ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕሩግን ዘይተጋነነን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን ክርስትያናዊ ቐብሪ

ምዕሩግን ዘይተጋነነን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን ክርስትያናዊ ቐብሪ

ምዕሩግን ዘይተጋነነን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን ክርስትያናዊ ቐብሪ

እቲ ሃዋህው ብጓሂ መሊኡ ነበረ። ጸሊም ክዳን እተኸድኑ ሓዘንተኛታት ኣብ መሬት ሰፋሕፋሕ እናበሉ ብጓሂ ይበኽዩ ነበሩ። ሳዕሳዕቲ ኸኣ በቲ ተረግ ተረግ ዚብል ረምታ ሙዚቃ የማነ ጸጋም ይንቀሳቐሱ ነበሩ። ገሊኦም ድማ ይበልዑን ብዓው ዝበለ ሰሓቕን ፈንጠዝያን ባህ ዜብል ግዜ የሕልፉን ነበሩ። ካብ ተምሪ እተሰርሐ ወይንን ቢራን ሰትዮም ብምስካሮም ኣብ መሬት እተዘርግሑ እውን ነበሩ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ እንታይ እዩ፧ እዚ ዝረኣናዮ ተግባራት፡ ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም ኣብ ቀብሪ ዚግበር ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ ዝሞተ ሰብ ንኺሰናበቱ ዚተኣኻኸቡሉ ልሙድ ተግባራት እዩ።

ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ማሪት ዚኣምኑን ንምዉታት ዚፈርሁን ኣዝማዶምን ጐረባብቶምን እዮም ዚነብሩ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ሓደ ሰብ ኪመውት ከሎ ንህያዋን ኪሕግዝ ወይ ኪጐድእ ዚኽእል መንፈስ ኣቦሓጎታት ከም ዚኸውን እዮም ዚኣምኑ። እዚ እምነት እዚ ኣብ ሓያሎ ልምድታት ቀብሪ ይንጸባረቕ እዩ። ንሓደ ዝሞተ ሰብ ክትሓዝነሉ ንቡር ምዃኑ ኣይከሓድን እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን እውን ብሞት ዜፍቅርዎም ሰባት ሓዚኖም እዮም። (ዮሃ. 11:33-35, 38፣ ግብ. 8:2፣ 9:39) ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ኣብ ግዜኦም ልሙድ ዝነበረ ሓለፍ ዝበለ መግለጺ ሓዘን ኣየርኣዩን። (ሉቃ. 23:27, 28፣ 1 ተሰ. 4:13) ስለምንታይ፧ ከምኡ ዘይገበሩሉ ሓደ ምኽንያት፡ ብዛዕባ ምዉታት እቲ ሓቂ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኣቶምን ድሮ ጠፊኡ እዩ፡ . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [ወይ መቓብር] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን” ይብል። (መክ. 9:5, 6, 10) እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይፈልጥ ዜነጽር እዩ። ኪሓስብ፡ ስምዒት ኪስምዖ፡ ኪረዳዳእ፡ ወይ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪግንዘብ ኣይክእልን እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣገዳሲ ሓቂ ምርዳእ ንክርስትያናዊ ቐብሪ ብኸመይ ኪጸልዎ ኣለዎ፧

“ርኹስ ኣይትተንክዩ”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓሌቶም ወይ ባህሎም ብዘየገድስ፡ ምዉታት ይፍለጦምን ንህያዋን ይጸልውዎምን እዮም ምስ ዚብል እምነት ካብ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ልምዲ ይርሕቁ እዮም። ከም እኒ ምስ ሬሳ ኾፍ ኢልካ ብምሕዳር ዚግበር ጽምብል፡ ደድሕሪ ቐብሪ ዚግበር ጓይላ ዘለዎ ፍልይ ዝበለ ድግስ፡ ተዝካር፡ ንምዉታት መስዋእቲ ምቕራብ፡ ከምኡውን መጻምድቶም ብሞት እተፈለይዎም ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ዚገብርዎ ልምድታት፡ ርኹስን ንኣምላኽ ዜጕህዮን ልምድታት እዩ፣ ከመይሲ፡ ምስቲ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ዚገልጽ ዘይቅዱስ ጽሑፋውን ኣጋንንታውን ትምህርትታት ዚተሓሓዝ እዩ። (ህዝ. 18:4) ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ “ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከአለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከአለኩምን” ስለ እተባህሉ፡ ኣብዚ ልምድታት እዚ ኣይካፈሉን እዮም። (1 ቈረ. 10:21) ነቲ “ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን” ዚብል ትእዛዝ ድማ የኽብርዎ እዮም። (2 ቈረ. 6:17) ከምዚ ዝበለ መትከል ምሓዝ ግን ኵሉ ግዜ ቐሊል ኣይኰነን።

ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ካልእ ቦታታትን፡ እተወሰነ ልምድታት እንተ ዘይተገይሩ፡ መናፍስቲ ኣቦሓጎታት ከም ዚቝጥዑ እዩ ዚእመን። ኣብዚ ልምድታት እዚ ዘይምክፋል ከኣ ኣብቲ ሕብረተሰብ መርገም ወይ ሕማቕ ዕድል ኬምጽእ ዚኽእል ከቢድ በደል ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚቝጸር። ብዙሓት ካብ ህዝቢ የሆዋ ኣብዚ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ጽምብላት ቀብሪ ብዘይምክፋሎም፡ በቲ ማሕበረሰብን ብቐረባ ኣዝማድን ተነቒፎም፡ ተጸሪፎም፡ ከምኡውን ከም ስግንጢር ጌርካ ተራእዮም እዮም። ገሊኦም ከኣ ጸረ-ሕብረተሰብን ንምዉታት ዚንዕቑን ከም ዝዀኑ ጌርካ ተኸሲሶም እዮም። አረ ዘይኣምኑ ሰባት ብኢደ ወነኖም ንክርስትያናዊ ቐብሪ እተቘጻጸሩሉ እዋን እውን ኣሎ። ንኣምላኽ ዜጕሂ ልምድታት ቀብሪ ኺግበር ኣትሪሮም ምስ ዚዛረቡ ሰባት ንዜጋጥም ጐነጽ ብኸመይ ከነወግዶ ንኽእል፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኬበላሽወልና ኻብ ዚኽእል ርኹስ ጽምብላትን ተግባራትን ርእስና ኽንፈሊ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

መትከልካ ንጹር ግበሮ

ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም፡ ዓበይቲ ዓድን ኣዝማድን ንኣቀባብራ እቲ ምዉት ብዚምልከት ውሳነታት ኣብ ምግባር ኪካፈሉ ልሙድ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ እሙን ክርስትያን፡ እቲ ቐብሪ ብመሰረት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዚመሓደርን ከም ዚካየድን ንጹር ኪገብሮ ኣለዎ። (2 ቈረ. 6:14-16) ኣብ ክርስትያናዊ ቐብሪ ዚግበር ነገራት ንሕልና ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ዚርብሽ ከምኡውን ነቶም ንምዉታት ብዚምልከት እንኣምነሉን እንምህሮን ነገራት ዚፈልጡ ሰባት ዚዕንቅፍ ኪኸውን የብሉን።

ሓደ ሰብ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወኪሉ ነቲ ቐብሪ ኼካይዶ ኣብ ዚሕተተሉ እዋን፡ እቲ ስርዓታት ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ንኺሰማማዕ፡ እተሸሙ ሽማግለታት ሓጋዚ ሓሳባትን መንፈሳዊ ደገፍን ኪህቡ ይኽእሉ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት፡ ርኹስ ተግባራት ኪገብሩ ምስ ዚደልዩ፡ ኣብ መትከልና ኽንጸንዕ፡ ክርስትያናዊ መትከልና ድማ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ክንገልጽ ኣሎና። (1 ጴጥ. 3:15 ትርጕም 1990) ኰይኑ ግን፡ ዘይኣምኑ ኣዝማድ፡ ርኹስ ጽምብላት ኪግበር ጸቕጢ እንተ ገበሩኸ፧ ከምዚ እንተ ዀይኑ፡ እቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ካብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተፈልዮም ኪኸዱ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 10:20) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፡ ነቶም ብምኽንያት ሞት ዜፍቅርዎ ሰብ ኣዝዮም ዝሓዘኑ ሰባት ‘ብቕዱሳት ጽሑፋት ንምጽንናዕ፡’ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ካልእ ምሹእ ቦታ፡ ሕጽር ዝበለ መደረ ቐብሪ ኺወሃብ ይከኣል እዩ። (ሮሜ 15:4) እቲ ሬሳ እኳ እንተ ዘየለ፡ ከምዚ ዓይነት ቀብሪ፡ ምዕሩግን ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ዘለዎን እዩ። (ዘዳ. 34:5, 6, 8) ናይ ዘይኣመንቲ ጣልቃ ምእታው ውጥረትን ጓህን ዚውስኽ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ዚህበና ኣምላኽ ነቲ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር እንወስዶ ቘራጽነት ከየስተብሃለሉ ኸም ዘይሓልፍ ምፍላጥና፡ ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 4:7

