ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 20

እቲ ዝሰዓበ ሽዱሽተ መዓት

እቲ ዝሰዓበ ሽዱሽተ መዓት

ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ከይዶም፡ ‘ንህዝበይ እንተ ዘይሰዲድካዮም፡ ናብ ምድርኻ ጽንጽያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ’ ኢሎም ካብ ኣምላኽ እተላእከ መልእኽቲ ኣብጽሑሉ። ጽንጽያ ኸልቢ ተናኸስቲ ዓይነት ጽንጽያ እዮም። ሽዑ፡ ዕስለታት ጽንጽያ ኸልቢ ንኣባይቲ ሃብታማትን ድኻታትን ግብጻውያን መልእዎ። ብምልእታ እታ ምድሪ ብጽንጽያ ኸልቢ መልአት። ኣብታ እስራኤላውያን ዚነብሩላ ምድሪ ጎሼን ግና ጽንጽያ ኸልቢ ኣይነበረን። ፈርኦን ከኣ፡ ‘የሆዋ ነዞም ጽንጽያ ኼርሕቐለይ ለምኑለይ። ህዝብኹም ድማ ኪኸዱ ይኽእሉ እዮም’ ኢሉ ለመነ። የሆዋ ነቶም ጽንጽያ ኸልቢ ምስ ኣርሓቖም ግና፡ ፈርኦን ሓሳቡ ቐየረ። ፈርኦን እዚ ዅሉ መቕጻዕቲ ርእዩ ኣይተማህረን።

የሆዋ ኸኣ፡ ‘ፈርኦን ንህዝበይ ምስዳድ እንተ ኣብዩ፡ እንስሳታት ግብጻውያን ኪሓምማን ኪሞታን እየን’ በለ። ንጽብሒቱ፡ እተን እንስሳታት ኪሞታ ጀመራ። እንስሳታት እስራኤላውያን ግና ኣይሞታን። ይኹን እምበር፡ ፈርኦን ነቓጽ ነበረ፡ ምስማዕ እውን ኣበየ።

ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ናብ ፈርኦን ከይዱ ሓምዅሽቲ ናብ ኣየር ኪብትን ነገሮ። እቲ ሓምዅሽቲ ድማ ከም ደሮና ዀነ እሞ ነቲ ኣየር መልኦ፣ ኣብቶም ግብጻውያን እውን ዓረፈ። ብሰንኪ እቲ ደሮና ኸኣ፡ ንዅሎም ግብጻውያንን እንስሳታቶምን ዜቐንዙ ምጕልንጭዋ ወይ ኣቝሳል ወጾም። ይኹን እምበር፡ ፈርኦን ንእስራኤላውያን ምስዳዶም ኣበየ።

የሆዋ ድማ መሊሱ ንሙሴ ናብ ፈርኦን ለኣኾ እሞ፡ ‘ክሳዕ ሕጂዶ ንህዝበይ ምስዳድ ትኣቢ ኣለኻ፧ ጽባሕ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ በረድ ኺዘንም እዩ’ በለ። ንጽብሒቱ፡ የሆዋ በረድን ነጐዳን ሓውን ሰደደ። ኣብ ግብጺ ቕድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ዝናም ዘነመ። ኵሉ ኣእዋምን ኣእካልን ድማ ጠፍአ፣ ኣብ ጎሼን ግና ከምኡ ኣይኰነን። ፈርኦን ድማ፡ ‘የሆዋ ነዚ ደው ኬብሎ ለምንዎ። ድሕሪኡ ትኸዱ’ በሎም። እቲ በረድን ዝናምን ደው ምስ በለ ግና፡ ፈርኦን ሓሳቡ ቐየረ።

ድሕሪኡ፡ ሙሴ፡ ‘ሕጂ ኣንበጣ ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉ ኣትክልቲ ኺበልዖ እዩ’ በለ። ሚልዮናት ኣንበጣ መጺኦም ከኣ ነቲ ኣብ ግራውትን ኣብ ኣእዋምን ዝተረፈ ዅሉ በልዕዎ። ፈርኦን ድማ፡ ‘የሆዋ ነዞም ኣንበጣ ኼርሕቖም ለምኑለይ’ በለ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቶም ኣንበጣ ምስ ኣርሓቖም እውን እንተ ዀነ፡ ፈርኦን ንቕጽናኡ ቐጸለ።

ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ‘ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ’ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ እቲ ሰማይ ድቕድቕ ጸልማት ኰን። ንሰለስተ መዓልቲ፡ ግብጻውያን ዋላ ሓንቲ ኺርእዩ ኣይከኣሉን። እስራኤላውያን ጥራይ እዮም ኣብ ኣባይቶም ብርሃን ዝነበሮም።

ፈርኦን ከኣ ንሙሴ፡ ‘ንስኻን ህዝብኻን ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። እንስሳታትኩም ጥራይ ይትረፋ’ በሎም። ሙሴ ድማ፡ ‘እንስሳታትና ንኣምላኽ መስዋእቲ ምእንቲ ኽንገብረን፡ ምሳና ኽንወስደን ኢና’ በሎ። ፈርኦን ከኣ በዚ ኣመና ተቘጥዐ። ‘ካባይ ርሓቕ! ድሕሪ ሕጂ እንተ ርእየካ፡ ክቐትለካ እየ’ ኢሉ ጨደረ።

“ንስኻትኩም ከኣ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን እኩይን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዜገልግሎን ዘየገልግሎን ዘሎ ፍልልይ ክትርእዩ ኢኹም።”—ሚልክያስ 3:18