ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰብኣዊ ድኽመት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧

ንሰብኣዊ ድኽመት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧

“እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ሰብነት እዮም ዜድልዩ።”—1 ቈረ. 12:22

1, 2. ጳውሎስ ንድኹማት ኪድንግጸሎም ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

ኵላትና ሓድሓደ ግዜ ንደክም ኢና። ኪጽልኣና ኸሎ፡ መዓልታዊ ንጥፈታትና ንኽንገብር እኳ ሓይሊ ኽንስእን ንኽእል ኢና። ንሓደ ወይ ንኽልተ ሰሙን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣዋርሕ ዚኣክል ዓቕሚ ኸም ዝሰኣንካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ካልኦት እንተ ዚድንግጹልካስ ኣይመማሰኻንዶ፧

2 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ካብቶም ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጥን ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት ብዚወርዶ ዝነበረ ጸቕጢ ደኺሙ ነይሩ እዩ። እቲ ጸቕጢ ልዕሊ ዓቕሙ ከም ዝዀነ ዀይኑ እተሰምዖ ግዝያት እውን ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 1:8፣ 7:5) ስለዚ፡ ድኽመት እንታይ ማለት ምዃኑ ይርድኦ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኸም እሙን ክርስትያን መጠን ዘሕለፎ ናብራን ሓያሎ ጸገማትን ዘኪሩ ኸኣ፡ “መን እዩ ዚደክም፡ ኣነ እውን ዘይደክም፧” በለ። (2 ቈረ. 11:29) ብዛዕባ እቶም ምስ ኣካላት ሰብ ዘመሳሰሎም ኣባላት ክርስትያናዊ ጉባኤ ድማ፡ ‘እቶም ድኹማት ዚመስሉ እዮም ዜድልዩ’ በለ። (1 ቈረ. 12:22) ከምኡ ኺብል ከሎኸ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ነቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣባላት ጉባኤ፡ ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ኽንርእዮም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ከምኡ ምግባርናኸ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧

 የሆዋ ንሰብኣዊ ድኽመት ብኸመይ ከም ዚርእዮ

3. ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ ሓገዝ ዜድልዮም ሰባት ንዘሎና ኣረኣእያ ኺጸልዎ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

3 ሎሚ ኣብ ዓለም፡ ሓያሎ ሰባት ነቶም ድኹማትን ዓቕሚ ዘይብሎምን ሰባት ይብለጹሎም እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ንሓይልን ንንእስነትን መለክዒ ዓወት ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ። ኣረኣእያ እዛ ዓለም እዚኣ፡ ንዓና እውን ኪጸልወና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቶም ብስሩዕ ሓገዝ ዜድልዮም ኣባላት ጉባኤ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ንጅምር ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ንሕና እውን ከም ኣምላኽ፡ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ንኽእል ኢና።

4, 5. (ሀ) እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 12:21-23 ዘሎ ምሳሌ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ድኽመት ሰባት ዘለዎ ኣርኣእያ ንኽንርድኦ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነቶም ድኹማት ምስ እንሕግዞም ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

4 ካብታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ቐዳመይቲ መልእኽቲ፡ የሆዋ ንሰብኣዊ ድኽመት ብኸመይ ከም ዚርእዮ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 12፡ እቲ ብዙሕ ዘይስሕብ ወይ እቲ ዝደኸመ ኣካላት ሰብ እውን ከይተረፈ ጠቓሚ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 12:12, 18, 21-23 ኣንብብ።) ኣብ ፍልቀት ዚኣምኑ ገሊኦም ሰባት፡ ንገሊኡ ኽፍሊ ኣካላት ሰብ ከም ዘየድሊ ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ። ኣብ ስነ ቕርጺ ኣካል ሰብ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ ግና፡ ከም ዘይረብሕ ዚቝጸር ዝነበረ ገሊኡ ኣካል ሰብ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕማም ይዓምም እዩ። * ንኣብነት፡ ገሊኣቶም እታ ንእሽቶ ኣጻብዕ እግሪ ዘይትጠቅም ኰይና እያ እትስምዖም ነይራ። ሎሚ ግና፡ ብምሉኡ ኣካል ሰብ፡ ሚዛኑ ንኺሕሉ፡ እታ ንእሽቶ ኣጻብዕ እግሪ ዓብዪ ግደ ኸም ዘለዋ ተፈሊጡ ኣሎ።

