ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ እዋን በዓል ልደት ባህታ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ኣብ እዋን በዓል ልደት ባህታ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

“በቲ ኣብቲ ወቕቲ እቲ ዚኽሰት ጭራሕምራሕ፡ ብቕሊሉ ኢኻ እትተሓዝ። ኣብ ዓውደ ዓመት ጽዑቕ መዳባት ስለ ዘሎና፡ ምስ ስድራ ቤትናን ፈተውትናን እነሕልፎ ግዜ ንምርካብ የጸግመና እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ኽንረኽቦ ዚግብኣና ሓጐስ፡ በቲ ሽዑ ዜጋጥመና ውጥረት እዩ ዚዕብለል።” —ኣማሓዳሪ ኦክላሆማ [ሕ.መ.ኣ.] ዝነበረ፡ ብራድ ሄንሪ፡ 23 ታሕሳስ 2008።

እዋን በዓል ልደት ኪቐርብ ከሎ፡ ብደርፍታት፡ ብፊልምታት ኰነ ብመደባት ተለቪዥን ባህ ዜብል ሃዋህው ንምፍጣር ጻዕሪ ይግበር እዩ። በዓል ልደት ዜሐጕስ ንኪኸውን ኪትኰረሉ ዚግባእ ቀንዲ ነገር እንታይ እዩ ምበልካ፧

  • ንየሱስ ክርስቶስ ምዝካር

  • ውህበት ብምውህሃብ ሓጐስ ምርካብ

  • ንጽጉማት ምሕጋዝ

  • ምስ ስድራ ቤትካ ግዜ ምሕላፍ

  • ሰላም ከም ዚሰፍን ምግባር

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ሄንሪ ኸም ዝበሎ፡ መብዛሕትኦም በዓል ልደት ዜብዕሉ ሰባት፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ እተዘርዘረ ሸቶታት ኪወቕዕዎ የጸግሞም እዩ። እዋን በዓል ልደት መብዛሕትኡ ግዜ ሃለኽለኽ ዝመልኦን ዜጨንቕን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ንግዲ ዘተኰረ እዩ። እሞኸ ነቲ ኣብ በዓል ልደት ክትረኽቦ እትደልዮ ባህታን ፍቕርን ፈጺምካ ኽትረኽቦ ዘይከኣል ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ ክርስቶስ ክንዝክሮ፡ ለጋሳት ክንከውን፡ ንጽጉማት ክንሕግዝ፡ ከምኡውን ምስ ስድራ ቤትና ግዜ ኸነሕልፍ እዩ ዜተባብዓና። ብዘይካዚ፡ ብኸመይ ሰላማውያን ክንከውን ከም ዘሎና እውን ይምህረና እዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት እዚአን፡ ገሊኦም ሰባት ስለምንታይ በዓል ልደት ከም ዘየብዕሉ ዚገልጽ ሓሳባት ዘይኰነስ፡ a ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ዚምልስ ሓሳባት ኪውሃብ እዩ።

  • ገሊኣቶም፡ በዓል ልደት ብምንታይ ምኽንያት ኪብዓል ከም ዘለዎ እዮም ዚገልጹ፧

  • ነቲ ኣብ በዓል ልደት ዚምነይዎ ነገር ኪረኽብዎ ዜጸገሞም ስለምንታይ እዩ፧

  • ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ካብ በዓል ልደት ዚበልጽ ነገር ንኺረኽቡ፡ እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ሓጊዝዎም፧

a ገሊኦም ሰባት፡ በዓል ልደት ዘየብዕሉሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ኣብ ገጽ 10 እትርከብ፡ “ሕቶታት ኣንበብትና—ገሊኦም ሰባት፡ በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።