ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እታ ጊዜ በጺሓ”

“እታ ጊዜ በጺሓ”

“እታ ጊዜ በጺሓ”

‘ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዝኸደላ ግዜኡ በጽሔት።’​—⁠ዮሃንስ 13:⁠1

1. ፋስጋ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ቀረበ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ግምታዊ ሓሳባት ኢዩ ዝወሃብ ዝነበረ: ስለምንታይከ፧

 የሱስ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ብምጥማቕ: ናብ ‘ግዜ’ ሞቱን ትንሳኤኡን ክብሩን ዝመርሕ ጕዕዞ ህይወት ጀመረ። ሕጂ እዋኑ ጽድያ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ። እቲ ናይ ኣይሁድ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ: ሳንሄድሪን: ንየሱስ ከቕትሎ ካብ ዝመክር ሒደት ሰሙናት ጥራይ ኢዩ ሓሊፉ። በቲ ምስኡ ዝቀራረብ ዝነበረ ኣባል ሳንሄድሪን ዝዀነ ኒቆዲሞስ ኣቢሉ ክኸውን ይኽእል: ብዛዕባ ውጥኖም ምስ ፈለጠ: የሱስ ንየሩሳሌም ሓዲጉ ኣብ ስግር ርባ ዮርዳኖስ ኣብ ዘላ ዓዲ ኸደ። በዓል ፋስጋ ክቐርብ ከሎ: ብዙሓት ሰባት ካብታ ዓዲ ናብ የሩሳሌም ከዱ: ኣብታ ኸተማ ኸኣ ብዛዕባ የሱስ ግምታዊ ሓሳባት ይወሃብ ነበረ። ሰባት ንሓድሕዶም “እንታይ ይመስለኩም፧ ናብዚ በዓል ደዀን ኣይመጽእን እዩ፧” ኢሎም ይሓቱ ነበሩ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ንየሱስ ዝረኣዮ ሰብ ዘለዋ ቦታ ክሕብሮም ትእዛዝ ብምውጻእ ነቲ ዝነበረ ህንጥዮት ኣጐሃሃርዎ።​—⁠ዮሃንስ 11:⁠47-57

2. እንታይ ማርያም ዝገበረቶ ግብሪ ኢዩ ክትዕ ዘልዓለ: እቲ የሱስ ኣብ ክንድኣ ዀይኑ እተዛረቦኸ ብዛዕባ “ጊዜኡ” እንታይ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝሕብር፧

2 ካብ ፋስጋ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣቐዲሙ ኣብ 8 ኒሳን የሱስ እንደገና ናብ ከባቢ የሩሳሌም ተመልሰ። እቶም ዘፍቅሮም ፈተውቱ ማርታን ማርያምን ኣልኣዛርን ናብ ዝነብሩላ ከተማ ቢታንያ ኢዩ መጺኡ። እዛ ከተማ እዚኣ ካብ የሩሳሌም 3 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ። ዓርቢ ምሸት ኢዩ ነይሩ: የሱስ ከኣ ንጽባሒቱ ኣብታ ከተማ እቲኣ ኣሕለፎ። ንምሸቱ ማርያም ክቡር ቅብኢ ገይራ ከተገልግሎ ኸላ ደቀ መዛሙርቱ ተቓወምዋ። የሱስ ‘ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ: ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ: ንመዓልቲ ቐብረይ ሓልያቶ ኢያ: ሕደግዋ’ በለ። (ዮሃንስ 12:⁠1-8፣ ማቴዎስ 26:⁠6-13) የሱስ “ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት” ይፈልጥ ኢዩ። (ዮሃንስ 13:1) ድሕሪኡ ሓሙሽተ መዓልቲ ጸኒሑ ‘ህይወቱ በጃ ብዙሓት ክህብ’ ነበሮ። (ማርቆስ 10:⁠45) ስለዚ ኸኣ የሱስ ኣብ ዝገብሮን ዝምህሮን ዘበለ ዅሉ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣሕደረ። ኣየ እዝስ ኣብዚ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ብሃንቀውታ እንጽበየሉ ዘሎና እዋን ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ኣብነት ኰን ኢዩ ዝዀነና! ንጽባሒቱ ኣብ የሱስ እንታይ ከም እተፈጸመ ንርአ።

