ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሕጊ ጠቢብ”—ናይ ህይወት ፈልፋሊ

“ሕጊ ጠቢብ”—ናይ ህይወት ፈልፋሊ

“ሕጊ ጠቢብ”​—ናይ ህይወት ፈልፋሊ

ሃዋርያ ጳውሎስ “ወዳጄ: መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን: ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ: ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ” ኢሉ ኣድንቖቱ ገለጸ። (ሮሜ 11:33) እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ እውን “[የሆዋ ኣምላኽ] ብምስትውዓል ጠቢብ . . . እዩ” በለ። (እዮብ 9:4) እወ: እቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ብጥበብ ዝወዳደሮ የብሉን። እዚ ፈጣሪ እዚ ብዛዕባ ዝሃቦ ሕጊ ወይ ብዛዕባቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉኸ እንታይ እዩ ኽበሃል ዝከኣል፧

እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ: ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ: ንገርሂ የጥብቦ። ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ: ንልቢ የሐጕሶ: ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ: ነዒንቲ የብርሄን” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 19:7, 8) እቲ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን ንሓቅነት እዚ ቓላት እዚ ኣጸቢቑ ተረዲእዎ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ከመይሲ: “ካብ ወጽመድ ሞት ምእንቲ ኸተምልጥሲ: ሕጊ ጠቢብ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ” በለ። (ምሳሌ 13:14) ሰሎሞን ኣብተን ቀቅድሚ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘለዋ 13 ቍጽርታት ናይ ምሳሌ ምዕራፍ 13: ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ምኽሪ ንህይወትና ብኸመይ ከም ዘመሓይሻን ካብ ሓደጋ ኸም ዝሰትራን ገለጸ።

ዝንገረካ ስማዕ

ምሳሌ 13:1 “ለባም ውሉድ ተግሳጽ ኣቦኡ ይሰምዕ: መላገጺ ግና መግናሕቲ ኣይሰምዕን” ትብል። ተግሳጽ ኣቦ ፍዅስ ዝበለ ወይ ተሪር ክኸውን ይኽእል እዩ። መጀመርታ ብመልክዕ ስልጠና ኽመጽእ ከሎ: እዚ ተቐባልነት ምስ ዝስእን ድማ ብመቕጻዕቲ ኽመጽእ ይኽእል እዩ። ውሉድ ተግሳጽ ኣቦኡ ምስ ዝሰምዕ ልብምና እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ: ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ” ይብለና። (እብራውያን 12:6) ሓደ ኻብቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝግስጸና መገዲ በቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ማለት ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኣኽብሮት ኣንቢብና ኽንዓየሉ ኸለና ቃሉ ይግስጸና እዩ። ኵሉ እቲ የሆዋ ዝብሎ ንጥቕምና ብምዃኑ: ከምዚ ብምግባርና ንረብሕ ኢና።—ኢሳይያስ 48:17

