ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ መዓልትታትና ብኸመይ ከም እንቘጽር ይምህረና

የሆዋ መዓልትታትና ብኸመይ ከም እንቘጽር ይምህረና

የሆዋ መዓልትታትና ብኸመይ ከም እንቘጽር ይምህረና

ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና።” መዝሙር 90:12

1. የሆዋ “መዓልትታትና ኽንቈጽር” ንኽምህረና ኽንሓቶ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

 የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪናን ወሃብ ህይወትናን ኢዩ። (መዝሙር 36:9፣ ራእይ 4:11) ስለዚ ዓመታት ህይወትና ብጥበባዊ መገዲ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ካብ የሆዋ ንላዕሊ ገይሩ ኸርእየና ዝኽእል የለን። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና” ኢሉ ምልማኑ ሓቁ ኢዩ ነይሩ። (መዝሙር 90:12) ነታ እዚ ልመና እዚ ተመዝጊቡላ ዘሎ መበል 90 መዝሙር ተጠንቂቕና ኽንምርምራ ይግብኣና። መጀመርታ ግን ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይዛ ብመለኮታዊ መገዲ እተጻሕፈት መዝሙር ብሕጽር ዝበለ መገዲ ንርአ።

2. (ሀ) ናይ መበል 90 መዝሙር ደራሲ መን ከም ዝዀነ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ: መዓስ ኢያኸ ተጻሒፋ ክትከውን እትኽእል፧ ለ) መበል 90 መዝሙር ንህይወትና ብኸመይ ኢያ ኽትንክፎ ዘለዋ፧

2 ቀቅድሚ እታ ቐዳመይቲ ቝጽሪ ናይ መበል 90 መዝሙር ዘሎ ጽሑፍ “ሙሴ: ናይ ኣምላኽ ሰብ: ዝጸለዮ ጸሎት” ይብል። እዛ መዝሙር እዚኣ ህይወት ሰብ ሓላፊ ምዃኑ ስለ እተጕልሕ እቲ ኻብ ግብጺ ሓራ ዝወጸ ኣብ በረኻ ኸኣ እተወድአ ዘይእሙን ወለዶ እስራኤላውያን ን40 ዓመት ኣብ ዝጐዓዘሉ ዝነበረ እዋን ኢያ ተጻሒፉ ክትከውን እትኽእል። ሽዑ ብኣሽሓት ዝቝጸር ህይወት ኢዩ ሃሊቑ። (ዘሁልቍ 32:9-13) እንተ በዚ እንተ በቲ መበል 90 መዝሙር ናይ ዘይፍጹማት ሰባት ህይወት ሓጺር ምዃኑ ኢያ እትነግረና። ስለዚ ነቲ ኽቡር መዓልትታትና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ከም ዘሎና እምበኣር ንጹር እዩ።

3. ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ መበል 90 መዝሙር እንታይ ኢዩ፧

3 ኣብ መበል 90 መዝሙር ካብ ቍጽሪ 1 ክሳዕ 6 የሆዋ ዘለኣለማዊ መዕቘቢና ኸም ዝዀነ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። ካብ ቍጽሪ 7 ክሳዕ 12 ነቲ ቐልጢፉ ዝሓልፍ ዓመታት ህይወትና: የሆዋ ብዝቕበሎ ኣገባብ ኽንጥቀመሉ ከም ዘሎና ይሕብር። ከምቲ ካብ ቍጽሪ 13 ክሳዕ 17 ተገሊጹ ዘሎ ኸኣ ጸጋ የሆዋን በረኸቱን ክንቅበል ልባዊ ባህጊ ኣሎና። እዛ መዝሙር እዚኣ ነቲ ነፍሲ ወከፍና ኸም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን እነሕልፎ ተመክሮ ኸም ዘይትነግር እተረጋገጸ ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ብመልክዕ ጸሎት ቀሪቡ ዘሎ ናይ ተወፋይነት ባህሪ ብብሕትና ኸነቕልበሉ ይግብኣና። ስለዚ እምበኣር ንመበል 90 መዝሙር ብዓይኒ እቶም ንኣምላኽ ውፉያት ዝዀኑ ሰባት ሓንቲ ብሓንቲ ንርኣያ።