እታ የሱስ ከም ሓደ ዕዉት ሰብ ኰይኑ ዝኣተወላ መዓልቲ

3. (ሀ) የሱስ ሰንበት 9 ኒሳን ኣብ የሩሳሌም ዝኣተወ ብኸመይ ኢዩ: መብዛሕትኦም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባትከ ብኸመይ ተቐበልዎ፧ (ለ) የሱስ ነቶም ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ዘጕረምረሙ ፈሪሳውያን እንታይ ኢሉ መለሰሎም፧

3 ሰንበት 9 ኒሳን የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ሓደ ዕዉት ሰብ ኰይኑ ብሓጐስ መጸ! ንፍጻሜ ዘካርያስ 9:⁠9 ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብታ ከተማ ምስ ቀረበ: መብዛሕትኦም እቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ህዝቢ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ: ካልኦት ድማ ጨናፍር ኣእዋም እናሰልዑ ነስነሱ። “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ” እናበሉ ድማ ጨደሩ። ምስቲ እኩብ ህዝቢ ዝነበሩ ገለ ገለ ፈሪሳውያን የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ክገንሖም ደለዩ። የሱስ ግን “እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ: እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም” ኢሉ መለሰ።​—⁠ሉቃስ 19:⁠38-40፣ ማቴዎስ 21:⁠6-9

4. የሱስ ናብ የሩሳሌም ክኣቱ ኸሎ እታ ኸተማ እተባዕደት ስለምንታይ ኢያ፧

4 ሒደት ሰሙናት ኣቐዲሙ: ኣብቲ እኩብ ህዝቢ ዝነበሩ ብዙሓት የሱስ ንኣልኣዛር ከተንስኦ ኸሎ ርእዮምዎ ኢዮም። እዚኣቶም ብዛዕባ እቲ ተኣምራት እቲ ንኻልኦት ኣዘንተዉሎም። ስለዚ የሱስ ንየሩሳሌም ክኣቱ ኸሎ ምልእቲ ኸተማ ተባዓደት። ሰባት “መን እዩ እዚ፧” ኢሎም ይሓቱ ነበሩ። እቶም እኩባት ህዝቢ ድማ “እዚ ነብዪ የሱስ: ብዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ” በሉ። እቶም ፈሪሳውያን ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ነገር ርእዮም “ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ አሎ” ኢሎም ኣስቈርቈሩ።​—⁠ማቴዎስ 21:⁠10, 11፣ ዮሃንስ 12:⁠17-19

5. የሱስ ናብታ ቤት መቕደስ ምስ ከደ እንታይ ተፈጸመ፧

5 የሱስ: እቲ ዓቢ መምህር: ከምቲ ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተወ ኵሉ ግዜ ዝገብሮ ክምህር ኢሉ ናብ ቤት መቕደስ ከደ። ኣብኡ ኸኣ ዕዉራትን ሓንካሳትን ይመጹ እሞ የሕውዮም ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን እዚ ምስ ረኣዩ: ቈልዑውን ኣብ ቤት መቕደስ ኰይኖም “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት” ኢሎም ክጭድሩ ምስ ሰምዑ ተቘጥዑ። “እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ አሎኻ፧” በልዎ። የሱስ “እወ: ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ: ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧” ኢሉ መለሰ። የሱስ ክምህር ከሎ ነቲ ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝፍጸም ዝነበረ ነገራት ኣጸቢቑ ይዕዘብ ነበረ።​—⁠ማቴዎስ 21:⁠15, 16፣ ማርቆስ 11:⁠11

