ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስቲ ሓላዊ ዄንካ ምግልጋል

ምስቲ ሓላዊ ዄንካ ምግልጋል

ምስቲ ሓላዊ ዄንካ ምግልጋል

“ጐይታየ: መዓልቲ ብመልኣ ኸየቛረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ: ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሓለዊተይ ተተኺለ አሎኹ።”​ ኢሳይያስ 21:⁠8

1. ነየናይ ዓበይቲ መብጽዓታት ኢዩ የሆዋ ንገዛእ ርእሱ ምስክር ዝዀነላ፧

 የሆዋ እቲ ዝዓበየ በዓል ዕላማ ኢዩ። እቲ ዓልዩ ሰይጣን ድያብሎስ ዝዀነ መልኣኽ ነቲ የሆዋ ስሙ ንኽቕድስን ሓንቲ ኣብ ልዕሊ ገነታዊ ዅነታት ዘለዋ ምድሪ እትገዝእ ግርማዊት መንግስቲ ንኽተክልን ዘለዎ ዓቢ ዕላማ ንምዕንቃጽ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የልቦን። (ማቴዎስ 6:⁠9, 10) ኣብ ትሕቲ እቲ ግዝኣት እቲ ደቅሰብ ብሓቂ ክባረኹ ኢዮም። “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።” ክንደይ ኰን ዘሐጕስ ኢዩ: እቶም ስሙራት ደቅሰብ ሰላምን ብልጽግናን ንዘለኣለመ ኣለም ከስተማቕሩ ኢዮም። (ኢሳይያስ 25:⁠8፣ 65:⁠17-25) ነዚ ዓበይቲ መብጽዓታት ብዝምልከት የሆዋ ናይ ገዛእ ርእሱ ምስክር ኢዩ!

2. ነየኖት ሰብኣውያን መሰኻኽር ኢዩ የሆዋ ዘተንስአ፧

2 ይኹን እምበር: እዚ ዓቢ ፈጣሪ እዚ ሰብኣውያን መሰኻኽር እውን ኣለዉዎ። ቅድሚ ክርስትና ኣብ ዝነበረ መዋእል እቶም ካብ ኣቤል ጀሚርካ ዝነበሩ “ደበና ምስክር” ወትሩ ሓያል ጽልኢ እኳ የጋጥሞም እንተ ነበረ ኣብቲ ምጽማም ዝሓትት ቅድድም ተኻፊሎም ኢዮም። እቲ ሓለፍ ዝበለ ኣብነቶም ነዞም ሎሚ ዘለዉ እሙናት ክርስትያናት ዘተባብዕ ኢዩ። ክርስቶስ የሱስ እቲ ብሉጽ ኣብነት ናይ ሓደ ተባዕ ምስክር ኢዩ። (እብራውያን 11:⁠1–12:⁠2) ንኣብነት: ነቲ ኣብ ቅድሚ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ምስክርነት ዘክሮ። “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” ብምባል ብዕሊ ኣፍለጠ። (ዮሃንስ 18:⁠37) ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ክሳዕ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2000 ከ.ኣ.ዘ. ቀናኣት ክርስትያናት ብዛዕባ “እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ብትብዓት ብምእዋጅ ኣብነት የሱስ ክስዕቡን ብዘይምቍራጽ ምስክርነት ክህቡን ጸኒሖም ኢዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠11

ባቢሎናዊ ኣንቈራነት

3. ሰይጣን ነቲ ብዛዕባ የሆዋን ፍቓዱን ዝውሃብ ምስክርነት ክቃወሞ ዝጸንሐ ብኸመይ ኢዩ፧

3 እቲ ዓቢ ጸላኢ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ: ነቲ ብመሰኻኽር ኣምላኽ ዝውሃብ ምስክርነት ተቐባልነት ከም ዘይህልዎ ንምግባር ኣብዚ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት እኩይ ውዲት ካብ ምፍሓስ ዘብኰረላ እዋን ኣይነበረትን። ከም ‘ኣቦ ሓሶት’ መጠን ድማ እዚ “ዓብዪ ገበል” እዚ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” “ናይ ጥንቲ ተመን” ኢዩ። ኣንጻር እቶም ‘ትእዛዝ ኣምላኽ ዝሕልዉ’ ንሕስያ ዘይብሉ ውግእ ኢዩ ከካይድ ጸኒሑ: ብፍላይ ድማ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ነዚ ውግእ እዚ ኣጻዕጺዕዎ ይርከብ።​—⁠ዮሃንስ 8:⁠44፣ ራእይ 12:⁠9, 17

