ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 27

ካብ የሆዋ ዓለዉ

ካብ የሆዋ ዓለዉ

ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ እስራኤላውያን ገና ኣብ በረኻ ኸለዉ፡ ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን 250 ሰብኡትን ካብ ሙሴ ዓለዉ። ከምዚ ድማ በልዎ፦ ‘ሕጅስ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ! መንዶ ንዓኻ መራሒና፡ ንኣሮን እውን ሊቀ ኻህናት ገይሩ ሸይሙኩም እዩ፧ የሆዋ ምሳኻን ምስ ኣሮንን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ኵላትና እዩ’ በልዎ። የሆዋ በዚ ባህ ኣይበሎን። ካብኡ ኸም ዝዓለዉ ገይሩ እዩ ርእይዎ!

ሙሴ ንቆራሕን ንደገፍቱን፡ ‘ጽባሕ ናብቲ ማሕደር ምጹ፡ ናታትኩም መትሓዚታት ሓዊ እውን ኣምጽኡ። የሆዋ ንመን ከም ዝሓረየ ኼርእየና እዩ’ በሎም።

ንጽብሒቱ፡ ቆራሕን እቶም 250 ሰብኡትን ምስ ሙሴ ንምርኻብ ናብቲ ማሕደር ከዱ። ኣብኡ ኸኣ ካህናት ዘይኰኑ ኽነሶም፡ ከም ካህናት ዕጣን ዓጠኑ። የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ‘ካብ ቆራሕን ካብ ሰቡን ተፈለዩ’ በሎም።

ቆራሕ ናብ ሙሴ፡ ናብቲ ማሕደር እኳ እንተ ኸደ፡ ዳታንን ኣቢራምን ስድራ ቤቶምን ግና ናብኡ ምኻድ ኣበዩ። የሆዋ ኸኣ ንእስራኤላውያን፡ ካብ ድንኳናት ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኪርሕቁ ኣዘዞም። ብኡብኡ፡ እስራኤላውያን ረሓቑ። ዳታንን ኣቢራምን ስድራ ቤቶምን ድማ ኣብ ወጻኢ ድንኳናቶም ደው በሉ። ብሃንደበት ከኣ ምድሪ ተጨዲዳ ወሓጠቶም! ኣብቲ ማሕደር ድማ፡ ሓዊ ወሪዱ ንቆራሕን ነቶም 250 ሰብኡትን ኣንደዶም።

ሽዑ የሆዋ ንሙሴ፡ ‘ከካብ መራሒ ነገድ በትሪ ውሰድ፣ ስም ነፍሲ ወከፍ ድማ ጽሓፈሉ። ኣብ በትሪ ነገድ ሌዊ ኸኣ፡ ስም ኣሮን ጽሓፍ። ነቲ ኣባትር ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕደር ኣንብሮ፣ በትሪ እቲ ኣነ ዝሓረኽዎ ሰብ ከኣ ክትዕምብብ እያ’ በሎ።

ንጽብሒቱ፡ ሙሴ ንዅሉ እቲ ኣባትር ኣውጺኡ ነቶም መራሕቲ ኣርኣዮም። በትሪ ኣሮን ከኣ ዕምባባ ኣውጺኣ፡ ብሱል ለውዚ እውን ፈርያ ነበረት። በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንኣሮን፡ ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ከም ዝሓረዮ መረጋገጺ ሃበ።

“ንዚመርሑኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን።”—እብራውያን 13:17