6. ኣቀራርባ የሱስ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ እተፈልየ ብኸመይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧

6 ኣቀራርባ የሱስ ካብቲ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ይገብር ዝነበሮ ክንደይ እተፈልየ ኰን ኢዩ! ኣብቲ ግዜ እቲ በዓል ዳስ ከብዕል ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ: “ግናኸ ተሐቢኡ እምበር: ብግሁድ ኣይኰነን።” (ዮሃንስ 7:⁠10) ንህይወቱ ኣብ ስግኣት ዘውድቕ ኵነታት ከጋጥሞ ኸሎ ኸኣ ኵሉ ግዜ ብሰላም ንምውጻእ ስጕምቲ ይወስድ ነበረ። ሕጂ ግን ኣብቲ ንኽተሓዝ ትእዛዝ እተመሓላለፈሉ ከተማ ብግልጺ ኣተወ! ንኻልኦት መሲሕ ምዃኑ ምንጋር እውን ልምዲ የሱስ ኣይነበረን። (ኢሳይያስ 42:⁠2፣ ማርቆስ 1:⁠40⁠-​44) ብጫውጫው ክፍለጥ ወይ ከኣ ብዛዕብኡ እተዛብዐ ጸብጻብ ካብ ኣፍ ናብ ኣፍ ክመሓላለፍ ኣይደልን ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን እቶም ህዝቢ ብግልጺ ንጉስን መድሓንን​—⁠መሲሕ​—⁠ኢሎም ጸውዕዎ። ነቶም ህዝቢ ስቕ ከብሎም እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ሓተትዎ ድማ ገንሖም! እዚ ለውጢ እዚ ዝገበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ከምቲ የሱስ ንጽባሒቱ ዝበሎ “ወዲ ሰብ ኪኸብር: ጊዜኡ በጺሓ እያ።”​—⁠ዮሃንስ 12:23

ትብዓት ዝመልኦ ስጕምቲ: ጸኒሑ ኸኣ ህይወት ዘድሕን ትምህርቲ

7, 8. እቲ የሱስ ብ10 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝወሰዶ ስጕምቲ ምስቲ ብ30 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ መዓልቲ ፋስጋ ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝወሰዶ ስጕምቲ ዝመሳሰል ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧

7 የሱስ ሰኑይ 10 ኒሳን ኣብቲ ቤት መቕደስ ምስ በጽሐ: በቲ ኣብ ድሮኡ ድሕሪ ቐትሪ ዝረኣዮ ነገራት ስጕምቲ ይወስድ። ነቶም ‘ኣብታ ቤተ መቕደስ ኰይኖም ዝሸጡን ዝሻየጡን ከውጽኦም: ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ክድንክል ጀመረ። ሓደ እኳ ኣቕሓ ጾይሩ በታ ቤት መቕደስ ክሓልፍ ከኣ ኣይፈቐደን።’ ነቶም ገበርቲ እከይ ብምዅናን ከኣ “ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሀል: ጽሑፍ ደይኰነን፧ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ” በሎም።​—⁠ማርቆስ 11:15-17

8 እቲ የሱስ ዝገበሮ ምስቲ ሰለስተ ዓመት ይገብር ኣብ 30 ከ.ኣ.ዘ. ናብታ ቤት መቕደስ ምስ ከደ ዝወሰዶ ስጕምቲ ዝመሳሰል ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: እቲ ዅነኔ ኣብዚ ዳሕረዋይ ዝያዳ ብርቱዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝነበሩ ነጋዶ “ጐሓሉት” ተባሂሎም ኣለዉ። (ሉቃስ 19:45, 46፣ ዮሃንስ 2:​13-​16) ነቶም ንመስዋእቲ ዝዀኑ እንስሳታት ክዕድጉ ዝደልዩ ብኽቡር ዋጋ ይሸጡሎም ስለ ዝነበሩ ከምኡ ክበሃሉ ዝግብኦም ኢዩ። እቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍትን ኣሕሉቕ እቲ ህዝብን ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ ሰምዑ እሞ እንደገና ክቐትልዎ ደለዩ። ብኸመይ ከም ዝቐትልዎ ግን ጠፍኦም: ከመይሲ ኵሎም እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገሪሞም ክሰምዕዎ ኢሎም ይዓስልዎ ኢዮም ነይሮም።​—⁠ማርቆስ 11:⁠18፣ ሉቃስ 19:⁠47, 48

