና ብተኣማንነት ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ክንድሕን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ናብ ድሕነት እንገብሮ ጕዕዞ፡ ኣቓልቦና ኸይስረቕ ወይ ከይንጠፍእ ክንጥንቀቕ ኣሎና። (1 ዮሃ. 2:15-17) እሞኸ ካብቲ እንገብሮ ጕዕዞ ምእንቲ ኸይንወጽእ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

2 የሱስ ዝበለጸ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። እቲ ንሱ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ንረኽቦ ኢና። ነቲ ጸብጻብ እንተ ኣጽኒዕናዮ፡ የሱስ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ከነፍቅሮን ብእኡ ኽንኣምንን ኢና። (1 ጴጥሮስ 1:8, 9 ኣንብብ።) ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ የሱስ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽንስዕብ፡ ኣርኣያ ኸም ዝሓደገልና ጠቒሱ ምንባሩ ትዝክሮ ኢኻ። (1 ጴጥ. 2:21) ተጠንቂቕና ኣስኣሰሩ ንስዕብ እንተ ዄንና፡ ኣብቲ “ሸቶ” እምነትና ዝዀነ ድሕነት ክንበጽሕ ኢና። * ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ፡ ትሑታትን ርሕሩሓትን ብምዃን ዝመጸ ብኸመይ ንየሱስ ክንመስሎ ኸም እንኽእል ርኢና ኔርና። ሕጂ ኸኣ፡ ትብዓትን ምስትውዓልን ብምርኣይ ዝመጸ ብኸመይ ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና።

የሱስ ተባዕ እዩ

3. ትብዓት እንታይ እያ፧ ብኸመይከ ኢና ተባዓት እንኸውን፧

3 ትብዓት፡ ድልዱላት ከም እንኸውንን ንጸገማት ንኽንሰግሮ ዜኽእለና ተጻዋርነት ከም ዚህልወናን እትገብር ባህርይ እያ። ትብዓት፡ “ሽግር እናኣጋጠመካ ኽነሱ ምጽናዕ፡” “ብዛዕባ እቲ ቕኑዕ ዝዀነ ነገራት ጽኑዕ መትከል ምህላው፡” “ክብረትካ ሓሊኻ ወይ ብእምነት ምስ መከራ ምግጣም” ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ። ትብዓት ምስ ፍርሃትን ተስፋን ፍቕርን እተኣሳሰረት እያ። ብኸመይ፧ ኣምላኻዊ ፍርሃት፡ ንፍርሂ ሰብ ንኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ትብዓት ይህበና እዩ። (1 ሳሙ. 11:7፣ ምሳ. 29:25) ናይ ሓቂ ተስፋ፡ ክንዮ እቲ ሕጂ ዜጋጥመና ፈተናታት ንኽንርእን ንመጻኢ ብተኣማንነት ንኽንጋጠሞን የኽእለና እዩ። (መዝ. 27:14) ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ፡ ዋላ እውን ዚጐድኣና ይኹን፡ ትብዓት ንኸነርኢ ትድርኸና እያ። (ዮሃ. 15:13) ኣብ ኣምላኽ ንውከልን ኣስኣሰር ወዱ ንስዕብን እንተ ዄንና፡ ተባዓት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝ. 28:7

4. የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ “ኣብ ማእከል መምህራን” ከሎ፡ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 10 ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 የሱስ ገና ወዲ 12 ዓመት ከሎ፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር፡ ድፍረት ነበሮ። ገና ብንእሽቶኡ፡ “ኣብ ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ” ኸሎ ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገራት እስከ ንርአ። (ሉቃስ 2:41-47 ኣንብብ።) እቶም መምህራን ብሕጊ ሙሴ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ነቲ ሕጊ ዘበላሸዎ ልምድታት ሰብ እውን ኣጸቢቖም እተማህሩ እዮም ነይሮም። የሱስ ግና ፈሪሁ ስቕ ኣይበለን፣ የግዳስ፡ ‘ሕቶታት ይሓትቶም ነበረ።’ እቲ ሕቶታቱ፡ ናይ ቈልዓ ሕቶታት ከም ዘይነበረ ፍሉጥ እዩ። የሱስ ነቶም ብዙሕ ፍልጠት ዝነበሮም መምህራን፡ ኣዝዩ ዜተሓሳስብን ኣቓልቦኦም ከም ዚሰሓብ ዚገብርን ሕቶታት ከም ዝሓተቶም ክንግምት ንኽእል ኢና። እቶም መምህራን፡ ዜካትዕ ሕቶታት ብምሕታት ንየሱስ ኬጋግይዎ እንተ ፈቲኖም፡ ከም ዘይተዓወቱ ኣየጠራጥርን እዩ። ከመይሲ፡ ኵሎም እቶም ዚሰምዑ ዝነበሩ፡ እንተላይ እቶም መምህራን፡ “ብምስትውዓሉን ብምላሹን የስተንክሩ ነበሩ፣” እቲ መልሱ ድማ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ኽብ ዜብል እዩ ነይሩ።

5. የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

5 የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ብእተፈላለየ መገዲ ትብዓት ኣርእዩ እዩ። ነቶም ነቲ ህዝቢ ብናይ ሓሶት ትምህርቲ ዜጋግይዎ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብትብዓት ኣቃልዖም። (ማቴ. 23:13-36) ነቲ ዚብክል ጽልዋ እዛ ዓለም እዚኣ ብጽንዓት ተቓወሞ። (ዮሃ. 16:33) ብዘይካዚ፡ ዋላ እኳ ኻብ ተጻረርቲ ጸቕጢ እንተ ኣጋጠሞ፡ ስብከቱ ቐጸለ። (ዮሃ. 5:15-18፣ 7:14) ነቶም ኣብቲ ቤተ መቕደስ ንዚቐርብ ኣምልኾ ዜርክስዎ ዝነበሩ ሰባት ብምስጓጕ፡ ክልተ ሳዕ ብትብዓት ነቲ ቤተ መቕደስ ኣጽረዮ።—ማቴ. 21:12, 13፣ ዮሃ. 2:14-17

6. የሱስ ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

6 ብዛዕባ እቲ የሱስ መከራ እናኣጋጠሞ ኽነሱ ዘርኣዮ ትብዓት ክንምርምር ከለና፡ እምነትና ትድልድል እያ። ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ብዛዕባ ዘርኣዮ ትብዓት እስከ ንርአ። ይሁዳ ኣሕሊፉ ምስ ሃቦ ብዛዕባ ዜጋጥም ተኸታታሊ ፍጻመታት ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ፋስጋ ኺበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ ንይሁዳ፡ “እቲ እትገብሮ ዘለኻ፡ ቀልጢፍካ ግበሮ” በሎ። (ዮሃ. 13:21-27) ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ፡ የሱስ ነቶም ኪሕዝዎ ዝመጹ ወተሃደራት ብትብዓት ብዛዕባ መንነቱ ነገሮም። ህይወቱ ኣብ ሓደጋ እኳ እንተ ነበረት፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንምዕቋብ ብድፍረት ተዛረበ። (ዮሃ. 18:1-8) ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ቀሪቡ ሕቶታት ምስ ቀረበሉ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ንኬቕትሎ ምኽንያት ይደሊ ኸም ዝነበረ እኳ እንተ ፈለጠ፡ ክርስቶስን ወዲ ኣምላኽን ምዃኑ ብትብዓት ተዛረበ። (ማር. 14:60-65) ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ ክሳዕ ዚመውት ድማ፡ ንጽህናኡ ብጽንዓት ሓለወ። መሪር ሞት ኪመውት ምስ ቀረበ ኸኣ፡ ብናይ ዓወት ስምዒት፡ “ተፈጺሙ!” በለ።—ዮሃ. 19:28-30

