ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሰነ 2014

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 4 ነሓሰ ኽሳዕ 31 ነሓሰ 2014 ንዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

‘ንመገዲ እግርኻ ብምቕናዕ’ ዕቤት ግበር

ዕንቅፋታት ብምውጋድ፡ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ኽትወቅዕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ክርስትያናት፡ ሬሳ ኼንድዱ ይግባእ ድዩ፧

ንእተፋትሑ ክርስትያን ብጾትካ ሓግዞም—ብኸመይ፧

እተፋትሑ ሰባት በዳሂ ዝዀነ ዅነታትን ስምዒታትን ከም ዘለዎም ፍለጥ።

‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ’

የሱስ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልብናን ብምሉእ ነፍስናን ብምሉእ ኣእምሮናን ከነፍቅሮ ኸም ዘሎና ኺዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ ኸም ዝነበረ ፍለጥ።

‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’

የሱስ፡ ንብጻይና ኸነፍቅሮ ኸም ዘሎና ኺገልጽ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ከምኡ ኽንገብር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ ክትዝክሮ ትኽእል እንተ ዄንካ እስከ ርአ።

ንሰብኣዊ ድኽመት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧

ብዛዕባ እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝያዳ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺህልወካ ይኽእል እዩ።

ንተኽእሎኦም ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙሉ ሓግዞም

ንመንእሰያት ወይ ንሓደስቲ እተጠምቁ ዕቤት ንኺገብሩ ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