9. የሱስ እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝማሃረ: ነቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝነበሩ ሰማዕቱኸ እንታይ ዕድመ ኣቕረበሎም፧

9 የሱስ ኣብቲ ቤት መቕደስ ትምህርቱ ብምቕጻል “ወዲ ሰብ ኪኸብር: ጊዜኡ በጺሓ እያ” በለ። እወ: ሰብኣዊ ህይወቱ ዘብቅዓሉ እዋን ሒደት መዓልትታት ጥራይ ከም ዝተረፎ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ምስ ኣማውትኡን ንኻልኦት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምሃብ መገዲ ምዃኑን ብምትሕሓዝ ሓንቲ ዘርኢ ስርናይ ፍረ ንኸተፍሪ ቅድም ክትመውት ከም ዘለዋ ብምግላጽ ንሰማዕቱ ከምዚ ዝብል ዕድመ ኣቕረበሎም:- “ዜገልግለኒ እንተሎስ: ንኣይ ይስዐበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ: ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ።”​—⁠ዮሃንስ 12:⁠23-26

10. የሱስ ብዛዕባ እቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ስቓይ ዝመልኦ ሞቱ ከመይ ተሰምዖ፧

10 የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራይ ተሪፍዎ ዝነበረ ስቓይ ዝመልኦ ሞቱ ብምሕሳብ ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “ሕጅስ ነፍሰይ ጕህያ አላ: እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ: ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ።” ይኹን እምበር እቲ ንየሱስ ዝጽበዮ ዝነበረ ነገር ክውገድ ዘይክእል ኢዩ ነይሩ። “ግናኸ ምእንትዚ ናብዛ ሰዓት እዚኣ መጻእኩ” ድማ በለ። ብርግጽ የሱስ ምስ ብምሉኡ እቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ምድላዋት ተሰማሚዑ ኢዩ ነይሩ። ክሳዕ እቲ መስዋእታዊ ሞቱ ብመለኮታዊ ፍቓድ ክምራሕ ቈረጸ። (ዮሃንስ 12:⁠27) ንመለኮታዊ ፍቓድ ምሉእ ብምሉእ ተገዛኢ ብምዃን ዝመጸ ኣየ ከመይ ዝበለ ኣብነት ኰን ኢዩ ሰሪዑልና ዘሎ!

11. የሱስ ነቶም ካብ ሰማይ ድምጺ ዝሰምዑ ብዙሓት ህዝቢ እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝሃቦም፧

11 ሞቱ ንስም ኣቦኡ ክሳዕ ክንደይ ክትንክፎ ከም ዝኽእል ኣጸቢቑ ስለ እተጨነቐ: የሱስ “ኣቦ: ንስምካ ኣኽብሮ” ብምባል ጸለየ። እቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ “ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ: ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ” ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ ምስ ሰምዑ ተገረሙ። እቲ ዓቢ መምህር ነዚ ኣጋጣሚ እዚ እቲ ድምጺ ስለምንታይ ከም እተሰምዐ: ሞቱ እንታይ ውጽኢት ከም ዝህልዎ: ስለምንታይ እምነት ክህልዎም ከም ዘለዎ ንምምሃር ተጠቕመሉ። (ዮሃንስ 12:28-​36) እተን ናይ መወዳእታ ክልተ መዓልትታት የሱስ ጽዑቕ ንጥፈታት ዝገበረለን ነበራ። ይኹን እምበር ገና ወሳኒት መዓልቲ ክትመጽእ ነበራ።

