ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 37

የሆዋ ንሳሙኤል ተዛረቦ

የሆዋ ንሳሙኤል ተዛረቦ

ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናትን ክልተ ደቁን ካህናት ኰይኖም ኣብቲ ማሕደር የገልግሉ ነበሩ። ደቂ ኤሊ፡ ሆፍኒን ፊንሃስን ይብሃሉ ነበሩ። ንሳቶም ድማ ሕግታት የሆዋ ኣይእዘዙን ነበሩ፣ ንሰባት ከኣ ብሕማቕ ይሕዝዎም ነበሩ። እስራኤላውያን ንየሆዋ መስዋእቲ ምስ ኣምጽኡ፡ ሆፍኒን ፊንሃስን ነቲ ብሉጽ ስጋ ንዓታቶም ይወስድዎ ነበሩ። ኤሊ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ደቁ ዚገብርዎ ዝነበሩ ሰምዐ፣ ግናኸ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይገበረን። እሞኸ የሆዋ ነዚ ኸምኡ ኢሉ ኪቕጽል ፈቒዱዶ፧

ሳሙኤል ካብ ሆፍኒን ፊንሃስን ብዙሕ ዚንእስ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብነቶም ኣይሰዓበን። የሆዋ ብሳሙኤል ባህ ይብሎ ነበረ። ሓደ ለይቲ፡ ሳሙኤል ደቂሱ ኸሎ፡ ስሙ ዚጽውዕ ድምጺ ሰምዐ። ተንሲኡ ናብ ኤሊ ጐይዩ ኸይዱ፡ ‘እነኹ!’ በሎ። ኤሊ ግና፡ ‘ኣይጸዋዕኩኻን። መሊስካ ደቅስ’ በሎ። ሳሙኤል ከኣ ናብ ድቃሱ ተመልሰ። እዚ ነገር እዚ ድማ ካልኣይ ሳዕ ኰነ። ሳሙኤል ሳልሳይ ሳዕ ድምጺ ምስ ሰምዐ፡ የሆዋ ይጽውዖ ኸም ዘሎ ኤሊ ኣስተውዓለ። ስለዚ፡ ንሳሙኤል፡ መሊሱ ድምጺ እንተ ሰሚዑ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ጊልያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ’ ኪብል ነገሮ።

ሳሙኤል ናብ ድቃሱ ተመልሰ። ድሕሪኡ፡ ‘ሳሙኤል፡ ሳሙኤል’ ዚብል ጻውዒት ሰምዐ። ንሱ ድማ፡ ‘ጊልያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ’ ኢሉ መለሰ። የሆዋ ኸኣ፡ ‘ንኤሊ እዚ መልእኽቲ እዚ ንገሮ፦ ደቁ ኣብ ማሕደረይ ክፉእ ከም ዚገብሩ እናፈለጠስ ዋላ ሓንቲ ስለ ዘይገበረ፡ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ክቐጽዖም እየ’ በሎ። ንጽብሒቱ፡ ሳሙኤል ከምቲ ኣዘውቲሩ ዚገብሮ፡ መዓጹ እቲ ማሕደር ከፈተ። እቲ የሆዋ ዝበሎ ነቲ ሊቀ ኻህናት ምንጋር ግና ፈርሀ። ኤሊ ግና ጸዊዑ፡ ‘ወደየ፡ የሆዋ እንታይ ኢሉካ፧ ኵሉ ንገረኒ’ በሎ። ሳሙኤል ድማ ንኤሊ፡ ኵሉ ነገሮ።

ሳሙኤል እናዓበየ ኸደ፣ የሆዋ ድማ ምስኡ ነበረ። ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እታ ምድሪ ዚነብሩ ብዘለዉ እስራኤላውያን ከኣ፡ የሆዋ ንሳሙኤል ነብዪን ፈራድን ኪኸውን ከም ዝሓረዮ ፈለጡ።

“ብመዓልትታት ንእስነትካ ነቲ ዓብዪ ፈጣሪኻ ዘክሮ።”—መክብብ 12:1