ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈስ ኣምላኽ ንኺመርሓካ ትፈቅድዶ ኣለኻ፧

መንፈስ ኣምላኽ ንኺመርሓካ ትፈቅድዶ ኣለኻ፧

መንፈስ ኣምላኽ ንኺመርሓካ ትፈቅድዶ ኣለኻ፧

“ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ።”—መዝ. 143:10

1, 2. (ሀ) የሆዋ ንኣገልገልቱ ንምሕጋዝ፡ ንመንፈስ ቅዱሱ እተጠቕመሉ ኣጋጣሚታት ጥቐስ። (ለ) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ጥራይ ድዩ ዚዓዪ፧ ግለጽ።

ብዛዕባ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ክትሓስብ ከለኻ፡ ናብ ኣእምሮኻ እንታይ ይመጽእ፧ ጅግንነት ጊዴዎንን ሲምሶንን ድዩ ዚመጽእ፧ (መሳ. 6:33, 34፣ 15:14, 15) ምናልባት ነቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ዘርኣይዎ ትብዓት፡ ወይ ነቲ እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ምስ ቀረበ ኣብ ገጹ ዚንበብ ዝነበረ ህድኣት ትዝክር ትኸውን። (ግብ. 4:31፣ 6:15) ኣብዚ ግዜና ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ዚርአ ሓጐስ፡ ገለልትነቶም ሓልዮም እተኣስሩ ኣሕዋትና ዘለዎም ንጽህና፡ ከምኡውን ዜደንቕ ዕቤት እቲ ዕዮ ስብከት ናብ ኣእምሮኻ ይመጽእ ይኸውን። እዚ ዅሉ ኣብነታት፡ መንፈስ ቅዱስ ይዓዪ ኸም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ እዩ።

2 መንፈስ ቅዱስ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ወይ ኵነታት ጥራይ ድዩ ዚዓዪ፧ ኣይፋልን። ክርስትያናት ‘ብመንፈስ ከም ዚመላለሱ፡’ ‘ብመንፈስ ከም ዚምርሑ፡’ ‘ህይወት ብመንፈስ ከም ዚህልዎም፡’ ቃል ኣምላኽ ይገልጽ እዩ። (ገላ. 5:16, 18, 25) እዚ መግለጺታት እዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ንህይወትና ኸም ዚጸልዎ ዚሕብር እዩ። የሆዋ ንኣተሓሳስባናን ንኣዘራርባናን ንተግባራትናን ብመንፈሱ ኣቢሉ ምእንቲ ኺመርሖ፡ መዓልታዊ ኽንልምኖ ኣሎና። (መዝሙር 143:10 ኣንብብ።) ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ኺዓዪ እንተ ፈቒድናሉ፡ ንኻልኦት መንፈሶም ዜሐድስን ንኣምላኽ ዜወድስን ፍረ ንኽንፈሪ ኺሕግዘና እዩ።

3. (ሀ) ብመንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

3 ብመንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጻረር ካልእ ሓይሊ ኺዕብልለና ስለ ዚደሊ እዩ። እቲ ሓይሊ እቲ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት “ስጋ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ሓጥእ ስጋና፡ ማለት ነቲ ኸም ዘርኢ ኣዳም መጠን ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና የመልክት። (ገላትያ 5:17 ኣንብብ።) ብመንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ ነፍቅድ ኪበሃል ከሎ ደኣ እንታይ የጠቓልል፧ ምስቲ ሓጥእ ስጋና ንምቅላስ ክንወስዶ እንኽእል ግብራዊ ስጕምትታት ኣሎዶ፧ ብዛዕባ እተን ዝተረፋ ሽዱሽተ መዳያት “ፍረ መንፈስ፡” ማለት “ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡” “ርእስኻ ምግታእ” ክንመያየጥ ከለና፡ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ክንምርምረን ኢና።—ገላ. 5:22, 23ትርጕም 1990።

ህድኣትን ዓቕልን ኣብ ጉባኤ ሰላም የስፍን

4. ህድኣትን ዓቕልን ንሰላም ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣበርክቶ ዚገብራ ብኸመይ እየን፧

