ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋታት ብዛዕባ ምዝራብ እንታይ ይምህር፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋታት ብዛዕባ ምዝራብ እንታይ ይምህር፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 “ብቛንቋታት” ወይ “ብልሳናት” ምዝራብ ዚብልዎ መግለጺ፡ ነቲ ገሊኦም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣቐዲሞም ንዘይፈልጥዎ ቛንቋ ዚዛረቡሉ ተግባር የመልክት። (ግብሪ ሃዋርያት 10:46፡ እ.ጽ.) ነቲ ቛንቋ ዚፈልጥዎ ሰባት፡ ንዘረባ እቲ ተዛራባይ ብቐሊሉ ይርድእዎ ነይሮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:4-8) ምዝራብ ቋንቋታት ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝሃባ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ እዩ ነይሩ።—እብራውያን 2:4፣ 1 ቈረንቶስ 12:4, 30

 ምዝራብ ቋንቋታት ኣበይን መዓስን ተጀሚሩ፧

 እዚ ተኣምር እዚ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ የሩሳሌም፡ ብ33 ድ.ክ. በታ ጰንጠቈስጠ ዚብሃል በዓል ኣይሁድ እተባዕለትላ ንግሆ እዩ ተገይሩ። ኣስታት 120 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ተኣኪቦም ከለዉ ድማ፡ “ኵላቶም . . . ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ እሞ፡ . . . ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 1:15፣ 2:1-4) ሽዑ፡ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዅሎም ህዝቢ” ተኣከቡ እሞ፡ “በብቛንቋኦም ኪዛረቡ ስለ ዝሰምዕዎም . . . ደንጸዎም።”—ግብሪ ሃዋርያት 2:5, 6

 ዕላማ ምዝራብ ቋንቋታት እንታይ እዩ ነይሩ፧

  1.   ኣምላኽ ንክርስትያናት ከም ዚድግፎም ምእንቲ ኺርአ። ቅድሚኡ ኣምላኽ ንኸም ሙሴ ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ከም ዚድግፎም ኬርኢ ኢሉ ተኣምራት ይገብር ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 4:1-9, 29-31፣ ዘሁልቍ 17:10) ምዝራብ ቋንቋታት ተመሳሳሊ ዕላማ ነይርዎ፣ ኣምላኽ ነታ ሓዳስ ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ዚድግፋ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቋንቋታት ንዘይኣመንቲ ትእምርቲ እዩ እምበር፡ ንኣመንቲ ኣይኰነን” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—1 ቈረንቶስ 14:22

  2.   ክርስትያናት ኣጸቢቖም ኪምስክሩ ምእንቲ ኪኽእሉ። እቶም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ንሰዓብቲ የሱስ ዝሰምዕዎም፡ “ቅሬጥሳውያንን ኣዕራብን ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ በብቛንቋና ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣለና” ኢሎም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:11) ስለዚ፡ ካልእ ኣገዳሲ ዕላማ እዚ ተኣምር እዚ፡ ክርስትያናት ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ‘ኣጸቢቖም ምእንቲ ኺምስክሩን’ ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ምእንቲ ኺገብሩን’ እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42፣ ማቴዎስ 28:19) ነቲ ተኣምር እቲ ዝረኣዩን ነቲ ምስክርነት ዝሰምዑን ኣስታት 3,000 ሰባት በታ መዓልቲ እቲኣ ደቀ መዛሙርቲ ዀይኖም እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 2:41

 ምዝራብ ቋንቋታት ንሓዋሩ ኪቕጽል ተሓሲቡ ነይሩ ድዩ፧

 ኣይፋልን። ውህበታት መንፈስ ቅዱስ፡ እንተላይ ብቛንቋታት ምዝራብ፡ ግዜያዊ መሰናድዎ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ውህበት ትንቢት እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ኺሰዓር፣ ቋንቋታት እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ኺውዳእ” ኢሉ ተነብዩ እዩ።—1 ቈረንቶስ 13:8

 ምዝራብ ቋንቋታት መዓስ ኣቋሪጹ፧

 ሃዋርያት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ብሓፈሻኡ ናብ ካልኦት ክርስትያናት ይመሓላለፍ ነይሩ እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ሃዋርያት ኣብቶም ኣመንቲ ኣእዳዎም ብምንባር እዩ ዚመሓላለፍ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:18፣ 10:44-46) እቶም ካብ ሃዋርያት ነቲ ውህበታት መንፈስ እተቐበሉ፡ ናብ ካልኦት ኬሕልፍዎ ዘይክእሉ ዝነበሩ እዩ ዚመስል። (ግብሪ ሃዋርያት 8:5-7, 14-17) ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ፍቓድ ምምራሕ ማኪና ንሓደ ሰብ ኪህቦ ይኽእል እዩ፣ እቲ ሰብ ግና ንኻልእ ሰብ ፍቓድ ንምሃብ ሕጋዊ ስልጣን ኣይውሃቦን ይኸውን። ስለዚ፡ ሃዋርያትን እቶም ካባታቶም ነቲ ውህበት እተቐበሉን ምስ ሞቱ፡ ምዝራብ ቋንቋታት ኣብቂዑ ኪኸውን ኣለዎ።

 ሎሚ ዚዝውተር ምዝራብ ቋንቋታት ከመይ እዩ፧

 እቲ ተኣምራዊ ውህበት ምዝራብ ቋንቋታት፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣብቂዑ እዩ። ስለዚ፡ ሎሚ ዋላ ሓደ ሰብ፡ ‘ብሓይሊ ኣምላኽ ብቛንቋታት እዛረብ ኣለኹ’ ኺብል ኣይክእልን እዩ። a

 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብኸመይ ኪልለዩ ይኽእሉ፧

 የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ በታ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኸም ዚልለዩ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብተመሳሳሊ፡ ፍቕሪ ንሓዋሩ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም እትኸውን ገሊጹ እዩ። (1 ቈረንቶስ 13:1, 8) ብተወሳኺ ድማ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ክርስትያናት ነቲ ብፍቕሪ ዚጅምር ብሓባር “ፍረ መንፈስ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ባህርያት ከም ዜፍሪ ሓቢሩ እዩ።—ገላትያ 5:22, 23

a “ምዝራብ ቋንቋታት—ካብ ኣምላኽ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።