የሆዋ ‘መዕቘቢና’ ኢዩ

4-6. የሆዋ “መዕቈቢ” ዝዀነና ብኸመይ ኢዩ፧

4 እቲ ጸሓፍ መዝሙር በዘን ዝስዕባ ቃላት ይጅምር:- “ጐይታየ: ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቈቢ ዀንካና። ኣኽራን ከይተወልደ: ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ: [“ብቕልውላው ኣብ ህላወ ከም ዝመጽእ ከይገበርካ:” NW] ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽ ኢኻ።”—መዝሙር 90:1, 2

5 የሆዋ እቲ ‘ዘለኣለማዊ ኣምላኽ:’ መንፈሳዊ ‘መዕቈቢና’ ኢዩ። (ሮሜ 16:26) ‘ጸሎት ብምስማዕ’ ንኽሕግዘና ወትሩ ድሉው ስለ ዝዀነ ዕቝባ ይስምዓና ኢዩ። (መዝሙር 65:2) ንዅሉ ጭንቀትና በቲ ፍቑር ወዱ ኣቢልና ናብ ሰማያዊ ኣቦና ስለ እንድርብዮ: ‘እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ንልብናን ሓሳብናን ይሕልዎ ኢዩ።’—ፊልጲ 4:6, 7፣ ማቴዎስ 6:9፣ ዮሃንስ 14:6, 14

6 ብምሳልያዊ ኣዘራርባ የሆዋ ‘መዕቈቢና’ ስለ ዝዀነ መንፈሳዊ ቅሳነት ንረክብ ኢና። ብዘይዚውን ነተን ንህዝቡ ሓቚፈን ዘለዋ ጉባኤታት ዘመልክት ‘ሕልፍኚ’ ኣዳልዩልና ኣሎ። ዕቝባ ዝዀኑና ፈቃራት ጓሶት ዝርከብዎ መንፈሳዊ ቦታ ድማ ኢዩ። (ኢሳይያስ 26:20፣ 32:1, 2፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:28, 29) ኣብ ርእሲ እዚውን ገሌና ንኣምላኽ ብምግልጋል ዝመጸ ናይ ነዊሕ ዓመታት ታሪኽ ካብ ዘለወን ስድራቤታት ዝመጻእና ብምዃንና: ኣምላኽ ‘ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቈቢ ምዃኑ’ ብብሕትና ተመኲርናዮ ክንከውን ንኽእል ኢና።

7. ኣኽራን ‘እተወልደ’ ምድሪ ኸኣ “ብቕልውላው” ኣብ ህላወ ዝመጸት ብኸመይ ኢዩ፧

7 የሆዋ ኣኽራን ‘ከይተወልደ’ ወይ ምድሪ ‘ከይተፈጥረት’ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ብኣረኣእያ ወድሰብ ነዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ኵሉ መልክዓታ: ቅመማታ: እተሓላለኸ ኣሰራርሓኣ ንምቛም ብርቱዕ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣኽራን ከም ‘እተወልዱ’ ምድሪ ኸኣ “ብቕልውላው” ከም ዝመጸት ምዝራቡ ነቲ የሆዋ ነዚ ነገራት እዚ ኽፈጥር ከሎ ዝዓመሞ ዓቢ ዕዮ ኣኽብሮት ኢዩ ዘርኢ ዘሎ። ንሕናኸ ነቲ ፈጣሪ ዝፈጠሮ ነገራት ብኸምኡ ዝኣመሰለ ኣኽብሮትን ሞሳን ክንርእዮዶ ኣይግብኣናን፧

የሆዋ ዅሉ ግዜ ኣብ ጐንና ኢዩ

8. የሆዋ “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም” ኣምላኽ ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳብ እንታይ ማለት ኢዩ፧

