ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

የሱስ፡ ጨው መቐረቱ ኸም ዚኸይድ ምግላጹ፡ ተጋግዩ ድዩ ነይሩ፧

የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም፡ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን” በሎም። (ማቴዎስ 5:13) ጨው ናይ ምዕቃብ ክእለት ኣለዎ። ስለዚ፡ የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ንኻልኦት ሰባት ካብ መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ብልሽውና ኺከላኸሉሎም ከም ዚኽእሉን ከምኡ ኺገብሩ ኸም ዚግባእን እዩ ዚሕብር ነይሩ።

ጨው ምዉት ባሕሪ

ይኹን እምበር፡ ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ መቐረት ጨው ኪኸይድ ከም ዚኽእል እተዛረቦ ሓሳብ፡ “እቲ ኻብ ምዉት ባሕሪ ዚመጽእ ዝነበረ ጨው ብሓፈሻ ምስ ካልእ ማዕድናት እተሓዋወሰ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ እቲ ጨው ምስ ሓቐቐ፡ እቲ መቐረት ዘይብሉ ንጥረ ነገራት ንበይኑ ይተርፍ ነበረ” በለ። ስለዚ፡ የሱስ ነቲ ተረፍ ኣመልኪቱ፡ “ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን” ዝበለሉ ምኽንያት ርዱእ እዩ። እቲ ኢንሳይክሎፔድያ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸም ዝገለጾ፡ “እቲ ኻብ ምዉት ባሕሪ ዚመጽእ ጨው ብምኽንያት እቲ ረሳሕ ንጥረ ነገራት፡ ካብ ካልእ ጨው ባሕሪ ዝተሓተ እኳ እንተ ዀነ፡ ብቐሊሉ ዚርከብ ምዃኑ (ካብቲ ገማግም ባሕሪ ኺሕፈስ ዚኽእል ምዃኑ) ኣብ እስራኤል ቀንዲ ምንጪ ጨው ኰይኑ እዩ።”

እቲ የሱስ ብዛዕባ ድሪም ዝሃቦ ምሳሌ ንሰማዕቱ እንታይ ትርጕም ነበሮ፧

ሰልዲ ድሪም

የሱስ ሓንቲ ሰበይቲ ዓሰርተ ድሪም ከም ዝነበራ፡ ግናኸ ሓንቲ ድሪም ከም ዝጠፍኣታ እሞ መብራህቲ ሒዛ ኽሳዕ እትረኽባ እናዀስተረት ከም ዝደለየታ ዚገልጽ ምሳሌ ነገረ። (ሉቃስ 15:8-10) ኣብ ግዜ የሱስ ሓንቲ ድሪም ዳርጋ ናይ ሓደ መዓልቲ መሃያ ስለ ዝነበረት፡ እታ ዝጠፍአት ድሪም ክቡር ዋጋ እዩ ነይርዋ። እቲ ምሳሌ ብኻልእ ምኽንያታት እውን ምስ መዓልታዊ ናብራ ዚኸይድ እዩ ነይሩ።

ገሊኡ መወከሲ ጽሑፋት፡ ኣንስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰልዲ ኸም ስልማት ይጥቀማሉ ኸም ዝነበራ ይገልጽ እዩ። የሱስ፡ ሰልዲ ኸም ምሳሌ እተጠቕመ፡ ኣብ ቤት እታ ሰበይቲ ንነዊሕ እዋን እተቐመጠ ስልማት ወይ ከኣ ክፍሊ እቲ እተዋህባ ገዝሚ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ እታ ሰበይቲ ኻብተን ዝነበራኣ ዓሰርተ ድሪም ሓንቲ ምስ ጠፍኣታ፡ ክሳዕ እትረኽባ ኣዝያ ተጨኒቓ እያ።

ብዘይካዚ፡ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ መብዛሕትኡ ተራ ኣባይቲ፡ ብእተኻእለ መጠን ብርሃን ጸሓይን ዳህርን ከም ዘይረኽቦ ጌርካ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። መብዛሕትኡ፡ መሳዅቲ ኣይነበሮን፣ እቲ ምድሪ ቤት ከኣ ብሓሰር ወይ ብንቑጽ ቃንጫታት እተሸፈነ እዩ ነይሩ። ሓንቲ ሰልዲ እንተ ወዲቓ ንኽትረኽባ ኣሸጋሪ እዩ ነይሩ። ሓደ ወሃብ ርእይቶ፡ “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ፡ ከም ሰልዲ ዝበለ ንእሽቶ ነገር እንተ ጠፊኡ፡ ንኽትረኽቦ መብራህቲ ምውላዕን ቤት ምዅስታርን ኣዝዩ ዝውቱር እዩ ነይሩ” በለ።