ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ደቂ ሰብ ሕድገት ሓጢኣትን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ምእንቲ ኺረኽቡ እዩ የሱስ ሞይቱ። (ሮሜ 6:23፣ ኤፌሶን 1:7) ብዘይካዚ፡ ሞት የሱስ፡ ሰባት ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተናታት እውን ከይተረፈ፡ ንኣምላኽ እሙናት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ኣረጋጊጹ እዩ።—እብራውያን 4:15

 ብምኽንያት ሞት ሓደ ሰብ እዚ ዅሉ ኺፍጽም ዚኽእል ግና ብኸመይ እዩ፧

  1.   የሱስ ‘ሓጢኣትና ምእንቲ ኺሕደገልና’ እዩ ሞይቱ።—ቈሎሴ 1:14

     እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ሓጢኣት ዘይብሉ ፍጹም ኰይኑ እዩ ተፈጢሩ። ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይተኣዘዞን። ዘይምእዛዙ ወይ ሓጢኣቱ ድማ ንዅሎም ዘርኡ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕደረሎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ብዘይተኣዛዝነት ሓደ ሰብ ብዙሓት ሓጥኣን ኰኑ’ ብምባል ይገልጽ።—ሮሜ 5:19

     የሱስ ፍጹም እውን እዩ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ሓጢኡ ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ፡ “ምእንቲ ሓጢኣትና ዜተዓርቕ መስዋእቲ” ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ዮሃንስ 2:2) ከምቲ ዘይተኣዛዝነት ኣዳም ንዅሎም ሰባት ብሓጢኣት ዝበከሎም፡ ሞት የሱስ እውን ብእኡ ንዚኣምኑ ዘበሉ ዅሎም ካብ ሓጢኣት ኬንጽሆም ይኽእል እዩ።

     ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣዳም ንዅሎም ደቂ ሰብ ናብ ሓጢኣት ሸይጥዎም እዩ። የሱስ ግና፡ ብፍቓዱ ኣብ ክንዳና ብሙማት፡ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣት ሓራ ኣውጺእዎም እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ “ሓደ እኳ ዝሓጥአ እንተሎ፡ ኣብ ኣቦ ረዳኢ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ እቲ ጻድቕ ኣሎና።”—1 ዮሃንስ 2:1

  2.   የሱስ ‘ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእ’ እዩ ሞይቱ።ዮሃንስ 3:16

     ኣዳም ንዘለኣለም ኪነብር እኳ እንተ ተፈጥረ፡ ሓጢኣቱ ግና ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣስዒቡሉ እዩ። ብእኡ ድማ እዩ “ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ።”—ሮሜ 5:12

     ብኣንጻሩ ግና፡ ሞት የሱስ ብእኡ ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እውን ሰሪዙሎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓሳብ እዚ፡ “ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝነገሰ፡ ከምኡ ድማ ጸጋ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ኣቢሉ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ጽድቂ . . . ኺነግስ እዩ” ብምባል ብሓጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—ሮሜ 5:21

     ልክዕ እዩ፡ ሎሚ ዕምሪ ሰባት ድሩት እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንጻድቃን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚህቦም ንምዉታት እውን ካብ መስዋእታዊ ሞት የሱስ ምእንቲ ኺጥቀሙ ኸም ዜተንስኦም ኣተስፍዩ ኣሎ።—መዝሙር 37:29፣ 1 ቈረንቶስ 15:22

  3.   የሱስ ‘ክሳዕ ሞት ተኣዚዙ እዩ፣’ እዚ ኸኣ፡ ሰባት ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ፈተና እሙናት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ የረጋግጽ።—ፊልጲ 2:8

     ኣዳም፡ ዋላ እኳ ፍጹም ኣእምሮን ሰብነትን እንተ ነበሮ፡ ብስስዐ ተደሪኹ ዘይግብኦ ነገር ስለ እተመነየ፡ ንኣምላኽ ኣይተኣዘዞን። (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:6) ጸኒሑ ድማ፡ እቲ ቐንዲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን፡ ሰብ ብጥቕሚ ተደሪኹ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ንህይወቱ ዜስግእ ኵነታት ምስ ዜጋጥሞ፡ ንኣምላኽ ከም ዘይእዘዞ ሓሳብ ኣቕረበ። (እዮብ 2:4) ይኹን እምበር፡ እቲ ፍጹም ሰብ ዝዀነ የሱስ፡ ኣብ ትሕቲ ውርደትን ስቓይን ዘለዎ ሞት እውን ከይተረፈ እሙን ኰይኑ ብምጽናዕ ንኣምላኽ ተኣዚዝዎ እዩ። (እብራውያን 7:26) እዚ ኸኣ ነቲ ሰይጣን ዘልዓሎ ሕቶ ምሉእ ብምሉእ ኣደቂስዎ እዩ። እወ፡ ሰብ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ፈተና፡ ንልዑላውነት ኣምላኽ እሙን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ሞት የሱስ ዚልዓል ሕቶታት

  •   የሱስ ንደቂ ሰብ ንምብጃው ኪሳቐን ኪመውትን ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ንፍርዲ ሞት ስቕ ኢሉ ዘይሰረዞ ስለምንታይ እዩ፧