ተግሳጽ ካብ ሓደ ብመንፈሳውነትና ዝግደስ ኣማኒ ብጻይና ብዝወሃበና እርማት ኣቢሉ እውን ክመጽእ ይኽእል እዩ። ምስ ቃል ኣምላኽ ዝሰማማዕ ዝዀነ ይኹን ጠቓሚ ምዕዶ: ካብቲ ሰብ ዘይኰነስ ካብቲ ቐንዲ ምንጪ ሓቂ ኸም ዝመጸ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። ካብ የሆዋ ኸም ዝመጸ ጌርና ምስ እንቕበሎ: ልብምና እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ነተሓሳስባና ንክቐርጾ: ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ምርዳእ ንኸመሓይሾ: ከምኡውን መገድና ኣብ ምዕራይ ንኽሕግዘና ምስ እነፍቅደሉ: ካብቲ ተግሳጽ ንጥቀም ኢና ዘሎና ኽበሃል ይከኣል። ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተመስረተ ጽሑፋትን እንረኽቦ ምኽሪ እውን ብተመሳሳሊ ኽንቅበሎ ኣሎና። ነዚ ብጽሑፍ ኰነ ብዘረባ እንሰምዖ ቃላት ምቕባልና: ንርእስና እንግስጸሉ ብሉጽ መገዲ እዩ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ግን መላገጺ ተግሳጽ ኣይሰምዕን እዩ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ መላገጺ ሰብ “ኣነ እፈልጥ ስለ ዝብል: ዝንገሮ ኣይሰምዕን እዩ” ይብል። መግናሕቲ: ማለት ዝተረረ ዓይነት ተግሳጽ እንተ ተወሃቦ እውን ኣይዓጅቦን እዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ ኣቦ ዝሃቦ ተግሳጽ ጌጋ ኸም ዝዀነ መረጋገጺ ከቕርብ ይኽእል ድዩ፧ የሆዋ ተጋግዩ ኣይፈልጥን እዩ: ከቶውን ኣይክጋገን እዩ። እቲ መላገጺ ተግሳጽ ብዘይምቕባሉ ንርእሱ ጥራይ እዩ መስሓቒ ዀይኑ ዝተርፍ። ሰሎሞን ብሒደት እተመርጸ ቓላት ገይሩ: ነቲ ዝንገረና ምስማዕ ኣድላዪ ምዃኑ ብኸመይ ዝበለ ብሉጽ መገዲ ገይሩ ዀን እዩ ገሊጽዎ!

ንልሳንካ ሓልዋ!

እቲ ንጉስ እስራኤል ኣብ ዘረባና ብቓል ኣምላኽ ምስ እንምራሕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምሕባር: ንኣፍ ምስ ፍረ እተፍሪ ኦም ኣመሳሲልዋ ኣሎ። “ሰብ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ይስሰ: ነፍሲ እቶም ጠለምቲ ግና ግፍዒ ትምገብ” በለ። (ምሳሌ 13:2) ዝዝረብ ቃላት ፍረ ኣፍ እዩ። ሰብ ድማ ነቲ ብቓላቱ ዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ። ሓደ ምሁር ብዛዕባዚ ኽገልጽ ከሎ “ቃላቱ ሕያውነት ዝመልኦን ምስ ጐረባብቱ ንኽቀራርብ ዝሕግዝን እንተ ዀይኑ: ሰናይ ይስሰ ማለት ብሓጐስን ብሰላምን ይነብር” በለ። ጠላሚ ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ ዘጋጥሞ። ክዕምጽን ክጐድእን እዩ ዘደሊ። ዓመጻ ብምእላሙ: ዓመጻ እዩ ዝረክብ። መፈንጠራ ሞት ከኣ ኣብ ድርኵዂት ቤቱ እያ።

ሰሎሞን ቀጺሉ “ኣፉ ዚሕሉ ህይወቱ ይባልህ: ከናፍሩ ጋህ ዜብል ግና ጥፍኣት ይረኽቦ” በለ። (ምሳሌ 13:3) ከይሓሰብካ ብዕሽነት ዝዝረብ ዘረባ ስም ሰብ ከበላሹ: ስምዒት ክጐድእ: ንርክባት ከሐርፍፍ: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣካላዊ ጕድኣት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ኵሉ ሰብ ብዝዛረቦ ዘበለ ዘረባ ንኣምላኽ ጸብጻብ ክህብ ስለ ዝዀነ: ከናፍሩ ጋህ ዘብል ስምረት ኣምላኽ ክስእን ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 12:36, 37) እወ: ኣፍና ምስ እንሕሉ ካብ ጥፍኣት እዩ ዝባልሃና። ኣፍና ኽንሕሉ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧

ሓደ ኻብቲ ነዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ቀሊል መገዲ ብዙሕ ዘይምዝራብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይስአኖን” ይብል። (ምሳሌ 10:19) ካልእ መገዲ ኸኣ ቅድሚ ምዝራብና ምሕሳብ እዩ። እቲ ብመንፈስ ተመሪሑ ዝጸሓፈ ጸሓፊ “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ” በለ። (ምሳሌ 12:18) ሓደ ሰብ ነቲ ዝዛረቦ ነገር ከይሓሰበ እንተ ተዛሪቡ: እቲ ተዛራብን ሰማዕቱን ክጕድኡ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ” ዝብል ምኽሪ ይህብ።—ምሳሌ 15:28 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ትጉህ ኩን

ሰሎሞን “ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል እሞ ገለ ኣይትረክብን: ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ” በለ። (ምሳሌ 13:4) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “እቲ ፍረ ነገር [ናይዛ ምሳሌ እዚኣ] ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ ነገር ሃረር ምባል ዘይኰነስ ትግሃት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ሃካያት ሃረር ክብሉ እዮም ዝነበሩ . . . በዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ይወሓጡ: ዘፍርይዎ ነገር ግን የለን” ይብል። ነፍሲ ወይ ድሌት እቶም ትጉሃት ግን ይማልኣሎም ወይ ይጸግብ እዩ።

ብዛዕባ እቶም ካብ ሓላፍነት ንኸምልጡ ኢሎም ህይወቶም ንየሆዋ ኻብ ምውፋይ ድሕርሕር ዝብሉ ሰባትከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ንምንባር ሃረር ይብሉ ይዀኑ: እንተዀነ ግን ነዚ ንምርካብ ስጕምቲ ኽወስዱ ፍቓደኛታት ድዮም፧ እቶም “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ:” ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክኣምኑ: ህይወቶም ንየሆዋ ኽውፍዩ: ከምኡውን ወፈያኦም ብማይ ብምጥማቕ ከርእዩ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ።—ራእይ 7:14, 15

ኣብ ጉባኤ መዓርግ ኤጲስቆጶስ ማለት ተዓዛቢ ንምዃን ምምጥጣር እንታይ ከም ዘጠቓልል እሞ ሕሰበሉ። ነዚ ሰናይ ግብሪ እዚ ንኽትበጽሖ ምምናይ ዝነኣድን ብቕዱሳት ጽሑፋት ዝተባባዕን እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1) ይኹን እምበር: ሃረር ምባል ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ነቲ ቦታ እቲ ንምብቃዕ ዘድሊ ባህርያትን ክእለታትን ምዅስኳስ ይሓትት። ነዚ ድማ ተጊህካ ምጽዓር የድሊ።

ጽድቂ ሓለዋ እያ

ጻድቕ: ኣምላኽ ዝፈትዎ ባህርያት የማዕብል: ሓቂ ድማ ይዛረብ እዩ። ሓሶት ምስ ሕጊ የሆዋ ዝጻረር ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። (ምሳሌ 6:16-19፣ ቈሎሴ 3:9) ኣብዚ መዳይ እዚ ሰሎሞን “ጻድቕ ንዘረባ ሓሶት ይጸልኦ: ረሲእ ግና ይንውርን የነውርን” በለ። (ምሳሌ 13:5) ጻድቕ ሓሶት ዘረባ ኣይዛረብን ጥራይ ዘይኰነስ ይጸልኦ እውን እዩ። ሓሶት ዘረባ ክፍኣት ዘይብሉ ይምሰል ብዘየገድስ: ንጽቡቕ ሰብኣዊ ርክባት ከም ዘበላሹ ይርድኦ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ንሓደ ዝሕሱ ሰብ ክትኣምኖ ኣጸጋሚ እዩ። ረሲእ እንተ ብምሕሳው ወይ ብኻልእ መገዲ ይንውርን የነውርን።

