ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ “ኻብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ” ይነግር

የሆዋ “ኻብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ” ይነግር

የሆዋ “ኻብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ” ይነግር

“ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ: ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ።” —ኢሳይያስ 46:10

1, 2. ኣብቲ ምስ ምግልባጥ ባቢሎን ዚተሓሓዝ ፍጻመታት እንታይ ፍሉይ ነገር እዩ ተራእዩ፧ እዚ ሓቂ እዚኸ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይሕብር፧

 ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት: ወተሃደራት ጸላኢ ሰላሕ እናበሉ ንፈለግ ኤፍራጥስ ሰጊሮም ናብታ ሓያል ከተማ ባቢሎን ቀረቡ። ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡ: ኣዒንቶም ዜገርም ነገር ረኣያ። እቲ ዓብዪ ማዕጾ ባቢሎን ኣይተዓጽወን! ካብቲ ፈለግ ወጺኦም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ንሽዑ እታ ኸተማ ኣብ ኢዶም ወደቐት። እቲ ቂሮስ ዝስሙ መራሒኦም: ከይተደናጐየ ነቲ ወሪሩ ዝሓዞ ምድሪ ተቘጻጸሮ: ጸኒሑ ድማ ነቶም እስራኤላውያን ምሩኻት ሓራ ዜውጽእ ኣዋጅ ኣውጽአ። በሽሓት ዚቝጸሩ ምሩኻት: ኣምልኾ የሆዋ ኣብ የሩሳሌም እንደገና ንምቛም ናብ ዓዶም ተመለሱ።—2 ዜና መዋእል 36:22, 23፣ እዝራ 1:1-4

2 እዚ ብ539-537 ቅ.ክ. ዘጋጠመ ፍጻመታት: ሎሚ ጸሓፍቲ ታሪኽ ብዚግባእ ዚምስክሩሉ እዩ። ፍሉይ ዚገብሮ ነገር እንተ ሃለወ: እዚ ፍጻመታት እዚ 200 ዓመት ይገብር ኣቐዲሙ ዚፍለጥ ምንባሩ እዩ። የሆዋ ንነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ባቢሎን እትወድቀሉ እዋን ኣቐዲሙ ኺጽሕፍ ብመንፈሱ ገይሩ ደሪኽዎ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 44:24-45:7) ኣምላኽ ነቲ ባቢሎን ኣብ እትግልበጠሉ እዋን ዚህሉ ዅነታት ጥራይ ዘይኰነስ: ንስም እቲ ዚስዕራ መራሒ እውን ጠቒሱ ነይሩ እዩ። a የሆዋ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ መሰኻኽሩ ዝነበሩ እስራኤላውያን: “ኣነ ኣምላኽ እየ: ብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ: ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ: ኣነ ኣምላኽ እየ: ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን። ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ: ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ” ኢሉ ተዛረቦም። (ኢሳይያስ 46:9, 10ሀ) የሆዋ ብሓቂ ኣቐዲሙ እንታይ ከም ዚኸውን ኪፈልጥ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ።

3. ነየናይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንረኽበሉ፧

3 ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዚፈልጥ፧ የሆዋ ኣቐዲሙ ነፍሲ ወከፍና እንታይ ከም እንገብር ይፈልጥ ድዩ፧ መጻኢና ኣቐዲምካ እተወሰነ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዝን ምስዚ ንዚዛመድን ሕቶታት ዚህቦ መልሲ: ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብ እትቕጽልን ክንርእዮ ኢና።

የሆዋ—ናይ ትንቢት ኣምላኽ

4. ምንጪ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢታት መን እዩ፧

4 የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ስለ ዚኽእል: ነቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣገልገልቱ ሓያሎ ትንቢታት ንኺምዝግቡ ብመንፈሱ ደረኾም። እዚ ኸኣ እንታይ ዕላማ ኸም ዘለዎ ኣቐዲምና ንኽንፈልጥ ኣኽኣለና። የሆዋ: “እንሆ: እቲ ናይ ቀደም ተፈጸመ: ደጊም ሓድሽ ክነግረኩም እየ: ከይተቐልቀለ ድማ ብዛዕባኡ ኸስምዓኩም እየ” በለ። (ኢሳይያስ 42:9) ህዝቢ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ክብሪ ዀን እዮም ረኺቦም!