ንትብዓት የሱስ ቅድሓዮ

7. ኣቱም መንእሰያት፡ ስም የሆዋ ብምጻርኩም እንታይ ይስምዓኩም፧ ተባዓት ምዃንኩምከ ብኸመይ ከተርእዩ ትኽእሉ፧

7 ትብዓት ብምርኣይ ዝመጸ ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ። ኣቱም መንእሰያት፡ መማህርትኹም ወይ ካልኦት ሰባት ኬላግጹልኩም ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሰጋእ መጋእ ከይበልኩም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንኩም እንተ ተዛሪብኩም፡ ተባዓት ምዃንኩም ኢኹም እተርእዩ። ስም የሆዋ ብምጻርኩም ከም እትዀርዑ ድማ ተመስክሩ። (መዝሙር 86:12 ኣንብብ።) ንኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ከም ሓቂ ጌርኩም ምእንቲ ኽትቅበልዎ፡ ጸቕጢ ኼጋጥመኩም ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ ፍጥረት እትኣምኑሉ ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎኩም። “ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያት ንዚሓትተኩም ዘበለ” ብዜእምን መገዲ ምእንቲ ኽትምልሱሉ፡ ነታ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ (መበቈል ህይወት—ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት) ዘርእስታ ብሮሹር ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። (1 ጴጥ. 3:15) ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ኸም ዝደገፍኩምዎ ብምፍላጥ ዕግበት ክትረኽቡ ኢኹም።

8. ብትብዓት ንኽንሰብኽ ዚድርኸና እንታይ ምኽንያታት ኣሎ፧

8 ኣብ ኣገልግሎትና። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ኣዘውቲርና ‘ብስልጣን የሆዋ ብትብዓት ክንዛረብ’ ኣሎና። (ግብ. 14:3) ብትብዓት ንኽንሰብኽ ዚድርኸና እንታይ ምኽንያታት ኣሎ፧ እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስለ ዝዀነ፡ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ዮሃ. 17:17) “መዓይይቲ ኣምላኽ” ስለ ዝዀንና፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚድግፈና እውን ንግንዘብ ኢና። (1 ቈረ. 3:9፣ ግብ. 4:31) ብዘይካዚ፡ ብቕንኣት ንምስክር እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነትን ንብጻይና ዘላትና ፍቕርን ከነርኢ ኸም እንኽእል ንርዳእ ኢና። (ማቴ. 22:37-39) ተባዓት ስለ ዝዀንና፡ ስቕ ዜብለና የለን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ነቲ ንብዙሓት ሰባት ዜዑሮም ሃይማኖታዊ ሓሶት ከነቃልዖ ቘሪጽና ኢና። (2 ቈረ. 4:4) ዋላ እውን ዘይተገዳስነት፡ ላግጺ፡ ወይ መስጐጕቲ እንተ ኣጋጠመና፡ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብጽንዓት ክንሰብኮ ኢና።—1 ተሰ. 2:1, 2

9. መከራ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ትብዓት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ኣብ እዋን መከራ። ኣብ ኣምላኽ ንውከል እንተ ዄንና፡ ንጸገም ንኽንሰግሮ ዜድልየና እምነትን ትብዓትን ክንረክብ ኢና። እነፍቅሮ ሰብ እንተ ሞይቱ፡ ንሓዝን እኳ እንተ ዀንና፡ ተስፋ ግና ኣይንቘርጽን ኢና። ብርታዐ ምእንቲ ኺህበና፡ ነቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ብተኣማንነት ንልምኖ ኢና። (2 ቈረ. 1:3, 4፣ 1 ተሰ. 4:13) ከቢድ ጸገም ጥዕና ወይ ጕድኣት እንተ ኣጋጢሙና፡ ስቓይ ኬጋጥመና ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣይንለማለምን ኢና። ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሕክምና ኣይንቕበልን ኢና። (ግብ. 15:28, 29) እንተ ተጨኒቕና፡ ‘ልብና ኪዅንነና’ ይኽእል እዩ፣ ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ‘ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም’ ዝዀነ ኣምላኽ ስለ እንውከል፡ ኣይንሕለልን ኢና። *1 ዮሃ. 3:19, 20፣ መዝ. 34:18

