ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንልብኻ ብምሕላው ንጽህናኻ ዓቅብ

ንልብኻ ብምሕላው ንጽህናኻ ዓቅብ

ንልብኻ ብምሕላው ንጽህናኻ ዓቅብ

“ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ።” —ምሳሌ 4:23

1-3. (ሀ) መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ንንጽህናኦም ከም ዘየኽብርዎ ብኸመይ እዮም ዘርእዩ፧ መረዳእታ ሃብ። (ለ) ንጽህና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ምምርማሩ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ሓደ ሰብኣይ ሓደ ግዜኡ ዝሓለፎ ዝመስል ቅብኣ ነበሮ። ምናልባት ምስ ገዝኡ ስለ ዘይከይድ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ነቲ ቕብኣ ኣቕሊሉ ስለ ዝረኣዮ: ብሕሱር ዋጋ—29 ዶላር ኣመሪካ—ሸጦ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ግን ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣቢሉ ኸም ዘውጽእ ተፈልጠ። እወ: ብቐሊሉ ዘይርከብ ዓይነት ቅብኣ ምዃኑ ተፈልጠ። እቲ ኣቕሊሉ ዝረኣዮ ዋና እቲ ቕብኣ ዝነበረ ሰብኣይ እንታይ ከም እተሰምዖ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና።

2 ብስነ-ምግባራዊ ንጽህና ወይ ጽፈት ዝመጸ እውን እዚ ብዙሕ ግዜ የጋጥም እዩ። ሎሚ ሓያሎ ሰባት ንንጽህናኦም ኣቕሊሎም እዮም ዝርእይዎ። ገሊኣቶም ከም ግዜኡ ዝሓለፎ ነገር: ምስዚ ሕጂ ዘሎ ናብራ ወድሰብ ድማ ዘይከይድ ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንሕሱር ነገር ይልውጥዎ። ገሊኣቶም ግዝያዊ ናይ ጾታዊ ርክብ ባህታ ንምርካብ ኢሎም ክልውጥዎ ኸለዉ: ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ቅድሚ መዛኑኦም ወይ ኣንጻር ጾታኦም ተቐባልነት ንምርካብ ኢሎም ይልውጥዎ።—ምሳሌ 13:20

3 መብዛሕትኦም ንጽህናኦም ክሳዕ ክንደይ ክቡር ዋጋ ከም ዝነበሮ ዝርድእዎ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ምስ ኰነ እዩ። ዝበዝሕ ግዜ ኸኣ ዘሕዝን ኵነታት እዩ ዘጋጥሞም። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ ዘይስነ-ምግባራውነት “ከም ዕረ መሪር” ወይ መርዛም እዩ። (ምሳሌ 5:3, 4) ነዚ ሕጂ ዘሎ ብልሽው ስነ-ምግባራዊ ሃዋሁ ኣብ ግምት ብምእታው ብኸመይ ኢኻ ንጽህናኻ ኽትሕሉ እትኽእል፧ ክንወስዶ ኣብ ዘሎና ሰለስተ ስጕምትታት እስከ ነተኵር።

ንልብኻ ሓልዎ

4. ምሳልያዊ ልቢ እንታይ እዩ: ስለምንታይከ ኢና ኽንሕልዎ ዘሎና፧

4 ንጽህናና ኽንዕቅበሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ ንልብና ምሕላው እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ” ይብለና። (ምሳሌ 4:23) ኣብዚ “ልብኻ” ክበሃል ከሎ ንምንታይ እዩ ዘመልክት፧ ቃል ብቓሉ ልቢ ማለት ኣይኰነን። እዚ ልቢ እዚ ምሳልያዊ እዩ። ንሓሳብካን ስምዒትካን ድራኼኻን ዝሓቍፍ ውሽጣዊ እንታይነትካ እዩ ዘመልክት። መጽሓፍ ቅዱስ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ” ይብል። (ዘዳግም 6:5) የሱስ እዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኵሉ ዝዓበየት ከም ዝዀነት ገይሩ እዩ ገሊጽዋ። (ማርቆስ 12:29, 30) ስለዚ: ልብና ኣዝዩ ኽቡር ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብሓቂ ድማ ክንሕልዎ ዝግባእ እዩ።

