ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመጻኢኻ ኽትቈጻጸሮ ትኽእልዶ፧

ንመጻኢኻ ኽትቈጻጸሮ ትኽእልዶ፧

ንመጻኢኻ ኽትቈጻጸሮ ትኽእልዶ፧

መወዳእታና ኣቐዲምካ ተወሲኑ ድዩ፧ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ምርጫታት ኣብ መጻኢና ዋላ ሓንቲ ጽልዋ የብሉን ድዩ፧

ሰብ ንመጻኢኡ ኺቈጻጸር ከም ዚኽእል ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ሓደ ውልቀ-ሰብ እተወሰነ ዕማም ወይ ሓላፍነት ንኺፍጽም ኣቐዲምካ መደብ ኪግበር ይከኣል ድዩ፧ ሰባት መጻኢኦም ንምቍጽጻር ናጽነት እንተ ረኺቦም: ኣምላኽ ከመይ ገይሩ እዩ ፍቓዱ ዚፍጽም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ ዜዕግብ መልሲ ይህበሉ እዩ።

ጽሕፍቶን ናይ ምምራጽ ናጽነትን ይቃዶ ድዩ፧

የሆዋ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝፈጠረና እሞ ሕሰበሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ: “ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም” ይብል። (ዘፍጥረት 1:27) ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና: ከም ፍቕርን ፍትሕን ጥበብን ሓይልን ዝኣመሰለ ባህርያቱ ናይ ምንጽብራቕ ክእለት ኣሎና። ኣምላኽ ናይ ምምራጽ ናጽነት እውን ሂቡና እዩ። እዚ ኻብ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ፍጡራት ፍሉያት ይገብረና። ስነ-ምግባራዊ መምርሒታት ኣምላኽ ንኽንስዕብ ወይ ንኸይንስዕብ ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ነብዪ ሙሴ “ህይወትን ሞትን: በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ: ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ አሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ። . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ: ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ” ዝበለ።—ዘዳግም 30:19, 20

ናይ ምምራጽ ናጽነት ተዋሂቡና ኺበሃል ከሎ ግን ፍጹም ናጽነት ኣሎና ማለት ኣይኰነን። እዚ ናጽነት እዚ ኻብቲ ኣምላኽ ንናይ ዩኒቨርስ ርግኣትን ሰላምን ንኺሕሎ ኢሉ ዘዳለዎ ተፈጥሮኣውን ስነ-ምግባራውን ሕግታት ናጻ ኣይገብረናን እዩ። እዚ ሕግታት እዚ ንጥቕምና እዩ ተዳልዩ: ነዚ ምጥሓስ ከኣ ሕማቕ ሳዕቤናት እዩ ዜምጽእ። ንሕጊ ስሕበት ዕሽሽ ኢልና ኻብ ነዊሕ ህንጻ እንተ ዘሊልና ዜምጽኣልና ሳዕቤን እሞ ሕስብ ኣብሎ!—ገላትያ 6:7

ናይ ምምራጽ ናጽነት እቶም እዚ ውህበት እዚ ዘይብሎም ፍጡራት ዘይቅየዱሉ ተወሳኺ ቐይድታት እውን ይገብረልና እዩ። ኮርለስ ላሞንት ዚበሃል ጸሓፊ “ምርጫታትን ተግባራትን ሰባት ኣቐዲምካ ኸም እተወሰነ እንተ ተቐቢልናዮ: ብኸመይ ኢና ስነ-ምግባራዊ ሓላፍነት ከነሰክሞምን ብጌጋኦም ክንቀጽዖምን እንኽእል፧” በለ። ከምኡ እንተ ዚኸውን ነይሩ: ብርግጽ ኣይንኽእልን ኢና። ብባህረት ዚምርሑ እንስሳታት በቲ ዚገብርዎ ነገራት ብስነ-ምግባር ኣይሕተቱን እዮም። ኮምፕዩተር እውን በቲ ኺፍጽሞ ፕሮግራም እተገብረሉ ነገራት ተሓታቲ ኣይከውንን እዩ። ስለዚ: ናይ ምምራጽ ናጽነት ከቢድ ሓላፍነት የሰክመና: ብተግባራትና ድማ ተሓተትቲ ይገብረና።