መዓልቲ ዅነኔ

12. ሰሉስ 11 ኒሳን መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ከፈንጥርዎ ዝፈተኑ ብኸመይ ኢዮም: ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧

12 ሰሉስ 11 ኒሳን የሱስ እንደገና ናብቲ ቤት መቕደስ ክምህር ከደ። ኣብኡ ተጻረርቲ ሰባት ነበሩ። ሊቃውንቲ ካህናትን ዓበይቲ ህዝብን ነቲ የሱስ ኣብ ድሮ እታ መዓልቲ እቲኣ ዝገበሮ ተግባር ብምምልካት “በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር አሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧” ኢሎም ሓተትዎ። እቲ ክኢላ መምህር ብመልሱ ኣፍሸሎም: ተጻረርቱ ክሳዕ ክንደይ እኩያት ምንባሮም ዘቃልዕ ሰለስተ ንጹር ምሳሌታት ከኣ ኣቕረበ። እተን ክልተ ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ እታ ሓንቲ ኸኣ ብዛዕባ ውራይ መርዓ ዝገልጻ ኢየን። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት በቲ ዝሰምዕዎ ስለ ዝሓረቑ ክሕዝዎ ደለዩ። ግናኸ እቶም ህዝቢ ከም ነብዪ ገይሮም ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ ንዓታቶም ፈርሁ። ስለዚ ኸኣ ምእንቲ ክኣስርዎ መገዲ ንምርካብ ብዘረባ ክጠልፍዎ ደለዩ። እቲ የሱስ ዝህቦም ዝነበረ መልሲ ግን ኣፎም ኣትሓዞም።​—⁠ማቴዎስ 21:⁠23-22:46

13. የሱስ ንሰማዕቱ ብዛዕባ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃቦም፧

13 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ሕጊ ኣምላኽ ኢና እንምህር ይብሉ ስለ ዝነበሩ: የሱስ ንሰማዕቱ “ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን: ግናኸ: ይብሉ ደኣ እምበር: ኣይገብሩን እዮም እሞ: ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ” በሎም። (ማቴዎስ 23:⁠1-3) ኣየ ከመይ ዝበለ ሓያል ኵነኔ ኰን ኢዩ! እንተ​ዀነ ግን የሱስ በዚ ኣይወድአን። እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ቤት መቕደስ ዘሕልፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ስለ ዝነበረት: እተፈላለየ ጕዳያት ብምጥቃስ ሓያል ቃላት ተጠቒሙ ኣቃልዖም።

14, 15. የሱስ ኣንጻር ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከመይ ዝበለ ኣዝዩ ከቢድ ኵነኔ ኢዩ እተዛረበ፧

14 የሱስ ሽዱሽተ ግዜ ዝኸውን “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን: . . . ወይለኹም” በሎም። ከምቲ ንሱ ዝገለጾ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ብምኽልካል ንሰብ መንግስተ⁠-​ሰማያት ስለ ዝዓጽውሉ ከምኡ ክበሃሉ ዝግብኦም ኢዩ። እዞም ግቡዛት እዚኣቶም ሓደ ጵሮሴሊት ንኽገብሩ ባሕርን ምድርን ይዞሩ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ወዲ ገሃነም ይገብርዎ። “እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፤ ፍርዲ: ምሕረት: እምነት” ዕሽሽ እናበሉ ክነሶም ዕሽር ንምኽፋል ግን ዓቢ ቈላሕታ ይገብሩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን “ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን” ይሓጽቡ: “ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ።” እዚ ኸኣ እቲ ውሽጣዊ ብልሽውናኦም በቲ ደጋዊ መልክዕ ጥራይ ዝነበሮ ተኣማንነቶም ተቐቢሩ ማለት ኢዩ። “ደቂ ቐተልቲ ነብያት” ክነሶም ገበርቲ ሰናይ ንኽበሃሉ መቓብር ነብያት ክሰርሑን ክስልሙን ይርኣዩ።​—⁠ማቴዎስ 23:⁠13-15, 23-31