5. ልቢ ጠቓምን ሓደገኛን ዝኸውን ብኸመይ እዩ፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ” ይብለና። (ኤርምያስ 17:9) ልቢ ጐራሕ ብምዃን ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧ ንኣብነት: ማኪና ኣዝያ ጠቓሚትን ህጹጽ ኵነታት ከጋጥም ከሎ ህይወት ንምድሓን እተገልግልን እኳ እንተዀነት: እቲ ዘዋራይ ነታ ማኪና ብግቡእ እንተ ዘይተቘጻጺርዋ ግን ንዕኡ ዀነ ንኻልኦት ከቢድ ሓደጋ ኸተምጽእ ትኽእል እያ። ብተመሳሳሊ: ንልብኻ እንተ ዘይተቘጻጺርካዮ ውሽጣዊ ባህግታትካን ድራኼኻን ተቘጻጺሩ ኣብ ሓደጋ ኸውድቐካ ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ “ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ: ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ” ይብለና። (ምሳሌ 28:26) እወ: ልክዕ ከምቲ መገሻ ቕድሚ ምጅማርካ ሓበሬታ እትሓትት: ቃል ኣምላኽ ንኽመርሓካ ምስ እትውከሶ ኸኣ ብጥበብ ክትመላለስ ትኽእል ኢኻ።—መዝሙር 119:105

6, 7. (ሀ) ቅድስና እንታይ እዩ: ኣገልገልቲ የሆዋ ቕዱሳት ክዀኑ ዘለዎምከ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ዘይፍጹማት ሰባት ቅድስና የሆዋ ኸንጸባርቑ ኸም ዝኽእሉ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

6 ልብና ናብ ንጽህና ኣይስሓብን እዩ። ንሕና ኢና ኽንመርሖ ዘሎና። ሓደ ኻብቲ ነዚ ኽንገብረሉ ዘሎና መገዲ ኸኣ ንጽህና ኽሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ብምስትንታን እዩ። ንጽህና ምስ ቅድስና ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ዀይኑ ኻብ ሓጢኣት እተፈልየ ንጹህ ወይ ጽሩይ ዝብል ትርጕም እዩ ዘለዎ። ቅድስና ኸኣ ተፈታዊ ኽፍሊ ባህርያት የሆዋ እዩ። በማእታት ዝቝጸር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ንቕድስና ምስ የሆዋ እዩ ዘተሓሕዞ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ “ቅዱስ: ቅዱስ: ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” እዩ ዝብለና። (ኢሳይያስ 6:3) እንተዀነ ግን እዚ ልዑል ደረጃ ዘለዎ ቅድስና ምሳና ምስ ዘይፍጹማት ሰባት እንታይ ርክብ ኣለዎ፧

7 የሆዋ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑ” ይብለና። (1 ጴጥሮስ 1:16) እወ: ንቕድስና የሆዋ ኽንቀድሖ: ኣብ ቅድሚኡ ጽሩያት ብምዃን ከኣ ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና። ስለዚ: ካብ ርኹስ ተግባራት ምስ እንርሕቕ: ነቲ ውቁብ ባህሪ እቲ ኻብ ኵሉ ልዑል ኣምላኽ ንምንጽብራቕ ንመጣጠር ኣሎና ማለት እዩ። (ኤፌሶን 5:1) እዚ ግን ክንበጽሖ ዘይንኽእል ኰይኑ ኽስምዓና የብሉን። ከመይሲ: የሆዋ መስተውዓልን ልኡምን ጐይታ ስለ ዝዀነ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኣይጽበየናን እዩ። (መዝሙር 103:13, 14፣ ያእቆብ 3:17) ብመንፈስን ብስነ-ምግባርን ንጹህ ኴንካ ምቕጻል ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ ግቡእና ምዃኑ ንምምልካት “ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን” ዝብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 11:3) ነቲ ክርስቶስን ኣቦኡን ዝገበሩልና ነገራት: ብስነ-ምግባር ንጹሃት ንኽንከውን ጻዕሪ ብምግባር ክንክሕሶም ዝግብኣናዶ ኸይኰነ፧ ከመይሲ ፈጺምና ኽንከፍሎ ዘይንኽእል ፍቕሪ እዮም ኣርእዮምና። (ዮሃንስ 3:16፣ 15:13) እምበኣር ንጹህን ጽፉፍን ናብራ ህይወት ብምንባር ሞሳና ኽንገልጽ ግቡእ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንጹሃት ክንከውን ከም ዘሎና ንሓስብ እንተደኣ ዄንና: ንልብና ብምሕላው ንጽህናና ኽንዕቅብ ኢና።