5. ነቲ የሆዋ ዚገብሮ ኣቐዲምካ ምፍላጥ: እንታይ ሓላፍነት የሰክመና፧

5 ነብዪ ኣሞጽ: “እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም: ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ” ብምባል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። እዚ ኣቐዲምና እንፈልጦ ፍልጠት: ሓላፍነት እውን የሰክመና እዩ። ነቲ ኣሞጽ እተጠቕመሉ: “ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህ፧” ዚብል ሓያል መብርሂ እሞ ንመልከት። ልክዕ ከምቲ ኣንበሳ ምጕዛሙ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዚርከቡ ሰባት ኰነ እንስሳታት ብኡንብኡ ዜፍርሆም: ከም ኣሞጽ ዝኣመሰሉ ነብያት እውን ብቕልጡፍ ኣዋጃት የሆዋ ይዛረቡ እዮም። እወ: “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተዛሪቡኸ መን እዩ ዘይንበ፧”—ኣሞጽ 3:7, 8

‘ቃል’ የሆዋ ‘የቕንዕ’

6. ምስ ምውዳቕ ባቢሎን ብዚተሓሓዝ ‘ምኽሪ’ የሆዋ ኣሳልጦ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧

6 የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ: “ምኽረይ ኪቐውም እዩ: ፍቓደይ ኵሉውን ክፍጽም እየ” በለ። (ኢሳይያስ 46:10ለ) ንባቢሎን ዚምልከት ‘ምኽሪ’ ኣምላኽ: ማለት ፍቓዱ ወይ ዕላማኡ: ቂሮስ ንባቢሎን ምእንቲ ኺወራን ኬውድቓን ካብ ፋርስ ምጽዋዑ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። የሆዋ ነዚ ዕላማኡ ኣቐዲሙ ኣዊጅዎ እዩ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: ብ539 ቅ.ክ. ከኣ ምሉእ ብምሉእ ተፈጺሙ እዩ።

7. “ቃል” የሆዋ ወትሩ ኸም ዜቕንዕ ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

7 ቂሮስ ንባቢሎን ቅድሚ ምውራሩ ዳርጋ ኣርባዕተ ዘመን ይገብር: ሰራዊት ዓሞንን ሞኣብን ብሓባር ኰይኖም ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ኺዋግእዎ መጹ። ንሱ ግን ብምትእምማን “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና: ንስኻዶ ኣይኰንካን ኣምላኽ ሰማይ፧ እቲ ንዅለን መንግስትታት ኣህዛብ ዚገዝእ ድማ ኣይንስኻን ዲኻ፧ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ: ኪቃወመካ ዚኽእል የልቦን” ኢሉ ጸለየ። (2 ዜና መዋእል 20:6) ኢሳይያስ: “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መዲብዎ እዩ እሞ: መን ከንቱ ይገብሮ፧ ኢዱ ተዘርጊሓ አላ: መንከ ይመልሳ፧” ኺብል ከሎ ተመሳሳሊ ምትእምማን እዩ ኣርእዩ። (ኢሳይያስ 14:27) ጸኒሑ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብቲ ጽላለኡ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ: ብትሕትና “ንኢዱ [ንኢድ ኣምላኽ] ኪኽልክላ: ስለምንታይ እዚ እትገብር፧ ኪብሎ ዚኽእልውን የሎን” ኢሉ ኣፍልጦ ሃበ። (ዳንኤል 4:35) እወ: የሆዋ ንህዝቡ: “ቃለይ . . . ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” ብምባል ኣረጋገጸሎም። (ኢሳይያስ 55:11) ‘ቃል’ የሆዋ ወትሩ ኸም ዚፍጸም ምሉእ እምንቶ ኺህልወና ይኽእል እዩ። ዕላማ ኣምላኽ ብርግጽ ኪፍጸም እዩ።

‘ናይ ዘለኣለም ምኽሪ’ ኣምላኽ

8. ‘ናይ ዘለኣለም ምኽሪ’ ወይ ዕላማ እንታይ እዩ፧

8 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ: ንኣምላኽ ‘ናይ ዘለኣለም ምኽሪ’ ወይ ዕላማ ኸም ዘለዎ ገይሩ ገለጾ። (ኤፌሶን 3:11) እዚ ኣምላኽ ነገራት ዚዓየሉ ብደቂቕ እተወሰነ ዝርዝር መደብ ከም ዘለዎ ዚሕብር ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: የሆዋ ነቲ ፈለማ ንደቅሰብን ንምድርን ዝሓለኖ ኺፍጽም ቈራጽነት ከም ዘለዎ ዚገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) ዕላማኡ ኸይተፈጸመ ኸም ዘይተርፍ ምእንቲ ኽንግንዘብ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ናይ መጀመርታ ትንቢት እስከ ንርአ።

