ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመጻኢኻ ዚቈጻጸሮ መን እዩ፧

ንመጻኢኻ ዚቈጻጸሮ መን እዩ፧

ንመጻኢኻ ዚቈጻጸሮ መን እዩ፧

ሰብ ካብ ፍልቀት ከም ዝመጸ ዚጣበቕ ጆን ግረይ “ሰባት ንመጻኢኦም ኣብ ምቍጽጻር ዝመጸ ኻብ እንስሳ ዚሕሹ ኣይኰኑን” በለ። ሽሙሊ ቦትያኽ ዚበሃል ደራሲ ግን ኣብታ ኣን ኢንተሊጀንት ፐርሰንስ ጋይድ ቱ ጁዳይዝም ዘርእስታ መጽሓፉ “ወድሰብ እንስሳ ኣይኰነን: ስለዚ ኸኣ ወትሩ ንመጻኢኡ ይቈጻጸሮ እዩ” ኢሉ ብኣንጻሩ ጸሓፈ።

ሓያሎ ሰባት ምስቲ ግረይ ዝበሎ ይሰማምዑ: ክንቈጻጸሮ ዘይንኽእል ተፈጥሮኣዊ ሓይሊ ንመጻኢ ሰብኣዊ ስድራቤት ከም ዚውስኖ ድማ ይኣምኑ። ገሊኦም ግን ኣምላኽ ንሰብ ኪፈጥሮ ኸሎ ንመጻኢኡ ኺቈጻጸር ክእለት ከም ዝሃቦ ይኣምኑ።

ገሊኦም መጻኢኦም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰብኣዊ ሓይልታት ከም ዝዀነ ይስምዖም። ሮይ ወዘርፎርድ ዚበሃል ጸሓፊ “መብዛሕትኦም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት—ብፍላይ ከኣ መብዛሕትአን ኣብ ታሪኽ ዚርከባ ኣንስቲ—ብሰብኣዊ ጭቈናን ምዝመዛን ስለ ዚጽለዉ ንህይወቶም ኪቈጻጸርዎ ኣይክእሉን እዮም” በለ። (ዘ ኢምፕሊኬሽንስ ኦቭ ዲተርምኒዝም) ብዙሓት ሰባት ኣብ መጻኢ ኺረኽብዎ ዚምነይዎ ዝነበሩ ሓጐስ ብተጻባእቲ ፖለቲካዊ ወይ ወተሃደራዊ ሓይልታት ኪፈርስ ከሎ ርእዮም እዮም።

ልዕለ-ባህርያዊ ሓይልታት ንመጻኢኦም ዚቈጻጸሮ ብምዃኑ ዋላ ሓንቲ ኺገብሩ ኸም ዘይክእሉ ዚስምዖም ሰባት ኣብ መላእ ታሪኽ ደቅሰብ ኪርከቡ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እዚ ቦትያኽ “ጥንታዎት ግሪኻውያን ወድሰብ ነቲ ኣቐዲምካ እተወሰነሉ ጽሕፍቶ ኪቕይሮ ስለ ዘይክእል: ኵሉ ተስፋ ኸንቱ እዩ ዚብል ሓሳብ ነበሮም” በለ። መጻኢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ በቶም ተለዋዋጢ ዝባህሪኦም ኣማልኽቲ ኸም ዚውሰን ይስምዖም ነበረ። እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም ሓደ ሰብ መዓስ ከም ዚመውት: ከምኡውን ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኽንደይ ዚኣክል ጭንቅን ስቓይ ከም ዜሕልፍ ይውስኑ ተባሂሉ ይእመን ነበረ።

መጻኢ ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ልዕለ-ሰብኣውያን ሓይልታት እዩ ዚብል እምነት ሎሚውን ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ። ንኣብነት: ብዙሓት ሰባት ኣብ ነሲብ ወይ ጽሕፍቶ ይኣምኑ እዮም። ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ሰባት ዚገብርዎ ግብርታትን ዚሞቱሉ እዋንን ኣቐዲሙ ወሲንዎ እዩ ይብሉ። ኣብ ርእሲ እዚውን ሰረተ-እምነት ዕድሎት ኣሎ። እዚ ሰረተ-እምነት እዚ “ኣብ መወዳእታ ዚህሉ ድሕነት ወይ ኵነኔ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ [በቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ] ኣቐዲሙ ተወሲኑ እዩ” ዚብል እዩ። ብዙሓት ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ነዚ ትምህርቲ እዚ ይስዕብዎ እዮም።

ንስኻኸ ኸመይ ይመስለካ፧ መጻኢኻ ኽትቈጻጸሮ ብዘይትኽእል ሓይልታት ምሉእ ብምሉእ ተወሲኑ ድዩ: ወይስ ከምቲ ዊልያም ሸክስፔር ዚበሃል እንግሊዛዊ ደራሲ ዝበሎ “ሰባት ሓድሓደ ግዜ ንዕድሎቶም ይቈጻጸሩ እዮም”፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዚብል ተመልከት።