ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስብከት ሳውል ጽልኢ ኣለዓዓለ

ስብከት ሳውል ጽልኢ ኣለዓዓለ

ስብከት ሳውል ጽልኢ ኣለዓዓለ

ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ: እቲ ንናይ ኣቦታት እምነት ብቕንኣት ዚጣበቕ ዝነበረ ሰብ ከመይ ኢሉ ኸሓዲ ኸም ዝዀነ ኺርድኦም ኣይከኣለን። ሳውል ነቶም ብስም የሱስ ዚጽውዑ ብምስጓጕ ፍሉጥ ነበረ። ናብ ደማስቆ ዝመጸ እውን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ንኸሳጕጕ ኢሉ እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ብምጽራፉ ገበነኛ ዀይኑ እተሰቕለ ሰብኣይ: መሲህ ከም ዝዀነ ኺሰብኽ ጀመረ። ሳውል ተጸሊሉ ድዩ፧—ግብሪ ሃዋርያት 9:1, 2, 20-22

ምናልባት ነዚ ምኽንያት ይህልዎ ይኸውን። እቶም ምስኡ ኻብ የሩሳሌም እተጓዕዙ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መገዲ ዘጋጠሞም ነገር ተዛሪቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ናብ ደማስቆ ምስ ቀረቡ: ብድንገት ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኦም ኣንጸባረቐ። ኵሎም ድማ ኣብ ምድሪ ወደቑ። ድምጺ እውን ተሰሚዑ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዘይካ ሳውል ካልኦት ጕድኣት ኣይወረዶምን። ንሱ ግን ኣብቲ መገዲ ወዲቑ ነበረ። ምስ ተንስአ ድማ ኪርኢ ስለ ዘይከኣለ: እቶም ምስኡ ዝነበሩ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኼእትዉዎ ነበሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 9:3-8፣ 26:13, 14

እቲ ተጻራሪ: ተጣባቒ ዀነ

ናብ ደማስቆ ኣብ ዚወስድ መገዲ ንሳውል እንታይ ኣጋጠሞ፧ እቲ ነዊሕ ጕዕዞ ወይ እቲ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ዚህሉ ሃሩር ኣድኪምዎዶ ዀን ይኸውን፧ ዘመናውያን ሓያስያን ባህርያዊ ምኽንያት ኪረኽቡ ኺብሉ: ኣህተፍቲፉ: ሕልናኡ ስለ ዘሳቐዮ ኸቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሽግር ኣጋጢምዎ: ኣእምሮኡ ተመዛቢሉ: ከምኡውን ከም ሕማም ምንፍርፋር ዝኣመሰለ ነገር ነይርዎ ዚብል ሓሳባት የቕርቡ እዮም።

እቲ ሓቂ ግን ካብቲ ብርቱዕ ጸዳል ብርሃን የሱስ ክርስቶስ እዩ ተራእይዎ: ንሱ እቲ መሲህ ምዃኑ ድማ ኣመነ። ገሊኡ ነዚ ዛንታ እዚ ዚገልጽ ስእሊ: ሳውል ካብ ፈረስ ኪወድቕ ከሎ የርኢ። እዚ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ኣብ ምድሪ ኸኣ ወደቕኩ” ጥራይ ብምባል እዩ እተዛረበ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:6-11) ኣካላዊ ኣወዳድቓኡ እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ: ምስቲ ኣቐዲሙ ኻብ ዝነበሮ መዓርግ ዝወደቖ ውድቀት ግን ዚወዳደር ኣይኰነን። እቶም ሰዓብቲ የሱስ ሓቆም ምንባሮም ኣፍልጦ ኺህብ ነበሮ። እቲ ዘለዎ እንኮ መገዲ ምስኦም ምጽንባር እዩ ነይሩ። እዚ ኣውራ ጸላኢ መልእኽቲ የሱስ ዝነበረ: ቀንዲ ተጣባቒ ዀነ። ኣዒንቱ ምስ ተኸፍታሉን ምስ ተጠምቀን: “እናበርትዔ ኸደ: ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ኣይሁድ ከኣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃዱ ኣፎም የትሕዞም ነበረ።”—ግብሪ ሃዋርያት 9:22