4. ዓባይ ባቢሎን ከመይ ዝበለ መበቈል ኢዩ ዘለዋ፧

4 ሰይጣን ካብቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይሂ ቁሩብ ጸኒሑ ማለት ቅድሚ 4,000 ዓመታት ነቲ “ኣንጻር የሆዋ ጅግና ሃዳኒ” ዝነበረ ኒምሮድ ኣተንስኦ። (ዘፍጥረት 10:⁠9, 10 NW ) እታ ናይ ኒምሮድ ዝዓበየት ከተማ ዝነበረት ባቢሎን (ባቤል) ቀንዲ መናሃርያ ጋኔናዊ ሃይማኖት ኰነት። የሆዋ ንቛንቋ እቶም ግምቢ ባቤል ዝሃንጹ ዝነበሩ ሰባት ምስ ደባለቖ: እቶም ሰባት ናብ ብዘላ ምድሪ ተዘርዉ: ነቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖቶም ከኣ ሒዞምዎ ተበተኑ። ባቢሎን ምንጪ ናይ ሓደ ዓለምለኻዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት በዚ ኸምዚ ኢያ: ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ድማ ዓባይ ባቢሎን ዝብል ስም ተዋሂብዋ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ነዚ ናይ ጥንቲ ሃይማኖታዊ ኣገባብ እዚ ዘጋጥሞ ጥፍኣት ኣቐዲማ ነጊራ ኣላ።​—⁠ራእይ 17:⁠5፣ 18:⁠21

ብደረጃ ህዝቢ እተጠርነፉ መሰኻኽር

5. የሆዋ መሰኻኽሩ ምእንቲ ክዀኑ ኢሉ ንመን ኢዩ ብደረጃ ህዝቢ ዝጠርነፎም: ንምርኮ ክውሰዱ ዝፈቐደ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ካብቲ ኒምሮድ ዝነበረሉ ግዜ ዳርጋ 500 ዓመታት ጸኒሑ: የሆዋ ኣብ ምድሪ ዘገልግልዎ መሰኻኽር ምእንቲ ክዀንዎ ንዘርኢ እቲ እሙን ኣብርሃም: እስራኤላውያን ተባሂሎም ብደረጃ ህዝቢ ኸም ዝጥርነፉ ገበሮም። (ኢሳይያስ 43:⁠10, 12) ብዙሓት ደቂ እቲ ህዝቢ ዝዀኑ ውልቀ⁠-​ሰባት ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊሎምዎ ኢዮም። ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ክፍለ⁠-​ዘበናት ግን ናይ ሓሶት እምነታት ናይቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ህዝብታት ንእስራኤል በኪልዋ ኢዩ: እቲ ህዝቢ ኸኣ ነቲ ምስኦም ኪዳን ኣትዩ ዝነበረ የሆዋ ዝባኑ ብምሃብ ናብ ኣምልኾ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣተወ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ብንጉስ ነቡካድነጻር ዝምራሕ ሰራዊት ባቢሎን ንየሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ዝደምሰሰንን ንመብዛሕትኦም ኣይሁዳውያን ናብ ባቢሎን ንምርኮ ዝወሰዶምን።

6. ኣብቲ የሆዋ ዝሃቦ ትንቢት ተጠቒሱ ዘሎ ሓላዊ እንታይ ብስራት ኢዩ ዝኣወጀ: መዓስከ ኢዩ ፍጻሜኡ ዝረኸበ፧

6 ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከመይ ዝበለ ዓወት ኰን ኢዩ እተጐናጸፈ! ይኹን እምበር: ዓብላልነት ባቢሎን ሓጺር ዕምሪ ኢዩ ነይርዎ። ቅድሚ እዚ ፍጻመ እዚ 200 ዓመታት ይገብር የሆዋ “ኪድ እሞ ሓላዊ ግበር: እቲ ዝረአዮውን ይንገር” ዝብል ትእዛዝ ሂቡ ነበረ። እዚ ሓላዊ እዚ እንታይ ሓበሬታ ኢዩ ክእውጅ ዝነበሮ፧ “ባቢሎንሲ ወዲቓ: ወዲቓ: ኵሉ ምስልታት ጣኦታታ ኣብ ምድሪ ተሰባበረ።” (ኢሳይያስ 21:⁠6, 9) እዚ ትንቢታዊ ኣዋጅ እዚ ኸኣ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ተፈጻምነቱ ረኺቡ ኢዩ። እታ ሓያል ባቢሎን ወደቐት: እቲ ኣምላኽ ኪዳን ኣትዪሉ ዝነበረ ህዝቢ ድማ ናብ ሃገሩ ክምለስ ክኢሉ ኢዩ።