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ምግባር ጠቓሚ ምዃኑ ንምግላጽ “ጽድቂ ነቲ ብመገዱ ቕኑዕ ዝዀነ ትሕልዎ: ረሲእነት ግና ንሓጥእ የውድቖ” በለ። (ምሳሌ 13:6) ጽድቂ ንሰብ ልክዕ ከም ዕርዲ እያ ትሕልዎ: ረሲእነት ግን ተጥፍኦ።

ኣይተምስል

እቲ ንጉስ እስራኤል ባህሪ ሰብ ስለ ዝርድኦ ቀጺሉ “ገለ ዜብሉስ ንርእሱ ሃብታም ዜምስል አሎ: ብዙሕ ገንዘብ ከለዎስ: ንርእሱ ድኻ ዜምስል አሎ” በለ። (ምሳሌ 13:7) ሰብ ከምቲ ብደጊኡ እትርእዮ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ገሊኣቶም ድኻታት ምናልባት ንኽረኣየሎም ኢሎም: ወይ ዕዉታት ከም ዝዀኑ ንኸምስሉ: ወይ ንኸይሓስሩ ኢሎም ሃብታማት ከም ዝዀኑ የምስሉ እዮም። ሃብታም እውን ሃብቱ ንኽሓብእ ኢሉ ድኻ የምስል ይኸውን።

ኣምሰሉ ምዃን ወይ ምሕባእ ጽቡቕ ኣይኰነን። ጥሪትና ሒደት እንተ ዀይኑ: ዘሎና ንኸነምስል ኢልና ኣቝሑ ምቾት ንምዕዳግ ወጻኢ ምስ እንገብር: ንሕናን ስድራቤትናን ነቲ ንህይወት ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ክንስእን ንኽእል ኢና። ሃብቲ ኸለዎ ኽነሱ ድኻ ዝመስል ሰብ እውን በቃቐ ክኸውን ይኽእል እዩ: ነቲ ኻብ ልግስና ዝርከብ ክብረትን ሓጐስን ድማ ኣይረክብን። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ከም ዓቕምኻ ምንባር ግን ዝሓሸ ናብራ እዩ።

ዓይኒ ኣይተግፍሕ

ሰሎሞን “ሃብታም ብገንዘቡ ንህይወቱ ይብጀዋ: ድኻ ግና ዜፈራርሆ የብሉን” በለ። (ምሳሌ 13:8) እዚ ጥበብ ዘለዎ ምስላ እዚ እንታይ መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፍ፧

ሃብታም ምዃን እተወሰነ ረብሓታት እኳ እንተ ሃለዎ: ሃብቲ ግን ምሉእ በረኸት የምጽእ ማለት ኣይኰነን። ኣብዚ እንነብረሉ ኣጸጋሚ እዋን ሃብታማት ዘበሉ ገዛእ ርእሶም ኰነ ኣባላት ስድራቤቶም ክጭወዩን በጃ ኽሳዕ ዝኸፍሉ ጅሆ ኽተሓዙን ይኽእሉ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ሃብታም ሰብ ንህይወቱ ወይ ንህይወት ኣባል ስድራቤቱ ይብጀዋ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ግን እቲ እተጨውየ ይቕተል እዩ። ሃብታም ወትሩ በዚ ምስ ሰግአ እዩ።

ድኻ ግን በዚ ኸምዚ ኣይጭነቕን እዩ። እቲ ሃብታም ዝረኽቦ ጣዕሚ ናብራን ጥሪትን እኳ እንተ ዘይብሉ: ጨወይቲ ግን ኣየተኵሩሉን እዮም። እዚ ኸኣ ሓደ ኻብቲ ዓይኒ ብዘይምግፋሕን ሃብቲ ንኽንረክብ ኢልና ግዜናን ጕልበትናን ብዘይምጥፋእን ዝርከብ ረብሓ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 2:4