8. (ሀ) ንምሳልያዊ ልብና ብኸመይ ኢና ኽንምግቦ እንኽእል፧ (ለ) ዕላልና ብዛዕባና እንታይ እዩ ኽገልጽ ዝኽእል፧

8 ንልብና ብእንምገቦ ዓይነት መግቢ እውን ክንሕልዎ ንኽእል ኢና። ኣእምሮናን ልብናን ኣብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘተኵር ብምግባር ኣዘውቲርና ጽቡቕ መንፈሳዊ መግቢ ኽንምግቦ ይግባእ። (ቈሎሴ 3:2) ዕላልናውን ከይተረፈ ነዚ ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ስጋውን ዘይስነ-ምግባራውን ነገራት ዘተኰረ ዕላል ብምዕላል እንፍለጥ ሰባት እንተደኣ ዄንና: ብዛዕባ ዅነታት ልብና ኢና እንገልጽ ዘሎና። (ሉቃስ 6:45) ኣብ ክንዲ በዚ ነገራት እዚ እንፍለጥ: መንፈሳውን ሃናጽን ዝዀነ ዕላል ብምዕላል ንፈለጥ። (ኤፌሶን 5:3) ንልብና ንምሕላው: ከነርሕቖ ዘሎና ሓደገኛ ዅነታት እውን ኣሎ። ክልተ ኻብዚ እስከ ንርአ።

ካብ ምንዝርና ህደም

9-11. (ሀ) እቶም ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:18 ዘሎ ምኽሪ ዕሽሽ ዝብልዎ ሰባት ኣብ ከቢድ ርኽሰት ክወድቁ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ መረዳእታ ሃብ። (ለ) ካብ ምንዝርና ንሃድም እንተደኣ ዄንና: ካብ ምንታይ ኢና እንርሕቕ፧ (ሐ) እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ እንታይ ብሉጽ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧

9 እቲ የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዘጽሓፎ ምኽሪ ንሓያሎ ሰባት ንልቦም ብምሕላው ንጽህናኦም ክዕቅቡ ሓጊዝዎም እዩ። እዚ ምኽሪ እዚ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ዝብል እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:18) ጳውሎስ “ምንዝርና ኣወግዱ” ጥራይ ከም ዘይበለ ነስተብህል። ክርስትያናት ካብኡ ንላዕሊ እዮም ክገብሩ ዘለዎም። ልክዕ ከምቲ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኸውድቕ ዝኽእል ነገር ከጋጥሞም ከሎ ዝሃድሙ: ካብዚ ርኹስ ተግባራት እውን ክሃድሙ እዩ ዘለዎም። ነዚ ምኽሪ እዚ ዕሽሽ እንተደኣ ኢልናዮ: ብቐሊሉ ኣብ ከቢድ ርኽሰት ክንወድቕን ስምረት ኣምላኽ ክንስእንን ንኽእል ኢና።

10 ንመረዳእታ: እዚ ዝስዕብ ኣብነት እስከ ንርአ:- ሓንቲ ኣደ ናብ ሓደ ቦታ ንክኸዱ ንወዳ ነብሱ ሓጺባ ጽሩይ ክዳን ከደነቶ። ክሳዕ ዝኸዱ ኣብ ደገ ኽጻወት ሓተታ እሞ ሕራይ በለቶ። ምስናይዚ ግን “ኣብ ጥቓ እቲ ዕቋር ማይ ገጽካ ኸይትቐርብ። ጭቃ እንተደኣ ተጸይቕካ ኽትቅጻዕ ኢኻ” በለቶ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ግን ኣብ ደንደስ እቲ ዕቋር ማይ ረኸበቶ። ጭቃ ኣይተጸየቐን። እንተዀነ ግን: ኣብ ጥቓ እቲ ማይ ንኸይቀርብ ዝሃበቶ ምኽሪ ብምንጻጉ: ኣብ ጸገም ምውዳቑ ዘይተርፍ እዩ ነይሩ። (ምሳሌ 22:15) እቶም ብዝያዳ ጥንቃቐ ኽገብሩ ትጽቢት ዝግበረሎም መንእሰያትን ዓበይትን እውን ተመሳሳሊ ጌጋ እዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ። ብኸመይ፧