7. (ሀ) ኣይሁዳውያን ካብቲ የሆዋ ዘውረደሎም መቕጻዕቲ እንታይ ትምህርቲ ረኸቡ፧ (ለ) እቶም ድሕሪ ምርኮ ኣብ ዝነበረ መዋእል ዝነበሩ ኣይሁድ ኣበየናይ መፈንጠራ ኢዮም ዝወደቑ: እንታይ ሳዕቤንከ ነበሮ፧

7 እቶም እተመልሱ ኣይሁዳውያን ነቲ ኣምልኾ ጣኦትን ሓተታ መናፍስትን ዘዘውትር ሃይማኖት ክሓድግዎ ከም ዘለዎም እኹል ትምህርቲ ረኺቦም ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብተን ስዒበን ዝመጻ ዓመታት ኣብ ካልእ መፈንጠራታት ወዲቖም ኢዮም። ገሊኣቶም ብናይ ግሪኽ ፍልስፍና ተፈንጢሮም ኢዮም። ካልኦት ከኣ ካብ ንቓል ኣምላኽ ንሰብኣዊ ልምዲ ኣገዳሲ ገበርዎ። ገና ካልኦት እውን ብሃገራዊ ስምዒት ሰዲዖም ኢዮም። (ማርቆስ 7:⁠13፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠37) ኣብቲ የሱስ እተወልደሉ እዋን: እቲ ህዝቢ ንሓቀኛ ኣምልኾ እንደገና ዝባኑ ሂብዎ ኢዩ ነይሩ። ኣይሁዳውያን ውልቀ⁠-​ሰባት ነቲ የሱስ ዝእውጆ ዝነበረ ብስራት ኣወንታዊ ምላሽ ሂቦምሉ እኳ እንተዀኑ: እቲ ህዝቢ ብሓፈሻ ግን ነጺግዎ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ኣምላኽ ነቲ ህዝቢ ነጸጎ። (ዮሃንስ 1:⁠9-12፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠36) ህዝቢ እስራኤል ደጊም ምስክር ኣምላኽ ካብ ምዃን ኣቋረጸ: ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ድማ የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ብኢድ ሰራዊት ሮሜ እንደገና ተደምሰሳ።​—⁠ማቴዎስ 21:⁠43

8. ምስክር የሆዋ ዝዀኑ መን ኢዮም: እቲ ብሃዋርያ ጳውሎስ ነዞም መሰኻኽር እዚኣቶም እተዋህበ መጠንቀቕታ እዋናዊ ዝነበረኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

8 እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ክርስትያን ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ተወልደ: ካብዚ ግዜ እዚ ንነጀው ከኣ ንሱ ኢዩ ምስክር ኣምላኽ ኰይኑ ንህዝብታት ዘገልገለ። (ገላትያ 6:⁠16) ሽዑ ንሽዑ ግን ሰይጣን ነዚ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ ንምብልሻው ውዲት ኣለመ። ኣብ ምዝዛም ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ናብ ኣንቈራነት ዝመርሕ ጽልዋ ኣብተን ጉባኤታት ተቐልቀለ። (ራእይ 2:⁠6, 14, 20) እቲ “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ” ዝብል ጳውሎስ ዝሃቦ መተሓሳሰቢ እዋናዊ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ቈሎሴ 2:⁠8

9. ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ኣጠንቂቕዎ ዝነበረ ከመይ ዝበለ ምዕባለታት ኢዩ ናብ ህላወ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዘምርሐ፧

9 ቀስ እናበለ ድማ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና: ናይ ባቢሎን ሃይማኖታዊ እምነታት: ጸኒሑ ኸኣ ከም ናይ ፍልቀት ክልሰ⁠-​ሓሳባትን ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘናእስ ነቐፌታዊ ትምህርትን ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ‘ጥበብ’ ንሃይማኖት እቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ብዙሓት ሰባት በኪልዎ ኢዩ። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኣቐዲሙ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኢዩ:- “ኣነ ምስ ኣግለስኩ: ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚአትዉኹም: እፈልጥ አሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ: ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠29, 30) ከም ውጽኢት እዚ ክሕደት እዚ ድማ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ናብ ህላወ ክትመጽእ ከኣለት።

