ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽጉማት ምሕጋዝ

ንጽጉማት ምሕጋዝ

“እቲ ርሕሩሕ ቈላሕታ ዘለዎ፡ ንድኻ ኻብ እንጌራኡ ይህቦ እሞ፡ ይባረኽ።”—ምሳሌ 22:9

ገሊኣቶም፡ በዓል ልደት ዜብዕሉሉ ምኽንያት።

የሱስ ንድኻታትን ንሕሙማትን ንእተገፍዑን ይሕግዝ ስለ ዝነበረ፡ ገሊኦም ሰባት ኣብነቱ ኺስዕቡ ይደልዩ እዮም። ነዚ ኺገብሩሉ ዚኽእሉ ዝበለጸ ግዜ ኸኣ፡ እዋን በዓል ልደት ኰይኑ ይስምዖም። ከመይሲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ትካላት ግብረ ሰናይ፡ ወፈያታት ንኪቕበላ ዝያዳ ጻዕሪ ዚገብራ፡ ኣብዚ እዋን እዚ እየን።

ዜተሓታትት ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ እዋን በዓላት፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንግዜኦም ኣቕሑ ኺዕድጉን ኪዘናግዑን ንፈተውቶም ኪበጽሑን ስለ ዜሕልፍዎ፡ ካብቲ ንገበርቲ ሰናይ ዚምጽውትዎ ምጽዋት ሓሊፉ፡ ንድኻታትን ንጽጉማትን ዚኸውን ግዜን ጕልበትን ገንዘብን ኣይረኽቡን እዮም።

እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዝ ይኽእል፧

“ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ።” (ምሳሌ 3:27) ድኻታትን ብጥሜት ዚሳቐዩን ግፉዓትን ሰባት፡ ኣብ እዋን በዓል ልደት ጥራይ ኣይኰኑን ዚሽገሩ። ሓደ ሰብ ከም እተሸገረ እንተ ትፈልጥ እሞ፡ “ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ዀይኑ፡” ንእዋን በዓል ልደት ንምንታይ ትጽበ፧ በዚ ኸምዚ ለውሃትን ርሕራሐን እንተ ኣርኢኻ፡ ክትባረኽ ኢኻ።

“ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ።” (1 ቈረንቶስ 16:2) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ንድኻታት ኪሕግዙ ዚደልዩ ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት ዝሃቦም ምኽሪ እዩ። ንውልቀ ሰባት ወይ ከኣ ነቲ ዝኣከቦ ገንዘብ ብጥበብ ንዚጥቀመሉ ውድብ ኣዘውቲርካ ኽትህቦ እትኽእል ገለ ገንዘብ ‘ከተዋህልል’ ወይ ባጀት ክትገብር ትኽእልዶ፧ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብዓቕምኻ ንጽጉማት ከም እትሓልየሎም ተርኢ።

“ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ።” (እብራውያን 13:16) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ምምቓል” ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ሰናይ ምግባር፡” ወይ ብተግባር ምድጋፍ እውን ክንርስዕ ከም ዘይብልና ተጠቒሱ ምህላዉ ኣስተብህል። ንኣብነት፡ ለባማት ወለዲ ንውሉዳቶም ንኣረጋውያን ኣብ መዓልታዊ ተግባራቶም ኪሕግዝዎም፣ ንሕሙማት ካርድ ብምልኣኽ፡ ናብ ቤቶም ከይዶም ብምብጻሕ፡ ወይ ከኣ ተሌፎን ብምድዋል ኬተባብዕዎም፣ ከምኡውን ንድኻታት ወይ ብስንክልና ንዚሳቐዩ ቘልዑ ኺግደሱሎም የሰልጥንዎም እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ቈልዑ ኣብ ምሉእ ዓመት ሕያዎትን ለጋሳትን ኪዀኑ ይመሃሩ።

ለባማት ወለዲ ንውሉዳቶም ንኣረጋውያንን ንሕሙማትን ንጽጉማት ቈልዑን ኪግደሱሎም የሰልጥንዎም እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ቈልዑ ኣብ ምሉእ ዓመት ሕያዎትን ለጋሳትን ኪዀኑ ይመሃሩ።