ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንኣረጋውያን ይሓልየሎም

ኣምላኽ ንኣረጋውያን ይሓልየሎም

ኣምላኽ ንኣረጋውያን ይሓልየሎም

ኣብዚ ግዜና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ንኣረጋውያን ምግፋዕ ዜገርም ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ነዊሕ ይገብር: ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ኣገባብ: ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም: . . . ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” ከም ዚዀኑ ተነብዩ ነበረ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-3) ከምቲ እዚ ትንቢት ዝበሎ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ፍቕሪ ንስድራቤት የለን።

የሆዋ ኣምላኽ ከምቶም ንኣረጋውያን ዜጋፍዑ ዘይኰነስ: ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣኽቢሩ ይርእዮምን ይሓልየሎምን እዩ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተንጸባረቐ እስከ ንርአ።

“ጠበቓ መበለታት”

የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣረጋውያን ከም ዚግደስ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ መዝሙር 68:5 ዳዊት ነተን ኣረጋውያን መበለታት ብዚምልከት ኪዛረብ ከሎ: ንኣምላኽ “ጠበቓ መበለታት” ኢሉ ጸውዖ። a ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ጠበቓ” እትብል ቃል: “ተኸላኻሊ:” “መዕቈቢ:” ከምኡውን “ተሓላቒ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ብንጹር እምበኣር: የሆዋ ንመበለታት ይሓልየለን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እሞ ኸኣ እንተደኣ ተገፊዐን: ኵራኡ ኸም ዚነድድ እዩ ዚገልጽ። (ዘጸኣት 22:22-24) የሆዋ ዀነ ኣገልገልቱ ንመበለታትን ንዅሎም እሙናት ኣረጋውያንን ኣኽቢሮም ይርእይዎም እዮም። ምሳሌ 16:31 “ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ” ብምባል ኣረኣእያ የሆዋን ህዝቡን ትገልጽ።

እምበኣር: ንኣረጋውያን ምኽባር ክፍሊ እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦ ሕጊ ምንባሩ ዜገርም ኣይኰነን። እስራኤላውያን: “ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ: ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር: ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ተባሂሎም እዮም ተኣዚዞም ነይሮም። (ዘሌዋውያን 19:32) ስለዚ: ኣብ እስራኤል ንኣረጋውያን ዝነበረ ኣረኣእያ ምስቲ: ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበረ ርክብ ዚተሓሓዝ እዩ ነይሩ። ሓደ ሰብ ንኣረጋውያን እናገፍዐ ንኣምላኽ አፍቅሮ እየ ኺብል ኣይክእልን እዩ።

ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰኑን። ይኹን እምበር: ኣብ ትሕቲ “ሕጊ ክርስቶስ” እዮም: እዚ ድማ ንወለድን ንኣረጋውያንን ምፍቃርን ምሕላይን እውን ሓዊስካ ኣብ ኣካይዳኦምን ኣረኣእያኦምን ዓሚቝ ጽልዋ እዩ ዘለዎ። (ገላትያ 6:2-3፣ ኤፌሶን 6:1-4፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:1-4) ብተወሳኺውን: ክርስትያናት ስለ እተኣዘዙ ዘይኰነስ: ካብ ልቦም ተደሪኾም እዮም ፍቕሪ ዜርእዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ” ብምባል ተማሕጸነ።—1 ጴጥሮስ 1:22

ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ተወሳኺ ንኣረጋውያን እንሓልየሉ ምኽንያት ጠቒሱ ኣሎ። “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ: ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ: ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ” ብምባል ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:27) ያእቆብ ልቢ ዚትንክፍ ነጥቢ ጠቒሱ ኣሎ። እዞም ፍቑራት ሰባት እዚኣቶም ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኣድለይቲ ኸም ዝዀኑ ንኸነቕልብ ድማ ይገብረና።

ስለዚ: ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ግፍዒ ዘይምውራድ እኹል ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡ: ዚጠቕሞም ነገር ብምግባር ክንሓልየሎም ኣሎና። (ነታ ኣብ ገጽ 6-7 ዘላ “ብግብሪ እተሰነየት ፍቕሪ” እትብል ሳጹን ርአ።) ያእቆብ: “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ” ኢሉ ጸሓፈ።—ያእቆብ 2:26

