ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መወዳእታ ናይ ሓቂ ናጽነት ረኸብኩ!

ኣብ መወዳእታ ናይ ሓቂ ናጽነት ረኸብኩ!

“ብዛዕባኹም ዚሓትት ዋላ ሓደ የለን። ኣብዚ ኽትነብሩ ትኽእሉ ኢኹም።” እዚ ሓደ ኻብቶም ሓለፍቲ ቤት ማእሰርቲ እናሓጨጨ እተዛረቦ ቓላት እዩ። እቶም ጻዕራማትን ሰላማውያንን ዝነበርና ሩስያውያን ስድራ ቤት፡ ብ1950፡ ካልኣይ ውግእ ዓለም ድሕሪ ምዝዛሙ ሓሙሽተ ዓመት ጸኒሑ፡ እሱራት ኴንና ኣብ ደቡብ ኮርያ እተሓየርና ስለምንታይ ኢና፧

ብመሰረት ሰነዳተይ፡ ብ1924 እየ ተወሊደ። ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ቻይና ኣብ እትርከብ ሽማኮቭካ እትብሃል ቍሸት እየ ተወሊደ።

ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ፡ ኣብ ፕሪሞርስኪ ክረይ፡ እትርከብ እተወለድኩላ ቝሸት ሻምኮቭካ

ሓደ መዓልቲ ሸፋቱ ንኣቦይን ነቶም ዓበይቲ ኣሕዋተይን ጨወይዎም፣ ድሕሪኡ ምስ ኣደይ ኣይተራኸቡን። ኣደይ ክትምግቦም ዘይትኽእል ዕያላት ሒዛ ተረፈት። ሓደ ጐረቤት ንኣደይ ከም ዝጠንጠነትና ኣምሲሉ ናብ መዕበይ ዘኽታማት ኦርቶዶክሳዊት ሩስያ ኺወስደና ኸም ዚኽእል፡ ሓሳብ ኣቕረበላ።

ኣደይ፡ እቶም ንኣሽቱ ደቃ ብጥሜት ከይንመውት ኢላ፡ ነቲ ሓሳብ ተሰማምዐትሉ። ሕጂ ኣብ መፋርቕ 80ታት ዕድመይ ኰይነ ኺሓስቦ ኸለኹ፡ ኣደይ ናብ መዕበይ ዘኽታማት ስለ ዝሰደደትና፡ አመስግን እየ። ከምኡ እንተ ዘይትገብር ነይራ፡ ምናልባት ብህይወት ኣይምተረፍናን ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ውሳነኣ ሕጂ እውን እንተ ዀነ የጕህየኒ እዩ።

ብ1941፡ ኣነን ኢቫን ኣብ መዓልቲ መርዓና

ብ1941፡ ናብ ኮርያ ገዓዝኩ፡ ኢቫን ንዝስሙ ሕያዋይ ሩስያዊ ድማ ተመርዓኹዎ። ብ1942፡ ጓልና ኦልያ ኣብ ሶል፡ ኮርያ ተወልደት። ብ1945 ወድና ኮልያ ተወልደ፡ ዦራ ሓዉ ኸኣ ብ1948 ተወልደ። ሰብኣየይ ድኳን ከፈተ፡ ኣነ ኸኣ ክዳን እሰፊ ነበርኩ። ንሶል ጃፓናውያን ተቘጻጺሮምዋ ስለ ዝነበሩ፡ ደቅና ጃፓንኛ ኸኣሉ፣ ኣብ ቤት ግና ሩስያኛ ኢና እንዛረብ ኔርና። ክሳዕ 1950፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሶል ዚነብሩ ዝነበሩ ሩስያውያንን ኣመሪካውያንን ኮርያውያንን ሰላም እዩ ነይሩ። ኵሎም ከኣ ዓማዊል ድንኳንና እዮም ነይሮም።