ገና ኸይተወለድና የሆዋ ኣምላኽ ኵሉ እንገብሮ ነገራት እንተ ዚውስኖ እሞ ብተግባራትና ተሓተትቲ እንተ ዚገብረና: ዘይፍቕራውን ዘይፍትሓውን ተግባር ምዀነ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ከምኡውን “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW] እዩ” ስለ ዚብል ግን ንሱ ኸምዚ ኣይገብርን እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8፣ ዘዳግም 32:4) ኣምላኽ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኪህበና ኸሎ: ከምቲ ኣብ ጽሕፍቶ ዚኣምኑ ሰባት ዚብልዎ: ‘ካብ ዘለኣለም ኣትሒዙ መን ከም ዚድሕንን መን ከም ዚዅነንን ኣይወሰንን።’ እምበኣር: ናይ ምምራጽ ናጽነት ንሰረተ-እምነት ጽሕፍቶ የፍርሶ እዩ።

እቲ እንገብሮ ምርጫታት ንመወዳእታና ኪቕይሮ ኸም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። ንኣብነት: ኣምላኽ ንገበርቲ ኽፉእ “ነፍሲ ወከፍኩም ካብ እኩይ መገድኹምን ካብ እከይ ግብርኹምን ተመለሱ። . . . ኣነውን ክፉእ ኣይክገብረኩምን እየ” ብምባል ተማሕጸኖም። (ኤርምያስ 25:5, 6) ኣምላኽ ንመወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ወሲንዎ እንተ ዚኸውን ነይሩ: እዚ ምሕጽንታ እዚ ትርጕም ኣይምሃልዎን። ኣብ ርእሲ እዚውን ቃል ኣምላኽ “እምብኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም: ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም . . . ተነስሑን ተመለሱን” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20adj.) ሰባት ንመጻኢኦም ንምቕያር ዋላ ሓንቲ ኺገብሩ ኸም ዘይክእሉ የሆዋ ኣቐዲሙ ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ: ንኺንስሑን ንኺምለሱን ኪሓቶም መድለዮዶ፧

ኣምላኽ ንገሊኦም ሰባት ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ነገስታት ኰይኖም ኪገዝኡ ኸም ዝጸውዖም ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 22:14፣ ሉቃስ 12:32) ይኹን እምበር: ንሳቶምውን ክሳዕ መወዳእታ እንተ ዘይጸኒዖም እዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ኼምልጦም ከም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (ራእይ 2:10) ከም ዘይምረጹ ኣቐዲሙ እንተ ዚውስን ነይሩ ግን ንምንታይ ኢሉ እሞ ምጸውዖም፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና: ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና: . . . ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን” ኢሉ ጸሓፈሎም። (እብራውያን 10:26) ኣምላኽ ንመወዳእታኦም ኣቐዲሙ ወሲንዎ እንተደኣ ዀይኑ: እዚ መጠንቀቕታ እዚ ትርጕም ኣልቦ ምዀነ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንገሊኦም ውልቀ-ሰባት ምስ የሱስ ክርስቶስ ገዛእቲ ኪዀኑ ኣቐዲሙዶ ኣይመደበን እዩ፧

ኣቐዲሞም እተመደቡ ውልቀ-ሰባት ድዮም ጕጅለ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽ . . . ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና: . . . ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 1:3-5) ኣምላኽ እንታይ እዩ ኣቐዲሙ ዝመደበ: “ቅድሚ ምስራት ዓለም . . . ዝሓረየና” ኺበሃል ከሎኸ እንታይ ማለት እዩ፧

እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣምላኽ ንገሊኣቶም ዘርኢ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ዝዀነ ኣዳም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ ኸም ዝመረጾም እያ እትሕብር። (ሮሜ 8:14-17, 28-30፣ ራእይ 5:9, 10) ይኹን እምበር: የሆዋ ኣምላኽ ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ ንውልቀ-ሰባት ከይተወልዱ ኸለዉ መሪጽዎም ነይሩ ዚብል ሓሳብ: ምስቲ ደቅሰብ ዘለዎም ናይ ምምራጽ ናጽነት ይጋጮ እዩ። ኣምላኽ ንጕጅለ ሰባት ደኣ እምበር ንውልቀ-ሰባት ኣይኰነን ኣቐዲሙ ዝመደበ ወይ ዝመዘዘ።

