ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ እየ ዝጽሊ፧ ኣምላኽከ ይምልሰለይ ድዩ፧

ስለምንታይ እየ ዝጽሊ፧ ኣምላኽከ ይምልሰለይ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 እወ፡ ይምልሶ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ናይ ሓቂ ተመክሮ ሰባት፡ ኣምላኽ ጸሎት ከም ዚምልስ የርኢ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ኣምላኽ] ትምኒት እቶም ዚፈርህዎ የዕግብ፡ ኣውያቶም ይሰምዕ፡ የናግፎም እውን” ይብል እዩ። (መዝሙር 145:19) ኣምላኽ ንጸሎትካ ዚምልሶ ወይ ዘይምልሶ ምዃኑ ግና፡ ብዓብይኡ ኣባኻ እዩ ዚምርኰስ።

ንኣምላኽ ዜገድሶ

  •   ናብ ኣምላኽ ምጽላይ፣ ናብ የሱስ፡ ማርያም፡ መላእኽቲ፡ ወይ ምስልታት ከኣ ዘይምጽላይ። የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ “ሰማዕ ጸሎት።”—መዝሙር 65:2

  •   ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ፍቓድ ወይ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምጽላይ።—1 ዮሃንስ 5:14

  •   ብስም የሱስ ምጽላይ፡ ማለት ንስልጣኑ ምቕባል። የሱስ፡ “ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ኢሉ ኣሎ።—ዮሃንስ 14:6

  •   ብእምነት ምጽላይ፣ እንተ ኣድልዩ እውን ተወሳኺ እምነት ኪውሃበና ምጽላይ።—ማቴዎስ 21:22፣ ሉቃስ 17:5

  •   ትሑትን ቅኑዕን ምዃን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ንትሑት የስተብህለሉ” ይብል።—መዝሙር 138:6

  •   ዘይምሕላል። የሱስ፡ “ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ” ኢሉ ኣሎ።—ሉቃስ 11:9

ንኣምላኽ ዘየገድሶ

  •   ዓሌትካ ወይ ዜግነትካ። ‘ኣምላኽ ኣየዳሉን እዩ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።’—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

  •   ኣቃውማኻ። ኮፍ ኢልካ፡ ተደፊእካ፡ ተምበርኪኽካ፡ ወይ ደው ኢልካ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ትኽእል ኢኻ።—1 ዜና መዋእል 17:16፣ ነህምያ 8:6፣ ዳንኤል 6:10፣ ማርቆስ 11:25

  •   ዓው ኢልካ ይኹን ወይ ብልብኻ ምጽላይ። ኣምላኽ ካልኦት እውን ዘየስተብህሉሉ ብልቢ ዚጽለ ጸሎት ይምልስ እዩ።—ነህምያ 2:1-6

  •   ዜተሓሳስበካ ነገር ከቢድ ይኹን ወይ ቀሊል። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ [ኣምላኽ] ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” ዚብል መተባብዒ ተዋሂቡ ኣሎ።—1 ጴጥሮስ 5:7