     ሕጊ ኣምላኽ፡ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ” ይብል። (ሮሜ 6:23) ኣምላኽ ነዚ ሕጊ እዚ ኻብ ኣዳም ኣይሓብኦን፣ የግዳስ፡ ዓስቢ ዘይተኣዛዝነት ሞት ምዃኑ ነጊርዎ እዩ። (ዘፍጥረት 3:3) ኣዳም ምስ ሓጥአ፡ እቲ “ኺሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ” ኣብ ቃሉ ጸኒዑ እዩ። (ቲቶስ 1:2) ኣዳም ንዘርኡ፡ ሓጢኣት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዓስቢ ሓጢኣት ዝዀነ ሞት እውን እዩ ኣመሓላሊፉሎም።

     ሓጥኣን፡ ሞት ዚግብኦም እኳ እንተዀነ፡ ኣምላኽ ግና “ሃብቲ ጸጋኡ” ኣርእይዎም እዩ። (ኤፌሶን 1:7) እቲ ኣምላኽ ንየሱስ ፍጹም መስዋእቲ ኪኸውን ብምልኣኽ ንሰባት ንምብጃው ዝገበሮ መሰናድዎ፡ ንፍትሑን ንምሕረቱን የንጸባርቕ እዩ።

  •   የሱስ መዓስ እዩ ሞይቱ፧

     የሱስ ኣብ ግዜ ፋስጋ ኣይሁድ፡ ጸሓይ ድሕሪ ምብራቓ ኣብ “ታሽዐይቲ ሰዓት” ወይ ድማ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ እዩ ሞይቱ። (ማርቆስ 15:33-37፡ እግረ ጽሑፍ) ብመሰረት ዘመናዊ ዓውደ ኣዋርሕ፡ እታ ዕለት እቲኣ፡ ዓርቢ 1 ሚያዝያ 33 ድ.ክ እያ እትውዕል።

  •   የሱስ ኣበይ እዩ ሞይቱ፧

     የሱስ፡ “ቦታ ቐረንቀራ፡ ብእብራይስጢ ድማ ጐልጎታ” ኣብ እትብሃል ቦታ እዩ ሞይቱ። (ዮሃንስ 19:17, 18) እዛ ቦታ እዚኣ፡ ብግዜ የሱስ “ኣብ ወጻኢ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ” የሩሳሌም እያ እትርከብ ነይራ። (እብራውያን 13:12) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣንስቲ እውን ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ” ስለ ዚብል፡ እታ ቦታ ኣብ ኵርባ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። (ማርቆስ 15:40) ኣብዚ እዋን እዚ ግና፡ ጐልጎታ ኣበይ ከም እትርከብ ብልክዕ ኪፍለጥ ኣይከኣልን እዩ።

  •   የሱስ ብኸመይ እዩ ሞይቱ፧

     ብዙሓት ሰባት፡ የሱስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኸም ዝሞተ ዚኣምኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና “ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ሰብነቱ ኣብ ጕንዲ ጾይርዎ እዩ” ብምባል ይገልጽ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:24) ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ የሱስ እተሰቕለሉ ንምግላጽ ስትውሮስክሲሎንን ዚብላ ኽልተ ናይ ግሪኽኛ ቓላት እዮም ተጠቒሞም። ብዙሓት ምሁራት እውን ነዘን ቃላት፡ ዓንዲ ወይ ድማ ካብ ሓደ ዕንጨይቲ እተሰርሐ ትኽ ዝበለ ጕንዲ ዚብል ትርጉም ከም ዘለወን ይሰማምዑለን እዮም።

  •   ሞት የሱስ ብኸመይ እዩ ኺዝከር ዘለዎ፧

     የሱስ ኣብታ ፋስጋ ኣይሁድ ዘብዓለላ ምሸት፡ ምስ ሰዓብቱ ዀይኑ ቕልል ዝበለ ስርዓት ምስ ኣዳለወ፡ “እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” ኢሉ ኣዚዝዎም እዩ። (1  ቈረንቶስ 11:24) ድሕሪ ቝሩብ ሰዓታት ድማ ሞይቱ እዩ።

     ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ፡ ምስ ገንሸል ፋስጋ ኣመሳሲሎምዎ እዮም። (1 ቈረንቶስ 5:7) ከምቲ በዓል ፋስጋ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኸም ዝወጹ ዜዘኻኽሮም ዝነበረ፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ እውን ንክርስትያናት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኸም ዚዀኑ የዘኻኽሮም እዩ። ብመሰረት ዓውደ ኣዋርሕ ኣይሁድ፡ ፋስጋ ኣብ ዓዓመት ኣብ 14 ኒሳን እዩ ዚብዓል ነይሩ። ቀዳሞት ክርስትያናት እውን እንተ ዀነ፡ ነዚ ዝኽሪ እዚ ሓንሳእ ኣብ ዓመት እዮም ዜብዕልዎ ነይሮም።

     ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ ዓዓመት ኣብ 14 ኒሳን ሞት የሱስ የብዕሉ እዮም።