የሱስ ኣስተውዓሊ እዩ

10. ምስትውዓል እንታይ እዩ፧ ኣስተውዓሊ ዝዀነ ኣምላኺ የሆዋኸ ብኸመይ እዩ ዚዛረብን ስጕምቲ ዚወስድን፧

10 ምስትውዓል ኪብሃል ከሎ፡ ጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክእለት፡ ማለት ቅኑዕን ጌጋን ብምፍላይ፡ ጥበብ ዝመልኦ መገዲ ናይ ምምራጽ ክእለት እዩ። (እብ. 5:14) ብዘይካዚ፡ “ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት፡ ሚዛናዊ ውሳነ ናይ ምግባር ክእለት” ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። ኣስተውዓሊ ሰብ፡ ዘረባኡን ተግባሩን ንኣምላኽ ዜሐጕስ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሰብ፡ ንኻልኦት ዚጐድእ ዘይኰነስ፡ ዚሕግዝ ቃላት እዩ ዚመርጽ። (ምሳ. 11:12, 13) ‘ንዅራ ደንጓዪ እዩ።’ (ምሳ. 14:29) ካብቲ ኣብ ህይወቱ ዚመላለሰሉ ቕኑዕ መገዲ ስለ ዘይወጽእ፡ ‘ትኽ ኢሉ እዩ ዚኸይድ።’ (ምሳ. 15:21) ኰይኑ ግና፡ ብኸመይ ኢና ምስትውዓል ከነጥሪ እንኽእል፧ ንቓል ኣምላኽ ከነጽንዖን ነቲ እተመሃርናዮ ክንትግብሮን ኣሎና። (ምሳ. 2:1-5, 10, 11) ብፍላይ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ምምርማርና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ሰባት፡ ልዕሊኡ ኣስተውዓሊ የለን።

11. የሱስ ኣብ ዘረባኡ ምስትውዓል ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

11 የሱስ ኣብ ኵሉ ዘረባኡን ኣብ ኵሉ ተግባሩን ምስትውዓል ኣርእዩ እዩ። ኣብ ዘረባኡ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽ ከሎ፡ ጽቡቕ ምምዝዛን ይጥቀም ስለ ዝነበረ፡ ንሰማዕቱ ዜገርም “ጥዑም ዘረባ” ይመርጽ ነበረ። (ሉቃ. 4:22፣ ማቴ. 7:28) መብዛሕትኡ እዋን፡ ንቓል ኣምላኽ እዩ ዚጥቀም ነይሩ፣ እወ፡ ነቲ ዚዛረቦ ነጥቢ ንምጕላሕ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ የንብብን ይጠቅስን ነበረ። (ማቴ. 4:4, 7, 10፣ 12:1-5፣ ሉቃ. 4:16-21) ብዘይካዚ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት፡ ንልቢ ሰማዕቱ ኺትንክፍ ብዚኽእል መገዲ ገይሩ ይገልጾ ነበረ። ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ናብ ኤማሁስ ይኸዱ ንዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ኺዛረቦም ከሎ፡ “እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ተርጐመሎም።” እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጸኒሖም፡ ‘ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኪገልጸልና ኸሎዶ ግዳ ልብና ይነድድ ኣይነበረን፧’ በሉ።—ሉቃ. 24:27, 32

12, 13. የሱስ ንዅራ ደንጓይን ሚዛናውን ከም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧

12 ኣብ መንፈሱን ኣብ ኣረኣእያኡን። ምስትውዓል ንየሱስ፡ መንፈሱ ንኺቈጻጸር ሓጊዝዎን ‘ንዅራ ደንጓዪ’ ገይርዎን እዩ። (ምሳ. 16:32) ‘ልኡም’ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 11:29) ደቀ መዛሙርቱ ጕድለት እኳ እንተ ነበሮም፡ ወትሩ ይዕገሶም ነበረ። (ማር. 14:34-38፣ ሉቃ. 22:24-27) ብዘይካዚ፡ ዘይፍትሓዊ ነገራት እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ህዱእ እዩ ነይሩ።—1 ጴጥ. 2:23