5 እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምሳሌ፡ ኵሎም ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ጠቐምቲ ምዃኖም ዜጕልሕ እዩ። ሰይጣን ንሰባት ኬዋርዶም ከሎ፡ የሆዋ ግና ንዅሎም ኣገልገልቱ፡ እንተላይ ነቶም ድኹማት ዚመስሉ ኸም “ዜድልዩ” ገይሩ እዩ ዚርእዮም። (እዮ. 4:18, 19) እዚ ሓሳባት እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እንእከበሉ ጉባኤ ዀነ ኣብታ ኣብ መላእ ምድሪ ዘላ ጉባኤ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎና ግደ ጽቡቕ ከም ዚስምዓና ኺገብር ኣለዎ። ንኣብነት፡ ንሓደ ሓገዝ ዜድልዮ ኣረጋዊ ብኢድካ ዝደገፍካሉ እዋን እሞ ሕሰብ። ምናልባት፡ ምስኡ ቐስ ክትብል ኣድልዩካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዝገበርካዮ ሓገዝ ነቲ ኣረጋዊ ኣብ ርእሲ ምጥቃሙ፡ ንዓኻ እውን ጽቡቕ ከም ዚስምዓካዶ ኣይገበረን፧ እወ፡ ንኻልኦት ዜድልዮም ከነማልኣሎም ከለና፡ ሓጐስ ንረክብ፡ ብትዕግስትን ብፍቕርን ንዓቢ፡ ዝያዳ ብስለት ከኣ ነጥሪ ኢና። (ኤፌ. 4:15, 16) እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና፡ ሓንቲ ጉባኤ ንዅሎም ኣባላታ፡ ዓቕሞም ብዘየገድስ ኣኽቢራ ትርእዮም እንተ ዀይና፡ ሓልዮትን ፍቕርን ከም እተንጸባርቕ ይፈልጥ እዩ።

6. ጳውሎስ ሓድሓደ ግዜ ነተን “ድኽመት”ን “ብርታዐ”ን ዚብላ ቓላት ብኸመይ እዩ ዚጥቀመለን ነይሩ፧

6 ጳውሎስ፡ ነቲ ዘይኣመንቲ ሰባት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ክርስትያናት ዚርድኡሉ ዝነበሩ መገድን ብዛዕባ ርእሱ ንእተሰምዖ ስምዒትን ንምግላጽ “ድኽመት” ከምኡ እውን “ድኻም” ዚብል ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ። (1 ቈረ. 1:26, 27፣ 2:3) ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም “ብርቱዓት” ዝነበሩ ሰባት ተዛሪቡ ኣሎ፣ “ብርቱዓት” ኪብል ከሎ ግና፡ ንገሊኦም ክርስትያናት ካብ ካልኦት ጸብለል ከም ዝበሉ ዀይኑ ምእንቲ ኺስምዖም ኢሉ ኣይኰነን። (ሮሜ 15:1) ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ዝያዳ ተመክሮ ዘለዎም ክርስትያናት ነቶም ኣብ ሓቂ ሱር ዘይሰደዱ ክርስትያናት ኪዕገስዎም ከም ዘለዎም እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

ኣረኣእያና ኸነተዓራሪ የድልየና ድዩ፧

7. ነቶም እተሸገሩ ሰባት ንኸይንሕግዞም ዕንቅፋት ኪዀነና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