ብሰሜን ኮርያውያን ተማረኽና

ብ1950 ሃንደበት ኵሉ ነገራት ተቐያየረ። ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ንሶል ተቘጻጸርዋ። ክንሃድም ስለ ዘይከኣልና፡ ምስ ካልኦት ሲቪል ወጻእተኛታት ተኣሰርና። ንሰለሰተ ዓመትን መንፈቕን ዚኣክል፡ ምስ ብሪጣንያውያንን ሩስያውያንን ኣመሪካውያንን ፈረንሳውያንን ምሩኻት ውግእ ኴንና፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ሰሜን ኮርያ ዀለል በልና። እቶም ሓለፍቲ፡ መጽለሊ ኣብ ዘለዎ ዘበለ ቦታ ይወስዱና ነበሩ፡ እቲ ዚድርበ ዝነበረ ቦምባታት ምእንቲ ኸይረኽበና ኸኣ ንቃለስ ነበርና።

ሓድሓደ ግዜ፡ ሙቐት ኣብ ዘለዎ ቤት ንቕመጥ ነበርና፡ እኹል ምግቢ ኸኣ ይውሃበና ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ብልቱግ ዚመስል እኽሊ ጥራይ ኢና ንምገብ ነበርና፡ ኣብቲ ዋናታቱ ገዲፎምዎ ዝኸዱ ቘራሪ ህንጻታት ከኣ ንድቅስ ነበርና። መብዛሕትኦም መተኣስርትና ብጕድለት ኣመጋግባን ብሕማቕ ኣተሓሕዛን ሞይቶም እዮም። ደቀይ ኪሳቐዩ ኺርእዮም ከለኹ ተበሳጨኹ። ኣብ ሰሜን ኮርያ ቘራሪ ወርሓት ቀልጢፉ እዩ ዚጅምር ነይሩ። እምኒ እናኣርሰንኩ ንደቀይ ምእንቲ ኸሙቖም፡ ምሉእ ለይቲ ኣብ ጥቓ ሓዊ ዝሓደርኩሉ እዋን ኣይርስዖን እየ።

ቈራሪ ወርሓት ሓሊፉ ኺመውቕ ምስ ጀመረ፡ ገሊኦም ኮርያውያን ደቂ ገጠር ካብቲ ኣብ በረኻ ዚበቍል ተኽሊ ኣየናይ ከም ዚብላዕ ስለ ዝነገሩና፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ወይንን ቃንጥሻን ንምእርር ነበረና። እቶም ደቂ ገጠር ኵነታትና ርእዮም ይድንግጹልና ደኣ እምበር፡ ኣይጸልኡናን እዮም ነይሮም። እቲ ዚውሃበና ዝነበረ ምግቢ እኹል ስለ ዘይነበረ፡ እንቍርዖብ ብኸመይ ከም ዚተሓዝ እውን ተመሃርኩ። ደቀይ ኵሉ ሳዕ እንቍርዖብ ኪልምኑኒ ኺሰምዖም ከለኹ፡ ከብደይ ይበልዑኒ ነበሩ።

ሓደ መዓልቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ማንፖ ኽንጓዓዝ ተኣዘዝና። ንሕሙማትን ንንኣሽቱ ቘልዑን ተባሂሉ፡ ብኣብዑር ዚጕተት ዓረብያታት ከም ዚዳሎ ድማ ተነግረና። ኦልያን ኣቦኣን ምስቶም ብእግሪ ዚኸዱ ሰባት ጕዕዞም ጀመሩ። ኣነን እቶም ንኣሽቱ ኣሕዋታን ግና፡ እተን ዓረብያታት ክሳዕ ዚመጻ ብሃንቀውታ ንመዓልትታት ተጸበና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ መጻ።

ዝሓመሙ እሱራት ኣብ ዓረብያታት ከም እተዓጽደ እኽሊ ተጠቕጢቖም ስለ ዝነበሩ፡ ክትርእዮም ዜሕዝን እዩ ነይሩ። ነታ ሕጻን ዝነበረት ዦራ ሓዚለ፡ ንኮልያ ኣብ ሓደ ዅርናዕ ሓንቲ ዓረብያ ኣጸጋዕክዎ። ንሱ ግና፡ “ማማ፡ ማማ፡ ምሳኺ ክኸይድ ይሕሸኒ። በጃኺ ኣይትግደፍኒ!” በለ።

