ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እምነትን ኣምልኾን

ሃይማኖት

መንፈሳውነት እንታይ እዩ፧ ሃይማኖት ዘይብለይ ክነሰይ መንፈሳዊ ክኸውን እኽእልዶ፧

መንፈሳውነት ከተማዕብል ዚሕግዘካ ሰለስተ ሓሳባት ፍለጥ፣ ብዛዕባኡ ዘሎ ኣርባዕተ ግጉይ ርድኢት እውን ኣለሊ።

ኵለን ሃይማኖታት ሕደ ድየን፧ ኵለንከ ናብ ኣምላኽ ይመርሓ ድየን፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጐሊሑ ዚርከብ ክልተ ረቛሒ ነዚ ይምልሰልና እዩ።

ኣባል ሓንቲ እተወደበት ሃይማኖት ክትከውን ኣድላዪ ድዩ፧

ሓደ ሰብ ብብሕቱ ንኣምላኽ ምምላኹ ጥራይ እኹል ድዩ፧

ስለምንታይ እዩ ኣመና ብዙሕ ሃይማኖታት ክርስትና ዘሎ፧

እቲ መስራቲ ክርስትና ዝዀነ የሱስ ከምዚ ድዩ ሓሊኑ ነይሩ፧

ከመይ ገይርካ ኢኻ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክትረኽባ እትኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ 9 መለለይታት ናይ ሓቂ ሃይማኖት ይገልጽ።

ጸረ ክርስቶስ መን እዩ፧

ብሕጂ ድዩ ዚመጽእ ወይስ ድሮ መጺኡ ኣሎ፧

ቅዱስ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

ከማና ዝበሉ ዘይፍጹማት ሰባት ቅዱሳት ኪዀኑ ይኽእሉ ድዮም፧

ጸሎት

እንተ ጸልየ ኣምላኽ ኪሕግዘኒ ድዩ፧

ኣምላኽ በቲ ዜጋጥመና መከራ ብሓቂዶ ይግደስ እዩ፧

ስለምንታይ እየ ዝጽሊ፧ ኣምላኽከ ይምልሰለይ ድዩ፧

ኣምላኽ ንጸሎትካ ዚምልሶ ወይ ዘይምልሶ ምዃኑ፡ ብዓብይኡ ኣባኻ እዩ ዚምርኰስ።

ብኸመይ ኢና እንጽሊ፧ ንጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ብምድጋም ድዩ፧

ኣምላኽ ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብሃል ጸሎት ጥራይ ድዩ ዚቕበል፧

ብስም የሱስ እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧

ብስም የሱስ ክትጽሊ ኸለኻ፡ ንኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜኽብሮ፡ ንየሱስ እውን ኣኽብሮት ብኸመይ ከም እተርእዮ መርምር።

ናብ ቅዱሳት ክጽልስ ግቡእ ድዩ፧

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ናብ መን ክንጽሊ ኸም ዚግባእ ዚገልጾ መርምር።

ድሕነት

ብየሱስ ምእማን ንድሕነት እኹል ድዩ፧

ገሊኦም ብየሱስ ዚኣምኑ ግናኸ ዘይድሕኑ ኸም ዘለዉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧

ድሕነት እንታይ እዩ፧

ድሕነት ብኸመይ ይርከብ፧ ሓደ ሰብ ካብ ምንታይ እዩ ዚድሕን፧

የሱስ የድሕን—ብኸመይ፧

ስለምንታይ ኢና የሱስ ምእንታና ኺልምን እንደሊ፧ ንምድሓን ብየሱስ ክንኣምን ጥራይ ድዩ ዜድልየና፧

የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧

ሞት የሱስ ንዓና ብልክዕ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

መስዋእቲ የሱስ “ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ኻብ ሓጢኣት ዜድሕን ብኸመይ እዩ፧

ጥምቀት እንታይ እዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያሎ ጥምቀታት ተመዝጊቡ ኣሎ፣ እዚ ድማ ትርጉምን ኣገዳስነትን ጥምቀት እንታይ ምዃኑ ይሕብረና።

ዳግም ምውላድ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ክርስትያን ንምዃን ዳግም ክትውለድ የድልየካ ድዩ፧

ሓጢኣትን ሕድገትን

ሓጢኣት እንታይ እዩ፧

ገሊኡ ሓጢኣት ካብ ኻልእ ዝገደደ ድዩ፧

ይቕረታ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ሰብ ይቕረ ኽትብለሉ ዚሕግዝ ሓሙሽተ ነገራት ይገልጽ።

ኣምላኽ ይቕረ ይብለለይ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኻብ ኣምላኽ ይቕረታ ንምርካብ ክትገብሮ ዚግብኣካ ነገራት እንታይ ከም ዚብል ርአ።

በደለኛ ኸም ዝዀንኩ ምስ ዚስምዓኒ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧

ብኽቱር ስምዒት በደለኛነት ክትውሓጥ ትኽእል ኢኻ። ግናኸ፡ ነዚ ኸተሰንፎ ዚሕግዘካ ሰለስተ ስጕምታት ኣሎ።

“ሸውዓተ ውጉዝ ሓጢኣት” ወይ “ሸውዓተ ዓበይቲ ሓጢኣት” ኣሎ ድዩ፧

እዚ ስያመ እዚ ምንጩ ኻበይ እዩ፧ ኣብ መንጎ “ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት”ን “ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት”ን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት እንታይ እዩ፧

ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት ጌርካ እንተ ዄንካ ኸመይ ጌርካ ኽትፈልጥ ትኽእል፧

“ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” እንታይ ማለት እዩ፧

እቲ “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ፡ ውልቀ ሰባት ባዕሎም ሕነ ኺፈድዩ ዜፍቅድ ድዩ ነይሩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ይብል፧ ምስታይ ሓጢኣት ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይኒ ይኹን ኻልእ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ እተፈላለየ ጥቕሚ ይገልጽ እዩ።

ምትካኽ ሽጋራ ሓጢኣት ድዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምትካኽ ሽጋራ ኣይተገልጸን፡ እሞ ደኣ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ከመይ ጌርካ ይፍለጥ፧

ጠላዕ ሓጢኣት ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጠላዕ ፈልዩ ዘይገልጽ ካብ ኰነ፡ ከመይ ጌርና ደኣ ኢና ኣምላኽ ብዛዕባኡ ዘለዎ ርእይቶ ኽንፈልጥ ንኽእል፧

ሃይማኖታዊ ልማዳት

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕሽር እንታይ ይብል፧

ኣብ መንጎ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚብሎን ኣብ መንጎ እቲ ንገሊኦም ዚመስሎምን ዘሎ ፍልልይ ይገርመካ ይኸውን።

ክርስትያናት ሰንበት ኬኽብሩ ይግብኦም ድዩ፧

ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰንበት ናይ ዘለኣለም ኪዳን ከም ዝዀነት ገይሩ ዝጠቕሳ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋታት ብዛዕባ ምዝራብ እንታይ ይምህር፧

ውህበት እዚ መንፈስ እዚ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾም እንታይ ይብል፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ገሊኦም ሰባት፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዚጾሙ ነይሮም፧ ክርስትያናት ኪጾሙ ኣለዎም ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሃብ እንታይ ይብል፧

ንኣምላኽ ዜሐጕስ ምሃብ ከመይ ዝበለ እዩ፧

ዓሰርተ ትእዛዛት ኣምላኽ እንታይ እየን፧

ንመን እየን ተዋሂበን፧ ክርስትያናት ኪሕልውወን ግዴታ ኣለዎም ድዩ፧