11 ኣብዚ ሓያሎ ሰባት “ንዜነውር ፍትወት” ተፈንዮምሉ ዘለዉ እዋን: ብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ዘተባብዕ ኢንዱስትሪ ቘይሙ ኣሎ። (ሮሜ 1:26, 27) ስእለ-ጽዩፍ ኣብ መጽሔታትን መጽሓፍትን ቪድዮታትን ከምኡውን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። እቶም ነዚ ስእሊ እዚ ኣብ ኣእምሮኦም ዝቐርጽዎ ሰባት ካብ ምንዝርና ይሃድሙ ኣለዉ ኽበሃል ኣይከኣልን እዩ። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ናብ ደንደስ ገጾም ይኸዱ ኣለዉ። ንልቦም ኣብ ክንዲ ዝሕልዉዎ በቲ ኻብ ኣእምሮኻ ንኽትሓኮ ዓመታት ዝወስድ ስእሊ ይምርዝዎ ኣለዉ። (ምሳሌ 6:27) እምበኣርከስ: ካብቲ ምስ ኣዒንቱ ኺዳን እተኣታተወ እዮብ ንመሃር። እዮብ ሕማቕ ንምግባር ክደፋፍኦ ዝኽእል ነገራት ንኸይርኢ ወሲኑ ነበረ። (እዮብ 31:1) ስለዚ: እቲ እዮብ ዝገደፈልና ኣብነት ብሓቂ ኽንስዕቦ ዝግብኣና እዩ!

12. ክርስትያናት ወድን ጓልን ኣብ ግዜ ወረዘ ‘ኻብ ምንዝርና ኽሃድሙ’ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

12 ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ወረዘ ‘ካብ ምንዝርና ምህዳም’ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ንመርዓ ንምልላይ ኢልካ እትገብሮ ምሕዝነት ብዙሕ ተስፋን ትጽቢትን እተሕድረሉ ዘሐጕስ እዋን ክኸውን ዝግባእ እኳ እንተዀነ: ገለ ገለ መንእሰያት ግን ብዕሉግ ተግባር ብምፍጻም ጸይቖምዎ እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ክልቲኦም ንመርዓኦም ዝኸውን ጽቡቕ መሰረት ኣየንብሩን። ብኻልእ ኣዘራርባ ስስዐ ኣብ ዘይብላ ፍቕርን ርእስኻ ኣብ ምግታእን ንየሆዋ ኣምላኽ ኣብ ምእዛዝን እተመርኰሰ ርክብ ንምምስራት ኣይተጠቕምሉን። ክርስትያናት ዝዀኑ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ኣብ ግዜ ወረዘኦም ብዕሉግ ተግባራት ፈጸሙ። ድሕሪ መርዓኦም እታ ሰበይቲ ሕልናኣ ኸም ዘሳቐያ: ኣብ መዓልቲ መርዓኦም እውን ከይተረፈ ሓጐሳ ኸም እተሰርቀ ተኣመነት። “የሆዋ ይቕረ ኽብለለይ ብዙሕ ግዜ ሓቲተዮ እየ። ይኹን እምበር: ክሳዕ ሕጂ ሸውዓተ ዓመታት እኳ እንተሓለፈ: ሕልናይ ወትሩ እዩ ዘሳቕየኒ” ብምባል ተናዘዘት። እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ሰባት ካብ ክርስትያን ሽማግለታት ሓገዝ ኽሓቱ ኣለዎም። (ያእቆብ 5:14, 15) እንተዀነ ግን: ሓያሎ ክርስትያናት ወድን ጓልን ኣብ ግዜ ወረዘኦም ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ይርሕቑ እዮም። (ምሳሌ 22:3) ነቲ ናይ ፍቕሪ መግለጺታቶም ደረት ይገብርሉ እዮም። ብሓንሳእ ክዀኑ ኸለዉ ኸኣ ሳልሳይ ሰብ ከም ዝህሉ ይገብሩ: ብፍላይ እኳ ኣብ ጽምው ቦታታት ንበይኖም ከይብሕቱ ይጥንቀቑ እዮም።