10. ነቲ ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዝካየድ ዝነበረ ብልሽው ኣምልኾ ኢዱ ዝሃበ: ዅሉ ሰብ ከም ዘይነበረ ከመይ ዝበለ ምዕባለታት ኢዩ ግሁድ ዝገበሮ፧

10 እቶም ንጽሩይ ኣምልኾ ብሓቂ እተወፈዩ ‘በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክጋደሉ’ ነበሮም። (ይሁዳ 3) እቲ ንጽሩይ ኣምልኾን ንየሆዋን ዝግበር ህዝባዊ ምስክርነት ካብ ምድሪ ኣኺልዎ ክጠፍእ ድዩ፧ ኣይፋሉን። እቲ ዓለወኛ ሰይጣን ምስ ኵሉ ግብርታቱ ዝጠፍኣሉ ግዜ እናቐረበ ምስ መጸ: ነቲ ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዝካየድ ዝነበረ ናይ ክሕደት ኣምልኾ: ኢዱ ዝሃበሉ ኵሉ ሰብ ከም ዘይነበረ ብጋህዲ ተራእየ። ኣብተን ዳሕሮት ዓመታት ናይ መበል 19 ኽፍለ⁠-​ዘበን እቶም ኣብ ፒትስበርግ: ፔንሲልቫንያ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበሩ ቅኑዓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብደረጃ ጕጅለ ተጠርነፉ እሞ ሕምብርቲ ናይዚ ኣብ ዘበንና ዘሎ ክፍሊ መሰኻኽር ኰኑ። እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ነቲ መወዳእታ እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለምለኻዊ ኣገባብ ቀሪቡ ኸም ዝነበረ ዝሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኣድሂቦምሉ ኢዮም። እዚ “መወዳእታ” እዚ ኸኣ ኣብታ ቐዳማይ ውግእ ዓለም እተባርዓላ 1914 ጀመረ: ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ሓቂ ዀይኑ ተረኽበ። (ማቴዎስ 24:⁠3, 7) ሰይጣንን ጭፍራ ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ እተደርበዩ ካብታ ዓመት እቲኣ ንደሓር ምዃኑ ዝሕብር ድልዱል መርትዖ ኣሎ። ሰይጣን ብንጥፈት ይዓዪ ኸም ዘሎ ከምኡውን እቲ የሱስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ስልጣን ብምሓዙ ንግስነታዊ ህላወኡ ኸም ዝጀመረ ዝሕብር ምልክታት ድማ ፍሉይ ፍጻሜኡ ይረክብ ከም ዘሎ ካብዚ ብመከራ ዘዕለቕለቐ መበል 20 ኽፍለ⁠-​ዘበን ሓሊፉ ንጹር መረጋገጺ ዝህብ የለን።​—⁠ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ከምኡውን 25፣ ማርቆስ ምዕራፍ 13፣ ሉቃስ ምዕራፍ 21፣ ራእይ 12:⁠10, 12

11. ሰይጣን እንታይ ፈተነ ኢዩ ዝገበረ: እቲ ፈተነኸ ብኸመይ ኢዩ ዝፈሸለ፧

11 ኣብ ሰነ 1918 ሰይጣን ነቶም ሽዑ ድሮ ኣብ ሓያለይ ሃገራት ዕዮ ስብከቶም ዘካይዱ ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥፋእ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ፈተነ ኣካየደ። ነታ ሕጋዊት ትካሎም ዝዀነት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እውን ከፍርሳ ደልዩ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ተኸሲስዎ ዝነበረ ዓይነት ክሲ: እቶም ኣብታ ማሕበር ሓላፍነት ዝነበሮም ኣካየድቲ ስራሕ ድማ መነዓብቲ ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ተኸሱ። (ሉቃስ 23:⁠2) ኣብ 1919 ግን እዞም ኣካየድቲ ስራሕ እዚኣቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሑ እሞ: ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ ከኣሉ። ጸኒሖም ድማ ካብቲ ቐሪብሎም ዝነበረ ክሲ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዀኑ።

ሓደ ተጠንቂቑ ዝሕሉ “ሓላዊ”

