ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 90

የሱስ ኣብ ጐልጎታ ሞተ

የሱስ ኣብ ጐልጎታ ሞተ

እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ንየሱስ ናብ ቤተ መንግስቲ እቲ ሹም ወሰድዎ። ጲላጦስ ከኣ፡ “ኣብዚ ሰብ እዚ እንታይ ክሲ ኣሎኩም፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ‘“ንጉስ እየ” ይብል እዩ’ በልዎ። ጲላጦስ ከኣ ንየሱስ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ድማ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ መለሰሉ።

ሽዑ፡ ጲላጦስ ንየሱስ፡ ሄሮድስ እቲ ገዛኢ ገሊላ ገለ በደል እንተ ረኸበሉ ኢሉ፡ ናብኡ ለኣኾ። ሄሮድስ ግና ንየሱስ ዋላ ሓንቲ በደል ስለ ዘይረኸበሉ፡ ናብ ጲላጦስ መለሶ። ሽዑ፡ ጲላጦስ ነቶም ህዝቢ፡ ‘ኣነን ሄሮድስን ዋላ ሓንቲ በደል ኣይረኸብናሉን። ክፈትሖ እየ’ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ቅተሎ! ቅተሎ!’ ኢሎም ጨደሩ። ወተሃደራት ድማ ንየሱስ ብመግረፊ ገረፍዎ፡ ጡፍ በሉሉ፡ ወቕዕዎ እውን። ኣኽሊል እሾዅ ኣብ ርእሱ ገይሮም ከኣ፡ “ሰላም፡ ኦ ንጉስ ኣይሁድ” እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። ጲላጦስ ድማ መሊሱ ነቶም ህዝቢ፡ ‘ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን’ በሎም። ንሳቶም ግና፡ “ስቐሎ!” ኢሎም ጫውጫው በሉ። ስለዚ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ኪሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም።

ንሳቶም ከኣ ንየሱስ፡ ጐልጎታ ናብ እትብሃል ቦታ ወሰድዎ፣ ኣብ ጕንዲ ሸንኪሮም ድማ ነቲ ጕንዲ ደው ኣበልዎ። የሱስ ከኣ፡ “ኣቦ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም” ኢሉ ጸለየ። ገሊኦም ሰባት ድማ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብቲ ጕንዲ ውረድ፡ ርእስኻ እውን ኣድሕን’ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ።

ሓደ ኻብቶም እተሰቕሉ ገበነኛታት ግና፡ “መንግስትኻ ምስ ሓዝካ፡ ዘክረኒ” በሎ። የሱስ ድማ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ኢሉ ቓል ኣተወሉ። ድሕሪ ቐትሪ ኸኣ፡ ንሰለስተ ሰዓት ኣብታ ምድሪ ጸልማት ኰነ። ገሊኦም ደቀ መዛሙርቱን ኣዲኡ ማርያምን ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ጕንዲ ደው ኢሎም ነበሩ። ሽዑ፡ የሱስ ንዮሃንስ፡ ንማርያም ከም ኣዲኡ ገይሩ ኺከናኸና ተላበዎ።

ኣብ መወዳእታ፡ የሱስ “ተፈጺሙ!” በለ። ርእሱ ኣድነነ፡ ትንፋሱ እውን ሓለፈት። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ። ኣብታ ቤተ መቕደስ ድማ፡ እቲ ኣብ መንጎ ቕድስትን ቅድስተ ቕዱሳንን ዝነበረ መጋረጃ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ‘እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ’ በለ።

“ተስፋታት ኣምላኽ ዘበለስ ብእኡ ‘እወ’ ዀይኑ እዩ።”—2 ቈረንቶስ 1:20