ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 92

የሱስ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ተራእዮም

የሱስ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ተራእዮም

ካብቲ የሱስ ንሃዋርያቱ እተራእየሉ እተወሰነ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ጴጥሮስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ ኺገፍፍ ከደ። ቶማስን ያእቆብን ዮሃንስን ገሊኦም ደቀ መዛሙርትን እውን ምስኡ ኸዱ። ምሉእ ለይቲ ዓሳ ኺገፍፉ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይሓዙን።

ኪወግሕ ምስ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ገምገም ደው ኢሉ ረኣዩ። ንሱ ኸኣ ብማዕዶ ተዳህዩ፡ ‘ዓሳዶ ሒዝኩም፧’ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ‘ኣይሓዝናን’ በልዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ” በሎም። ከምኡ ምስ ገበሩ፡ እቲ መርበብ ብዓሳ ስለ ዝመልአ፡ ስሒቦም ናብ ጃልባ ኼእትውዎ ኣይከኣሉን። ሽዑ፡ ዮሃንስ፡ እቲ ሰብኣይ የሱስ ምዃኑ ስለ ዘስተውዓለ፡ “ጐይታና እዩ!” በለ። ጴጥሮስ ከኣ ብኡብኡ ዘሊሉ ናብ ማይ ኣትዩ፡ ሓምቢሱ ናብ ገምገም ወጸ። እቶም ዝተረፉ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ብጃልባ ሰዓብዎ።

ኣብ ገምገም ምስ በጽሑ፡ እንጌራን ኣብ ጓህሪ ዚጥበስ ዓሳን ረኣዩ። የሱስ ከኣ መወሰኽታ ኪዀኖም ኢሉ ገለ ኻብቲ ዝሓዝዎ ዓሳ ኼምጽኡ ሓተቶም። ድሕሪኡ፡ “ንዑ ቝረሱ” በሎም።

ምስ ቈረሱ ኸኣ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ ‘ካብ ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧’ ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ ድማ፡ ‘እወ ጐይታይ፡ ከም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ’ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ‘እምበኣር፡ ዕያውተይ ኣብልዕ’ በሎ። የሱስ ድማ ከም ብሓድሽ፡ ‘ጴጥሮስ፡ ተፍቅረኒ ዲኻ፧’ ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ‘ጐይታይ፡ ከም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ’ በሎ። የሱስ ድማ፡ “ኣባጊዐይ ጓሲ” በሎ። ሳልሳይ ሳዕ ከኣ የሱስ ንጴጥሮስ ሓተቶ። ሽዑ፡ ጴጥሮስ ብዙሕ ጕህዩ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ። ከም ዝፈትወካ እውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። የሱስ ድማ፡ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ” በሎ። ቀጺሉ ኸኣ ንጴጥሮስ፡ “ብቐጻሊ ስዓበኒ” በሎ።

“[የሱስ፡] ‘ኣነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ እሞ፡ ስዓቡኒ’ . . . በሎም። ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ።”—ማቴዎስ 4:19, 20