12. ሎሚ ነቲ ናይ የሆዋ ክፍሊ ሓላዊ ዘቝሙ መን ኢዮም: ንመዝነቶምከ ብኸመይ ኢዮም ክርእይዎ ጸኒሖም፧

12 እቲ “ዘመን መወዳእታ” ክጅምር ከሎ እውን ከይተረፈ እምበኣር: የሆዋ ሓደ ነቲ ህሉው ኵነታት እናተኸታተለ ናብቲ ምስ ኣፈጻጽማ ዕላማታት ኣምላኽ ምትሕሓዝ ዘለዎ ፍጻመታት ንኸተኵሩ ንሰባት ዝሕብሮም ሓላዊ ነይርዎ ኢዩ። (ዳንኤል 12:⁠4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) ክሳዕ እዛ እዋን እዚኣ ድማ እቲ ኽፍሊ ሓላዊ​—⁠ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝሓዘ ናይ ኣምላኽ እስራኤል​—⁠ምስቲ ነቲ ኣብ ትንቢት ተዘሪብሉ ዘሎ ሓላዊ እተዋህበ መግለጺ ብምስምማዕ ክዓዪ ጸኒሑ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ሓላዊ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ነበረ:- “ኣጸቢቑ ጽን በለ: ተጠንቂቑ ጽን በለ። ንሱ ኸኣ፤ ጐይታየ: መዓልቲ ብመልኣ ኸየቛረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ: ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሓለዊተይ ተተኺለ አለኹ።” (ኢሳይያስ 21:⁠7, 8) እዚ ብሓቂ ነቲ እተዋህቦ መዝነት ብርዝነት ዝርኢ ሓላዊ ኢዩ!

13. (ሀ) ናይ የሆዋ ሓላዊ እንታይ ኣዋጅ ኢዩ ክእውጅ ጸኒሑ፧ (ለ) ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ ክበሃል ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

13 እዚ ሓላዊ እዚ እንታይ ኢዩ ዝርኣየ፧ እቶም ንናይ የሆዋ ሓላዊ ዘቝሙ ክፍሊ መሰኻኽሩ “ባቢሎንሲ ወዲቓ: ወዲቓ: ኵሉ ምስልታት ጣኦታታ ኣብ ምድሪ [ብኢድ የሆዋ] ተሰባበረ” ብምባል እንደገና ኣዊጆም ኢዮም። (ኢሳይያስ 21:⁠9) እታ ደድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ካብቲ ተቐሚጣትሉ ዝነበረት መንበረ ስልጣና ክምብል ኢላ ዝወደቐት: እታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ኢያ። (ኤርምያስ 50:⁠1-3፣ ራእይ 14:⁠8) እቲ ሽዑ ዓቢ ውግእ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እምብኣር ኣብ ግዝኣት ህዝበ⁠-​ክርስትያን እንተ ጀመረ ዘገርም ኣይኰነን! ቤተ⁠-​ክህነት ብኽልቲኡ ወገን ናይቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኰይኖም ነቶም ልግዐ ሕብረተሰብ ዝዀኑ መንእሰያት ናብ ዕርድታት ንኽኸቱ ብምስባኽ ንባርዕ እቲ ዂናት ምጕህሃሮምስ ከመይ ዝኣመሰልዎ ውርደት ኰን ኢዩ! ኣብ 1919 ዓባይ ባቢሎን ነቶም ሽዑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ዝነበርሉ ድስኩል ኵነታት ወጺኦም ነቲ ኽሳዕ እዚ እዋን እዚ ዝቕጽል ዘሎ ዓለምለኻዊ ወፈራ ምስክርነት ንኸይጅምርዎ ክትዓግቶም ኣይከኣለትን። (ማቴዎስ 24:14) ልክዕ ከምቲ እስራኤላውያን ኣብ መበል ሻዱሻይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ካብ ጥንታዊት ባቢሎን ምውጽኦም ውድቀታ ዝሓበረ: እዚ ኸኣ ዓባይ ባቢሎን ከም ዝወደቐት ሓበረ።

14. እቲ ናይ የሆዋ ክፍሊ ሓላዊ ነየናይ ኣገዳሲ መጽሔት ኢዩ ክጥቀመሉ ጸኒሑ ዘሎ: የሆዋ ንኣጠቓቕምኡ ዝባረኾኸ ኸመይ ኢሉ ኢዩ፧