9. ዘፍጥረት 3:15 ምስ ዕላማ ኣምላኽ ብኸመይ ትተሓሓዝ፧

9 ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዚርከብ መብጽዓ: ኣዳምን ሄዋንን ድሕሪ ምሕጣኦም ብኡንብኡ የሆዋ እታ ምሳልያዊት ሰበይቱ ዘርኢ ወይ ወዲ ኸም እትወልድ ወሰነ። እቲ ኣብ መንጎ እታ ሰበይትን ሰይጣንን ኣብ መንጎ ዘርኢ ኽልቲኦምን ዚህሉ ጽልኢ እውን የሆዋ ኣቐዲሙ ርእይዎ እዩ። የሆዋ ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣምላኽ ኣብ ሸዀናኡ ኺንከስ እኳ እንተ ፈቐደ: ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ኸኣ እቲ ዘርኢ ነቲ ተመን ወይ ሰይጣን ድያብሎስ ርእሱ ኺጭፍልቖ እዩ። እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግን: ዕላማ የሆዋ ኽሳዕ እቲ የሱስ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ኰይኑ ዚቕልቀለሉ እዋን በቲ እተመርጸ መስመር ወለዶ ኣቢሉ ናብ ፍጻመ ምስጓም ቀጸለ።—ሉቃስ 3:15, 23-38፣ ገላትያ 4:4

የሆዋ ኣቐዲሙ ዚምድቦ ነገር

10. የሆዋ: ኣዳምን ሄዋንን ከም ዚሓጥኡ ኣቐዲሙ ወሲንዎ ነይሩ ድዩ፧ ግለጽ።

10 ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ኺገልጽ ከሎ: “ንሱ [የሱስ] ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ: ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ” በለ። (1 ጴጥሮስ 1:20) የሆዋ ኻብ መጀመርታ ኣትሒዙ ኣዳምን ሄዋንን ኪሓጥኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ እተኸፍለ መስዋእታዊ በጃ ኼድልን ኣቐዲሙ ወሲኑ ነይሩ ድዩ፧ ኣይፋልን። እታ “ምስራት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቓል: ቃል ብቓላ “[ዘርኢ] ምውዳቕ” ማለት እያ። እሞኸ ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ምሕጣኦም ‘ምውዳቕ ዘርኢ’ ኣጋጢሙ: ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ ሰብኣዊ ውሉድ ተጠኒሱ ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ምስ ጠሓሱ እዮም ውሉዳት ዝወለዱ። (ዘፍጥረት 4:1) ስለዚ: ድሕሪ እቲ ዕልወት ከምኡውን ቅድሚ እቲ ውሉድ ኣዳምን ሄዋንን እተጠንሰሉ እዋን: የሆዋ “ዘርኢ” ኸም ዚመጽእ ኣቐዲሙ መደበ። የሱስ ሙማቱን ምትንሳኡን በጃ ንኪኸውን ፍቕራዊ ምድላው ኰነ: ብእኡ ኣቢሉ ድማ እቲ እተወርሰ ሓጢኣትን ኵሉ ጻዕርታት ሰይጣንን ተሳዕረ።—ማቴዎስ 20:28፣ እብራውያን 2:14, 16፣ 1 ዮሃንስ 3:8

11. የሆዋ ኣብ ኣፈጻጽማ ዕላማኡ እንታይ እዩ ኣቐዲሙ ዝመደበ፧

11 ኣምላኽ ኣብ ኣፈጻጽማ ዕላማኡ ኻልእ ነገር ኣቐዲሙ መዲቡ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፎ መልእኽቲ: ፍቓድ ኣምላኽ “ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለል” ምዃኑ ብምግላጽ ጠቒስዎ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ: ነቲ “ኣብ ሰማይ ዘሎ:” ማለት ነቶም ንክርስቶስ መዋርስቱ ኪዀኑ እተመርጹ ብዚምልከት: “ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳቡ ዚገብር ቀደም እተመደብና” ብምባል ገለጸ። (ኤፌሶን 1:10, 11) እወ: እተወሰኑ ዝቝጽሮም ሰባት ካልኣይ ክፍሊ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣምላኽ ኪዀኑ: ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ከኣ ነቲ እቲ በጃ ዜምጽኦ ጥቕምታት ኪዕድሉ: የሆዋ ኣቐዲሙ ወሲንዎ ነይሩ። (ሮሜ 8:28-30) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም “ቅዱስ ህዝቢ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 2:9) ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ኣቢሉ ቝጽሪ እቶም መዋርስቲ ክርስቶስ 144,000 ምዃኑ ናይ ምፍላጥ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺቡ እዩ። (ራእይ 7:4-8፣ 14:1, 3) ምስቲ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ብሓባር ኰይኖም: “ንውዳሴ ኽብሩ:” ማለት ንውዳሴ ኽብሪ ኣምላኽ የገልግሉ እዮም።—ኤፌሶን 1:12-14