8 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ ዘመረ። እታ ኣብዚ “ዘለኣለም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ እትርከብ ቃል መወዳእታ ንዘለዎ ግናኸ ግዜኡ ዘይተወሰነ ነገራት እውን ከተመልክት ትኽእል ኢያ። (ዘጸኣት 31:16, 17፣ እብራውያን 9:15) ይኹን እምበር ኣብ መዝሙር 90:2 ይኹን ኣብ ካልእ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ንቐጻሊ ነገር ኢያ እተመልክት። (መክብብ 1:4) ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ኣብ ህላወ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ኣእምሮና ኽርድኦ ኣይክእልን ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ መጀመርታ ዀነ መወዳእታ የብሉን። (ኣንባቆም 1:12 NW) ኵሉ ግዜ ህያው: ንኽሕግዘና ድማ ወትሩ ድሉው ኢዩ።

9. እቲ ጸሓፍ መዝሙር ናይ ሓደ ሽሕ ዓመት ህላወ ወድሰብ ምስ ምንታይ ማዕረ ምዃኑ ኢዩ ገሊጹ፧

9 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ናይ ሓደ ሽሕ ዓመት ህላወ ወድሰብ ብዓይኒ ዘለኣለማዊ ፈጣሪ ኽርአ ከሎ ሓጺር ከም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ። ንኣምላኽ “ኣቱም ደቂ ሰብ: ተመለሱ: እናበልካ: ንሰብ ናብ መሬት ትመልሶ አሎኻ። ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሜኻ ኸም እዛ ትማሊ ዝሐለፈት መዓልትን ከም ምንቃሕ ለይትን እየን” ኢሉ ተዛረቦ።—መዝሙር 90:3, 4

10. ኣምላኽ ንሰብ ‘ናብ መሬት ከም ዝምለስ’ ዝገበሮ ብኸመይ ኢዩ፧

10 ሰብ መዋቲ ስለ ዝዀነ ኣምላኽ ‘ናብ መሬት ይመልሶ።’ እዚ ኸኣ ሰብ ከም ድኹም ሓመድ ኰይኑ ናብ “መሬት” ይምለስ ማለት ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ኢዩ የሆዋ ‘ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ተመለስ’ ዝብል። (ዘፍጥረት 2:7፣ 3:19) እዚ ኣብ ኵሉ ሰብ—ሓያል ይኹን ድኹም: ሃብታም ይኹን ድኻ—ዝውዕል ኢዩ: ከመይሲ ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ሓደ እውን ይኹን ‘ንሓዋሩ ኽነብር ኢሉ ንሓዉ ክብጀዎ: ጋር ነፍሲ ንኣምላኽ ክህበሉ ዝኽእል የልቦን።’ (መዝሙር 49:6-9) ይኹን እምበር ‘ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ ንወዱ በጃ ስለ ዝሃበ’ ኣዚና ኸነመስግን ዝግብኣናዶ ኸይኰነ!—ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 6:23

11. ንዓና ነዊሕ መሲሉ ዝረኣየና ግዜ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጺር ኢዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

11 እቲ 969 ዓመታት ገይሩ ዝነበረ ማቱሳላ እውን ከይተረፈ ብዓይኒ የሆዋ ኽርአ ኸሎ ዕድሚኡ ሓንቲ መዓልቲ እውን ኣይመልአትን። (ዘፍጥረት 5:27) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሽሕ ዓመት ከምዛ ትማሊ ዝሓለፈት 24 ሰዓት ጥራይ ዘለዋ መዓልቲ ኢያ። ብዘይዚውን እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሽሕ ዓመት ከምታ ሓደ ሓላዊ ለይቲ ዝሕልወለን ኣርባዕተ ሰዓታት ምዃና ጠቒሱ ኣሎ። (መሳፍንቲ 7:19) ስለዚ እምበኣር: ንዓና ነዊሕ መሲሉ ዝረኣየና ግዜ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘለኣለማዊ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኣዝዩ ሓጺር ኢዩ።