13. ክርስትያናት ምስ ሓደ ንየሆዋ ዘየምልኽ ሰብ ወረዘ ኽጅምሩ ዘይብሎም ስለምንታይ እዩ፧

13 እቶም ንየሆዋ ምስ ዘየምልኽ ሰብ ወረዘ ዝጅምሩ ሰባት ብዙሕ ጸገማት ከየጋጠሞም ኣይተርፍን እዩ። ንኣብነት: ምስ ሓደ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘየፍቅር ሰብ ከመይ ጌርካ ኢኻ እሞ ኽትሓብር እትኽእል፧ ክርስትያናት ምስቶም ንየሆዋ ዘፍቅሩን ነቲ ብዛዕባ ንጽህና ዘውጽኦ ስርዓታቱ ኸኣ ዘኽብሩን ሰባት ጥራይ እዮም ክጽመዱ ዘለዎም። ቃል ኣምላኽ “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፤ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት አልይዎ፧” ይብለና።—2 ቈረንቶስ 6:14

14, 15. (ሀ) ገሊኣቶም ብዛዕባ “ምንዝር” እንታይ ግጉይ ርእይቶ እዩ ዘለዎም፧ (ለ) እታ “ምንዝር” ተባሂላ ዘላ ቓል እንታይ ተግባራት እያ እተጠቓልል: ክርስትያናትከ ብኸመይ እዮም ‘ካብ ምንዝርና ኽሃድሙ’ ዘለዎም፧

14 ፍልጠት እውን ኣድላዪ እዩ። ምንዝርና እንታይ ምዃኑ እንተ ዘይፈሊጥናዮ: ምሉእ ብምሉእ ካብኡ ኽንሃድም ኣይንኽእልን ኢና። ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ሰባት ን“ምንዝር” ዝህብዎ ትርጕም ቅኑዕ ኣይኰነን። ጾታዊ ርክብ ከይፈጸሙ ካብ መርዓ ወጻኢ ጾታዊ ስምዒቶም ከዕግቡ ዝኽእሉ ዀይኑ እዩ ዝስምዖም። ገለ ኻብተን ዘይተደልየ ጥንሲ ንምንካይ ጻዕሪ ዘካይዳ ኣኽቢርካ ዝረኣያ ትካላት ጥዕና እውን ከይተረፋ: ንመንእሰያት ጥንሲ ዘየስዕብ ጾታዊ ስምዒቶም ዘዕግብ ተግባራት ክፍጽሙ እየን ዘተባብዓ። እቲ ዘሕዝን ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ጥዑይ ምኽሪ ኣይኰነን። ንጽህና ምሕላው ክበሃል ከሎ ቅድሚ መርዓ ዘይምጥናስ ማለት ኣይኰነን: እቲ ቐንዲ ትርጕም ናይ “ምንዝር” ከኣ በዚ እተደረተ ኣይኰነን።

15 እታ “ምንዝር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ፖርንያ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ሰፊሕ ትርጕም እዩ ዘለዋ። ምስ ዘይተመርዓኻዮ ሰብ ዝግበር ጾታዊ ርክብ እተጠቓልል ኰይና ንጾታዊ ኽፍሊ ኣካላት ብዘይግቡእ ምዝውታር እያ እተመልክት። እወ: ፓርንያ ብኣፍ ኰነ ብመሃንቱስ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ከምኡውን ምስ ካልእ ሰብ ኴንካ ግብረ-ሕቡእ ምፍጻም ኰታስ ኣብ እንዳ ኣመናዝር ዝፍጸም እተፈላለየ ተግባራትን እተጠቓልል እያ። ንኣብነት: እቶም እዚ ተግባራት እዚ “ምንዝር” ኣይኰነን ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ርእሶም ብምጥባር: ኣብ ሓደ ኻብቲ መፈንጠራታት ሰይጣን ወዲቖም እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 2:26) ኣብ ርእሲ እዚውን ንጽህናኻ ምዕቃብ ክበሃል ከሎ ነቲ ምስ ምንዝር እተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ነገር ዘይምፍጻም ጥራይ ዘይኰነስ: ካብኡ ንላዕሊ ዘጠቓልል እዩ። ‘ካብ ምንዝርና ንምህዳም:’ ካብቲ ናብ ፖርንያ ኽመርሕ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጾታዊ ርኽሰትን ዕብዳንን ክንርሕቕ ኣሎና። (ኤፌሶን 4:19) በዚ መገዲ እዚ ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል።

ካብ መፈንጠራ ምኵሻም ርሓቕ

16. ከምቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተገልጸልና: ንመን ጥራይ ኢኻ ምስ ጾታዊ ስምዒት እተተሓሓዘ ፍቕርኻ ኽትገልጽ እትኽእል፧