ኮልያ ቐሚሸይ ሒዙ ደድሕረይ ዞኽ ዞኽ ይብል ነበረ። ኣብዚ ነዊሕ መዓልትታት ዝወሰደ ጕዕዞ፡ ሓያሎ እሱራት ተረሺኖም እዮም። ነቲ ዝወደቐ ሬሳታት ዚበልዑ ኳዃት ከኣ ይዓስሉ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ምስ ሰብኣየይን ምስ ኦልያን ተራኸብና። ተሓቛቚፍና ድማ በኸና። ኣብታ ለይቲ እቲኣ ከይደቀስኩ ሓደርኩ፡ ኣብቲ ሓዊ ኸኣ ኣእማን አምውቕ ነበርኩ። በቲ ኣእማን ገይረ ንዅሎም ደቀይ አሙቖም ስለ ዝነበርኩ፡ ቅሳነት ተሰምዓኒ።

ብ1953፡ ጥቓ እቲ ንሰሜን ኮርያን ንደቡብ ኮርያን ዚፈሊ ዝነበረ ቦታ ምስ ተቐመጥና፡ ቍሩብ ዝሓሸ ናብራ ንነብር ነበርና። ጽሩይ ዩኒፎርም፡ ጫማታት፡ ባኒ፡ ካልእስ ይትረፍ ካራሜላውን ተዋህበና። ቍሩብ ጸኒሖም ብሪጣንያውያን፡ ጸኒሖም ከኣ ፈረንሳውያን ተፈትሑ። ንሕና ግና ዜግነት ኣይነበረናን። እቶም ናይ መወዳእታ እሱራት ምስ ተፈትሑ፡ በይንና ተረፍና። ተስፋ ቘሪጽና ድማ በኸና፡ ሸውሃትና እውን ተዓጽወ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ እቲ ኮርያዊ ሓላፊ ነተን ኣብ መእተዊ እተጠቕሳ ጐዳኢ ቓላት እተዛረበና።

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሓድሽ ህይወት ክንመርሕ ጀመርና

ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ በቲ ወተሃደራት ዘይብሉ ቦታታት ኣቢሎም ናብ ደቡብ ኮሪያ ወሰዱና። ብኣመሪካውያን ምርመራ ምስ ተገብረልና፡ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኽንግዕዝ ተፈቕደልና። ሽዑ፡ ብመርከብ ጌርና ናብ ሳን ፍራንሲስኮ፡ ካሊፎርንያ ኸድና፡ ኣብኡ ኸኣ ብውድብ ግብረ ሰናይ ደገፍ ተገብረልና። ጸኒሕና፡ ናብ ቨርጂንያ ገዓዝና፡ ኣብኡ ዚነብሩ እንፈልጦም ሰባት ድማ እግሪ ኽንተክል ሓገዙና። ኣብ መወዳእታ፡ ሓድሽ ህይወት ክንጅምር ናብ ሜሪላንድ ገዓዝና።

ብ1954፡ ምስ ሰብኣየይን ምስ ክልተ ደቀይን

ከም ቫኲዩም ክሊነር (ብኤሌክትሪክ ርስሓት እትስሕብ መሳርሒት) ብዝኣመሰለ ናእሽቱ ነገራት ንድነቕ ነበርና። ኣብ ዘይንፈልጦ ሃገር ስደተኛታት ብምዃንና ኸኣ ንነዊሕ ሰዓታት ብጻዕሪ ንዓዪ ነበርና። እቶም ጽቡቕ ናብራ ኺነብሩ ዝጀመሩ ስደተኛታት ንሓደስቲ ስደተኛታት ኪብለጹሎም ክርኢ ኸለኹ የጕህየኒ ነበረ። ድሕሪ ምግዓዝና ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምስ ሓደ ቐሺ ኦርቶዶክሳዊት ሩስያ ምስ ተራኸብና፡ “ሕጂ ኣብ ብርኽቲ ሃገር ኢኹም ዘለኹም። ክሓልፈልኩም እንተ ደሊኹም ምስ ደቂ ዓድኹም ኣይትራኸቡ” በለና። ዘረባኡ ኣሰምቢዱንን ኣርሚሙንን እዩ። ንሓድሕድና ኽንተሓጋገዝዶ የብልናን እዩ፧