12. ክፍሊ እቶም 144,000 ዚዀኑ ውልቀ-ሰባት ኣቐዲሞም ከም ዘይተወሰኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

12 እቶም 144,000 ኣቐዲሞም እተመደቡ ምዃኖም: ገለ ውልቀ-ሰባት በዚ መገዲ እዚ ብተኣማንነት ንኣምላኽ ንኼገልግሉ ኣቐዲሙ ተወሲኑሎም ማለት ኣይኰነን። እቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዚርከብ ማዕዳ: ብቐዳምነት ነቶም ቅቡኣት ንጽህናኦም ንኺሕልዉን ነቲ ሰማያዊ ጽውዓ ዚበቕዑ ዀይኖም ንኪቕጽሉን መምርሒ ንምሃብን ንምብርታዕን ተባሂሉ እዩ ተጻሒፉ። (ፊልጲ 2:12፣ 2 ተሰሎንቄ 1:5, 11፣ 2 ጴጥሮስ 1:10, 11) የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ዚበቕዑ 144,000 ውልቀ-ሰባት ከም ዚህልዉ ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚኣቶም መነመን ከም ዚዀኑ: ኣብቲ እቶም እተጸውዑ ውልቀ-ሰባት ዚሓርይዎ ኣነባብራ እዩ ዚምርኰስ፣ እዚ ውሳነ እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም ብውልቆም ዚገብርዎ እዩ።—ማቴዎስ 24:13

የሆዋ ኣቐዲሙ ዚፈልጦ ነገር

13, 14. እቲ የሆዋ ዘለዎ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ: ምስ እንታይ እዩ ዚሰማማዕ፧ ስለምንታይከ፧

13 የሆዋ ናይ ትንቢትን ናይ ዕላማን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ፧ ቅድም ቀዳድም: ኵሉ መገድታት የሆዋ ሓቀኛን ጽድቃውን ፍቕራውን ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ: ማሕላን ተስፋን (መብጽዓ) ኣምላኽ: “ኪሕስወለን ዘይከአል ክልተ ዘይልወጣ ነገር” ምዃነን ኣረጋገጸ። (እብራውያን 6:17, 18) ንቲቶስ እቲ ወደ መዝሙር ኣብ ዝለኣኻ ደብዳበ ኸኣ: “ዘይሕሱ ኣምላኽ” ኢሉ ብምጽሓፍ ነዚ ሓሳብ እዚ እንደገና ገለጾ።—ቲቶስ 1:2

14 ብተወሳኺ: የሆዋ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ እኳ እንተለዎ: ዘይፍትሓዊ ነገር ግን ፈጺሙ ኣይገብርን እዩ። ሙሴ ንየሆዋ “ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ብምባል ገለጾ። (ዘዳግም 32:4) የሆዋ ዚገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር ምስቲ ዜደንቕ ባህርያቱ ዚሰማማዕ እዩ። ተግባራቱ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ቐንዲ ባህርያቱ ዝዀነ ፍቕርን ጥበብን ፍትሕን ሓይልን ዚርከብ ስኒት ዜንጸባርቕ እዩ።

15, 16. የሆዋ ንኣዳም ኣብ ገነት ኤድን እንታይ ምርጫ እዩ ዘንበረሉ፧

15 እዚ ዅሉ ምስቲ ኣብ ገነት ኤድን ዘጋጠመ ፍጻመታት ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ እሞ ሕስብ ኣበሎ። የሆዋ ፈቃር ኣቦ ስለ ዝዀነ: ንዅሉ እቲ ንሰብኣውያን ፍጡራቱ ዜድልዮም ኣቕረበ። ንኣዳም ናይ ምሕሳብ: ብርትዓዊ መገዲ ናይ ምርኣይ: ከምኡውን ኣብ መደምደምታ ናይ ምብጻሕ ክእለት ሃቦ። ኣዳም ከምቶም መብዛሕትኡ እዋን ብባህረት ዚምርሑ ፍጥረት እንስሳታት ዘይኰነስ: ምርጫ ናይ ምግባር ክእለት ኣለዎ። ኣምላኽ ካብ ሰማያዊ ዝፋኑ ዀይኑ ነዚ ምስ ተዓዘበ: “ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ።”—ዘፍጥረት 1:26-31፣ 2 ጴጥሮስ 2:12