12. ኣምላኽ ንደቅሰብ ‘ዝገፎም’ ብኸመይ ኢዩ፧

12 እዚ ሕጂ ዘሎ ህይወት ወድሰብ ምስቲ ዘለኣለማዊ ህላወ ኣምላኽ ክነጻጸር ከሎ ሓጺር ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ከም ብውሒዝ ትገፎም: ከም ትኽስታ እዮም: ከምቲ ብጊሓት ዚልምልም ሳዕሪ: ንግሆ ይዕምብብ ይልምልም ድማ: ኣጋ ምሸት ይዕጸድ እሞ ይነቅጽ” በለ። (መዝሙር 90:5, 6) ሙሴ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እስራኤላውያን ብኣምላኽ ‘ከም ብውሒዝ እናተገፉ’ ኣብ በረኻ ኽሞቱ ኸለዉ ርእዩ ኢዩ። እዚ ኣብ መዝሙር ዘሎ ሓሳብ “ንሰባት ብድቃስ ሞት ትገፎም” ተባሂሉ እውን ተተርጒሙ ኣሎ። (ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን) በቲ ኻልእ ሸነኽ ክርአ ኸሎ ኸኣ ዕምሪ ዘይፍጹማት ሰባት ኣዝዩ ሓጺር ብምዃኑ ምስ “ትኽስታ” ተመሳሲሉ ኣሎ።

13. ‘ከም ሳዕሪ’ ዝዀንና ብኸመይ ኢና: እዚኸ ንኣተሓሳስባና ብኸመይ ክትንክፎ ይግባእ፧

13 ንሕና ልክዕ ‘ከምቲ ንግሆ ዝዕምብብ’ ብርቱዕ ጸሓይ ምስ ወቕዖ ግን ኣጋ ምሸት ዝጽምሉ ‘ሳዕሪ’ ኢና። እወ: ህይወትና ኸምቲ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ዝጽምሉ ግዝያዊ ሳዕሪ ኢዩ። ስለዚ ነዚ ኽቡር መዝገብ እዚ ብኸንቱ ኣይነጥፍኣዮ። ኣብ ክንድኡ ነቲ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ተሪፉና ዘሎ ግዜ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም ዘሎና ንኽንፈልጥ ካብ ኣምላኽ መምርሒ ኽንደሊ ኣሎና።

የሆዋ ‘መዓልትታትና ኽንቈጽር’ ይሕግዘና

14, 15. መዝሙር 90:7-9 ኣብ እስራኤላውያን እንታይ ፍጻሜ ነበራ፧

14 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ቀጺሉ ንኣምላኽ ከምዚ በሎ:- “ብዅራኻ ጠፊእና ኢና እሞ: ብቝጥዓኻውን ሰምቢድና። ንኣበሳና ኣብ ቅድሜኻ: ንሕቡእ ሓጢኣትናውን ኣብ ብርሃን ገጽካ ተቝሞ አሎኻ። ብዘሎ መዓልትታትና ብቝጥዓኻ ይሐልፍ: ዓመታትና ኸም እህህታ ነሕልፈን አሎና።”መዝሙር 90:7-9

15 እቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ‘ብዅራ ኣምላኽ ጠፊኦም ኢዮም።’ ‘ብቝጥዓኡውን ሰንበዱ።’ ገሊኣቶም ከኣ ብፍርዲ ኣምላኽ “ኣብ በረኻ ተወድኡ።” (1 ቈረንቶስ 10:5) የሆዋ ‘ንኣበሳኦም ኣብ ቅድሚኡ ኣቘሞ።’ በቲ ቕሉዕ ኣበሳኦም ተሓተትቲ ገይርዎም ኢዩ: እቲ ‘ሕቡእ ሓጢኣቶም’ እውን ከይተረፈ ‘ኣብ ብርሃን ገጹ ቈይሙ ኢዩ።’ (ምሳሌ 15:3) እቶም ዘይተናስሑ እስራኤላውያን ቍጥዓ ኣምላኽ ስለ ዝወረዶም ‘ዓመታቶም ከም እህህታ ኣሕለፍወን።’ በዚ መገዲ እዚ ኽርአ ኸሎ እቲ ሓጺር ዕምርና ልክዕ ከምቲ እህህ ክንብል ከሎና ብኣፍና ዝወጽእ እስትንፋስ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ።

16. ገሊኣቶም ብሕቡእ ሓጢኣት ዝፍጽሙ እንተድኣ ዀይኖም: እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧

16 ብሕቡእ ሓጢኣት እንተድኣ ፈጺምና: ንግዜኡ ካብ ሰባት ክንክውሎ ንኽእል ንኸውን። ይኹን እምበር: እቲ ሕቡእ ኣበሳና ‘ኣብ ብርሃን ገጽ [የሆዋ] ይቐውም:’ ተግባራትና ኸኣ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ የበላሽዎ። ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ንምምስራት ሕድገት ሓጢኣት ክንረክብ ክንጽሊ: ኣበሳና ኽንሓድግ: ካብ ክርስትያን ሽማግለታት ከኣ ብሞሳ መንፈሳዊ ሓገዝ ክንቅበል ይግብኣና። (ምሳሌ 28:13፣ ያእቆብ 5:14, 15) ከምዚ ምግባርሲ ‘ዓመታትና ብእህህታ ካብ ምሕላፍን’ ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋና ኸኣ ኣብ ሓደጋ ካብ ምእታውን ክንደይ ዝበልጽ ኰን ኢዩ!

17. ዕምሪ ሰባት ብሓፈሻ ኽንደይ ኢዩ: ዓመታትናኸ ብምንታይ ዝመልአ ኢዩ፧

17 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ዕምሪ ዘይፍጹማት ሰባት “መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት: እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ: ቀልጢፉ ይሐልፍ: ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ: ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ” በለ። (መዝሙር 90:10) ዕምሪ ሰባት ብሓፈሻ 70 ዓመት እኳ እንተ ነበረ ካሌብ ኣብ 85 ዓመት ዕድሚኡ ካብቲ ልሙድ እተፈልየ ሓይሊ ከም ዝነበሮ ጠቒሱ ኣሎ። ይኹን እምበር ከም ኣሮን (123): ሙሴ (120): እያሱ (110) ዝኣመሰሉ ፍሉያት ሰባት ከኣ ነይሮም ኢዮም። (ዘሁልቍ 33:39፣ ዘዳግም 34:7፣ እያሱ 14:6, 10, 11፣ 24:29) ካብቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ ዘይእሙናት ወለዶ ግን ካብ 20 ዓመት ንላዕሊ ዘበሉ ዅሎም ቍጹራት ኣብ ውሽጢ ኣርብዓ ዓመት ሞቱ። (ዘሁልቍ 14:29-34) ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ ሓፈሻዊ ዕምሪ ወድሰብ ካብቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ ኣይሓልፍን ኢዩ። ዓመታትና “ጻዕርን መከራን” ዝመልኦ ኢዩ። “ቀልጢፉ ይሓልፍ: ነፊርናውን ንኸይድ።”—እዮብ 14:1, 2

18, 19. (ሀ) “ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር” ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ብጥበብ ምምልላስና እንታይ ንኽንገብር ኢዩ ዝድርኸና፧

18 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ቀጺሉ “ከም ዚግባእ ምእንቲ ኺፈርሃካ ኢሉስ: ንሓይሊ ኵራኻን ንቝጥዓኻን ዚሐስብከ መን እዩ፧ ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 90:11, 12) ሓደ እኳ ኻባና ሓይሊ ኣምላኽ ወይ ከኣ መጠን ቍጥዓኡ ምሉእ ብምሉእ ክፈልጥ ዝኽእል ስለ ዘየለ ነቲ ንዕኡ እነርእዮ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ከለዓዕለልና ይግባእ። “ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና” ኢልና ንኽንሓቶ እውን ክንድረኽ ይግብኣና።