16 ንጽህናና ዓቂብና ምእንቲ ኽንመላለስ ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ኻልእ ሓደገኛ ተግባር ምኵሻም እዩ። ገለ ሰባት ምኵሻም ኣብ መንጎ ክልተ ኣንጻር ጾታ ዝንጸባረቕ ምስ ዋዛ ዝተሓሓዝ ንጹህ ርክብ እዩ ይብሉ። ይኹን እምበር: ምስ ጾታዊ ስምዒት እተተሓሓዘ ፍቕርኻ ንኽትገልጽ ግዜን ቦታን ኣለዎ። ይስሃቅን ርብቃን ሓቢሮም ‘ኪሰሓቑ’ ተራእዮም እዮም: ብስጋ ሓውን ሓብትን ከም ዘይነበሩ ኸኣ ንተዓዘብቶም ንጹር እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 26:7-9) እንተዀነ ግን: እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን እዮም ነይሮም። ንሓድሕዶም ፍቕሮም ክገላለጹ ኸኣ ግቡእ እዩ ነይሩ። እዚ ምኵሻም ኣይኰነን።

17. ምኵሻም ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ: ነዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንቈጻጸሮ እንኽእል፧

17 ምኵሻም ክበሃል ከሎ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኽምርዓዋ ዕላማ ዘይብሉ ኽነሱ ስምዒታዊ ፍቕሪ ኽገልጸላ ኸሎ ንዝገብሮ (ወይ ከኣ ጓል ኣንስተይቲ ንወዲ ተባዕታይ ንእተርእዮ) ነገራት እዩ ዘመልክት። ደቅሰብ ድንቂ ፍጥረት ብምዃኖም: ዝኳሸምሉ እተፈላለየ መገድታት ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ: አረ ገለ ኻብኡስ ብቐሊሉ ኸተስተብህለሉ እትኽእል ኣይኰነን። (ምሳሌ 30:18, 19) በዚ ምኽንያት እዚ ንጹር ዝዀነ ተሪር ሕግታት ከተውጽኣሉ ስለ ዘይክኣል: ካብ ሕጊ ኣዝዩ ጸብለል ዝበለ ነገር የድሊ። እዚ ድማ ብቕንዕና ርእስኻ ብምምርማር ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ዝሓትት እዩ።

18. ገሊኣቶም ንኸኳሽሙ ዝድርኾም እንታይ እዩ: ምኵሻም ጐዳኢ ዝኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

18 ብቕንዕና ርእስና እንተደኣ መርሚርና: ኣንጻር ጾታና ዝዀነ ሰብ ስምዒታዊ ፍቕሪ ወይ ተገዳስነት ምስ ዘርእየና ደስ እዩ ዝብለና። እዚ ባህርያዊ እኳ እንተዀነ: ንርእስና ባህ ንኸነብል ወይ ኣንጻር ጾታና ተገዳስነት ንኸርእየና ኢልና ነኳሽም ዲና፧ ከምኡ ንገብር እንተደኣ ዄንና: እንታይ ስቓይ ከነስዕብ ከም እንኽእል ሓሲብናሉ ዲና፧ ንኣብነት: ምሳሌ 13:12 “ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ” ትብለና። ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ደይመደይ ኢልና ምስ እነኳሽማ: እንታይ ክስምዓ ኸም ዝኽእል ኣይንፈልጦን ንኸውን። ምናልባት ንወረዘ: አረ ንመርዓ እውን ከይተረፈ ኽትሓስብ ትኽእል እያ። ከምቲ ዝሓሰበቶ ኸይኰነ እንተ ተሪፉ ኸኣ ክትድቈስ ትኽእል እያ። ብተመሳሳሊ: ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንሓደ ወዲ ተባዕታይ ምስ እተኳሽሞ እውን ከምኡ ኸጋጥም ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 18:14) ደይመደይ ኢልካ ብስምዒት ካልኦት ምጽዋት ጭከና እዩ!