በቲ “ብርሃን” ተሓጐስ

ሰሎሞን ቀጺሉ ኸምቲ የሆዋ ዝደልዮ ምግባር ኣጸቢቑ ኸም ዝጠቕመና ገለጸ። “ብርሃን ጻድቃን ሕጉስ እዩ: መብራህቲ ረሲኣን ግና ኪጠፍእ እዩ” ድማ በለ።—ምሳሌ 13:9

መብራህቲ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንመገዲ ህይወትና ዘብርሃልና ነገር እዩ ዘመልክት። ‘ቃል ኣምላኽ ንእግሪ ጻድቃን መብራህቲ: ንመገዶም ብርሃን እዩ።’ (መዝሙር 119:105) ናይ ፈጣሪና ዘይውዳእ ፍልጠትን ጥበብን ይርከቦ እዩ። ብዛዕባ ፍቓድን ዕላማን ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእ ብዘመሓየሽና መጠን: እቲ ዝመርሓና መንፈሳዊ ብርሃን እናደመቐ ይኸይድ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን እዩ! እንታይ ገዲሱና ደኣ ኢና እሞ በቲ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይ በቲ ‘ብሓሶት ፍልጠት ተባሂሉ ዘሎ’ ኣቓልቦና ክውሰድ እነፍቅድ፧—1 ጢሞቴዎስ 6:20፣ 1 ቈረንቶስ 1:20፣ ቈሎሴ 2:8

ረሲእ ግን መብራህቱ ደሚቓ እተብርህ እኳ እንተ መሰለት ከምኡውን ዝበልጸገ እኳ እንተ መሰለ: መብራህቱ ኽትጠፍእ እያ። ኣብ ጸልማት ስለ ዝኣቱ: ኣእጋሩ ኽዕንቀፋ እየን። ብዘይካዚውን “ክፉእ ሰብ ተስፋ የብሉን።”—ምሳሌ 24:20 ትርጕም 1990

ኣብ ሓደ ዅነታት እንታይ ውሳነ ኸም እንውስን እንተ ጸጊሙና: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ስጕምቲ ንምውሳድ ሓላፍነትና እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ምስ እንጠራጠርከ፧ ምሳሌ 13:10 “ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእ” ብምባል ተጠንቅቕ። ብዘይ ፍልጠት ስጕምቲ ምውሳድ ወይ ኣብ ዘይቦታና ምእታው ትዕቢት እዩ: ምስሕሓብ ድማ የምጽእ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስቶም ፍልጠትን ምስትውዓልን ዘለዎም ካልኦት ምምኻርዶ ኣይምሓሸን፧ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ቀጺሉ “ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ” በለ።

ካብ ናይ ሓሶት ትጽቢታት ተጠንቀቕ

ገንዘብ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። እኹል ገንዘብ ምህላው ካብ ብቝጠባ ወይ ብድኽነት ምንባር ይሓይሽ። (መክብብ 7:11, 12) እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ ብግቡእ መገዲ ዘይተረኽበ ሃብቲ ዘሎና ኣረኣእያ ግን መታለሊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሰሎሞን “ብኸምኡ እተረኽበ ገንዘብ እናጐደለ ይኸይድ: ብኢድ ዚእከብ ግና እናበዝሔ ይኸይድ” ብምባል ኣጠንቀቐ—ምሳሌ 13:11

ንኣብነት: ምጥላዕ እስከ ንርአ። ሓደ ተጣላዒ ነቲ ጽዒሩ ዝረኸቦ ገንዘቡ: ብዙሕ ገንዘብ ንኽረክብ ኢሉ ኸጥፍኦ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: በዚ ምኽንያት እዚ ስድራቤቱ ወትሩ ኣብ ስቓይ እዮም! ምስ ዝሰልጦኸ እንታይ እዩ ዘጋጥም፧ እቲ ገንዘብ ብኸምኡ ስለ ዝመጸ: ተጠንቂቑ ኣይሕዞን ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ ብሃንደበት ዝረኸቦ ሃብቲ ብኸመይ ከም ዘመሓድሮ ኣይፈልጥን ይኸውን። እቲ ሃብቱ ኸምቲ ኣመጻጽኣኡ ቐልጢፉ ኽጠፍእ ደይኰነን ትጽቢት ዝግበረሉ፧ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ቀስ ብቐስ እተኣከበ ሃብቲ ማለት ብጻዕሪ በብቝሩብ ዝእከብ ገንዘብ ወትሩ እናበዝሐ እዩ ዝኸይድ: ኣብ ጽቡቕ መዓላ ድማ ይውዕል።