15 የሱስ እቶም ተጻረርቱ መንፈሳውያን ዘይምዃኖም ብምዅናን “ኣቱም . . . ዕዉራት መራሕቲ: ወይለኹም” ይብሎም። ኣብ ክንዲ ኣብ መንፈሳውነት ናይቲ ናይ ኣምልኾ ቦታ ዘተኵሩ ኣብ ወርቂ ቤት መቕደስ የተኵሩ ስለ ዝነበሩ ብስነ⁠-​ምግባራዊ መገዲ ዕዉራት ኢዮም ነይሮም። ቀጺሉ የሱስ ከምዚ ብምባል እቲ ዝበርትዐ ቃላት ኵነኔ የውስእ:- “ኣቱም ኣትማን: ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን: ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧” እወ: ካብቲ እኩይ ተግባራቶም ስለ ዘይተመልሱ: ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ከም ዘጋጥሞም ኢዩ ዝነግሮም ዘሎ። (ማቴዎስ 23:⁠16-22, 33) ንሕናውን ንመልእኽቲ እታ መንግስቲ ኣብ ምእዋጅ አረ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ምቅላዕ እውን እንተ​ዀነ ተባዓት ንኹን።

16. ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ትንቢት ኢዩ ዝነገሮም፧

16 ድሕርዚ የሱስ ካብታ ቤት መቕደስ ይወጽእ። ኣብ ግዜ ዕራርቦ ጸሓይ ንሱን ሃዋርያቱን ኣብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ። ኣብኡ ኮፍ ኢሉ ኸሎ ብዛዕባ ጥፍኣት እታ ቤት መቕደስ ዝገልጽ ትንቢት ከምኡውን ንህላወኡን ንመደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዝን ዝሕብር ምልክት ሃበ። ትርጕም እዚ ትንቢታዊ ቃላት እዚ ኸኣ ክሳዕ ግዜና ዝበጽሕ ኢዩ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ንደቀ መዛሙርቱ “ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ አሎኹም: ንወዲ ሰብ ድማ ኪስቀል: ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም” ብምባል ነገሮም።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠1-14፣ 26:⁠1, 2

የሱስ ‘ነቶም ናቱ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም’

17. (ሀ) ኣብ ግዜ ፋስጋ 14 ኒሳን: የሱስ ነቶም 12 እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝሃቦም፧ (ለ) የሱስ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ምስ ኣፋነዎ ከመይ ዝበለ በዓል ኢዩ ዝሰርዐ፧

17 ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ክልተ መዓልትታት​—⁠12ን 13ን ኒሳን​—⁠የሱስ ብግህዶ ኣብቲ ቤት መቕደስ ኣይተቐልቀለን። መራሕቲ ሃይማኖት ክቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ ነቲ ምስ ሃዋርያቱ ዀይኑ ዘብዕሎ ፋስጋ ዝዀነ ይኹን ነገር ክሓናዅሎ ኣይደለየን። ሓሙስ ጸሓይ ክትዓርብ ከላ 14 ኒሳን ትጅምር​—⁠እዚኣ ድማ የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ምሸት ኢያ። ኣብታ ምሸት እቲኣ የሱስን ሃዋርያቱን ሓቢሮም ኣብ ሓደ ገዛ ነበሩ። ፋስጋ ከብዕሉ ኸኣ ምድላው ተገብረሎም። ሓቢሮም ፋስጋ ከብዕሉ ኸለዉ: ነቶም 12 ኣእጋሮም ብምሕጻብ ብዛዕባ ትሕትና ጽቡቕ ትምህርቲ ሃቦም። ነቲ ንጐይትኡ ብ30 ቕርሺ​—⁠ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ካብ ዓስቢ ባርያ ዘይሓልፍ ዋጋ​—⁠ኣሕሊፉ ንምሃብ እተሰማምዐ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድሕሪ ምፍናዉ: የሱስ ዝኽሪ ሞቱ ሰርዐ።​—⁠ዘጸኣት 21:⁠32፣ ማቴዎስ 26:⁠14, 15, 26-29፣ ዮሃንስ 13:⁠2-30