4 ቈሎሴ 3:12, 13 ኣንብብ። ህድኣትን ዓቕልን ብሓደ ዀይነን፡ ኣብ ጉባኤ ሰላም ከም ዚሰፍን ይገብራ እየን። ክልቲአን እዘን መዳያት ፍረ መንፈስ እዚኣተን፡ ንኻልኦት ብጸጋ ንኽንሕዞም፡ ኣብ ትሕቲ ዜቘጥዕ ኵነታት ንኽንሃድእ፡ ከምኡውን ካልኦት ክፉእ ኪዛረቡና ወይ ኪገብሩና ኸለዉ ሕነ ንኸይንፈዲ ይሕግዛና እየን። ምስ ሓደ ክርስትያን ብጻይና እንተ ዘይተረዳዲእና፡ ዓቕሊ ወይ ትዕግስቲ፡ ነቲ እተፈጥረ ጋግ ንኸነዐርዮ ደኣ እምበር፡ ብሓውና ወይ ብሓብትና ተስፋ ንኸይንቘርጽ ትሕግዘና። ህድኣትን ዓቕልን ብሓቂዶ ኣብ ጉባኤ የድልያና እየን፧ ኵላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ እወ የድልያና እየን።

5. ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧ እዚኸ እንታይ ይሕብረና፧

5 ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንርአ። ክልቲኦም ኣብ ምዝርጋሕ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብሓባር ዓዪዮም እዮም። ነፍሲ ወከፎም ዚነኣድ ባህርያት ነይርዎም እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፋላለዩ፡ ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ።” (ግብ. 15:36-39) እዚ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ዘይምርድዳእ ኪፍጠር ከም ዚኽእል ይሕብረና። ሓደ ክርስትያን ምስ ካልእ ኣማኒ እንተ ዘይተረዳዲኡ፡ ኣብ መንጎኦም ነባሪ ጋግ ንኸይፍጠር እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

6, 7. (ሀ) ምስ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና እንገብሮ ዝርርብ ናብ ቈየቛ ቕድሚ ምቕያሩ፡ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኽንስዕብ ንኽእል፧ (ለ) “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዅራ ደንጓዪ” ምዃን፡ እንታይ ጥቕሚ የምጽእ፧

6 እቲ ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ዝነበረ “ባእሲ፡” ብሃንደበት እተፈጥረ ኸቢድ ዘይምርድዳእ እዩ ነይሩ። ሓደ ክርስትያን ምስ ካልእ ኣማኒ ኣብ ዚዘራረበሉ እዋን ይቝጣዕ ከም ዘሎ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ነቲ ኣብ ያእቆብ 1:19, 20 ዚርከብ፡ “ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዅራ ደንጓዪ ይኹን” ዚብል ምኽሪ ኺዓየሉ ኣለዎ። ከከም ኵነታቱ፡ ነቲ ዜዘራርቦም ዘሎ ጕዳይ ኣንፈቱ ኪቕይሮ፡ ንኻልእ ግዜ ኼመሓላልፎ፡ ወይ ናብ ቈየቛ ቕድሚ ምቕያሩ ኻብቲ ቦታ ኺእለ ይኽእል እዩ።—ምሳ. 12:16፣ 17:14፣ 29:11

7 ነዚ ምኽሪ እዚ ምስዓብ፡ እንታይ ጥቕሚ የምጽእ፧ ሓደ ክርስትያን ንኺሃድእ ግዜ እንተ ወሲዱን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንተ ጸልዩን ብኸመይ ከም ዚምልስ እንተ ሓሲቡን፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ንኺምራሕ የፍቅድ ኣሎ። (ምሳ. 15:1, 28) ኣብ ትሕቲ ጽልዋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ፡ ህድኣትን ዓቕልን ኬርኢ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:26, 29 ዚርከብ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ምኽሪ ኺስዕብ ይኽእል፦ “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። . . . እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።” እወ፡ ህድኣትን ዓቕልን እንተ ለቢስና፡ ንሰላምን ሓድነትን ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣበርክቶ ንገብር ኢና።

ለውሃትን ሕያውነትን መንፈስ ስድራ ቤት የሐድሳ

8, 9. ለውሃትን ሕያውነትን እንታይ እየን፧ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ንዘሎ ሃዋህው ዚጸልዋኦኸ ብኸመይ እየን፧