ሰሎሞን “ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ: እተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ” በለ። (ምሳሌ 13:12) ፍጻሜኡ ዘይረኸበ ትጽቢት ጓሂ ስለ ዘስዕብ: ንልቢ ኸማህምኖ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዘጋጥም እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰ ትጽቢት ከምዚ ዝኣመሰለ ሳዕቤን የብሉን። ፍጻሜኡ ኸም ዝረክብ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ዝደንጐየ እኳ እንተ መሰለና: ብዙሕ ኣየጕህየናን እዩ።

ንኣብነት: ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ከም ዝቐረበት ንፈልጥ ኢና። (2 ጴጥሮስ 3:13) መብጽዓታት ኣምላኽ ፍጻሜኡ ንኽረክብ ብሓጐስ ኢና ሃንቀው ኢልና እንጽበ። ነቲ እንጽበየሉ ግዜ “ብዕዮ ጐይታ” ትሑዛት ንምዃን: ንኣመንቲ ብጾትና ንምትብባዕ: ከምኡውን ምስ የሆዋ ዝጠበቐ ርክብ ንምምዕባል ምስ እንጥቀመሉ እንታይ እዩ ዝኸውን፧ ኣብ ክንዲ ‘ልብና ዝምህምን:’ ብሓጐስ ኢና እንምላእ። (1 ቈረንቶስ 15:58፣ እብራውያን 10:24, 25፣ ያእቆብ 4:8) ንነዊሕ ግዜ ትጽቢት እተገብረሉ ነገር ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን: ኦም ህይወት ማለት ብሓቂ ዘበራትዕን ዘሐድስን እዩ ዝኸውን።

ሕጊ ኣምላኽ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ

ምሳሌ 13:13 ንኣምላኽ እዙዝ ምዃን ኣገዳሲ ምዃኑ ኽትገልጽ ከላ “ነቲ ቓል ዚንዕቆ ንነፍሱ የጥፍኣ: ነቲ ትእዛዝ ዚፈርሆ ግና ኪከሐስ እዩ” ትብል። ቃል ኣምላኽ እንተ ዘይተኣዚዝና ጥፍኣት እዩ ዝመጸና። እንታይ ጥፍኣት ግን እዩ ዝመጸና፧

“ካብ ወጽመድ ሞት ምእንቲ ኸተምልጥሲ: ሕጊ ጠቢብ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።” (ምሳሌ 13:14) እቲ ልዕሊ ዅሉ ጥበበኛ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንዘውጽኦ ሕጊ ጠንጢንካ ምምልላስ: ዝበለጸን ነዊሕን ህይወት ንኽንነብር ካብ ዝሕግዘና መምርሒ ንርእስና ምሕራም ማለት እዩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጥፍኣት ኰን እዩ! ስለዚ: ቃል ኣምላኽ ምስ እነጽንዕን ብዛዕባኡ ምስ እነስተንትንን ነተሓሳስባናን ዘረባናን ተግባርናን ንኽጸልዎ ምስ እንፈቅድን ብጥበብ ንመላለስ ኣሎና ማለት እዩ።—2 ቈረንቶስ 10:5፣ ቈሎሴ 1:10

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ምቕባል ንርእስና እንግስጸሉ ብሉጽ መገዲ እዩ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

“ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ”

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

“ብዕዮ ጐይታ” ዕዙዛት ምዃን ሓጐስ የምጽኣልና