18. የሱስ ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ብፍቕሪ ተለዓዒሉ እንታይ ተወሳኺ ትምህርቲ ኢዩ ዝመሃሮም: ነቲ ኣዝዩ ቀሪቡ ዝነበረ እዋን ምፍላዩኸ ብኸመይ ኢዩ ዘዳለዎም፧

18 ዝኽሪ በዓል ኣብዒሎም ምስ ወድኡ: እቶም ሃዋርያት መኖም ዓቢ ከም ዝዀነ ኣብ ማእከሎም ርሱን ክርክር ኣልዓሉ። የሱስ ኣብ ክንዲ ዝገንሖም ብዛዕባ ንኻልኦት ምግልጋል ዘለዎ ዋጋ ብትዕግስቲ መሃሮም። ኣብ ግዜ ፈተንኡ ምስኡ ብምጽንዖም ሞስኡ ብምግላጽ ናይ መንግስቲ ኪዳን ኣተወሎም። (ሉቃስ 22:⁠24-30) ከምቲ ንሱ ዘፍቀሮም ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ኸኣ ይእዝዞም። (ዮሃንስ 13:⁠34) ነቲ ኣዝዩ ቀሪቡ ዝነበረ ምፍላዩ ብፍቕራዊ መገዲ ምእንቲ ከዳልዎም ድማ ብዙሕ ግዜ ወሰደ። ሽዑ ብዛዕባ ዕርክነቱ ኣረጋግጸሎም: እምነት ከርእዩ ኣተባብዖም: ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ ክህቦም ምዃኑ ኸኣ ተመባጽዓሎም። (ዮሃንስ 14:⁠1-17፣ 15:⁠15) ካብታ ቤት ቅድሚ ምውጽኡ ነቦኡ “እታ ጊዜ በጺሓ . . . ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስ: ንወድኻ ኣኽብሮ” ብምባል ለመኖ። የሱስ ንሃዋርያቱ ብዛዕባ ምኻዱ ኣዳልይዎም ኢዩ: ‘ነቶም ናቱ ኸኣ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቂርዎም’ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 13:⁠1፣ 17:⁠1

19. የሱስ ኣብ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኣዝዩ ጕህዩ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

19 የሱስን እቶም 11 እሙናት ሃዋርያትን ኣብ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ክበጽሑ ኸለዉ ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ምስ ሃዋርያቱ ብዙሕ ግዜ ናብቲ ቦታ ይኸይድ ነይሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 18:⁠1, 2) ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ከኣ ከም ሓደ ፍንፉን ገበነኛ ኰይኑ ክመውት ነበሮ። ነቲ ከጋጥሞ ዝነበሮ ተመክሮን ኣብ ስም ኣቦኡ ክወርድ ዝኽእል ዝነበረ ጸርፍን ኣብ ግምት ብምእታው ኣዝዩ ካብ ምጕሃዩ እተላዕለ ክጽሊ ኸሎ ረሃጹ ከም ደም ኣብ መሬት የንጠብጥብ ነበረ። (ሉቃስ 22:⁠41-44) የሱስ ነቶም ሃዋርያት “እታ ሰዓት በጺሓ . . . እቲ ዜትሕዘኒ እንሆ: ቀሪቡ አሎ” በሎም። እዚ ኽዛረብ ከሎ: ይሁዳ ኣስቆሮታዊ በቶም ፋናታትን ኣጽዋርን ዝሓዙ ብዙሓት ህዝቢ ተሰንዩ መጸ። ንየሱስ ክኣስርዎ ኢዮም መጺኦም። ንሱ ግን ኣይተቓወመን። “ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ: እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧” ብምባል ገለጸሎም።​—⁠ማርቆስ 14:⁠41-43፣ ማቴዎስ 26:⁠48-54

ወዲ ሰብ ይኸብር!