8 ኤፌሶን 4:31, 32፣ 5:8, 9 ኣንብብ። ከምቲ ብግዜ ሃሩር፡ ፍሽፍሽታ ንፋስን ዝሑል ማይን ንመንፈስ ዜሐድስ፡ ለውሃትን ሕያውነትን እውን ከምኡ እየን። ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት፡ ባህ ዜብል ሃዋህው ከም ዚህሉ ይገብራ እየን። ለውሃት፡ ንኻልኦት ካብ ዘሎና ናይ ሓቂ ተገዳስነት እትምንጭው ባህርይ ኰይና፡ ብሓጋዚ ተግባራትን ብሓልዮት ብዚዝረብ ቃላትን እያ እትርአ። ሕያውነት እውን ከም ለውሃት፡ ንኻልኦት ብዚጠቅም ተግባራት እትንጸባረቕ ጽብቕቲ ባህርይ እያ። ብልግሲ እውን ትልለ እያ። (ግብ. 9:36, 39፣ 16:14, 15) ይኹን እምበር፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን ተጠቓልል እያ።

9 ሕያውነት ብስነ-ምግባራዊ መዳይ ብሉጽ ምዃን ማለት እያ። ንተግባርና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንእንታይነትና እውን ትሓቍፍ እያ። ምስ ሓንቲ ብዅሉ ሸነኻ ምቅርትን ብስልትን ዘይተበላሸወትን ፍረ ኽትመሳሰል ትኽእል እያ። እታ ብመንፈስ ቅዱስ እትፈሪ ሕያውነት እውን፡ ኣብ ብምሉኡ መዳይ ህይወት ክርስትያን ትርአ እያ።

10. ኣባላት ስድራ ቤት፡ ፍረ መንፈስ ኪፈርዩ ንምሕጋዞም እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

10 ኣባላት ክርስትያናዊት ስድራ ቤት፡ ኣብ ንሓድሕዶም ለውሃትን ሕያውነትን ንኼርእዩ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ቅኑዕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። (ቈሎ. 3:9, 10) ገሊኦም ርእስታት ስድራ ቤት፡ ኣብቲ ሰሙናዊ ዚገብርዎ ኣምልኾ ስድራ ቤት ብዛዕባ መዳያት ፍረ መንፈስ መጽናዕቲ ይገብሩ እዮም። ከምኡ ዓይነት መጽናዕቲ ኸቢድ ኣይኰነን። በቲ ኽትርድኦ ብእትኽእል ቋንቋ ዚርከብ ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ መዳይ ፍረ መንፈስ ዚገልጽ ጽሑፍ ምረጽ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ሰሰሙን ካብቲ ዝመረጽካዮ ጽሑፍ ሒደት ሕጡብ ጽሑፋት እናተመያየጥኩም፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ መዳይ ፍረ መንፈስ ንእተወሰነ ሰሙናት ክትምርምሩ ትኽእሉ ኢኹም። መጽናዕቲ ኣብ እትገብሩሉ እዋን፡ ነቲ ሓሳባቱ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ኣንብብዎን ተመያየጡሉን። ነቲ እተመሃርኩምዎ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሉሉ እትኽእሉ መገድታት ኣናድዩ፣ የሆዋ ንጻዕርኹም ምእንቲ ኺባርኾ ኸኣ ጸልዩ። (1 ጢሞ. 4:15፣ 1 ዮሃ. 5:14, 15) ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ፡ ኣብቲ ኣባላት ስድራ ቤት ንሓድሕዶም ዚሕዙሉ መገዲ ጽልዋ ኣለዎዶ፧