16 የሆዋ ንኣዳም “ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ከይበልዕ ኣብ ዝኣዘዘሉ እዋን: ኣዳም እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ንኺውስን እኹል መምርሒ ሃቦ። ንኣዳም ብዘይካ ኻብ ሓንቲ: ካብ “ኵሉ ኦም ገነት” ኪበልዕ ፈቐደሉ: ብዛዕባ እቲ ኻብታ እተኸልከለት ኦም ፍረ ምብላዕ ዜስዕቦ ሓደገኛ ሳዕቤናት ድማ ኣጠንቀቖ። (ዘፍጥረት 2:16,፣17) ተግባራቱ ዜምጽኣሉ ሳዕቤናት እውን ገለጸሉ። ኣዳምከ እንታይ ገበረ፧

17. የሆዋ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ መሪጹ እዩ ዚጥቀመሉ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

17 የሆዋ ዅሉ ነገራት ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለት እኳ እንተለዎ: ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ዚገብርዎ ነገር ኣቐዲሙ ኺርኢ ኸም ዘይመረጸ ርዱእ እዩ። ስለዚ: እቲ ጕዳይ: የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ኣቐዲሙ ኺርኢ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ዘይኰነስ: ከምኡ ኺገብር ዚመርጽ እንተ ዀይኑ እዩ። ብተወሳኺ: የሆዋ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: እናፈለጠ ብጭካነ ነቲ ዕልወትን ኵሉ ዜሕዝን ሳዕቤናቱን ኣቐዲሙ ኸም ዘይውስኖ ኽንድምድም ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 7:11፣ 1 ዮሃንስ 4:8) ስለዚ: የሆዋ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ መሪጹ እዩ ዚጥቀመሉ።

18. የሆዋ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ መሪጹ ዚጥቀመሉ ምዃኑ ዘይፍጽምና ኸም ዘለዎ ዜመልክት ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

18 የሆዋ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ መሪጹ ምጥቃሙ: ሓደ ነገር ከም ዚጐድሎ ወይ ዘይፍጹም ከም ዝዀነ ዚሕብር ድዩ፧ ኣይፋልን። ሙሴ ንየሆዋ ኸም “ከውሒ” ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ: ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ግብሩ ፍጹም እዩ” በለ። በቲ ሓጢኣት ደቅሰብ ዜምጽኦ ሳዕቤናት ተሓታቲ ኣይኰነን። እቲ ሎሚ ዅላትና ኣብ ህይወትና እንርእዮ ዘለና ሕማቕ ሳዕቤናት: ካብቲ ትእዛዝ ብምፍራስ እተፈጸመ ሓጥእ ተግባር ዝመነጨ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ብምባል ብንጹር ኣረድአ።—ዘዳግም 32:4, 5፣ ሮሜ 5:12፣ ኤርምያስ 10:23

19. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ሕቶታት ክንርኢ ኢና፧

19 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ: ኣምላኽ ፍትሒ ኣየጕደለን። (መዝሙር 33:5 ትርጕም 1990) እኳ ደኣስ: ክእለታትን ስነ-ምግባራዊ ባህርያትን ስርዓታትን የሆዋ: ንዕላማኡ ዚድግፍ እዩ። (ሮሜ 8:28) የሆዋ ናይ ትንቢት ኣምላኽ ብምዃኑ: “ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ: ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ” ይነግር እዩ። (ኢሳይያስ 46:9, 10) እቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ መሪጹ ዚጥቀመሉ ምዃኑ እውን ርኢና ኢና። እሞ ደኣ ንሕና ብኸመይ ኢና እንጽሎ፧ ውሳነታትና ምስቲ ፍቕራዊ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዚሰማማዕ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧ ከምኡ ምግባርናኸ እንታይ በረኸት እዩ ዜምጽኣልና፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽንርእዮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ: ኣብ ገጽ 28 ተወከስ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ‘ቃል’ ኣምላኽ ወትሩ ‘ዜቕንዕ’ ምዃኑ ዚምስክር እንታይ ጥንታዊ ኣብነታት ኣሎ፧

• የሆዋ ምስቲ “ናይ ዘለኣለም ምኽሩ” ወይ ዕላማኡ ብዚተሓሓዝ እንታይ እዩ ኣቐዲሙ ዝመደበ፧

• የሆዋ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ እስሊ]

ዮሳፋጥ ኣብ የሆዋ እምንቶ ነበሮ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ እስሊ]

ኣምላኽ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ኣቐዲሙ ነገረ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ እስሊ]

የሆዋ ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ዚገብርዎ ኣቐዲሙ መዲብዎ ድዩ፧