ነዚ ንምብራህ: ሓደ መንግስቲ ሓደ ፍሉይ ትካል ኬቕውም ወሲኑ ንበል። እቲ መንግስታዊ ትካል እቲ ዚዓዮ ዕዮ: ዘለዎ ስልጣን: ክንደይ ኣባላት ከም ዚህልዉዎ እውን ይውስን ንበል። ኣብ መወዳእታኡ እቲ ትካል ድሕሪ ምቛሙ ዕዮኡ ይጅምር: እቶም ኣባላቱ ኸኣ “መንግስቲ ኣቐዲሙ ዕዮና እንታይ ከም ዚኸውን ወሲኑ ነይሩ። ሕጂ እቲ እተመደበልና ዕዮ ኽንጅምር ኢና” ይብሉ። እቲ መንግስቲ ገለ ዓመታት ኣቐዲሙ ኣብቲ ትካል ዚሰርሑ መን ምዃኖም ወሲኑ ነይሩ ኢልካዶ ምደምደምካ፧ ብርግጽ ከምኡ ኣይምበልካን። ብተመሳሳሊ: የሆዋ ነቲ ሓጢኣት ኣዳም ዜምጽኦ ሳዕቤን ንምዕራይ ፍሉይ ምድላው ንምግባር ኣቐዲሙ ወሰነ። ኣብኡ ዜገልግሉ ውልቀ-ሰባት ዘይኰነስ ጕጅለ ሰባት ኪህልዉ ምዃኖም ኣቐዲሙ መደበ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ጸኒሖም ዚምረጹ ዀይኖም: እቲ ኣብ ህይወቶም ዚገብርዎ ምርጫ ተቐባልነት ንኺህልዎም ወይ ንኸይህልዎም ጽልዋ ኣለዎ።

ሃዋርያ ጳውሎስ “[ኣምላኽ] ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና” ኺብል ከሎ ብዛዕባ ኣየነይቲ ዓለም እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኣብዚ ጳውሎስ ዚዛረበላ ዘሎ ዓለም እታ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ኪፈጥሮም ከሎ ዝጀመራ ዓለም ኣይኰነትን። እታ ዓለም እቲኣ ሓጢኣትን ብልሽውናን ስለ ዘይነበራ: “ብዙሕ ጽቡቕ” ነበረት። (ዘፍጥረት 1:31) ካብ ሓጢኣት “ምድሓን” ኣየድልያን እዩ ነይሩ።—ኤፌሶን 1:7

እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚዛረበላ ዝነበረ ዓለም ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ኤድን ምስ ዓለዉ ዝመጸት ዓለም ኰይና: ካብቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርያ ዝነበሮ ዕላማ ኣዝያ እተፈልየት እያ። ብደቂ ኣዳምን ሄዋንን ከኣ እያ ጀሚራ። እታ ዓለም እቲኣ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቑን ባሮት ሓጢኣትን ብልሽውናን ዝዀኑን ሰባት ዝሓዘት እያ። ከምቶም ደይ መደይ ኢሎም ሓጢኣት ዝሰርሑ ኣዳምን ሄዋንን ዘይኰኑስ: ኪድሕኑ ዚኽእሉ ሰባት ዝሓዘት ዓለም እያ።—ሮሜ 5:12፣ 8:18-21

የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ኤድን ዕልወት ምስ ተፈጸመ: ብኡንብኡ ፍታሕ ኬዳሉ ኽኢሉ እዩ። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንደቅሰብ ካብ ሓጢኣት ኣዳም ንምድሓን ብኡንብኡ ነታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መሲሓዊት መንግስቲ ንምድላው ኣቐዲሙ መደበ። (ማቴዎስ 6:10) ኣምላኽ ነዚ ነገር እዚ “ቅድሚ ምስራት [እታ ናይ ዚድሕኑ ሰባት] ዓለም:” ማለት እቶም ዓለወኛታት ኣዳምን ሄዋንን ደቂ ቕድሚ ምውላዶም እዩ መዲብዎ።