11, 12. ክልተ ጽምዲ ክርስትያን ሰብ ሓዳር፡ ብዛዕባ ለውሃት ዝገበርዎ መጽናዕቲ ዝጠቐሞም ብኸመይ እዩ፧

11 ብዕድመ ንኣሽቱ ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ዕዉት ሓዳር ምእንቲ ኺህልዎም፡ ብዛዕባ ፍረ መንፈስ ዓሚቝ መጽናዕቲ ኺገብሩ ወሰኑ። እሞኸ እንታይ ጥቕሚ ረኸቡ፧ እታ ሰበይቲ ኸምዚ በለት፦ “ለውሃት፡ ተኣማንነት እውን ከም እተጠቓልል ምፍላጥና፡ ኣብቲ ንሓድሕድና እንሕዘሉ መገዲ ዓብዪ ለውጢ ኣምጺኡ እዩ። ተዓጻጸፍትን ይቕረ በሃልትን ክንከውን ተማሂርና ኢና። ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ‘አመስግነካ’ን ‘ይቕረታ’ን ክንብል እውን ተማሂርና ኢና።”

12 ኣብ ሓዳሮም ጸገም ዝነበሮም ካልኦት ክርስትያን ሰብኣይን ሰበይትን ከኣ፡ ኣብ ርክቦም ለውሃት ጐዲላ ኸም ዝነበረት ተገንዘቡ። ብሓባር ኰይኖም ብዛዕባ ለውሃት ኬጽንዑ ኸኣ ወሰኑ። እሞኸ እንታይ ፍረ ረኸቡ፧ እቲ ሰብኣይ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ብዛዕባ ለውሃት ዝገበርናዮ መጽናዕቲ፡ ብዓይኒ ጥርጣረ ንኸይንረአአን ኣብ ጽቡቕ ባህርያት ንኸነተኵርን ሓጊዙና እዩ። ብዝያዳ ኽንተሓላለ እውን ጀመርና። ለዋህ ምእንቲ ክኸውን፡ ብዓልቲ ቤተይ፡ ይቕየመኒ ደዀን ይኸውን ኢላ ኸይተሰከፈት ሓሳባ ብናጻ ንኽትገልጽ መገዲ ክኸፍተላ ነይሩኒ እዩ። እዚ ኸኣ ንዅርዓተይ ከወግድ ዚሓትት ነበረ። ኣብ ሓዳርና ኽንለዋዋህ ምስ ጀመርና፡ ንርእስና ናይ ምክልኻል ባህርይ እናነከየ ኸደ። ከምኡ ምግባርና፡ ጾር ዘውረድና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና።” ስድራ ቤትካኸ ኻብ መጽናዕቲ ፍረ መንፈስ ጥቕሚ ኽትረክብ ድያ፧

ኣብ በይንኻ እውን፡ ብእምነት ተመላለስ

13. ካብ ምንታይ ንመንፈሳውነትና ሓደገኛ ኪኸውን ዚኽእል ነገር ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧

13 ክርስትያናት ኣብ ቅድሚ ሰባት ኰነ ኣብ በይኖም፡ መንፈስ ኣምላኽ ንኺመርሖም ኪፈቕዱ ኣለዎም። ሎሚ፡ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም፡ ጽዩፍ ምስልታትን ብልሹው መዘናግዕን ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። እዚ ንመንፈሳውነትና ሓደገኛ እዩ። ሓደ ክርስትያን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ ቃል ኣምላኽ፡ “ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከአሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ” ኢሉ ይመኽረና። (ያእ. 1:21) ካልእ መዳይ ፍረ መንፈስ ዝዀነት እምነት፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናና ንኽንሕሉ ብኸመይ ክትሕግዘና ኸም እትኽእል እስከ ንርአ።

14. ጕድለት እምነት ናብ ኣበሳ ኺመርሕ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

14 እምነት ኪበሃል ከሎ፡ የሆዋ ኣምላኽ ጋህዲ ይዀነልና ማለት እዩ። ኣምላኽ ጋህዲ እንተ ዘይኰይኑልና፡ ኣብ ገምገም ሕማቕ ተግባር ኢና ዘለና። ጥንቲ ንዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ዘጋጠሞም እሞ ንርአ። የሆዋ ንነብዪ ህዝቅኤል፡ ፍንፉን ተግባራት ብስቱር ይግበር ከም ዝነበረ ኺገልጸሉ ኸሎ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣይርእየናን፡ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሐዲግዋ እዩ፡ ኢሎምሲ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጸልማት ኣብ ሸሽርጓና ምስልታቶም ኰይኖም ዚገብርዎ ዘለዉዶ ርኢኻዮ አሎኻ፧” በሎ። (ህዝ. 8:12) ሓደ ኻብቲ ነዚ ጸገም እዚ ጠንቂ ዝዀነ ነገር እንታይ ምዃኑ ኣስተብሂልካዶ፧ የሆዋ፡ ተግባራቶም ከም ዘይርኢ ይመስሎም ነበረ። እወ፡ የሆዋ ጋህዲ ኣይኰነሎምን ነይሩ።

