ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዚ ሰብኣይ እዚ ብመጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምቕያሩን ድሕሪኡን

እዚ ሰብኣይ እዚ ብመጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምቕያሩን ድሕሪኡን

“ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ”

እዚ ሰብኣይ እዚ ብመጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምቕያሩን ድሕሪኡን

ንሮልፍ-ሚኻኤል ሙዚቃ ህይወቱ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲኡውን እተፈላለየ ዓይነት ንኣእምሮ ዘደንዝዝ ነገራት ኣዘውቲሩ ይወስድ ነበረ። መንእሰይ ከሎ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ይሰቲ: ኤል.ኤስ.ዲ.: ኮከይን: ሓሽሽን ካልእ ንኣእምሮ ዘደንዝዙ ነገራትን ከኣ ይወስድ ነበረ።

ሓደ ግዜ ናብ ሓንቲ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ሓሽሽ ከእቱ ኸሎ: ተታሒዙ ን13 ወርሒ ተኣስረ። ኣብቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፎ እዋን ብዛዕባ ናይ ሓቂ ዕላማ ህይወት ንኽሓስብ ግዜ ረኸበ።

ሮልፍ-ሚኻኤልን ኡርሱላ ሰበይቱን ዕላማ ህይወት ክፈልጡ ሓያል ባህጊ ሓደሮም: ንሓቂ ድማ ክደልዩዋ ጀመሩ። ኣብተን ክርስትያናት ዝበሃላ ሃይማኖታት ባህ ዘየብል ነገራት እኳ እንተ ረኣዩ: ንኣምላኽ ንምፍላጥ ሓያል ባህጊ ነበሮም። ሕቶታት እኳ እንተ ነበሮም: ካብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ግን መልሲ ኣይረኸቡን። ብዘይካዚ እዘን ሃይማኖታት እዚኣተን ህይወቶም ንኽልውጡ ሓያል ድራኸ ኣየሕደራሎምን።

መወዳእታኡ ሮልፍ-ሚኻኤልን ኡርሱላን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸቡ። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ምስ ጀመሩ: ሮልፍ-ሚኻኤል በቲ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ዝብል ምዕዶ ልቡ ተተንከፈ። (ያእቆብ 4:8) ‘ነቲ ቐደም እተመላለሰሉ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጡ: ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክለብስ’ ቈሪጹ ተላዕለ።—ኤፌሶን 4:22-24

ሮልፍ-ሚኻኤል ሓድሽ ሰብ ክለብስ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ሓደ ውልቀ-ሰብ ብርጡብ “ፍልጠት” ገይሩ ንባህርያቱ “ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ” ማለት ከም ናይ የሆዋ ኣምላኽ ገይሩ ኸሐድሶ ኸም ዝኽእል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተማህረ፧—ቈሎሴ 3:9-11

ሮልፍ-ሚኻኤል ርጡብ ፍልጠት ከጥሪ ምስ ጀመረ: ምስ ስርዓታት ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዑ ኽመላለስ ደለየ። (ዮሃንስ 17:3) ወልፊ ሓሽሽ ምግዳፉ ኸቢድዎ እኳ እንተ ነበረ: ናብ የሆዋ ምጽላይን ሓገዙ ምርካብን ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ርእዩ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:14, 15) ምስቶም ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ዝጽዕሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጸቢቑ ምቅርራቡ እውን ጠቒምዎ እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ: ዓለም ኸም እትሓልፍ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ግና ንዘለኣለም ክነብር ምዃኑ ምፍላጡ ሓጊዝዎ እዩ። ነቲ ሓላፊ ዝዀነ ፍቕሪ ዓለም ዘይኰነስ: ነቲ ምስቲ ፈቃር ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ብምምስራት ዝረኽቦ ዘለኣለማዊ በረኸት ንኽመርጽ ኣኽኣሎ። (1 ዮሃንስ 2:15-17) በቲ ኣብ ምሳሌ 27:11 ዝርከብ “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” ዝብል ቃላት ልቡ ተተንከፈ። “የሆዋ ንሰባት ንልቡ ኸሐጕሱ ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተሎም: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንዕምቈት ፍቕሩ እያ እትገልጽ” በለ።

ልክዕ ከም ሮልፍ-ሚኻኤልን ሰበይቱን ሰለስተ ደቁን በማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኻልኦት ሰባት እውን ካብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞም እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ኣብተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ገሊኣተን ሃገራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስድራቤታት ዝበታትኑ ሓደገኛ ኣንቈራ ኸም ዝዀኑ ጌርካ ዘይስሞም ይወሃቦም እዩ። ናይ ሮልፍ-ሚኻኤል ተመክሮ ግን ኣንጻር ናይዚ ምዃኖም እዩ ዘርኢ።—እብራውያን 4:12

ሮልፍ-ሚኻኤል እታ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ንኽንህብ እትምሕጸነና ማቴዎስ 6:33 ናብ ቅኑዕ ኣንፈት እትሕብር ናይ ስድራቤቱ “ኮምፓስ” ከም ዝዀነት እዩ ዝገልጽ። ንሱን ስድራቤቱን ነቲ ክርስትያናት ብምዃን ረኺቦምዎ ዘለዉ ዘሐጕስ ህይወት ኣዝዮም እዮም ዘማስዉሉ። ከምቲ “ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ: ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ስምዒት እዩ ዘለዎም።—መዝሙር 116:12

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

ዝዓዪ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

ገለ ኻብቲ ንብዙሓት ሰባት ሕማቕ ወልፍታቶም ንኽገድፍዎ ዝሓገዞም ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንሆ:-

“ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ: እከይ ጽልኡ።” (መዝሙር 97:10) ሓደ ሰብ ሞት ከምጽእ ዝኽእል ነገራት እከይ ምዃኑ እንተ ኣሚንሉን ናይ ብሓቂ እንተ ጸሊእዎን: ንኣምላኽ ዘሐጕስ ነገር ንምግባር ዝቐለለ ዀይኑ እዩ ዝረኽቦ።

“ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።” (ምሳሌ 13:20) ሓደ ሰብ ወልፊ ሓሽሽ ኰነ ካልእ ወልፊ ዘትሕዝ ነገራት ንኸወግድ: ኣዕሩኽቱ ተጠንቂቑ ኽመርጽ ኣለዎ። ምስቶም ንዝገበሮ ውሳነ ዝድግፍዎ ክርስትያናት ዕርክነት ምምስራት ብሓቂ ጠቓሚ እዩ።

“ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:6, 7) ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ልብን ኣእምሮን ሰላም: ካብ ካልእ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይርከብን እዩ። ብጸሎት ኣብ ኣምላኽ ምውካል ከኣ ንሓደ ሰብ ኣብ ሓሽሽ ከይተጸግዐ ኣብ ህይወቱ ዘጋጥሞ ጸገማት ንኽዋጽኣሉ ይሕግዞ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ ንሰባት ንልቡ ኸሐጕሱ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