ውሳነኻ ኣብ ጽሑፍ ኣስፍሮ

ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ቀብሩ ኺግበር ዚደልዮ ነገራት ኣብ ጽሑፍ እንተ ኣስፊርዎ፡ ምስቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣባላት ስድራ ቤት ምርድዳእ ቐሊል ይኸውን፣ ከመይሲ፡ ንድሌታት እቲ ዝሞተ ምኽባሮም ኣይተርፍን እዩ። እቲ ኣብ ጽሑፍ ኪሰፍር ዘለዎ ኣገዳሲ ዝርዝር ነጥብታት፡ እቲ ቐብሪ ብኸመይ ኪግበር ከም ዘለዎ፡ ኣበይ ኪግበር ከም ዘለዎ፡ መን ጥራይ ብሓላፍነት ኬመሓድሮን ኪቈጻጸሮን ከም ዘለዎ ዚገልጽ ሓሳባት የጠቓልል። (ዘፍ. 50:5) እቲ ሰነድ ዝያዳ ውጽኢታዊ ንኪኸውን፡ ክታምን መሰኻኽርን ዘለውዎ እንተ ዀነ ይሓይሽ። እቶም ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ብምስትውዓልን ብጥበብን ኣርሒቖም ዚውጥኑ ሰባት፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ንምውሳድ ኣዝዮም ክሳዕ ዚኣርጉ ወይ ዘይምሕር ሕማም ክሳዕ ዚሕዞም ኪጸንሑ ኸም ዘይብሎም ይፈልጡ እዮም።—ምሳ. 22:3፣ መክ. 9:12

ገሊኦም ሰባት ንኸምዚ ዓይነት መምርሒታት ኣብ ጽሑፍ ምስፋር ይኸብዶም እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ምግባር፡ ክርስትያናዊ ብስለትናን ንኻልኦት ዘሎና ፍቕራዊ ሓልዮትን ዜርኢ መርትዖ እዩ። (ፊል. 2:4) ነዚ ጕዳያት እዚ ኣብ ኢድ እቶም ዝጐሃዩ ኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ክንዲ ምሕዳግ፡ ባዕልኻ ምግባሩ ይሓይሽ፣ ከመይሲ፡ ነቶም ኣባላት ስድራ ቤት፡ እቲ ዝሞተ ሰብ ዘይኣምነሉ ወይ ዘይደልዮ ርኹስ ተግባራት ኪገብሩ ጸቕጢ ኺወርዶም ይኽእል እዩ።

እቲ ቐብሪ ዘይተጋነነ ይኹን

ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋላት ኣፍሪቃ፡ መናፍስቲ ኣቦሓጎታት ምእንቲ ኸይቍጥዑ፡ ገፊሕን መሳጥን ቀብሪ ኺግበር ኣለዎ ዚብል እምነት ኣሎ። ገሊኦም ከኣ ንእዋን ቀብሪ፡ “ንብረት ትዕቢት፡” ማለት ማሕበራውን ቍጠባውን ደረጃኦም ንምርኣይ ይጥቀሙሉ። (1 ዮሃ. 2:16) ነቲ ዝሞተ ሰብ ግቡእ ኢሎም ዚሓስብዎ ቐብሪ ንምግባር ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ጥሪትን የጥፍኡ። ብዙሓት ሰባት ንምስሓብ፡ ስእሊ እቲ ዝሞተ ሰብ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ይሰቕሉ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ቐብሪ የፋልጥዎ። እቶም ሓዘንተኛታት ምእንቲ ኪኽደንዎ፡ ስእሊ እቲ ዝሞተ ሰብ ዘለዎ ካናቴራታት ኣዳልዮም ይዕድሉ። ንተዓዘብቲ ንምምሳጥ ድማ ብሉጽን ክቡርን ሳንዱቕ ሬሳ ይዕድጉ። ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዚነብሩ ገሊኦም ሰባት ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ሃብቶምን ልዕልናኦምን ምሾቶምን ንምርኣይ፡ ናይ ማካይንን ነፈርትን ጀላቡን ካልእ ነገራትን ቅርጺ ዘለዎ ሳንዱቕ ሬሳ ይሰርሑ። ነቲ ሬሳ ኻብቲ ሳንዱቕ ኣውጺኦም ብፍሉይ መገዲ ኣብ እተሰላለመ ዓራት የንብርዎ። ንሓንቲ ዝሞተት ሰበይቲ ድማ ጻዕዳ ቬሎ ይኸድንዋ፡ ብዙሕ ስልማትን ኣዕናቝን ኵሕሊ ምሕልን ከኣ ይገብሩላ። ዝዀነ ይኹን ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ኪካፈል ግቡእ ድዩ፧