ብ1970፡ በርኒ ባትልማን ዚብሃል ናይ የሆዋ ምስክር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼመያይጠና ናብ ቤትና መጸ። ንሱ እውን ልክዕ ከማና ብጋህዲ ዚዛረብ ሓያል ሰብ እዩ ነይሩ። ምስኡ፡ ንሰዓታት ዚኣክል ተዘራረብና። ኣብ መዕበይ ዘኽታማት ኦርቶዶክስ ስለ ዝዓበኹ፡ ንቕዳሴ ቤተ ክርስትያን እሽምድዶ እየ ነይረ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጥሪ ግና ሓሲበሉ እኳ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። በርኒ ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙልና መጸ እሞ፡ “ስለ ዘፍቅረኩም፡ እዛ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ ኣምጺኤልኩም ኣለኹ” በለና። ምስ ሓደ ወዲ ቤላሩስ ዝዀነ ቤን ዚብሃል ሩስያኛ ዚዛረብ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ ኣላለየና።

ቤንን ሰበይቱን ንሕቶታተይ፡ ብለውሃት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መለሱለይ። ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጠዋወይዎ እየ ዝኣምን ነይረ። ብፍላይ ከኣ ጽሑፋቶም ኣንጻር እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን እተመሃርክዎ ትምህርቲ፡ ማርያም ንየሱስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልኦት ቈልዑ እውን ከም ዝወለደት ዚምህር ምዃኑ ኣቘጥዓኒ።

ንሓንቲ ጓል ፖላንድ ዝዀነት መሓዛይ ስልኪ ደዊለ፡ ኣብቲ ብፖላንድኛ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱሳ፡ ማቴዎስ 13:55, 56 ክትርእየለይ ሓተትክዋ። ካብታ ጥቕሲ፡ የሱስ ኣሕዋት ከም ዝነበርዎ ምስ ኣንበበትለይ ሰንበድኩ። ንሳ እውን ናብ ሓንቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ኣብ ዚርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ኮንግረስ እትሰርሕ እትፈልጣ ሰብ ስልኪ ደዊላ፡ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብቲ ቤተ መጻሕፍቲ ኣብ ዘሎ ዅሉ መጽሓፍ ቅዱሳት ክትርእያ ሓተተታ። እታ ሰበይቲ፡ ኵሉ መጽሓፍ ቅዱሳት፡ የሱስ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝነበርዎ ዚገልጽ ምዃኑ ድማ ነገረታ።

ካልእ ብዙሕ ሕቶታት እውን ነይሩኒ እዩ። ንኣብነት፡ ‘ቈልዑ ስለምንታይ ይሞቱ፧ ሃገራት ዚዋግኣ ስለምንታይ እየን፧ ሰባት ሓደ ዓይነት ቋንቋ እናተዛረቡ እውን ከይተረፈ፡ ንሓድሕዶም ዘይረዳድኡ ስለምንታይ እዮም፧’ ዚብል ሕቶታት ነበረኒ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብክዎ መልሲ መሲጡኒ እዩ። ሰባት ኪሳቐዩ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ፈለጥኩ። ኣብ እተፈላለየ ግጭት ዝሞቱ ዜፍቅሮም ሰባት ብትንሳኤ ኸም ዝረኽቦም ምፍላጠይ፡ ኣዝዩ ኣሐጒሱኒ እዩ። በብቝሩብ፡ የሆዋ ጋህዲ ዀነለይ።

ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ቅድሚ ምስልታተይ ደው ኢለ፡ ንኣምላኽ ነቲ ኻብ ውግእ ቬትናም እተመልሰ እሞ ሱር ዝሰደደ ስምዒታዊ ጭንቀት ዝነበሮ ወደይ ምእንቲ ኺሕግዞ ለመንክዎ። ሃንደበት ከኣ፡ ናብ ምስልታት ዘይኰነስ፡ ናብቲ ህያው ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኽጽሊ ኸም ዚግባእ ተገንዘብኩ። ነቲ ምስልታት ኣውረድክዎ፣ ካብ ዜብለጭልጭ ነገር ሓሊፉ ኻልእ ትርጕም ከም ዘይብሉ እውን ኣስተውዓልኩ። ካብ ቤተ ክርስትያን እየ ዓዲገዮ ነይረ፣ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ግና ካብ ቤተይ ጐሓፍክዎ።