7 “ንድኻ” ወይ ንትሑት ንሕግዞ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ንመስሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስምረቱ እውን  ንረክብን ኢና። (መዝ. 41:1፣ ኤፌ. 5:1) ብዛዕባ እቶም ሓገዝ ዜድልዮም ሰባት ኣሉታዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩና ግና፡ ንኽንሕግዞም ኣይንድረኽን ኢና። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እንታይ ኢልና ኸም እንዛረብ ስለ ዚጠፍኣና፡ ንስከፍን ካብቲ ተሸጊሩ ዘሎ ሰብ ንርሕቕን ንኸውን። ሰብኣያ ጠንጢንዋ ዝኸደ፡ ሲንትያ * ዝስማ ሓብቲ፡ “ኣሕዋት ኬግልሉኻ ኸለዉ፡ ወይ ከኣ ከምቲ እትጽበዮም ምስ ዘይገብሩ፡ የጕሂ እዩ። ሽግራት ከተሕልፍ ከለኻ፡ ሰባት የድልዩኻ እዮም” በለት። ንጉስ ዳዊት እውን ፈተውቱ ምስ ኣግለልዎ ጕህዩ እዩ።—መዝ. 31:12

8. ዝያዳ ደንገጽቲ ንኽንከውን ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

8 ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ጥዕና ምስኣን፡ ብእምነት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ምንባር፡ ወይ ጭንቀት ዝኣመሰለ ጸገማት የሕልፉ ኸም ዘለዉ ምስ እንዝክር ዝያዳ ንኽንድንግጸሎም ክንድረኽ ኢና። ንዓና እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። እቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ ድኻታትን ድኹማትን ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም፡ ንእተሸገሩ ኣሕዋቶም ‘ልቦም ከየጽንዑሎም’ መዘኻኽሪ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። የሆዋ ነቶም ድኻታት ንኺሕግዝዎም ትጽቢት ይገብረሎም ነበረ።—ዘዳ. 15:7, 11፣ ዘሌ. 25:35-38

9. ነቶም ኣብ ሽግር ዝወደቑ ኣሓዋትና ኽንሕግዞም ከለና፡ ብቐዳምነት ኬገድሰና ዘለዎ እንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

9 ነቶም ሕማቕ ኵነታት ዜጋጥሞም ኣሕዋትና ኣብ ክንዲ እንፈርዶም ወይ እንጥርጥሮም፡ መንፈሳዊ ምጽንናዕ ክንህቦም ይግባእ። (እዮ. 33:6, 7፣ ማቴ. 7:1) ንኣብነት፡ ሓደ ብዓል ብሽክለታ ሞተር፡ ተሽከርከርቲ ኣብ ዚበዝሓሉ ኸባቢ ኺዝውር ከሎ ሓደጋ እንተ ዜጋጥሞ እሞ፡ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ክፍሊ ድንገተኛ እንተ ዚኣቱ፡ እቶም ኣብ ክፍሊ ሕክምና ዘለዉ ጕጅለ ረድኤት፡ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ብሰንኩ እንተ ዀይኑ ኼጻርዩ ይጽዕሩ ድዮም፧ ኣይፋሎምን። ብኡብኡ እዮም ዜድልዮ ሓገዝ ዚገብሩሉ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ክርስትያን ብጻይና፡ ብናይ ብሕቱ ጸገማት እንተ ደኺሙ፡ ብቐዳምነት መንፈሳዊ ሓገዝ ክንገብረሉ ይግባእ።—1 ተሰሎንቄ 5:14 ኣንብብ።

10. ገለ ኻብቶም ድኹማት ዚመስሉ ክርስትያናት፡ ‘ብእምነት ሃብታማት’ ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

10 ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድኹማት መሲሎም ዚርኣዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንዅነታቶም ኣብ ግምት እንተ ኣእቲናዮ ግና ድኹማት ከም ዘይኰኑ ኽንግንዘብ ኢና። ብዛዕባ እተን ንዓመታት ዚኣክል ካብ ስድራ ቤተን ተቓውሞ ዜጋጥመን ኣሓት እሞ ሕሰብ። ገሊኣተን ብላዕለ ላዕሊአን ለጠቕ ዝበላን ተነቀፍትን ዚመስላ እኳ እንተ ዀና፡ ጕልሕቲ እምነትን ውሽጣዊ ብርታዐን ከም ዘለወን ዜርእያዶ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ንጽል ኣደ ምስ ውሉዳ ኣዘውቲራ ናብ ኣኼባታት ትመጽእ እንተ ዀይና፡ እምነታን ቈራጽነታን ኣየደንቕንዶ፧ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕማቕ ጽልዋ እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ንሓቂ ኣጥቢቖም ዝሓዝዋ መንእሰያት እውን ሕሰብ። እወ፡ ብዛዕባ ዅሎም እቶም ንየሆዋ ኼገልግሉ ዚጽዕሩ ኣሕዋት ምስ እንሓስብ፡ ድኹማት ዚመስሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ‘ብእምነት ሃብታማት’ ከም ዚዀኑ ጌርና ኽንርእዮም ኢና።—ያእ. 2:5