14 እቲ ኽፍሊ ሓላዊ ብቕንእን ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ብዘለዎ ሓያል ድሌትን ነቲ እተዋህቦ መዝነት ፈልከት ከይበለ ክፍጽም ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ሓምለ 1879 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሽዑ ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛን ህላወ ክርስቶስ ዝእውጅ ነጋሪትን ዝበሃል ዝነበረ ጽሑፍ እዚ ክሓትምዎ ጀመሩ። እተን ካብ 1879 ክሳዕ 15 ታሕሳስ 1938 ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝወጻ ዅለን ሕታማት ኣብቲ ናይ ቅድሚት ገበረን “ ‘ኣታ ሓላዊ: ለይቲ እንታይ ጊዜኡ ዀይኑ፧’​—⁠ኢሳይያስ 21:⁠11” ዝብላ ቓላት ይጽሓፈለን ነበረ። a ግምቢ ዘብዐኛ ኣብዚ ዝሓለፈ 120 ዓመታት ንዅነታት ዓለምን ዘለዎ ትንቢታዊ ኣገዳስነትን ብተኣማንነት ከየቋረጸ ክከታተል ጸኒሑ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5, 13) እቲ ናይ ኣምላኽ ክፍሊ ሓላውን እቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ብጾቱን ሉዓላውነት የሆዋ በታ ብክርስቶስ እትምራሕ መንግስቲ ዝረጋገጸሉ እዋን ከም ዝቐረበ ንምግላጽ ብንጥፈት ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ምእዋጅ ዕዮ ነዚ መጽሔት እዚ ኽጥቀሙ ጸኒሖም ኢዮም። (ዮሃንስ 10:⁠16) የሆዋ ነዚ ናይ ጽሑፍ ምስክርነት እዚ ባሪኽዎ ድዩ፧ ከመይ ድኣ! በተን ነታ ኣብ 1879 ዝወጸት ናይ መጀመርታ ሕታም ዝነበራኣ 6,000 ቅዳሓት ዝጀመረ ግምቢ ዘብዐኛ ሕጂ ብ132 ቋንቋታት​—⁠121 ካብኡ ኣብ ሓደ እዋን ዝሕተም ዘሎ​—⁠ናይ ልዕሊ 22,000,000 ቅዳሓት ዓለምለኻዊ ዝርጋሐ ዘለዎ መጽሔት ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ሃይማኖታዊ መጽሔት: እቲ ንስም ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዘቃልሕ ክኸውንሲ ክንደይ ኰን ግቡእ ኢዩ!

ቀጻሊ መስርሕ ጽሬት

15. እንታይ ቀጻሊ መስርሕ ጽሬት ኢዩ ቅድሚ 1914 እውን ከይተረፈ ዝጀመረ፧

15 ካብታ የሱስ ሰማያዊ ግዝኣቱ ዝጀመረላ 1914 ንንየው ኣብ ዝነበራ 40 ዓመታት: እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ከም ንናጽላ ምጥማቕ: ናይ ሰብኣዊት ነፍሲ ዘይሙማት: መንጽሂ ቦታ: ስቓይ ገሃነም እሳት: ስላስያዊ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነ ሰረተ⁠-​እምነታት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ናጻ ወጺኦም ነይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: ካብ ኵሉ ግጉይ እምነታት ንምጽራይ ተወሳኺ ግዜ ኣድልዩ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ 1920ታት ብዙሓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብስፒሎ ኣብ ክዳን ዝንጥልጠል ናይ መስቀልን ዘውድን ኣርማ ይገብሩ ነበሩ: ልደትን ካልእ ኣረማዊ በዓላትን እውን የኽብሩ ነይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣምልኾ እንተድኣ ጽሩይ ክኸውን ኰይኑ ኵሉ ኣሰር ኣምልኾ ጣኦት ተሓኺኹ ክጠፍእ ይግባእ። እቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ መሰረት እምነት ክርስትያንን መገዲ ህይወትን ክኸውን ዘለዎ። (ኢሳይያስ 8:⁠19, 20፣ ሮሜ 15:⁠4) ኣብ ልዕሊ ቓል ኣምላኽ ምውሳኽ ወይ ድማ ካብኡ ምጕዳል ጌጋ ኢዩ።​—⁠ዘዳግም 4:⁠2፣ ራእይ 22:⁠18, 19

16, 17. (ሀ) እቲ ኽፍሊ ሓላዊ እንታይ ናይ ሓሶት እምነት ኢዩ ንገለ ዓሰርተታት ዓመታት ሓቚፍዎ ዝጸንሐ፧ (ለ) ናይቲ ኣብ “ግብጺ” ኸም ዘሎ እተገልጸ “መሰውኢ” ከምኡውን “ዓንዲ” ቅኑዕ መብርሂ እንታይ ኢዩ፧