መብዛሕትኡ ግዜ ደቅሰብ ሓደ ኺገብርዎ ዚደልዩ ነገር ንምፍጻም ብዝርዝር እተቐመጠ ውጥን ወይ ንድፊ የድልዮም እዩ። ሰረተ-እምነት ጽሕፍቶ እውን ኣምላኽ ኣቐዲሙ ንዅሉ ፍጥረት ዝርዝር መደብ ኣውጺኡ ኪኸውን ኣለዎ ምስ ዚብል ሓሳብ ዚተሓሓዝ እዩ። ሮይ ወዘርፎርድ “ንሓያሎ ፈላስፋታት ንዅሉ ፍጻመ ምሉእ ብምሉእ ብዝርዝር ዘይምፍላጥ ምስ ግርማውነት ኣምላኽ ዘይቃዶ መሰሎም” ኢሉ ጸሓፈ። ኣምላኽ ንዅሉ ንጥፈታት ኣቐዲሙ ብዝርዝር ኪውስኖ የድልዮ ድዩ፧

የሆዋ ደረት ዘይብሉ ሓይልን መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበብን ስለ ዘለዎ: ፍጡራቱ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም እናተጠቕሙ ኸለዉ ንዚፍጠር ዝዀነ ይኹን ድንገታዊ ወይ ሃንደበታዊ ዅነታት ፍታሕ ኪገብረሉ ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 40:25, 26፣ ሮሜ 11:33) ነዚ ኸኣ ብቕጽበትን ኣቐዲሙ ኸይሓሰበን ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ከምቶም ዓቕሞም ድሩት ዝዀነ ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዘይኰነ: ንመጻኢ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዘሎ ውልቀ-ሰብ ኣቐዲሙ ዚውስን ብዝርዝር ዝሰፈረ መደብ ኣየድልዮን እዩ። (ምሳሌ 19:21) ኣብ ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኤፌሶን 3:11 ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ “ናይ ዘለኣለም ዕላማኡ” ደኣ እምበር ብዛዕባ ብዝርዝር እተወሰነ ውጥኑ ወይ መደቡ ኣይትገልጽን እያ።

ንመጻኢኻ ብኸመይ ከም እትጸልዎ

ኣምላኽ ንምድሪ ዕላማ ኣለዎ: እዚ ዕላማ እዚ ኸኣ ኣቐዲሙ ተመዲቡ እዩ። ራእይ 21:3, 4 “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ትብል። እወ: እዛ ምድሪ እዚኣ ኸምቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝሓለኖ ገነት ክትከውን እያ። (ዘፍጥረት 1:27, 28) ኣብዚ ግን ‘ኣብኡ ኽትኣቱ ዲኻ፧’ ዚብል ሕቶ እዩ ዚለዓል። እዚ ኣብቲ ሕጂ እትገብሮ ምርጫታት እዩ ዚምርኰስ። የሆዋ መጻኢኻ ኣይወሰኖን።

እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ: ንዅሉ ሰብ ኣብኡ ብምእማን ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረክብ መገዲ ኸፊቱሉ ኣሎ። (ዮሃንስ 3:16, 17፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) መጽሓፍ ቅዱስ “ብወዲ ዚአምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ: እቲ ብወዲ ዘይአምን ግና . . . ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ” ይብል። (ዮሃንስ 3:36) ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ወዱን ብዛዕባ ፍቓዱን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ብምቕሳምን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ህይወት ክትሓሪ ትኽእል ኢኻ። እቲ ምስታ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊባ ዘላ ናይ ሓቂ ጥበብ ተሰማሚዑ ዚመላለስ ሰብ “ብደሓን ኪነብር: ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ።”—ምሳሌ 1:20, 33

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሰባት ከም እንስሳታት ዘይኰኑስ: ንተግባራቶም ብስነ-ምግባር ይሕተቱሉ እዮም

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Eagle: Foto: Cortesía de GREFA