ኣረኣእያ የሆዋ ይሃሉኻ

11, 12. (ሀ) ብዛዕባ ሰብኣዊ ድኽመት ንዘሎና ኣረኣእያ ንኸነተዓራርዮ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ የሆዋ ንኣሮን ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ንመሃር፧

11 ነቲ የሆዋ ንገሊኦም ኣገልገልቱ ዝሓዘሉ መገዲ ምምርማርና፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ድኽመት፡ ኣረኣእያና ኣዐሪና ኸምቲ ናቱ ኣረኣእያ ንኸነማዕብል ኪሕግዘና እዩ። (መዝሙር 130:3 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ኣሮን ብወርቂ ገይሩ ምስሊ ምራኽ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ምስ ሙሴ ኔርካ እንተ ትኸውን፡ ብዛዕባ እቲ ኣሮን ዘቕረቦ ዕባራ ምኽንያት እንታይ ምተሰምዓካ፧ (ዘጸ. 32:21-24) ወይ ከኣ፡ ኣሮን ብሓብቱ ሚርያም ተጸልዩ፡ ንሙሴ ጓና ሰበይቲ ብምምርዓዉ ኺወቕሶ ኸሎ እንተ ትሰምዖ፡ ብኸመይ ምገምገምካዮ፧ (ዘሁ. 12:1, 2) ሓደ እዋን፡ የሆዋ ኣብ መሪባ  ብተኣምራዊ መገዲ ማይ ምስ ሃበ፡ ኣሮንን ሙሴን ኣየኽበርዎን። ነዚኸ ብኸመይ ምረኣኻዮ፧—ዘሁ. 20:10-13

12 ኣብ ኵሉ እዚ እተጠቕሰ ዅነታት፡ የሆዋ ንኣሮን ሽዑ ንሽዑ ኪቐጽዖ ምኸኣለ ነይሩ። ግናኸ፡ የሆዋ፡ ኣሮን ድኽመት እኳ እንተ ነበሮ፡ ክፍኣት ግና ኸም ዘይነበሮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣሮን፡ ንዅነታትን ንጽልዋ ኻልኦት ሰባትን ካብ ቅኑዕ መገዲ ንኼላግሶ ስለ ዝፈቐደሉ እዩ ተጋግዩ። ጌጋኡ ምስ ተነግሮ ግና፡ ዓይኑ ኸይሓሰየ ተኣሚኑ፡ ንፍርዲ የሆዋ ኸኣ ደጊፉ እዩ። (ዘጸ. 32:26፣ ዘሁ. 12:11፣ 20:23-27) የሆዋ ኣብ እምነትን ነስሓን ኣሮን ኬተኵር መረጸ። ድሕሪ ዘመናት ከኣ፡ ኣሮንን ዘርኡን ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰባት ከም ዝነበሩ እዮም ዚጥቀሱ ነይሮም።—መዝ. 115:10-12፣ 135:19, 20

13. ብዛዕባ ሰብኣዊ ድኽመት ንዘሎና ምርዳእ ብኸመይ ኢና ኽንምርምሮ ዘሎና፧

13 ኣርኣእያ የሆዋ ምእንቲ ኺህልወና፡ ብዛዕባ እቶም ድኹማት ዚመስሉ ክርስትያናት ንዘሎና ኣረኣእያ ኽንምርምሮ ይግባእ። (1 ሳሙ. 16:7) ንኣብነት፡ ሓደ መንእሰይ ንመዘናግዒ ብዚምልከት ኣብ ዚገብሮ ምርጫ ዘይጥንቁቕ ምስ ዚኸውን እንታይ ምበልና፧ እምብዛ ነቐፍቲ ኣብ ክንዲ እንኸውን፡ እቲ መንእሰይ ናብ ብስለት ምእንቲ ኺዓቢ ብኸመይ ክንሕግዞ ኸም እንኽእል ንምንታይ ዘይንሓስብ፧ ብተበግሶና፡ ሓገዝ ንዜድልዮ ሰብ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና፣ ከምዚ ምስ እንገብር ድማ ብምስትውዓልን ብፍቕርን ክንዓቢ ኢና።