16 እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምርዳእ እዚ ዝስዕብ ኣብነት ከጕልሖ ይኽእል ኢዩ። ብ1886 ሲ. ቲ. ራስል ነታ ደሓር ዘ ዲቫይን ፕላን ኦቭ ዘ ኤጅስ እተባህለት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣሕተመ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንመዋእል ደቅሰብ ምስቲ ዓቢ ፒራሚድ ግብጺ ዘተሓሕዝ ሰሌዳ ነይርዋ ኢዩ። እዚ ኩፉ ንእተባህለ ፈርኦን እተተኽለ ሓወልቲ ነቲ ብዛዕብኡ ኣብ ኢሳይያስ 19:⁠19, 20 ከምዚ ዝስዕብ ተባሂልሉ ዘሎ ዓንዲ ዘመልክት ኢዩ ዝብል ምርዳእ ነበረ:- “በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ መሰውኢ ንእግዚኣብሄር: ኣብ ወሰና ኸኣ ዓንዲ ንእግዚኣብሄር ኪትከል እዩ። እዚ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ግብጺ ምልክትን ምስክርን ኪኸውን እዩ።” እቲ ፒራሚድ እቲ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ምትሕሓዝ ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል ዝነበረ፧ ሓደ ኣብነት ክንርኢ እንተድኣ ዄንና: ገለ ካብቲ ንውሓት ኣብቲ ዓቢ ፒራሚድ ዘሎ መተሓላለፊታት ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:⁠21 ተገሊጹ ዘሎ “ዓቢ ጸበባ” (NW ) ዝጅምረሉ ግዜ ዘመልክት ኢዩ ዝብል ምርዳእ ነበረ። ገለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንኸም ናብ ሰማይ ዝውሰዱላ መዓልትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ንምፍላጥ ንእተፈላለየ ዓቐናት እታ ፒራሚድ ኣብ ምጽብጻብ ተጸሚዶም ነበሩ!

17 ክሳዕ እተን ናይ 15 ሕዳር ከምኡውን ናይ 1 ታሕሳስ 1928 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብግልጺ የሆዋ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዋህበ ምስክርነት ንምርግጋጽ ብኣረማውያን ፈርኦናት እተሃንጸ እሞ ኸኣ ጋኔናዊ ዝዀነ ምልክታት ቈጸራ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ ሓወልቲ እምኒ ኽጥቀም ከም ዘየድለዮ ዘብርህኦ: እዚ ናይ እምኒ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብል ስያመ ዝነበሮ ፒራሚድ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ግዜ ዓቢ ግምት ተዋሂብዎ ቀጺሉ ኢዩ። ድሕሪኡ ግን እቲ ናይ ኢሳይያስ ትንቢት መንፈሳዊ ትርጕም ከም ዘለዎ ምርዳእ ተረኽበ። ከምቲ ኣብ ራእይ 11:⁠8 ተገሊጹ ዘሎ: “ግብጺ” ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንናይ ሰይጣን ዓለም እተመልክት ኢያ። እቲ “መሰውኢ ንእግዚኣብሄር” ተባሂሉ ዘሎ ድማ ነቲ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብዛ ዓለም እዚኣ ግዝያውያን ተቐማጦ ዀይኖም ዘቕርብዎ ተቐባልነት ዘሎዎ መስዋእቲ ኢዩ ዘዘኻኽረና። (ሮሜ 12:⁠1፣ እብራውያን 13:⁠15, 16) እቲ ‘ኣብ ወሰን ግብጺ ዘሎ’ ዓንዲ ኸኣ ነታ ‘ንሓቂ ዓንዳን መሰረታን ዝዀነት’ እሞ ኣብ “ግብጺ” ማለት ኣብታ ንኽሓድግዋ ድሉዋት ኰይኖም ዝጸንሑላ ዓለም ድማ ዝቐውም: ጉባኤ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዘመልክት ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:⁠15

18. (ሀ) የሆዋ ንቕኑዓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት መብርሂ ምሃብ ዝቐጸለ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን ንሓደ ቅዱስ ጽሑፋዊ መብርሂ ክርድኦ እንተድኣ ጸጊምዎ እንታይ ኣረኣእያ ክሕዝ ኢዩ ጥበባዊ ዝኸውን፧

18 ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን የሆዋ ነቲ ትንቢታዊ ቓሉ ዝምልከት ንጹር ምርዳእ ሓዊስካ ብዛዕባ ሓቂ ተወሳኺ መብርሂ ምሃብ ይቕጽል ኣሎ። (ምሳሌ 4:⁠18) ብዛዕባ እቲ መወዳእታ ቕድሚ ምምጽኡ ዘይሓልፍ ወለዶ: ብዛዕባ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ዝገልጽ ምሳሌ: ብዛዕባ እቲ ርኽሰትን ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ዝቕመጠሉ ግዜን: ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን: ተኣምራታዊ ምልዋጥ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ተገሊጹ ዘሎ ናይታ ቤት መቕደስ ራእይ ካብ መንጎ እቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ቐረባ ዓመታት ብዓሚቝ ምርዳእ ዳግመ⁠-​ግምት ክንገብረሉ እተተባባዕናሉ ነገራት ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናውያን መብርሂታት ንኽትርድኦ ዘጸግም እኳ እንተዀነ: ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ እተሓደሰ መብርሂታት ምሃብ ዘድለየሉ ምኽንያት እናነጸረ ኢዩ ዝመጽእ። ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ ሓደ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት እተዋህበ ሓድሽ መብርሂ ምሉእ ብምሉእ እንተድኣ ዘይተረዲእዎ: ነተን “ንኣምላኽ ምድሓነይ . . . ተስፋ እገብር አሎኹ” ዝብላ ቃላት ነብዪ ሚክያስ ብትሕትና ምስ ዘቃልሐን ሰናይ ኢዩ።​—⁠ሚክያስ 7:⁠7

19. እቶም ቅቡኣት ተረፍን እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብጾቶምን ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ናይ ኣንበሳ ዝበለ ትብዓት ዘርኣዩ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧

19 ነቲ እቲ ሓላዊ ‘ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ: ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሐለዊተይ ተተኺለ ኣለኹ ብምባል ከም ኣንበሳ ዝጨደሮ’ ዘክሮ። (ኢሳይያስ 21:⁠8) እቶም ቅቡኣት ተረፍ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ምቅላዕን ንሰባት መገዲ ናጽነት ኣብ ምሕባርን ከም ናይ ኣንበሳ ዝበለ ትብዓት ከርእዩ ጸኒሖም ኢዮም። (ራእይ 18:⁠2-5) ከም “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” መጠን ድማ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሔታት: ከምኡውን ካልእ ጽሑፋት ብኣዝዩ ብዙሕ ቋንቋታት እተዳለወ ‘መግቢ በብግዜኡ’ ክህቡ ጸኒሖም ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:⁠45) “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቓንቋታትን” ነቶም “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) ኣብ ምእካብ መሪሕ ኰይኖም ኢዮም። እቶም ዓቢ ጭፍራ እውን እንተዀነ በቲ ንበጅነት ዝፈሰሰ ደም የሱስ ጸርዮም ኢዮም: ንኣምላኽ ድማ ‘ኣብታ መቕደሱ ለይትን መዓልትን ኣብ ምግልጋል’ ከም ናይ ኣንበሳ ዝበለ ትብዓት ኣርእዮም ኢዮም። (ራእይ 7:⁠9, 14, 15) እቶም ኣብዛ ምድሪ ዘለዉ ሒደት ቅቡኣት መሰኻኽር የሆዋን እቶም ብጾቶም ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራን ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ከመይ ዝበለ ፍረ ኢዮም ዝረኸቡ፧ እዛ ስዒባ ዘላ ዓንቀጽና ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ኢያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ ግን ካብ 1 ጥሪ 1939 ጀሚሩ ናብቲ “‘ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክፈልጡ ኢዮም።’​—⁠ህዝቅኤል 35:⁠15” ዝብል መግለጺ ተቐይሩ ኢዩ።

ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝሓለፈ መዋእላት የሆዋ ከመይ ዝበሉ መሰኻኽር ኢዩ ዘተንስአ፧

መበቈል ዓባይ ባቢሎን እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

የሆዋ ንርእሲ ኸተማ እቶም ከም ህዝቢ እተጠርነፉ መሰኻኽሩ ዝነበረት የሩሳሌም ኣብ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ክትጠፍእ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብ 70 ከ.ኣ.ዘ. ክትጠፍእ ዘፍቀደኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

እቲ ናይ የሆዋ ክፍሊ ሓላውን ብጾቱን ከመይ ዝበለ መንፈስ ኢዮም ከርእዩ ጸኒሖም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

‘ኸየቋረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ ኣለኹ ’

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ ክፍሊ ሓላዊ ንመዝነቱ ኣርዚኑ ኢዩ ዝርእዮ