ብሱላት ክርስትያናት፡ እቶም ንኣምላኻዊ ስርዓታት ዘይፈልጥዎን ዕሽሽ ዚብልዎም ሰባት ካብ ዚገብርዎ ሓለፍ ዝበለ ተግባራት ምርሓቕ ጥበባዊ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። እተጋነነን ዘይቅዱስ ጽሑፋውን ልምድታት ይኹን ተግባራት፡ ‘ካብ ኣቦ ዘይኰነስ፡ ካብዛ እትሓልፍ ዓለም ምዃኑ’ ንፈልጥ ኢና። (1 ዮሃ. 2:15-17) ናብቲ ንኻልኦት ንኽትበልጾም ኢልካ ዚግበር ዘይክርስትያናዊ መንፈስ ውድድር ከይንኣቱ ኣጸቢቕና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (ገላ. 5:26) ካብ ተመክሮ ኸም እተራእየ፡ ፍርሂ ምዉታት ኣገዳሲ ኽፋል ባህልን ማሕበራዊ ህይወትን ኣብ ዝዀነሉ ኸባቢ፡ ቀብሪ ኣዝዩ ገፊሕን ንኽትቈጻጸሮ ኣጸጋምን እዩ ዚኸውን። ዘይኣመንቲ ንምዉታት ካብ ዘለዎም ፍሉይ ኣኽብሮት ተበጊሶም፡ ርኹስ ተግባራት ይገብሩ ይዀኑ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ቀብሪ፡ ዓው ዝበለን ጠገለ ዘይብሉን ብኽያት፡ ንሬሳ ምሕቋፍ፡ ከም ህያው ጌርካ ብምሕሳብ ነቲ ሬሳ ምዝራብ፡ ከምኡውን ገንዘብን ካልእ ነገራትን ምስቲ ሬሳ ምግናዝ ልሙድ እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ቐብሪ ኸምዚ እንተ ተገይሩ፡ ኣብ ስም የሆዋን ኣብ ህዝቡን ዓብዪ ጸርፊ እዩ ዜምጽእ።—1 ጴጥ. 1:14-16

ናይ ሓቂ ዅነታት ምዉታት ምፍላጥና፡ ዝዀነ ይኹን ዓለማዊ ተግባራት ዘይብሉ ቐብሪ ንኽንገብር ትብዓት ይህበና። (ኤፌ. 4:17-19) የሱስ ካብቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዘይተጋነነ መገዲ እዩ ተቐቢሩ። (ዮሃ. 19:40-42) እቶም “ሓሳብ ክርስቶስ” ዘለዎም፡ ንኸምዚ ዓይነት ቀብሪ ኸም ውርደት ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። (1 ቈረ. 2:16) እወ፡ ቀሊልን ዘይተጋነነን ክርስትያናዊ ቐብሪ ምግባር፡ ካብቲ ብዓይኒ ቕዱሳት ጽሑፋት ኪርአ ኸሎ ርኹስ ዝዀነ ተግባራት ንምርሓቕ ከምኡውን ምዕሩግን ንኡድን ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት ዚበቅዕን ንኪኸውን ይሕግዝ።

ሓጐስካ እትገልጸሉ እዋን ድዩ፧

ደድሕሪ ቐብሪ፡ ኣዝማድን ጐረባብትን ካልኦትን ብሓደ ተኣኪቦም ይበልዑ፡ ዓው ዝበለ ሙዚቃ ኸፊቶም ከኣ ይስዕስዑ ይዀኑ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብዚ ደድሕሪ ቐብሪ ዚግበር ፍልይ ዝበለ ድግስ፡ ስኽራንን ጾታዊ ርኽሰትን ይፍጸም እዩ። ገሊኦም ሰባት ከምዚ ዓይነት ድግስ ምግባር ሓዘንካ ንኽትርስዕ ከም ዚሕግዝ ይገልጹ። ገሊኦም ከኣ ሓደ ኽፍሊ ባህሎም ጥራይ ከም ዝዀነ ይስምዖም። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ፈንጠዝያ፡ ነቲ ምዉት ንምኽባርን ንምውዳስን ነፍሱ ወጺኣ ድማ ምስ ኣቦሓጎታቱ ምእንቲ ኽትጽንበርን ግድን ኪግበር ዘለዎ ጽምብል ምዃኑ እዮም ዚኣምኑ።

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ “ገጽ እንተ ሐዘነ፡ ልቢ ይበርህ እዩ እሞ፡ ካብ ሰሓቕስ ሓዘን ይሐይሽ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ምስዓቡ ጥበባዊ ምዃኑ ይግንዘቡ እዮም። (መክ. 7:3) ህይወት ሓጻር ብዛዕባ ምዃናን ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤን ህድእ ኢልካ ምስትንታን ጠቓሚ ምዃኑ እውን ይፈልጡ እዮም። እወ፡ ነቶም ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ዘለዎም ሰባት፡ “ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ።” (መክ. 7:1) ስለዚ እምበኣር፡ ደድሕሪ ቐብሪ ዚግበር ፍልይ ዝበለ ድግስ ምስ ሓተታ መናፍስትን ምስ ጾታዊ ርኽሰትን እተተሓሓዘ ብምዃኑ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከምዚ ዝኣመሰለ ድግስ ኪገብሩ ወይ ኣብኡ ኺካፈሉ ግቡእ ኣይኰነን። ምስቶም ኣብዚ ድግስ እዚ ዚካፈሉ ሰባት ምሕባር፡ ንኣምላኽን ንሕልና እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ብጾትን ከም ዘይተኽብር የርኢ።

እቲ ፍልልይ ንጹር ይኹን

ካብቲ ነቶም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዘለዉ ሰባት ሒዝዎም ዘሎ ዘይጥዑይ ፍርሂ ምዉታት፡ ሓራ ብምውጻእናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነማስወሉ ዘሎና! (ዮሃ. 8:32) ከም “ደቂ ብርሃን” መጠን ጓሂናን ሓዘንናን መንፈሳዊ ብርሃን ብዜንጸባርቕ መገዲ ኢና እንገልጽ፣ እዚ ኺበሃል ከሎ፡ ብዘይተጋነነን ኣኽብሮት ብዝመልኦን ነቲ ርጉጽ ተስፋ ትንሳኤ ኸም እንኣምነሉ ብዜንጸባርቕን መገዲ ንገልጾ ማለት እዩ። (ኤፌ. 5:8-10፣ ዮሃ. 5:28-31) ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ፡ ከምቲ እቶም “ተስፋ ዜብሎም” ሰባት ዚገብርዎ ሓለፍ ዝበለ መግለጺ ሓዘን ንኸይንገብር ይሕልወና። (1 ተሰ. 4:13) ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ንኽንጣበቐሉን ብፍርሂ ሰብ ንኸይንምብርከኽን ትብዓት ይህበና።—1 ጴጥ. 3:13, 14

ምስቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ተሰማሚዕና ብተኣማንነት ምስ እንመላለስ፡ ሰባት ነቲ ‘ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ንኺርእዩ’ ኣጋጣሚ ንኸፍተሎም። (ሚል. 3:18) ሞት ዘይህልወሉ መዓልቲ ኺመጽእ እዩ። (ራእ. 21:4) ነዚ ዓብዪ መብጽዓ እዚ ኽንጽበ ኸለና፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ኴንና ኽንርከብ፡ ካብዛ እክይቲ ዓለምን ካብቲ ንኣምላኽ ዘየኽብር ተግባራትን ከኣ ምሉእ ብምሉእ ክንፍለ ይግባእ።—2 ጴጥ. 3:14

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ንቐብሪ ዚምልከት ምርጫታት ኣብ ጽሑፍ ምስፋር ጥበባዊ እዩ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናዊ ቐብሪ፡ ዘይተጋነነን ምዕሩግን ኪኸውን ኣለዎ