15. ኣብ የሆዋ ዘላትና ሓያል እምነት ብኸመይ እያ ዕቝባ እትዀነና፧

15 ብኣንጻሩ ድማ፡ ንዮሴፍ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ዮሴፍ ካብ ቤተሰቡን ካብ ህዝቡን ርሒቑ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስ ሰበይቲ ጶጢፋር ዝሙት ምፍጻም ግን ኣበየ። ስለምንታይ፧ “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” በለ። (ዘፍ. 39:7-9) እወ፡ የሆዋ ጋህዲ ዀይኑ እዩ ዚረኣዮ ነይሩ። ንሕና እውን፡ ኣምላኽ ጋህዲ ዀይኑ ዚረኣየና እንተ ዀይኑ፡ ርኹስ መዘናግዒ ኣይንርእን፡ ንኣምላኽ ዜጕህዮ ነገር ብሕቡእ ኣይንገብርን ኢና። ከምቲ፡ “ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ አሎኹ። ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ዓይነት ቈራጽነት ኪህልወና እዩ።—መዝ. 101:2, 3

ርእስኻ ብምግታእ፡ ልብኻ ሓሉ

16, 17. (ሀ) እቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ተገሊጹ ዘሎ “ልቢ ዜብሉ ጐበዝ፡” ኣብ መጻወድያ ሓጢኣት ዝወደቐ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክሊ ዕድመ ንዘሎ ሰብ ብኸመይ ተመሳሳሊ ነገር ኬጋጥሞ ይኽእል፧

16 እታ ናይ መወዳእታ መዳይ ፍረ መንፈስ ዝዀነት ርእሰ-ግትኣት፡ ነቲ ኣምላኽ ዚዅንኖ ነገራት ንኸይንገብር ተኽእለና። ንልብና ንኽንሕልዎ ኽትሕግዘና ትኽእል እያ። (ምሳ. 4:23) ነቲ ኣብ ምሳሌ 7:6-23 ተገሊጹ ዚርከብ፡ ሓደ “ልቢ ዜብሉ ጐበዝ” ብኸመይ ብውዲት ሓንቲ ኣመንዝራ ኸም ዝወደቐ ዚገልጽ ሓሳባት እሞ ንርአ። “ንሱ በደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መገዲ” ምስ ሓለፈ እዩ ኣብ መፈንጠራ ወዲቑ። ምናልባት ናብቲ ኸባቢ ዝኸደ፡ ንምፍላጥ ካብ ዘለዎ ሃንቀውታ ተላዒሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናብቲ “ንጥፍኣት ነፍሱ” እተዳለወ መገዲ ዕሽነት ከም ዝኣተወ ኣየስተውዓለን።

17 እቲ ጐበዝ፡ ካብዚ ዓብዪ ጌጋ እዚ ብኸመይ ኪሕሎ ምኸኣለ፧ ነቲ፡ “ብመገዳ ኣይትስሐት [“ኰለል ኣይትበል፡” ትርጕም 1990]” ዚብል መጠንቀቕታ ሰሚዑ፡ ናብ መገዳ ኻብ ምኻድ እንተ ዚቝጠብ፡ ኪስተር ምኸኣለ። (ምሳ. 7:25) ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ብመንፈስ ኣምላኽ ክንምራሕ እንተ ደሊና፡ ኣብ ፈታኒ ዅነታት ንኸይንኣቱ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ሓደ ኻብቲ ሓደ ሰብ ኣሰር እቲ “ልቢ ዜብሉ ጐበዝ” ኪስዕበሉ ዚኽእል መገዲ፡ ብዘይ ዕላማ እተፈላለየ መደበራት ተለቪዥን ብምቅይያር ወይ ኣብ ኢንተርነት ሃሰውሰው ብምባል እዩ። ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ፡ ጾታዊ ስምዒቱ ዜለዓዕል ነገራት ኪርኢ ይኽእል እዩ። በብቝሩብ ስእለ-ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ርኹስ ልማድ ኬማዕብል ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ሕልናኡን ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘለዎ ርክብን ሕማቕ ሳዕቤን የስዕበሉ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ንጥፍኣት ህይወቱ ናብ ዚወስድ መገዲ ኺኣቱ ይኽእል እዩ።—ሮሜ 8:5-8 ኣንብብ።