“ኣብ መከራኦም” ምጽንናዕ

ካብ ቃላት ያእቆብ እንመሃሮ ኻልእ ነጥቢ እውን ኣሎ። ንክርስትያናት “ኣብ መከራ” መበለታት ኪበጽሑ ኸም ዝነገሮም ኣስተብህል። እታ “መከራ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: ኵነታት ናብራና ኻብ ዜምጽኦ ጸቕጢ ዚስዕብ ጭንቂ: ወጽዓ: ወይ ስቓይ ማለት እያ። ሓያሎ ኣረጋውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኵነታት ከም ዘሕለፉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ገሊኦም ጽምዋ ይስምዖም። ገሊኦም ድማ ብሰንኪ እቲ ምስ እርጋን ተተሓሒዙ ዚመጽእ ናይ ዓቕሚ ድሩትነት ይጕህዩ። እቶም ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ንጡፋት ዝዀኑ ኣረጋውያን እውን ከይተረፉ ተስፋ ይቘርጹ ይዀኑ። ንኣብነት: ነቲ ንልዕሊ 40 ዓመት እሙን ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ: ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ዓመት ድማ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ ዘገልገለ ጆን b ዚበሃል እተሰምዖ እስከ ንርአ። ሕጂ ኣብ 80ታት ዕድሚኡ ዀይኑ ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ኸም ዚቘርጽ ተዛረበ። “መብዛሕትኡ እዋን ንድሕሪት ምልስ ኢለ ነቲ ዝገበርክዎ ሓያሎ ጌጋታት እዝክር። ዝሓሸ ኽገብር ከም ዝነበረኒ ድማ ብቐጻሊ እሓስብ” በለ።

ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት: የሆዋ ፍጹም ክነሱ ኻብኣቶም ግን ፍጽምና ኸም ዘይጽበ ምፍላጦም ኬጸናንዖም ይኽእል እዩ። ዋላኳ ንጕድለትና እንተ ፈለጦ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባኡ: “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧” ይብል። (መዝሙር 130:3) እምበኣር: የሆዋ ኽንዮ ጕድለትና ብምርኣይ ኣብ ልብና ዘሎ እዩ ዜቕልብ። ነዚ ብኸመይ ንፈልጥ፧

እቲ ጌጋ ዚገብር ከምኡውን ዘይፍጹም ዝነበረ ንጉስ ዳዊት: ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ነተን ኣብ መዝሙር 139:1-3 ዚርከባ “ጐይታየ: ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ: ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። . . . ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር: ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ” ዚብላ ቓላት ኣቀናበረ። ሱር ግሲ እታ “ትምርምር” እትብል ቃል: ቃል ብቓሉ “ምምማይ” ማለት እያ: እዚ ድማ ምስቲ ሓደ ሓረስታይ ንእኽሊ ኻብ ቡቕቡቕ ንምፍላይ ዚገብሮ ዕዮ ዚመሳሰል እዩ። ዳዊት ብመንፈስ ተደሪኹ: የሆዋ ነቲ ጽቡቕ ስራሕና መምዩ ብምትራፍ ኣብ ዝኽሩ ኸም ዚዕቅቦ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ።

እቲ መሓሪ ሰማያዊ ኣቦና: ንዕኡ እሙናት ክሳዕ ዝዀንና ነቲ ጽቡቕ ዕዮና ይዝክሮ ኸምኡውን ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ። እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ንግብርናን ነቲ ንስሙ ኢልና ዝገበርናዮ ፍቕርን ዚርስዕ ገፋዒ ኸም ዘይኰነ ይሕብር እዩ።—እብራውያን 6:10

“እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ”

እርጋን ዜምጽኦ ጸገማት: ኣምላኽ ንደቅሰብ ዝዓለሞ ኸም ዘይኰነ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር። እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ፈጣሪኦም ምስ ዓለዉ: እዚ ጕዳኢ ሳዕቤን እርጋን እዚ ኽፍሊ ህይወት ደቅሰብ ኰነ። (ዘፍጥረት 3:17-19፣ ሮሜ 5:12) እዚ ግን ንሓዋሩ ዚቕጽል ነገር ኣይኰነን።

ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ: እቲ ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዚወርድ ግፍዒ ዀነ ኻልእ ዜጋጥመና ሕማቕ ኵነታት: ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ኣገባብ እዚ ንነብር ምህላውና ዜርኢ መርትዖ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ዕላማ ኣምላኽ ነቲ ሓጢኣት ዜምጽኦ ሳዕቤን: እንተላይ ንእርጋንን ሞትን ምውጋድ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ይብል።—ራእይ 21:4

ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም: እርጋን ዜምጽኦ ቓንዛን ስቓይን ኣይኪህሉን እዩ። ኣረጋውያን እውን ኣይኪግፍዑን እዮም። (ሚክያስ 4:4) እቶም ሞይቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ሰባት እውን ከይተረፉ: ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ንኺረኽቡ እንደገና ህያው ኪዀኑ እዮም። (ዮሃንስ 5:28, 29) ኣብቲ ግዜ እቲ: የሆዋ ኣምላኽ ንኣረጋውያን ጥራይ ዘይኰነስ: ንዅሎም እቶም ዚእዘዝዎ ሰባት ከም ዚሓልየሎም ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ንጹር ኪኸውን እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገለ መበለታት ኣረጋውያን ከይኰና ይኽእላ እየን። ኣምላኽ ነተን መንእሰያት ዝዀና መበለታት ከም ዝሓልየለን ዜርኢ ኣብነት ድማ ኣብ ዘሌዋውያን 22:13 ተገሊጹ ኣሎ።

b ናይ ሓቂ ስሙ ኣይኰነን።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ እስሊ]

ዶርቃስ ንድኻታት መበለት ትሓልየለን ነበረት። —ግብሪ ሃዋርያት 9:36-39

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ብግብሪ እተሰነየት ፍቕሪ

እቶም ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚርከቡ ሽማግለታት ጉባኤ ንኣረጋውያን ኣኽብሮት ኣብ ምርኣይ ግንባር ቀደም ኰይኖም ይዓዩ እዮም። ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። (1 ጴጥሮስ 5:2) ንኣረጋውያን ብግብራዊ መገዲ ምሕላይ ነቲ መጓሰ ኣምላኽ እትጓስየሉ ሓደ መገዲ እዩ። ከምዚ ምግባር ግን እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

ንሓደ ኣረጋዊ ዜድልዮ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ንምፍላጥ: ትዕግስቲ ምናልባት እውን ደጋጊምካ ምብጻሕን ምዕላልን የድሊ ይኸውን። ኣስቤዛ ብምዕዳግን ገዛ ብምጽርራይን: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኺካፈል መጐዓዝያ ብምድላው: መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ብምንባብ: ከምኡውን ካልእ ነገራት ብምግባር ዝመጸ እውን ሓገዝ የድልዮ ይኸውን። ብእተኻእለ መጠን: ግብራዊ ኸምኡውን ዜተኣማምን ምድላው ኪህሉን ኣብ ግብሪ ኺውዕልን ኣለዎ። c

ኣብቲ ጉባኤ ዚርከብ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ወይ ሓብቲ ኣብ ጽንኩር ኵነታት: ምናልባት እውን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዜድልዮ ዓይነት ጸገም እንተ ዀይኑ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ ብቐዳምነት: ኪሕግዝዎ ዚኽእሉ ውሉዳት ወይ ኣዝማድ እንተ ኣልዮም ምፍላጥ ሰናይ እዩ። ከምዚ ምግባር ምስቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:4 ተጠቒሱ ዘሎ: “ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ አለውዋ: እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ: ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሀሩ” ዚብል ዚሰማማዕ እዩ።

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ: ካብቲ መንግስቲ ዚገብሮ ምድላዋት ተጠቃሚ ንምዃን ብቑዕ እንተ ዀይኑ ኣብ ምርግጋጽ ሓገዝ የድልዮ ይኸውን። ምናልባት እውን ኣብቲ ጉባኤ ዚርከቡ ገለ ሰባት ኪሕግዝዎ ይኽእሉ ይዀኑ። እዚ ዅሉ ዘይከኣል እንተ ዀይኑ ግን: ሽማግለታት እዚ ውልቀ-ሰብ እዚ በታ ጉባኤ ንኺሕገዝ ብቑዕ እንተ ዀይኑ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መዓይይቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ: “ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ: ውሉድ ዘዕበየት: ጋሻ እተቐበለት: እግሪ ቅዱሳን ዝሐጸበት: ንዝጸበቦም ዘርሀወት: ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዐበት: ካብ ስሳ ዓመት ዘይነአሰት: ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ከም መበለት ኰይና ትቈጸር” ኢሉ ስለ ዝጸሓፈሉ: ኣብ ገሊኡ መዳያት ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ኸምዚ ይግበር ነበረ።—1 ጢሞቴዎስ 5:9, 10

[እግረ-ጽሑፍ]

c ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ነታ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1988 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ንኣረጋውያን ዜድልዮም ምምላእ—ክርስትያናት ዜጋጥሞም ብድሆ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተወከስ።