ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 22

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተገብረ ተኣምር

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተገብረ ተኣምር

ፈርኦን፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኸም ዝወጹ ምስ ሰምዐ፡ ሓሳቡ ለወጠ። ንተዋጋእቱ ኸኣ፡ ‘ንዅሉ ሰረገላታተይ ኣዳልውዎ እሞ ደድሕሪኦም ንስዓብ! ሓራ ኽንሰድዶም ኣይነበረናን’ በሎም። ንሱን ሰቡን ከኣ ንእስራኤላውያን ሰዓብዎም።

የሆዋ ንህዝቡ፡ ብመዓልቲ ብደበና፡ ብለይቲ ኸኣ ብሓዊ ገይሩ ይመርሖም ነበረ። ናብ ቀይሕ ባሕሪ ድማ መርሖም፣ ኣብኡ ኺሰፍሩ እውን ኣዘዞም።

ድሕሪኡ፡ እስራኤላውያን፡ ፈርኦንን ሰራዊቱን ደድሕሪኦም ኪስዕቡ ረኣይዎም። እስራኤላውያን ከኣ ኣብ መንጎ እቲ ባሕርን ኣብ መንጎ ሰራዊት ግብጽን ተቐርቀሩ። ንሙሴ ድማ፡ ‘ክንመውት ኢና! ኣብ ግብጺ እንተ ትሓድገና ምሓሸ ነይሩ’ በልዎ። ሙሴ ግና፡ ‘ኣይትፍርሁ። የሆዋ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜድሕነና ርኣዩ’ በሎም። ሙሴስ ብሓቂ ብየሆዋ ይእመንዶ ኣይነበረን፧

የሆዋ ኸኣ ንእስራኤላውያን ካብቲ ዝሰፈሩሉ ኺነቕሉ ኣዘዞም። በታ ለይቲ እቲኣ፡ የሆዋ ነቲ ደበና ኣግዓዞ እሞ፡ ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ገበሮ። ስለዚ፡ ብሸነኽ ግብጻውያን፡ ጸልማት ኰነ። ብሸነኽ እስራኤላውያን ግና፡ ብርሃን ነበረ።

የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ኺዝርግሕ ነገሮ። ሽዑ፡ የሆዋ ምሉእ ለይቲ ብርቱዕ ንፋስ ኣንፈሰ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ኣብ ክልተ ተመቕለ፣ ኣብ ማእከሉ እውን መገዲ ዀነ። እቶም ሚልዮናት እስራኤላውያን ከኣ በቲ ኣብ መንጎ ኽልተ መንደቕ ማያት ዝነበረ ንቑጽ ምድሪ ሰገሩ።

ሰራዊት ፈርኦን ድማ ንእስራኤላውያን ስዒቦም ናብቲ ዝነቐጸ ማእከል ባሕሪ ኣተዉ። ሽዑ፡ የሆዋ ነቶም ሰራዊት ኣሸበሮም። መንኰራዅራቶም ከኣ ካብ ሰረገላታቶም ኪመልቝ ጀመረ። እቶም ተዋጋእቲ ድማ፡ ‘ካብዚ ንርሓቕ! የሆዋ ይዋግኣሎም ኣሎ’ በሉ።

የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ ‘ኢድካ ኣብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሕ’ በሎ። እቲ ኸም መንደቕ ዝዀነ ማያት ድማ ንሰራዊት ግብጻውያን ደፈኖም። ፈርኦንን ኵሎም ሰቡን ከኣ ሞቱ። ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።

ኣብ ስግር እቲ ባሕሪ ግና፡ ብዙሓት ህዝቢ ንኣምላኽ ብመዝሙር ወደስዎ፣ “ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ። ንፈረስን ነቲ እተወጥሖን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ” ኢሎም እውን ዘመሩ። እቶም ህዝቢ ኺዝምሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ኣንስቲ ሳዕስዓ፡ ከበሮ እውን ወቕዓ። ብሓቂ ናጻ ብምዃኖም ድማ፡ ኵላቶም ብዙሕ ተሓጐሱ።

“ስለዚ፡ ተቢዕና፡ ‘የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧’ ክንብል ንኽእል ኢና።”—እብራውያን 13:6