18. ሓደ ክርስትያን፡ ልቡ ንምሕላው እንታይ ስጕምትታት ኪወስድ ይኽእል፧ ከምኡ ንምግባር ርእሱ ኺገትእ ዘለዎኸ ብኸመይ እዩ፧

18 ስምዒት ዜለዓዕል ምስሊ እንተ ኣጓኒፉና፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ርእስና ኽንገትእ ንኽእል ኢና፣ ከምኡ ኽንገብር እውን ኣሎና። ኰይኑ ግን፡ ካብ መጀመርታኡ፡ ካብቲ ዅነታት እንተ ረሓቕና ይሓይሽ። (ምሳ. 22:3) ግቡእ መከላኸሊ ስጕምትታት ንምውሳድ፡ ርእስና ኽንገትእ የድልየና እዩ። ንኣብነት፡ ኮምፕዩተርና ኣብ ቃልዕ ቦታ ምግባርና፡ ዕቝባ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ገሊኦም፡ ሰባት ኣብ ዘለዉሉ እዋን ጥራይ እዮም ኮምፕዩተር ዚጥቀሙ ወይ ተለቪዥን ዚርእዩ። ገሊኦም ከኣ፡ ፈጺሞም ኢንተርነት ከይጥቀሙ ወሲኖም እዮም። (ማቴዎስ 5:27-30 ኣንብብ።) ንየሆዋ “ኻብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕሊና፡ ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት” ምእንቲ ኸነምልኾ፡ ንርእስናን ንስድራ ቤትናን ካብ ርኽሰት ንምሕላው፡ ኣድላዪ ዘበለ ስጕምቲ ንውሰድ።—1 ጢሞ. 1:5

19. ብመንፈስ ቅዱስ እንተ ተመሪሕና፡ እንታይ ጥቕምታት ኢና እንረክብ፧

19 ብመንፈስ ቅዱስ ዚፈሪ ፍረ፡ ብዙሕ ጥቕምታት የምጽእ እዩ። ህድኣትን ዓቕልን፡ ንሰላም ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣበርክቶ ይገብራ እየን። ለውሃትን ሕያውነትን፡ ኣብ ስድራ ቤት ሓጐስ ከም ዚሰፍን ይገብራ እየን። እምነትን ርእሰ-ግትኣትን ከኣ፡ ካብ የሆዋ ንኸይንርሕቕን ኣብ ቅድሚኡ ንጽህናና ንኽንሕሉን ይሕግዛና እየን። ብዘይካዚ፡ ገላትያ 6:8፡ “እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ” ኢላ ተረጋግጸልና እያ። እወ፡ የሆዋ ብመሰረት እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ፡ ነቶም ብመንፈሱ ኺምርሑ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ኪህቦም እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ህድኣትን ዓቕልን ኣብ ጉባኤ ሰላም ዜስፍና ብኸመይ እየን፧

• ክርስትያናት ኣብ ቤቶም ለውሃትን ሕያውነትን ንኼርእዩ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

• እምነትን ርእሰ-ግትኣትን ንሓደ ክርስትያን፡ ልቡ ንኺሕሉ ዚሕግዛኦ ብኸመይ እየን፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ዝርርብ ናብ ቈየቛ ንኸይልወጥ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ፍረ መንፈስ እትገብሮ መጽናዕቲ ንስድራ ቤትካ ኺጠቕማ ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብእምነት ብምምልላስን ርእስና ብምግታእን ካብ ምንታይ ሓደጋ ኸነምልጥ ንኽእል፧