19. ምኵሻም ንሓዳር ክርስትያናት ኣብ ሓደጋ ኸውድቖ ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

19 ንሰብ ሓዳር ምኵሻም እሞ ኸኣ ብዝያዳ ኽንጥንቀቐሉ ዘሎና ጕዳይ እዩ። ንሓንቲ ብዓልቲ ሓዳር ወይ ንሓደ ብዓል ሓዳር ምስ ጾታዊ ስምዒት እተተሓሓዘ ፍቕሪ ወይ ተገዳስነትካ ምግላጽ ጌጋ እዩ። ከምኡውን ሓደ በዓል ሓዳር ንሰበይቱ ደኣ እምበር ንኻልእ ምስ ጾታዊ ስምዒት እተተሓሓዘ ፍቕሩ ወይ ተገዳስነቱ ኽገልጽ ጌጋ እዩ። ሰበይቲ እውን ምስ ሰብኣያ እንተ ዘይኰይኑ ምስ ካልእ ከምኡ ኽትገብር ኣይግባእን። እቲ ዘሕዝን ግን: ገለ ክርስትያናት ካብ ሓዳሮም ወጻኢ እውን ንኣንጻር ጾታ ስምዒታዊ ፍቕሮም ክገልጹ ቅቡል እዩ ዝብል ግጉይ ርእይቶ ኣሕዲሮም እዮም። ገሊኣቶም ንበዓልቲ እንዳኦም ዘይገልጹላ ምስጢራዊ ሓሳባት እውን ከይተረፈ ነታ ንጹህ ምሕዝነት እዩ ዘሎና ዝብልዋ ሰብ ክገልጹላ ተረኺቦም እዮም። ጸኒሑ ኸኣ እዚ ምስ ጾታዊ ስምዒት እተተሓሓዘ ፍቕሪ ኣብታ ሰብ እቲኣ ኸም ዝውከሉ ብምግባር ንሓዳሮም ንፋስ ከእቱ: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ክብትን ክኢሉ እዩ። ገለ ክርስትያናት ኣሓት እውን ከምኡ ብምግባረን ሓዳረን በቲነን እየን። እተመርዓዉ ክርስትያናት ነቲ የሱስ ብዛዕባ ዝሙት ዝሃቦ ጥበባዊ ምኽሪ ኽዝክርዎ ይግባእ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ ዝሙት ካብ ልቢ እዩ ዝጅምር። (ማቴዎስ 5:28) ስለዚ እምበኣር ንልብና ብምሕላው ናብዚ ዘጕሂ ዅነታት ክመርሓና ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ነወግድ።

20. ንንጽህናና ብኸመይ ንኽንርእዮ ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧

20 ኣብዛ ብስነ-ምግባር ተበላሽያ ዘላ ዓለም ንጹህ ኴንካ ምንባር ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ: ምስ ኣጥፋእኻዮ ንኽትመልሶ ኢልካ ኻብ ምጽዓር ግን ከይጠፍአ ኸሎ ምዕቃቡ ኸም ዝቐልል ኣይትረስዕ። የሆዋ ነቶም ሓጢኣት ገይሮም ልባዊ ነስሓ ዘርእዩ ሰባት ‘ኣዝዩ ይቕረ ኽብልን’ ከንጽሆምን ከም ዝኽእል ፍሉጥ እዩ። (ኢሳይያስ 55:7) ካብ ሳዕቤን እቲ ዝፈጸምዎ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባር ግን ኣየዕቝቦምን እዩ። ሳዕቤኑ ንዓመታት አረ ንምሉእ ህይወቶም እውን ከይተረፈ ክቕጽል ይኽእል እዩ። (2 ሳሙኤል 12:9-12) እምበኣርከስ: ብእተኻእለካ መጠን ንልብኻ ብምሕላው ንጽህናኻ ዓቅብ። ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎካ ንጹህ ኣቕዋም ከም ክቡር መዝገብ ጌርካ ርኣዮ: ፈጺምካ ድማ ኣይተጥፍኣዮ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንጽህና እንታይ እዩ: ስለምንታይከ እዩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን፧

• ንልብና ብኸመይ ኢና ኽንሕልዎ ዘሎና፧

• ካብ ምንዝርና ምህዳም ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

• ካብ ምኵሻም ክንርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ሓንቲ ማኪና ብግቡእ እንተ ዘይተመሪሓ ሓደገኛ ኽትከውን ትኽእል እያ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ንዝወሃበና መጠንቀቕታ ዕሽሽ እንተደኣ ኢልናዮ: እንታይ እዩ ኸጋጥመና ዝኽእል፧

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ንጹህ ወረዘ ዘሐጕስን ንኣምላኽ ዘኽብርን እዩ