14 ንኣተሓሳስባና ምስቲ የሆዋ ንእተደቝሱ ኣገልገልቱ ዚሕዘሉ መገዲ ብምንጽጻር እውን ነቲ ብዛዕባ ኻልኦት ዘሎና ኣረኣእያ ኸነስፍሖ ንኽእል ኢና። ኤልያስ ሓደ ኻብቶም እተደቝሱ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ንሱ ን450 ነብያት በዓል ብትብዓት እተቓወመ ነብዪ እኳ እንተ ነበረ፡ ንግስቲ ኢዛቤል ክትቀትሎ ኸም ዝጠለቐትሉ  ምስ ሰምዐ ግና ሃደመ። ብእግሩ፡ ናብታ 150 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ብኤር-ሸባዕ ሃዲሙ፡ ናብ ጸምጽም በረኻ ኸደ። እቲ በታ መራር ጸሓይ ዝገበሮ ጕዕዞ ኣዝዩ ስለ ዘድከሞ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮፍ ኢሉ ‘ሞት ተመነየ።’—1 ነገ. 18:19፣ 19:1-4

የሆዋ ንዓቕሚ ኤልያስ ኣብ ግምት ብምእታው ንኼተባብዖ ሓደ መልኣኽ ሰደደሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 14, 15 ርአ)

14, 15. (ሀ) ኤልያስ ምስ ፈርሀ፡ የሆዋ ኸመይ ተሰምዖ፧ (ለ) ካብ ተመክሮ ኤልያስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

15 የሆዋ ኻብ ሰማይ ብምጥማት፡ ነቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ተደቚሱ ምስ ረኣዮ፡ ከመይ ተሰምዖ፧ ስለ እተጨነቐን ስለ ዝፈርሀንሲ ነጺግዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ንዓቕሚ ኤልያስ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደ መልኣኽ ሰደደሉ። እቲ መልኣኽ ንኤልያስ ክልተ ግዜ ኣተባቢዑ፡ ነቲ “ነዊሕ መገዲ” ኸም ዚቕጽሎ ገበረ። (1 ነገስት 19:5-8 ኣንብብ።) እወ፡ የሆዋ ንኤልያስ ዝዀነ ይኹን መምርሒ ቕድሚ ምሃቡ እውን፡ ጽን ኢሉ ሰምዖ፡ ዜድልዮ ሓገዝ ከኣ ሃቦ።

16, 17. ነቲ የሆዋ ንኤልያስ ዝገበረሉ ሓልዮት ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧

16 ነቲ ዚሓሊ ኣምላኽና ብኸመይ ኢና ኽንመስሎ እንኽእል፧ ተሃዊኽና ምኽሪ ኽንህብ የብልናን። (ምሳ. 18:13) ነቶም ብምኽንያት ብሕታዊ ዅነታቶም ‘ሕሱራት’ ኰይኑ ዚስምዖም ሰባት፡ መጀመርታ ኸም እንድንግጸሎም ከነርእዮም ኣሎና። (1 ቈረ. 12:23) ከምዚ እንተ ጌርና ጥራይ ኢና ብሓቂ እንታይ ከም ዜድልዮም ፈሊጥና ኽንሕግዞም እንኽእል።