19 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዘውስአን ቃላት ኣብ ጸሎቱ እተዛረበን ክዀና ኸለዋ: የሆዋ ንህዝቡ ነተን ዝተረፋኦም መዓልትታት ንሱ ብዝሰምሮ መገዲ ንኽጥቀሙለን ዝምህር ምዃኑ ዘርእያ ኢየን። ሰብዓ ዓመታት: 25,500 ዝኸውን መዓልትታት ዝሓዛ ኢየን። ይኹን እምበር: ዓመታትና ብዘየገድስ ‘ንቕሩብ ግዜ ተርእዩስ: ደሓር ዝበንን ትኪ ስለ ዝዀንና ነቲ ጽባሕ ዝኸውን ኣይንፈልጥን ኢና።’ (ያእቆብ 4:13-15) ‘ንዅላትና ግዜን ኣጋጣምን ስለ ዝመጸና’ ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ ኽንነብር ኢና ኽንብል ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ እምበኣር: ንፈተናታት ክንዋጽኣሉ: ንኻልኦት ብግቡእ ክንሕዞም: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሕጂ ዝከኣለና ክንገብር ዘኽእለና ጥበብ ክወሃበና ንጸሊ። (መክብብ 9:11፣ ያእቆብ 1:5-8) የሆዋ ብቓሉን ብመንፈሱን ብማሕበሩን ገይሩ ይመርሓና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45-47፣ 1 ቈረንቶስ 2:10፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ብጥበብ ንመላለስ እንተድኣ ዄንና ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ’ ንመዓልትታትና ኸኣ ንየሆዋ ብዘኽብርን ንልቡ ብዘሐጕስን መገዲ ኽንጥቀመሉ ይድርኸና ኢዩ። (ማቴዎስ 6:25-33፣ ምሳሌ 27:11) ብምሉእ ልብና ንየሆዋ ምምላኽ ንዅሉ ግድላትና ዘየርሕቖ እኳ እንተዀነ ዓቢ ሓጐስ ከምጽኣልና ይኽእል ኢዩ።

በረኸት የሆዋ ሓጐስ የምጽኣልና

20. (ሀ) ኣምላኽ ብኸመይ ኢዩ ‘ዝጠዓስ፧’ (ለ) ከቢድ በደል ድሕሪ ምፍጻምና ናይ ሓቂ ነስሓ እንተድኣ ኣርኢና የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ዝምልከተና፧

20 ነተን ዝተረፋ ዓመታት ህይወትና ብምሉአን ተሓጒስና ኸነሕልፈንሲ ኽንደይ ዘደንቕ ኰን ኢዩ! ኣብዚ መዳይ እዚ ሙሴ “ጐይታይ: ተመለስ: ክሳዕ መኣዝ፧ ንባሮትካ ምሐሮም [“ጣዕሳ ኣርእዮም:” NW]። ኵለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናንሲ: ንግሆ ጸጋኻ [“እሙን ፍቕርኻ:” NW እግረ-ጽሑፍ] ኣጽግበና” ብምባል ይልምን። (መዝሙር 90:13, 14) ኣምላኽ ኣይጋገን ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ እተናስሑ በደለኛታት ኣብ ኣመለኻኽትኦምን ኣብ ጠባያቶምን ለውጢ እንተድኣ ገይሮም ‘ብምጥዓስ’ ቍጥዓኡ ካብ ምፍናውን መቕጻዕቲ ካብ ምውራድን ‘ይምለስ’ ኢዩ። (ዘዳግም 13:17) ስለዚ እምበኣር: ከቢድ ሓጢኣት ምስ ፈጸምና እውን ከይተረፈ ናይ ሓቂ ነስሓ እንተድኣ ኣርኢና የሆዋ ‘ጸጋኡ ኸጽግበና’ ኢዩ: ‘እንሕጐሰሉ’ ምኽንያት ከኣ ይህልወና። (መዝሙር 32:1-5) ደድሕሪ ጽድቂ ብምስዓብ ከኣ ነቲ እሙን ፍቕሪ ኣምላኽ ከነስተማቕሮ ኣብ “ኵለን መዓልትታትና:” እወ: ኣብቲ ዝተረፈ ናብራ ህይወትና ‘ባህ ክብለና’ ኢዩ።

