ማርቆስ 16:1-8

  • የሱስ ተንስአ (1-8)

16  ሰንበት+ ምስ ሓለፈት፡ ማርያም መግደላዊትን እታ ኣደ ያእቆብ ዝዀነት ማርያምን+ ሰሎሜን መጺአን ኪለኽያኦ፡ ሽቱ ዓደጋ።+ 2  ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር መጻ።+ 3  ንሓድሕደን ከኣ፡ “ነቲ እምንስ ካብ ኣፍ እቲ መቓብር መን ኬንከባልለልና እዩ፧” ይባሃሃላ ነበራ። 4  ኣዒንተን ኣልዒለን እንተ ጠመታ ግና፡ እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ እኳ እንተ ነበረ፡ ተንከባሊሉ ረኣያኦ።+ 5  ናብቲ መቓብር ምስ ኣተዋ፡ ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ ጐበዝ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ እሞ፡ ሰምበዳ። 6  ንሱ ድማ፡ “ኣይትሰምብዳ።+ ነቲ እተሰቕለ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ትደልያኦ ኣለኽን። ንሱ ተንሲኡ እዩ።+ ኣብዚ የሎን። እታ ተነቢሩላ ዝነበረት ቦታ እንሃ!+ 7  ኪዳ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን፡ ‘ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ።+ ከምቲ ዝነገረኩም፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም’ ኢልክን ንገራኦም” በለን።+ 8  ካብቲ መቓብር ምስ ወጻ፡ ደንጽይወን ራዕራዕ እናበላ ሃደማ። ፈሪሀን ስለ ዝነበራ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይነገራን።*+

እግረ ጽሑፍ

ብመሰረት ዜተኣማምን ቀዳሞት ኢደ ጽሑፋት፡ ወንጌል ማርቆስ በተን ኣብ ፍ. 8 ዚርከባ ቓላት እዩ ዚዛዘም። ኣብ መ.ጽ. ሀ3 ርአ።