13 ምስትውዓል ንየሱስ ሚዛናዊ ገይርዎ እዩ። ንሕጊ ሙሴ ሓንቲ ብሓንቲ ኣብ ምሕላው ኣይኰነን ዜተኵር ነይሩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ንመንፈስ እቲ ሕጊ ብምግንዛብ፡ ኣብኡ ተመርኲሱ ስጕምቲ ይወስድ ነበረ። ነቲ ኣብ ማርቆስ 5:25-34 ዚርከብ ጸብጻብ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። (ኣንብብ።) ሓንቲ ደም ዚፈስሳ ዝነበረ ሰበይቲ፡ ብመንጎ እቲ ህዝቢ ሓሊፋ ንኽዳን የሱስ ተንከየት፣ ሓወየት ድማ። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ርኽስቲ ስለ ዝነበረት፡ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ክትትንኪ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። (ዘሌ. 15:25-27) ኰይኑ ግና፡ የሱስ “ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ዝኸበደ ነገር፡ ማለት [ነቲ] ፍትሕን ምሕረትን ተኣማንነትን” ስለ እተረድኦ፡ ነታ ሰበይቲ ንኽዳኑ ስለ ዝተንከየቶ ኣይገንሓን። (ማቴ. 23:23) ኣብ ክንዳኡስ፡ ብለውሃት፡ “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣሕውያትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብቲ ዜቐንዙ ሕማምኪ ድማ ጥዓዪ” በላ። የሱስ ብምስትውዓል ተደሪኹ ለውሃት ምርኣዩ፡ ልቢ ዚትንክፍ እዩ።

14. የሱስ እንታይ ኪገብር እዩ መሪጹ፧ ኣብ ኣገልግሎቱ ኼተኵር ዝኸኣለኸ ብኸመይ እዩ፧

14 ኣብ ኣነባብራኡ። የሱስ ቅኑዕ መስመር ብምስዓብን ብቐጻሊ ኣብኡ ብምምልላስን፡ ኣስተውዓሊ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብተወፋይነት ብምዕያይ፡ ቀንዲ ዕዮኡ ገበሮ። (ሉቃ. 4:43) ብዘይካዚ፡ ኣብ ዕዮኡ ንኼተኵርን ነቲ ዕዮኡ ኣብ መደምደምታኡ ንኼብጽሖን ዚሕግዞ ውሳነታት ገበረ። ግዜኡን ጕልበቱን ኣብ ኣገልግሎት ምእንቲ ኼውዕሎ፡ ቀሊል ናብራ ኺነብር መረጸ። (ሉቃ. 9:58) ንሱ ምስ ሞተ፡ ካልኦት ነቲ ዕዮ ስብከት ምእንቲ ኪቕጽልዎ፡ ስልጠና ሃቦም። (ሉቃ. 10:1-12፣ ዮሃ. 14:12) ንሰዓብቱ ድማ፡ “ክሳዕ መደምደምታ ስርዓት ዓለም” ምሳታቶም ኰይኑ ኣብ ኣገልግሎት ከም ዚሕግዞም ተመባጽዓሎም። —ማቴ. 28:19, 20

ንምስትውዓል የሱስ ቅድሓዮ

ቲ ንሰባት ዜገድሶም ነገራት ኣስተውዕለሉ፡ ኣብኡ ተመርኲስካ ድማ ግቡእ ቃላት ምረጽ(ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ኣብ ኣዘራርባና ምስትውዓል ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእለሉ ኻልእ መዳይ እስከ ንርአ። ኣብ ዘረባና። ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣብ እንገብሮ ዝርርብ፡ ዜፍርስ ዘይኰነስ፡ ዚሃንጽ ቃላት ኢና እንጥቀም። (ኤፌ. 4:29) ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮም ከለና ድማ፡ “ብጨው እተቓመመ” ዘረባ ኢና እንዛረብ። (ቈሎ. 4:6) ነቶም ሰብ ቤት ዜድልዮም ነገራት እንታይ ምዃኑ ብምስትውዓል፡ ምስኡ ዚሰማማዕ ኣቀራርባ ኢና እንጥቀም። ጥዑም ዘረባ፡ ማዕጾ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልቢ እውን ኪኸፍት ከም ዚኽእል ክንዝክር ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እምነትና ኽንገልጽ ከለና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክንዳና ኸም ዚዛረብ ክንገብር ኣሎና። በዚ ኸምዚ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ስልጣን ዘለዎ ጌርና ንጠቕሶ ኢና፣ ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ድማ ንሰባት ካብኡ ነንብበሎም ኢና። ከመይሲ፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብቲ ኻብ ርእስና እንዛረቦ ዝዀነ ይኹን ሓሳብ ንላዕሊ ኣዝዩ ሓያል ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።—እብ. 4:12

16, 17. (ሀ) ንቝጥዓ ደንጐይትን ሚዛናውያንን ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ (ለ) ኣብ ኣገልግሎትና ኸነተኵር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ኣብ መንፈስናን ኣብ ኣረኣእያናን። ምስትውዓል፡ መንፈስና ንኽንቈጻጸርን ‘ንቝጥዓ ደንጐይቲ’ ንኽንከውንን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ያእ. 1:19) ካልኦት ኬጕህዩና ኸለዉ፡ ከምኡ ዝበሉሉ ወይ ዝገበሩሉ ምኽንያት ክንግንዘብ ኢና እንጽዕር። እዚ ኸኣ፡ ንቝጥዓና ኼህድኦን ‘ነቲ በደል ንኽንሓልፎን’ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 19:11) ብዘይካዚ፡ ምስትውዓል፡ ሚዛናውያን ንኽንከውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብቲ ኻብቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና እንጽበዮ ነገራት ሚዛናውያን ክንከውን ኢና እንጽዕር፣ ከመይሲ፡ ንሕና ምሉእ ብምሉእ ዘይንፈልጦ ጸገማት የጋጥሞም ይህሉ ይኸውን። ስለዚ፡ ንርእይቶኦም ክንሰምዖን ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ነቲ ሓሳባቶም ክንቅበሎን ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና።—ፊል. 4:5

17 ኣብ ኣነባብራና። ሰዓብቲ የሱስ ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምክፋል ንላዕሊ ዚበልጽ ፍሉይ መሰል ከም ዘየልቦ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ኸም እነተኵር ኪገብረና ዚኽእል ውሳነታት ክንገብር ኣሎና። መወዳእታ ቕድሚ ምምጽኡ ኣብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ስብከት ብተወፋይነት ምእንቲ ኽንዓዪ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ክንህቦን ቀሊል ናብራ ኽንነብርን ኢና እንመርጽ።—ማቴ. 6:33፣ 24:14

18. ካብቲ ናብ ድሕነት እንገብሮ ጕዕዞ ንኸይንወጽእ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ እንታይ ንኽትገብርከ ኢኻ ቘሪጽካ፧

18 ብዛዕባ እቲ ተፈታዊ ባህርያት የሱስ ምምርማርና፡ ባህ ዜብል ደይኰነን፧ ብዛዕባ ኻልእ ባህርያቱ ብምጽናዕ ብኸመይ ንዕኡ ኽንመስሎ ኸም እንኽእል እንተ ፈሊጥና፡ ዝያዳ ጥቕሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ሃየ እምበኣር፡ ኣስኣሰር የሱስ ንምስዓብ ንቝረጽ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ካብቲ ናብ ድሕነት እንገብሮ ጕዕዞ ኣይክንወጽእን ኢና፣ ናብቲ የሱስ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ዝመሰሎ የሆዋ ድማ ብዝያዳ ኽንቀርብ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 ቀዳማይ ጴጥሮስ 1:8, 9 ነቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት እያ ተጻሒፋ። ይኹን እምበር፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓት፡ ኣብቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ውልቀ ሰባት እውን ይውዕል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 9 መከራ እናኣጋጠሞም ክነሱ ብዛዕባ ዝተብዑ ሰባት ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዚ ዚስዕብ ሕታማት ርአ፦ ናይ 1 ታሕሳስ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 24-28፣ ናይ 22 ሚያዝያ 2003 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 18-21፣ ናይ 22 ጥሪ 1995 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 11-15።