21. ኣብ መዝሙር 90:15, 16 ሙሴ እንታይ ኢዩ ዝሓትት ነይሩ ክኸውን ዝኽእል፧

21 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ብምባል ልባዊ ጸሎት የቕርብ:- “ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልትታትን: ክፉእ ዝርኤናለን ዓመታትን ኣሐጕሰና። ግብርታትካ ንባሮትካ: ክብርኻውን ንውሉዶም ግለጽ።” (መዝሙር 90:15, 16) ሙሴ ንኣምላኽ ብመጠን እተን ወይ ማዕረ እተን ብጭንቂ ዘሕለፍወን መዓልትታትን ክፉእ ዝረኸቡለን ዓመታትን ብምብራኽ ንእስራኤላውያን ከሐጕሶም ኢዩ ዝሓቶ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን እናባረኸ ዝፍጽሞ “ግብርታት” ንኣገልገልቱ ኸግህደሎምን ክብሩ ንውሉዶም ወይ ንዘርኦም ክገልጸሎምን ሓተቶ። በዚ መሰረት እዚ ንሕና እውን ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ንዅሎም እዙዛት ደቅሰብ በረኸቱ ኸፍስሰሎም ክንጽሊ ንኽእል ኢና።—2 ጴጥሮስ 3:13

22. ብመሰረት መዝሙር 90:17 ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧

22 መበል 90 መዝሙር “ጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን: ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና: እወ: ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ” ብዝብል ልመና ትድምድም። (መዝሙር 90:17) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎቱ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ንኽባርኸና ኽንጽሊ ከም እንኽእል ኢየን ዝሕብራና። ካብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ወይ ካብቶም ብጾቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ከም ምዃንና መጠን “ጸጋ እግዚኣብሄር” ምሳና ምህላዉ የሐጕሰና ኢዩ። (ዮሃንስ 10:16) ኣብቲ ከም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዄንና እንፍጽሞ ዕዮ ዀነ ኣብ ካልእ ንጥፈታትና ‘ተግባር ኣእዳውና ኸስልጠልና’ ምርኣይሲ ክንደይ ኰን ዘሐጕስ ኢዩ!

መዓልትታትና ንቝጸር

23, 24. ንመበል 90 መዝሙር ምስ እነስተንትነላ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

23 ንመበል 90 መዝሙር ምስ እነስተንትነላ: ኣብቲ “መዕቈቢና” ዝዀነ የሆዋ ንዘሎና ትውክልቲ ኸም ዝዓቢ ይገብሮ። ብዛዕባ ሓጺር ዕምሪ ወድሰብ ንእተዋህበ ሓሳባት ብምስትንታን ኣምላኽ መዓልትታትና ኣብ ምቝጻር መሪሕነቱ ኽህበና ንኽንሓቶ ልባዊ ድሌት ከነሕድር ይግብኣና። ተጊህና ኣምላኻዊ ጥበብ ንደልን ብኣኣ ንመላለስን እንተድኣ ዄንና: የሆዋ ጸጋኡን በረኸቱን ከም ዝህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

24 የሆዋ ብኸመይ መዓልትታትና ኽንቈጽር ከም ዘሎና ከርእየና ኢዩ። ንመምርሒታቱ እንተድኣ ተቐቢልናዮ መዓልትታትና ንዘለኣለም ኽንቈጽር ክንክእል ኢና። (ዮሃንስ 17:3) ናይ ዘለኣለም ህይወት ብሓቂ ንደሊ እንተድኣ ዄንና እምበኣር: ንየሆዋ ዕቝባና ኽንገብሮ ኣሎና። (ይሁዳ 20, 21) ኣብቲ ቐጺሉ ዘሎ ዓንቀጽ ከም እንርእዮ: እዚ ነጥቢ እዚ ኣብቲ ዘተባብዕ ቃላት መበል 91 መዝሙር ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሆዋ “መዕቈቢና” ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

• የሆዋ ንኽሕግዘና ወትሩ ድሉው ኢዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

• የሆዋ “መዓልትታትና ኽንቈጽር” ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

• ‘ኵለን መዓልትታትና ኽንሕጐሰለን’ ዘኽእለና እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ “ኣኽራን ከይተወልደ” ኣምላኽ ነበረ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ብኣረኣእያ የሆዋ እቲ 969 ዓመት ገይሩ ዝነበረ ማቱሳላ ዕድሚኡ ሓንቲ መዓልቲ እውን ኣይመልአትን

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ‘ንተግባር ኢድና ኣስሊጥዎ ኢዩ’