ንምቕታሉ እተኣልመ ውዲት ፈሸለ

እቲ ጸኒሑ ጳውሎስ እተባህለ ሳውል ክርስትያን ድሕሪ ምዃኑ ናበይ እዩ ኸይዱ፧ ንሰብ ገላትያ ኺጽሕፈሎም ከሎ: “ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እሞ ከም ብሓድሽ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ” በለ። (ገላትያ 1:17) እታ “ምድሪ ዓረብ” እትብል መግለጺ ናብ ዝዀነ ይኹን ክፋል ሓውሲ ደሴት ዓረብ ከም ዝኸደ እያ እትሕብር። ገሊኦም ምሁራት: ጳውሎስ ናብ ምድረ-በዳ ሶርያ ወይ ናብ ካልእ ብኣሬጣስ ራብዓይ ዚመሓደር ዝነበረ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ናባጥያ ዚርከብ ዞባ ኸይዱ ዚብል ሓሳብ ይህቡ እዮም። ከምቲ የሱስ ምስ ተጠምቀ ናብ በረኻ ዝኸደ: ሳውል እውን ድሕሪ ጥምቀቱ ኼስተንትን ኢሉ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 4:1

ሳውል ናብ ደማስቆ ምስ ተመልሰ: “ኣይሁድ ኪቐትልዎ ሐቢሮም ተማኸሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 9:23) ኣብ ደማስቆ እቲ ናይ ንጉስ ኣሬጣስ ምስለኔ: ንሳውል ምእንቲ ኺሕዞ ኢሉ ነታ ኸተማ የሐልዋ ነበረ። (2 ቈረንቶስ 11:32) እቶም ጸላእቱ ሳውል ዚሞተሉ መገዲ ኺኣልሙ ኸለዉ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ግን ዜምልጠሉ መገዲ ኣዳለዉሉ።

ካብቶም ንሳውል ኬምልጥ ዝሓገዝዎ ሃናንያ ኸምኡውን እቶም ክርስትያን ምስ ኰነ ምሳታቶም ዝጸንሐ ደቀ መዛሙርቲ ይርከብዎም። a (ግብሪ ሃዋርያት 9:17-19) ገሊኦም በቲ ሳውል ኣብ ደማስቆ ዝሰበኾ ስብከት ደቀ መዛሙርቲ ዝዀኑ እውን ሓጊዞምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ከመይሲ: ግብሪ ሃዋርያት 9:25 “እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና: ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ከፈር ገይሮም: ብቐጽሪ ኣውረድዎ” ክትብል ከላ: እታ “ደቀ መዛሙርቲ” እትብል መግለጺ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ “ደቀ መዛሙርቱ” ስለ እትብል: ነቶም ሳውል ዝመሃሮም ከተመልክት ትኽእል እያ። ዝዀነ ዀይኑ: እቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝረኸቦ ኣሳልጦ እዩ ነቲ ጽልኢ ኣለዓዒሉ ኪኸውን ዘለዎ።

ካብዚ ዚርከብ ትምህርቲ

ነቲ ሳውል ክርስትያን ዝዀነሉን እተጠምቀሉን ፍጻመታት ክንምርምሮ ኸለና: ካልኦት ብዛዕባኡ ዘለዎም ኣረኣእያ ኸም ዘየጨነቖ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ከቢድ ምጽራር ስለ ዝወረዶ እውን ድሕር ኣይበለን። ንሳውል እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሶ ዝነበረ ነገር: እቲ እተዋህቦ መዝነት ስብከት እዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 22:14, 15

እቲ ብስራት ኪስበኽ ከም ዘለዎ ኻብ እትኣምን ነዊሕ ዘይገበርካ ዲኻ፧ ከምኡ እንተደኣ ዄንካ: ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ፈሊጥካ ኣሎኻ። ሓድሓደ ግዜ ብምኽንያት ስብከትካ ምጽራር እንተ ኣጋጢሙካ ኺደንቀካ የብሉን። (ማቴዎስ 24:9፣ ሉቃስ 21:12፣ 1 ጴጥሮስ 2:20) ሳውል ነቲ ምጽራር ዝሃቦ ምላሽ ኣብነት ዚዀነና እዩ። ነቲ ዜጋጥሞም ፈተና ኸይተሓለሉ ተጸሚሞም ዜሕልፉ ክርስትያናት: ሞገስ ኣምላኽ ይረኽቡ እዮም። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ግን “ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም” ብምባል ኣረጋገጸሎም።—ሉቃስ 21:17-19

[እግረ-ጽሑፍ]

a ክርስትና ናብ ደማስቆ ዝኣተወ ድሕሪ እቲ የሱስ ኣብ ገሊላ ዝገበሮ ስብከት ወይ ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. እዩ ኪኸውን ዚኽእል።—ማቴዎስ 4:24፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:5

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ሳውል: የሱስ ምስ ተራእዮ ‘ናብ ምድሪ ወደቐ’

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ሳውል ካብቲ ኣብ ደማስቆ ንምቕታሉ እተገብረ ውዲት ኣምለጠ