20. (ሀ) የሱስ ደድሕሪ ማእሰርቱ ከመይ ዝበለ ግፍዒ ኢዩ ዝወረዶ፧ (ለ) የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ “ተፈጸመ” ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧

20 የሱስ ምስ ተኣስረ ብናይ ሓሶት መሰኻኽር ተኸሰሰ: ብጠዋያት ፈራዶ ገበነኛ ተባህለ: ብጶንጥዮስ ጲላጦስ ተፈርደ: ካህናትን መናዓብትን ኣባጨውሉ: ወተሃደራት ድማ እናኣላገጹ ኣሳቐይዎ። (ማርቆስ 14:⁠53-65፣ 15:⁠1, 15፣ ዮሃንስ 19:⁠1-3) ዓርቢ ፍርቂ መዓልቲ: የሱስ ኣብ ናይ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ተሸንከረ: ክብደት ኣካላቱ ነቲ እተሸንከረ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብምጅላዕ ዘምጽኣሉ ዝነበረ መሪር ስቓይ ኣሕለፈ። (ዮሃንስ 19:⁠17, 18) ድሕሪ ቐትሪ: ሰዓት ሰለስተ ኣቢሉ የሱስ “ተፈጸመ” በለ። እወ: ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ክገብሮ ዝነበሮ ዕዮ ወዲእዎ ኢዩ። መንፈሱ ንኣምላኽ ሕድሪ ብምሃብ ርእሱ ኣድኒኑ ሞተ። (ዮሃንስ 19:⁠28, 30፣ ማቴዎስ 27:⁠45, 46፣ ሉቃስ 23:⁠46) ብድሕሪኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ: የሆዋ ንወዱ ኣተንስኦ። (ማርቆስ 16:⁠1-6) የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሑ ንሰማይ ዓሪጉ ከበረ።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠5፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠3, 9-12፣ ፊልጲ 2:⁠8-11

21. ንየሱስ ብኸመይ ኢና ክንቀድሖ እንኽእል፧

21 ‘ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (1 ጴጥሮስ 2:⁠21) ልክዕ ከምኡ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ኣበርቲዕና ብምጽዓር ብድፍረትን ብትብዓትን ቃል ኣምላኽ ንዛረብ። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠29-31፣ ፊልጲ 1:⁠14) ኣብቲ ናይ ግዜ ሰሌዳ ኣበየናይ እዋን ንነብር ምህላውና ካብ ምስትውዓል ኣይንዘንግዕ ወይ ከኣ ኣብ ንሓድሕድና ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ካብ ምንቕቓሕ ፈጺምና ኣይነቋርጽ። (ማርቆስ 13:⁠28-33፣ እብራውያን 10:⁠24, 25) ንዅሉ ስጕምትታትና ብፍቓድ የሆዋ ኣምላኽን በቲ ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ንነብር ምህላውና ዘሎና ፍልጠትን ዝምራሕ ንግበሮ።​—⁠ዳንኤል 12:⁠4

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሱስ ሞቱ ከም ዝቐረበ ምፍላጡ ነቲ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎቱ ብኸመይ ጸለዎ፧

• የሱስ ‘ነቶም ናቱ ክሳዕ መወዳእታ ከም ዘፍቀሮም’ ብኸመይ ኢዩ ኣርእዩ፧

• ኣብተን ናይ መወዳእታ ሒደት ሰዓታት ህይወት የሱስ እተፈጸመ ነገራት ብዛዕብኡ እንታይ ኢየን ዝሕብራ፧

• ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣገልግሎትና ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ “ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም”