ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምትእኽኻብ ስድራ ቤት

ምትእኽኻብ ስድራ ቤት

“እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።” —መዝሙር 133:1

ገሊኣቶም፡ በዓል ልደት ዜብዕሉሉ ምኽንያት።

ኵሎም እስራኤላውያን ካብ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት ካብ ያእቆብ፡ ወይ እስራኤል ዚመጹ ብምዃኖም፡ “ኣሕዋት፡” ወይ ከኣ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት እዮም ነይሮም። በዓላት ንኼብዕሉ ኢሎም ኣብ የሩሳሌም ምእካቦም፡ “ሰናይን” “ጥዑሙን” እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን ሓያሎ ስድራ ቤታት፡ ኣብ እዋን በዓል ልደት ብምትእኽኻብ “ሰናይን” “ጥዑሙን” ግዜ ኼሕልፋ ይምነያ እየን።

ዜተሓታትት ስለምንታይ እዩ፧

ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ክሪስትማስ ኤንድ ኒው ይርስ ሰለብረሽን፡ “ኣብቲ ዝተረፈ ኽፋል እታ ዓመት ተደጒሉ ዝነበረ ውጥረት ስድራ ቤት፡ ኣባላት እታ ስድራ ቤት ኣብ እዋን በዓላት ምስ ተኣኻኸቡ መብዛሕትኡ ግዜ ይነቱጕ እዩ” ትብል።

እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዝ ይኽእል፧

“ንወለዶም . . . ውሬታ ኺመልሱ ይምሀሩ።” (1 ጢሞቴዎስ 5:4) ብእተኻእለ መጠን ምስ ደቕኹም ኴንኩም ንወለድኹም ክትበጽሑዎም ስሩዕ መደባት ኣውጽኡ። ቤተሰብኩም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚነብሩ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣዘውቲርኩም ክትረኽብዎም ትኽእሉ ኢኹም። ደብዳበ ኽትጽሕፉሎም፡ ተሌፎን ክትድውሉሎም፡ ኢ-መይል ክትልእኹሎም ወይ ከኣ ከተዕልልዎም ትኽእሉ ኢኹም። ምስ ቤተሰብኩም ኣዘውቲርኩም ምርኻብኩም፡ ዘይምርድዳእ ከም ዚንኪ ኺገብር ይኽእል እዩ።

“ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝጸበኩም እምበር፡ ኣባናስ ኣይጸበኩምን እዩ . . . ንስኻትኩምውን ልብኹም ኣግፍሑ።” (2 ቈረንቶስ 6:12, 13) ኣብ ዓመት ሓንሳእ ጥራይ ዚብጽሑ ወይ ዚቕልቀሉ ኣዝማድ ንቤተሰቦም፡ ብፍላይ ድማ ንቘልዑ ጓኖት መሲሎም ኪርኣይዎም ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ቈልዑ ምስ ኣቦሓጎታቶም ወይ ምስ እኖሓጎታቶም ወይ ከኣ ምስ ካልኦት ርሕቕ ዝበሉ ኣዝማዶም ዜራኽቦም ነገራት ዘለዎም ኰይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ክትተኣኻኸቡ ኸለኹም ንኣረጋውያን ኣዝማድ ብምጽምባር፡ ንደቅኹም ፍቕሮም ‘ኬግፍሑ’ ኣተባብዕዎም። a ምስ ኣረጋውያን ኣዘውቲሮም ግዜ ዜሕልፉ ቘልዑ፡ ንዚዓብይዎም ሰባት ዝያዳ ንኺድንግጹሎምን ኬኽብርዎምን ይተባብዑ እዮም።

“ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ።” (ምሳሌ 15:23) ኣብ ስድራ ቤትካ ዘይምርድዳእ ዓብዪ ጸገማት ንኸይፈጥር፡ እንታይ ክትገብር ምኸኣልካ፧ ሓደ ኻብቲ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት፡ ነቲ ኣገዳሲ ጕዳያት እትዛረበሉ “ጊዜ” ምምራጽ እዩ። ምስ ስድራ ቤትካ ወትሩ ሓሳብ ንሓሳብ ትለዋወጥ እንተ ዄንካ፡ ንኣባላት ስድራ ቤትካ ብብሕቲ ቐሪብካ ንዝዀነ ይኹን ጸገማት ንኽትመያየጠሉ ኪቐለካ እዩ፣ ክትተኣኻኸቡ ኸለኹም ከኣ “ጽቡቕ” ግዜ ኸተሕልፉ ኢኹም።

a ኣብተን ኣብ ናይ 22 ሚያዝያን ናይ 22 ግንቦትን 2011 ሕታማት ንቕሑ! (ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕተም) ዚርከባ፡ “ንኣቦሓጎታተይን እኖሓጎታተይን ኪፈልጦም ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧” ከምኡውን “ምስ ኣቦሓጎታተይን እኖሓጎታተይን ኪቀራረብ ዚኽእል ብኸመይ እየ፧” ዘርእስተን ዓንቀጻት (እንግሊዝኛ) ርአ።