ካብቲ ዝዓበኹሉ ቤተ ክርስትያን ክላቐቕ ቀሊል ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ነገራት፡ ኣኽቢረ እርእዮ ነበርኩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ምስ ጓለይን ምስ ሰብኣየይን ኰይነ ነቲ ቐሺ ኦርቶዶክስ ሩስያ ኽበጽሖ ኸድኩ። ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ትሕቲኡ ድማ ጥቕስታትን ዝጸሓፍኩሉ ጥራዝ ኣብ ኢደይ ሒዘ ነበርኩ። ነቲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዓው ኢለ ኸንብቦ ኸለኹ፡ እቲ ቐሺ ርእሱ እናነቕነቐ “ጠፊእኩም ኢኹም” በለኒ። ተመሊስና ኸይንመጾ ኸኣ ነገረና።

እዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ነታ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ ዝነበራ ተራር ኦልያ ጓለይ፡ ጦብላሕታ ኣሕደረላ። ንሳ እውን ኣዕሚቛ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምርምር ጀመረት፡ ምሳይ ኰይና ድማ ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትኸይድ ነበረት። ኣነ ብ1972 ተጠመቕኩ፡ ኦልያ ኸኣ ብ1973 ተጠምቀት።

ጭርሖ ስድራ ቤትና

ብ1990 ኣቢሉ፡ ኣብ ሜሪላንድ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ኣታኽልቲ ቤተይ

‘ኣብ ሎሚ ጥራይ ኣተኵር፡ ነቲ ሕሉፍ ረስዓዮ’ ዚብል ጭርሖ እዩ ነይሩና። ስለዚ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ቅኑዕ ምዃኑ እንተ ኣሚንናሉ፡ ካብ ምግባሩ ድሕር ኣይንብልን ነበርና። ኣነን ጓለይን ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እናደልደለ ምስ ከደ፡ ናብ ኣባይቲ ሰባት እናኸድና፡ ነቲ እንመሃሮ ዝነበርና ነገራት ክንነግሮም ብርቱዕ ባህጊ ሓደረና። ክእመነሉ ዘሎኒ ነገር ግና፡ ብስምዒት ሰባት ከይተጠንቀቕኩ፡ ትኽ ኢለ እዛረብ ስለ ዝነበርኩ፡ ሓድሓደ ግዜ መገላግልተይ ኣብ መንጎ ኣትዮም ነቲ ዝርርብ ዘለስለሱሉ ግዝያት ነይሩ እዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግና፡ ከማይ ዝሓሸ ህይወት ኪረኽቡ የናድዩ ንዝነበሩ እተፈላለየ ዜግነትን ድሕረ ባይታን ዘለዎም ሓያሎ ሰባት ክዛረብ ክኢለ እየ።

ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣነን ጓለይን፡ እቲ መጋረጃ ሓጺን እንተ ፈሪሱ፡ ናብ ሩስያ ኼድና ንኸማና ዝኣመሰሉ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃሩ ኽንሕግዞም ምዃንና ወትሩ ነዕልል ነበርና። እቲ መጋረጃ ሓጺን ብ1990ታት ምስ ፈረሰ ኸኣ፡ ኦልያ ንትምኒት ክልቴና ፈጸመቶ። ናብ ሩስያ ኸይዳ ን14 ዓመት ዚኣክል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና ዓየየት። ምስ ሓያሎ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዐት፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ሩስያኛ ኣብ ምትርጓም ክትሕግዝ ክኢላ እያ።

ሕጂ ዓዲ ውዒል ኰይነ ኣለኹ፡ ደቀይ ከኣ ብምሾት ንኽነብር ዚከኣሎም ይጽዕሩለይ እዮም። ነቲ ናይ ፈለማ ዓመታት ህይወተይ ብስቓይ እኳ እንተ ኣሕለፍክዎ፡ ብሓቂ ዝሓሸ ህይወት ረኺበ እየ። ኣነ እውን ነቲ፡ “ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፡ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ” ዚብል፡ እቲ ጓሳ ዝነበረ ዳዊት ዝዘመሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መዝሙር ኬስተማቕሮ ኽኢለ እየ።—መዝሙር 23:2, 3 a

a እዚ ታሪኽ እዚ ብጽሑፍ ንኺሕተም እናተዳለወ ኸሎ፡ ማርያ ኪሊን ብ1 መጋቢት 2010 ዓረፈት።