17 ንኣብነት፡ ብዛዕባ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሲንትያ ንሕሰብ። ሰብኣያ ንዓኣን ንኽልተ ደቃን ራሕሪሕወን እዩ ኸይዱ። እሞኸ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሲንትያን ንደቃን ብኸመይ እዮም ሓጊዞምወን፧ ሲንትያ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመና ንኣሕዋት ደዊልና ምስ ነገርናዮም፡ ኣብ ውሽጢ 45 ደቒቕ ናብ ቤትና ደበኽ በሉ። በኽዮም ድማ እዮም። ንኽልተ ወይ ንሰለስተ መዓልቲ ኣይተፈልዩናን። ብግቡእ ኣይንምገብን ኢና ኔርና፡ ኣዚና ስምዒታውያን ድማ ነበርና፣ ስለዚ እቶም ኣሕዋት ንግዜኡ ናብ ቤቶም ወሲዶም ተኸናኺኖምና እዮም።” እዚ ተመክሮ እዚ፡ ንቓላት ያእቆብ ከም ዜዘኻኽረካ ፍሉጥ እዩ። ያእቆብ፡ “ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢ እውን እንተ ሰኣኑ፡ ንሰብነቶም ዜድሊ ኸይሃብኩምሲ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ ‘ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ’ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቅም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዘይብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ” በለ። (ያእ. 2:15-17) ሲንትያን ክልተ ደቃን፡ ሳላ እቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ እዋኑ ዝገበሩለን ደገፍ፡ ድሕሪ እቲ ዜሕዝን ተመክሮአን ሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ ጸኒሐን ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይነን ኬገልግላ በቒዐን እየን።—2 ቈረ. 12:10

ብዙሓት ይጥቀሙ

18, 19. (ሀ) ነቶም ንግዜኡ ዝደኸሙ ሰባት ብኸመይ ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል፧ (ለ) ነቶም ድኻም እተሰምዖም ሰባት ክንድግፎም ከሎና መን እዩ ዚጥቀም፧

18 ዜማስን ኣካላዊ ሕማም ምስ እንሓምም፡ ንኽንሓዊ ግዜ የድልየና እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ክርስትያን ብምኽንያት ናይ ብሕቱ ጸገማት ወይ ብምኽንያት እቲ ዘጋጠሞ ኣዝዩ ፈታኒ ዅነታት ምስ ዚደክም፡ መንፈሳዊ ሓይሊ ንኺረክብ ግዜ የድልዮ እዩ። እቲ ክርስትያን ብጻይና፡ ብናይ ብሕቲ መጽናዕትን ብጸሎትን ብኻልእ ክርስትያናዊ ንጥፈታትን ገይሩ ንእምነቱ ኼደልድላ ኸም ዘለዎ ፍሉጥ እዩ። ሚዛኑ ኽሳዕ ዚሕሉ ግና ንዕገሶ ዲና፧ ፍቕርናኸ ነርእዮ ዲና፧ ነቶም ንግዜኡ ዝደኸሙ ኣሕዋትና፡ ክቡራት ምዃኖምን እነፍቅሮም ምዃንናን ከም ዚስምዖም ንምግባር ንጽዕር ዲና፧—2 ቈረ. 8:8

19 ንኣሕዋትና ኽንሕግዞም ከሎና፡ ነታ ብምሃብ እትርከብ ሓጐስ ከም እነስተማቕራ ኣይንረስዕ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ድንጋጽን ትዕግስትን ንኸነርኢ ዘሎና ተኽእሎ እውን ነማዕብሎ ኢና። ዝያዳ ውጽኢት እውን ኣለዎ። እታ ጉባኤ ብምልእታ፡ ብፍቕሪ ትዓቢ፡ ኣብ ንሓድሕዳ ድማ ብዝያዳ ትቀራረብ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኣኽቢሩ ዚርእዮ የሆዋ ንመስሎ። እወ፡ ነቲ ‘ንድኹማት ክንድግፍ’ እተዋህበና መተባብዒ ኣብ ግብሪ ምውዓልና፡ ብዙሕ ረብሓ እዩ ዘለዎ።—ግብ. 20:35

^ ሕ.ጽ. 4 ቻርለስ ዳርዊን፡ ኣብታ ዘ ዲሰንት ኦቭ ማን ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ንሓያሎ ኣካል ሰብ ዘርዚሩ፡ ከም “ዘይጠቅም” ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ሓደ ኻብቶም ተሓለቕቱ ድማ፡ ኣብ ኣካላት ሰብ ከም ጭራምዑት ዝኣመሰለ ብዓሰርተታት ዚቝጸር “ዘየድሊ ኽፍሊ ኣካላት” ከም ዘሎ ጠቐሰ።

^ ሕ.ጽ. 7 ስም ተቐዪሩ እዩ።